ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/13 ገጽ 10
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
km 3/13 ገጽ 10

ምልክታታት

◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን፦ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ኣላሊ ወይ ድማ ንዅነታት እቲ ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓንቲ ኻብተን ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስተን ብሮሹራት ኣላልዮ እሞ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምረሉ ጽዓር። ግንቦትን ሰነን፦ ኣስፋሕቲ ንሓንቲ ኻብዘን ዚስዕባ ትራክትታት ኬበርክቱ ይኽእሉ እዮም፦ ብናብራ ስድራቤትካ ተሓጐስ፡ ንዓለም ዝገዝኣ ዘሎ መን ኢዩ፧፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምንዎ እትኽእልሉ ምኽንያት፡ ወይ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧። እቲ ብዓል ቤት ተገዳስነት እንተ ኣርእዩ፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ፡ ወይ ከኣ ንሓንቲ ኻብተን ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስተን ብሮሹራት ተጠቒምካ፡ ብኸመይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚግበር ኣርእዮ።

◼ በዓል ዝኽሪ፡ ሰሉስ 26 መጋቢት 2013 ኪብዓል እዩ። ጉባኤኹም ሰሉስ ኣኼባ እንተ ኣለዋ፡ እቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናጻ ኣብ ዝዀነሉ ኻልእ መዓልቲ ኪቕየር ኣለዎ። ነቲ ኣኼባ ኣገልግሎት ኪስረዝ እንተ ደኣ ኣለዎ ዀይኑ፡ እቲ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ንጉባኤኹም ብፍላይ ዚጠቅም ክፍልታት ኣብታ ወርሒ እቲኣ ንኺውሰድ ምትዕርራያት ኪገብር ይኽእል እዩ። እተን ኣብታ ሰሙን እቲኣ ምብጻሕ ሓላው ወረዳ ዘለወን ጉባኤታት፡ ኣብ ክንዲ ሰሉስ ካልእ መዓልቲ ኺእከባ ኣለወን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ