ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ መስከረምን ጥቅምትን፦ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን። ሕዳር፦ ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 38። ታሕሳስ፦ ትራክትታት ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
◼ እቲ ናይ 2014 በዓል ዝኽሪ ኣብ ዚግበረሉ ወቕቲ ዚውሃብ ፍሉይ ህዝባዊ መደረ፡ 21 ሚያዝያ ኣብ እትጅምር ሰሙን ኪቐርብ እዩ። ኣርእስቲ እቲ መደረ ኣብ ዚመጽእ ኪንገር እዩ። እተን ኣብ ቀዳመ ሰንበት እታ ሰሙን እቲኣ ምብጻሕ ሓላው ወረዳ ወይ ዓብዪ ኣኼባ ዘለወን ጉባኤታት፡ እቲ ፍሉይ መደረ ኣብታ ቐጺላ ዘላ ሰሙን ኪውሃበን እዩ። ዝዀነት ትኹን ጉባኤ ነዚ ፍሉይ መደረ እዚ ቕድሚ 21 ሚያዝያ ኽትወስዶ ኣይግባእን እዩ።