ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
መጋቢት ፍሉይ ንጥፈታት ኣገልግሎት ወፍሪ እተኻየደላ ወርሒ እያ ነይራ፣ ኣብታ ወርሒ እቲኣ እተመዝገበ ጠቕላላ ድምር ቍጽሪ ኣስፋሕትን እተዓደለ መጽሔታትን እተመርሐ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስን ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ እዩ። ፍሉይ ወፈራ ኽልና ድማ፡ ባህ ብዜብል ሓያሎ ተመክሮታት እዩ ተዛዚሙ፣ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ናይ ምዕዳም ንጥፈት እውን ኣብታ ወርሒ እዩ ተጀሚሩ። ሓያሎ ኣስፋሕቲ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ኣገልጊሎም እዮም። ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ፡ ካብቶም ጸብጻብ ዝሃቡ 9,837 ኣስፋሕቲ፡ 44%፡ ማለት ዳርጋ ፍርቂ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ነይሮም ማለት እዩ። እዚ ድማ ኣዝዩ ዚንኣድ ዕዮ እዩ።