ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
ኣብዘን ቀዳሞት ኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ ናይዛ ዓመት ኣገልግሎት፡ ጸብጻብ ዝሃቡ ኣስፋሕቲ 1.3% ወሰኽ ኪርከብ ከሎ፡ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ ድማ 9,523 ነይሩ። መጽሔታት ኣብ ምብርካት እተረኽበ ወሰኽ ከኣ 18% ነይሩ። ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ነተን ጽቡቓት ብሮሹራትና ኺጥቀሙለን ምርኣይና፡ ኣዚና ኢና ተሓጒስና። እዚ ድማ ምስቲ ቕድሚ ሓደ ዓመት ኣብተን ኣርባዕተ ወርሒ ዝነበረ ቝጽሪ ኺነጻጸር ከሎ፡ 10% ወሰኽ ተራእዩ እዩ። እዚ ድማ ሓያሎ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺርከብ ኣጋጣሚ ይኸፍት።