ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
ብኣምሓርኛ ሓድሽ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ወጸ፡ ኣዚኹም ካብ ምሕጓስኩም እተላዕለ፡ ኣብቲ ዝቐጸለ ሰሙናት ብኣሽሓት ዚቝጸር መጽሓፍ ቅዱስ ንተገደስቲ ሰባት ዓዲልኩም ኢኹም። በዚ ኸምዚ ንኻልኦት ኣበልጺግኩምዎም ኢኹም፣ ኣወንታዊ ምላሽ ኪህቡ ብምርኣይኩም ድማ ሓጐስኩም ወሲኹ እዩ። በዚ ጥራይ ዓጊብኩም ስቕ ከም ዘይትብሉ ንተኣማመን ኢና። ነቲ “መእተዊ ቓል ኣምላኽ” ዚብል ኣብ ሸነኽ ቅድሚት እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዚማርኽ ክፋል ተጠቒምኩም፡ ተወሰኽቲ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምሩ ትኽእሉ ኢኹም። ካልእ ከም እንሕጐስ ዝገበረና ምኽንያት ከኣ፡ ምስቲ ኻብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት እተላእከ ሓውና ሪተንባክ ኣብ ዝገበርናዮ ፍሉይ ኣኼባ፡ ብጠቕላላ ኣብ 80 ቦታ 12,121 ተኣከብቲ ብሓባር፡ ካብዚ መደብ እዚ ኺጥቀሙ ምኽኣሎም እዩ። ብዛዕባ የሆዋ ንእተመሃርናዮ ነገራት ንኻልኦት እነካፍለሉ ኣጋጣሚ ምርካብናስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ!