ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት፡ ኣብታ 30 ሚያዝያ 2012 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። ኣስፋሕቲ ኣብ ሰሰሙን፡ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኪዳለዉ ኸለዉ ኣብ ዚገብርዎ ምርምር ምእንቲ ኺሕግዞም፡ ነፍሲ ወከፍ ነጥቢ ዚቐርበሉ ዕለት ተሓቢሩ ኣሎ።
1. እታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ኤርምያስ ንዓና ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ [5 መጋ.፡ si-E ገጽ 129 ሕ.ጽ. 36]
2. የሆዋ ኻብዚ ሎሚ ዜጋጥመና መስጐጕቲ ኼናግፈና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ኤር. 1:8) [5 መጋ.፡ w05 15/12 ገጽ 23 ሕ.ጽ. 18]
3. እቶም ቅቡኣት ናብ “ጥንታዊ መገድታት፡” እተመልሱ መዓስን ብኸመይን እዮም፧ (ኤር. 6:16) [13 መጋ.፡ w05 1/11 ገጽ 24 ሕ.ጽ. 12]
4. ሎሚ ኣብ “ጊልዓድ ፈውሲ” ኣሎ ኺብሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧ (ኤር. 8:22) [19 መጋ.፡ w10 1/6 ገጽ 22 ሕ.ጽ. 3–ገጽ 23 ሕ.ጽ. 4]
5. የሆዋ ፍርዲ ድሕሪ ምሃቡ ‘ዚጠዓስ’ ብኸመይ እዩ፧ (ኤር. 18:7, 8) [2 ሚያ.፡ jr ገጽ 151፡ ሳጹን]
6. የሆዋ ንኤርምያስ ‘ዝጠበሮ’ ብኸመይ እዩ፡ ካብዚኸ እንታይ ንመሃር፧ (ኤር. 20:7) [2 ሚያ.፡ jr ገጽ 36 ሕ.ጽ. 8]
7. ጸላእቲ እስራኤል ብኣምላኽ ‘እተዳለዉ’ ወይ ‘እተቐደሱ’ (NW) ብኸመይ እዮም፧ (ኤር. 22:6-9) [9 ሚያ.፡ it-2-E ገጽ 1166 ሕ.ጽ. 8]
8. የሆዋ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቡ “ብምሕረት ሰሐብኩኺ፡” ኪብሎም ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ (ኤር. 31:3) [23 ሚያ.፡ jr ገጽ 142-145 ሕ.ጽ. 8-11]
9. ሕጊ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ሰባት ዚጸሓፍ ብኸመይ እዩ፧ (ኤር. 31:33) [23 ሚያ.፡ w07 15/3 ገጽ 11 ሕ.ጽ. 2]
10. ብዛዕባ ሓደ ውዕል ጥራይ ክልተ መጽሓፍ ምድላው ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧ (ኤር. 32:10-15) [30 ሚያ.፡ 07 15/3 ገጽ 11 ሕ.ጽ. 3]