መደብ 28 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
28 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 48ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
jr ምዕ. 10 ¶1-7 (30 ደቒቕ)
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሁልቍ 1-3 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ዘሁልቍ 3:21-38 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ መንግስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ፡ ንሓዋሩ ኻብ ሕማማቶም ከተሕውዮም እያ—td 17ለ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ንናይ ሓሳት ክሲ ግቡእ ምላሽ ምሃብ፡ ሰላም ከም ዚሰፍን ይገብር—w08 15/11 ገጽ 18 ¶3–ገጽ 19 ¶1 (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ነቲ ቤት ትምህርቲ ዚኽፈተሉ ሓድሽ ዓመት ተዳሊኻሉዶ፧ ምይይጥ። ሰማዕቲ፡ ገለ ኻብቲ ንክርስትያን መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ ኼጋጥሞም ዚኽእል ጸገማት ኪጠቕሱ ዓድሞም። ወለዲ ንደቆም ምእንቲ ኼዳልውዎም ንወብ ሳይትናን ንኻልእ ቲኦክራስያዊ ጽሑፋትናን ብኸመይ ኪጥቀሙሉ ኸም ዚኽእሉ ግለጽ። (1 ጴጥ. 3:15) ሓደ ወይ ክልተ ልሙድ ጸገማት መሪጽካ፡ ምስኡ ዚተሓሓዝ ብውድብ እተዳለወ ሓጋዚ ሓሳብ ግለጽ። ንሰማዕቲ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብኸመይ ኪምስክሩ ኸም ዝኸኣሉ ንኺገልጹ ዓድሞም።
10 ደቒቕ፦ ንጸሓፊ ቓለ መጠይቕ ግበረሉ። ዕዮኻ እንታይ የጠቓልል። ትኽክልን ኣብ እዋኑን ዚቐርብ ጸብጻብ ኣገልግሎት ጉባኤ ኣብ ምጥርናፍ፡ ሓለውቲ ጕጅለታትን ኣስፋሕትን ብኸመይ ኪሕግዙኻ ይኽእሉ፧ ሽማግለታትን ሓለውቲ ወረዳን ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን፡ ትኽክል ዝዀነ ጸብጻብ ምርካቦም፡ ኣድላዪ ምትብባዕ ንኺህቡ ብኸመይ ኪሕግዞም ይኽእል፧
10 ደቒቕ፦ “ንነብያት ከም ኣርኣያ ጌርኩም ርኣይዎም—ጸፎንያስ።” ሕቶታትን መልስታትን።
መዝሙር 42ን ጸሎትን