ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት፡ ኣብታ 24 ለካቲት 2014 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ።
1. ሰይጣን ንሄዋን ኣብ ምንታይ ከም እተተኵር እዩ ገይሩዋ፧ ሄዋንከ ኻብታ እተኸልከለት ኦም ብምብላዓ እንታይ ኣርኣየት፧ (ዘፍ. 3:6) [6 ጥሪ፡ w11 15/5 ገጽ 16-17 ሕ.ጽ. 5]
2. ኣቤል ድልድልቲ እምነት ኬጥሪ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧ (ዘፍ. 4:4, 5፣ እብ. 11:4) [6 ጥሪ፡ w13 1/1 ገጽ 12 ሕ.ጽ. 3፣ ገጽ 14 ሕ.ጽ. 4-5]
3. ወለዲ፡ ደቆም ንዓለማውያን ‘ስሙያት ጀጋኑ’ ኣድንቖት ከይሓድሮም ኪኽልክልዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ዘፍ. 6:4) [13 ጥሪ፡ w13 1/4 ገጽ 13 ሕ.ጽ. 2]
4. ካብቲ ኣብ ዘፍጥረት 19:14-17, 26 ተመዝጊቡ ዚርከብ ብዛዕባ ሎጥን ሰበይቱን ዚገልጽ ጸብጻብ፡ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ [27 ጥሪ፡ w03 1/1 ገጽ 16-17 ሕ.ጽ. 20]
5. ኣብርሃም ኣብ ትንሳኤን ኣብቲ ብይስሃቅ ኣቢሉ ዚውሃቦ ዘርእን ኣብ መብጽዓታት የሆዋን እምነት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ዘፍ. 22:1-18) [3 ለካ.፡ w09 1/2 ገጽ 18 ሕ.ጽ. 4]
6. ካብቲ ኣብ ዘፍጥረት 25:23 ዚርከብ፡ “እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኺግዛእ እዩ” ዚብል ትንቢት፡ እንታይ ኣገዳሲ ሓቂ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧ [10 ለካ.፡ w03 15/10 ገጽ 29 ሕ.ጽ. 2]
7. እቲ ምስ “መሳልል” እተተሓሓዘ ያእቆብ ዝሓለሞ ሕልሚ፡ እንታይ ትርጕም እዩ ነይርዎ፧ (ዘፍ. 28:12, 13) [10 ለካ.፡ w04 15/1 ገጽ 28 ሕ.ጽ. 6]
8. ላባን ነቶም እተሰርቁ ተራፊም ንኼምልስ ሓያል ጻዕሪ ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ዘፍ. 31:30-35) [17 ለካ.፡ it-2-E ገጽ 186 ሕ.ጽ. 2]
9. ካብቲ ኣብ ዘፍጥረት 32:29 ተገሊጹ ዘሎ፡ እቲ መልኣኽ ንያእቆብ ዝመለሰሉ መገዲ እንታይ ንመሃር፧ [24 ለካ.፡ w13 1/8 ገጽ 10]
10. ከምቲ ንዲና ዘጋጠማ ዓይነት ሓደጋ ንኸየጋጥመና እንጥንቀቐሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧ (ዘፍ. 34:1, 2) [24 ለካ.፡ w01 1/8 ገጽ 20-21]