ምልክታታት
◼ መስከረምን ጥቅምትን፦ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን። ሕዳርን ታሕሳስን፦ ትራክትታት ከምኡ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
◼ እቲ ናይ 2015 በዓል ዝኽሪ ኣብ ዚግበረሉ ወቕቲ ዚውሃብ ፍሉይ ህዝባዊ መደረ፡ 6 ሚያዝያ ኣብ እትጅምር ሰሙን ኪቐርብ እዩ። ኣርእስቲ እቲ መደረ ኣብ ዚመጽእ ኪንገር እዩ። እተን ኣብ መወዳእታ እታ ሰሙን እቲኣ ምብጻሕ ሓላው ወረዳ ወይ ዓብዪ ኣኼባ ዘለወን ጉባኤታት፡ እቲ ፍሉይ መደረ ኣብታ ቐጺላ ዘላ ሰሙን ኪውሃበን እዩ። ዝዀነት ትኹን ጉባኤ ነዚ ፍሉይ መደረ እዚ ቕድሚ 6 ሚያዝያ ኽትወስዶ ኣይግባእን እዩ።
◼ ካብ መስከረም ኣትሒዙ፡ ሓለውቲ ወረዳ “ጥበብ ኣምላኽ ብኸመይ ትጠቕመና፧” ዜርእስቱ መደረ ኬቕርቡ እዮም።