ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/14 ገጽ 2-3
  • ውጽኢታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ውጽኢታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥሙቓት ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ሓግዞም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ናብ ጥምቀት ዜብጽሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ትመርሕ፧—ካልኣይ ክፋል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ‘ንጥበብ ኣመሃህራኻ’ ኣቕልበሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ናብ ጥምቀት ዜብጽሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ትመርሕ፧—ቀዳማይ ክፋል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
km 12/14 ገጽ 2-3

ውጽኢታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ

1. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሑ ኣስፋሕቲ እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧

1 የሆዋ “ዚስሕቦ እንተ ዘይኰይኑ፡” ንኣምላኽ ኬገልግል ዚኽእል የልቦን። (ዮሃ. 6:44) ይኹን እምበር፡ እቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሑ ኣስፋሕቲ፡ ሰባት ናብ ሰማያዊ ኣቦኦም ምእንቲ ኪቐርቡ፡ እጃሞም ኬበርክቱ ኣለዎም። (ያእ. 4:8) እዚ ኸኣ ምድላው ዚሓትት እዩ። ተመሃሮና ነቲ መልእኽቲ ተረዲኦም ዕቤት ምእንቲ ኺገብሩ፡ ሕጡብ ጽሑፍ ኣንቢብካ ሕቶ ምሕታት ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን።

2. ውጽኢታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ፍረ እዩ ዜፍሪ፧

2 ኣስፋሕቲ ንተመሃሮኦም፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ (1) ንኺርድእዎ፡ (2) ንኪቕበልዎ፡ (3) ኣብ ግብሪ ንኼውዕልዎ ምስ ዚሕግዝዎም፡ እቲ ዚመርሕዎ መጽናዕቲ ውጽኢታዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዮሃ. 3:16፣ 17:3፣ ያእ. 2:26) ሓደ ተመሃራይ፡ በዚ ደረጃታት እዚ ንኺሓልፍ ኣዋርሕ ኪወስድ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ፡ እቲ ተመሃራይ ምስ የሆዋ ርክብ ንኼማዕብልን ርእሱ ንኺውፍን ዚሕግዝ እዩ።

3. ውጽኢታውያን መምህራን፡ ኣረኣእያ ንምግላጽ ዚሕግዝ ሕቶታት ዚሓትቱ ስለምንታይ እዮም፧

3 ኣረኣእያ ተመሃራይና እንታይ እዩ፧ ተመሃራይና ነቲ ዚመሃሮ ዘሎ ኸም እተረድኦን ከም እተቐበሎን ምእንቲ ኽንፈልጥ፡ ንሕና ጥራይ ኣብ ክንዲ እንዛረብ፡ ሓሳቡ ንኺገልጽ ነተባብዓዮ። (ያእ. 1:19) ብዛዕባ እቲ ዚጽናዕ ዘሎ ርእሰ ነገር፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ይርድኦ ድዩ፧ ነቲ ርእሰ ነገር ብናቱ ቓላት ኪገልጾ ይኽእል ድዩ፧ ብዛዕባ እቲ ዚመሃሮ ዘሎ ትምህርቲ ኸመይ ይስምዖ፧ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ርትዓዊ ምዃኑ ይኣምን ድዩ፧ (1 ተሰ. 2:13) እቲ ዚመሃሮ ዘሎ ትምህርቲ ኣብ ህይወቱ ለውጢ ኼምጽእ ከም ዘለዎ ይርዳእ ድዩ፧ (ቈሎ. 3:10) ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት መልሲ ንምርካብ፡ ኣረኣእያኡ ኸም ዚገልጽ ዚገብሮ ሕቶታት ብሜላ ኽንሓትቶን ጽን ኢልና ኽንሰምዖን ኣሎና።—ማቴ. 16:13-16።

4. ሓደ ተመሃራይ፡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺርድኦ ወይ ንኺትግብሮ ዚኸብዶ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

4 ልምድታትን ኣተሓሳስባን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኸም ጽኑዕ ዕርዲ ስለ ዚኸውን፡ ንምፍራሱ ግዜ ይወስድ እዩ። (2 ቈረ. 10:5) ተመሃራይና ነቲ ዚመሃሮ ትምህርቲ ዘይቅበሎን ኣብ ግብሪ ዘየውዕሎን እንተ ዀይኑኸ፧ ቃል ኣምላኽን መንፈስ ቅዱስን ኣብ ልቢ እቲ ተመሃራይ ንኺዓይዪ ግዜ ስለ ዚወስድ፡ ትዕግስቲ ይሓትት። (1 ቈረ. 3:6, 7፣ እብ. 4:12) እቲ ተመሃራይ፡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺርድኦ ወይ እውን ኣብ ግብሪ ንኼውዕሎ ዚኸብዶ እንተ ዀይኑ፡ ጸቕጢ ኣብ ክንዲ እንገብረሉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ካልእ ርእሰ ነገር ምስጋር ዝሓሸ እዩ። ብትዕግስትን ብፍቕርን ብቐጻሊ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምህሮ እንተ ዄንና፡ ድሕሪ ግዜ ዜድሊ ለውጢ ንኺገብር ኪድረኽ ይኽእል እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ