ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ መስከረምን ጥቅምትን፦ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን። ሕዳርን ታሕሳስን፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ወይ እዘን ዚስዕባ ትራክትታት፦ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧ (T-30)፡ ንመጻኢ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧ (T-31)፡ መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት እንታይ እዩ፧ (T-32)፡ ንዓለም ዚቈጻጸራ ዘሎ መን እዩ፧ (T-33)፡ መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧ (T-34)፡ ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧ (T-35)፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ (T-36)።
◼ እቲ ናይ 2016 በዓል ዝኽሪ ኣብ ዚግበረሉ ወቕቲ ዚውሃብ ፍሉይ ህዝባዊ መደረ፡ 28 መጋቢት ኣብ እትጅምር ሰሙን ኪቐርብ እዩ። ኣርእስቲ እቲ መደረ ኣብ ዚመጽእ ኪንገር እዩ። እተን ኣብ መወዳእታ እታ ሰሙን እቲኣ ምብጻሕ ሓላው ወረዳ ወይ ዓብዪ ኣኼባ ዘለወን ጉባኤታት፡ እቲ ፍሉይ መደረ ኣብታ ቐጺላ ዘላ ሰሙን ኪውሃበን እዩ። ዝዀነት ትኹን ጉባኤ ነዚ ፍሉይ መደረ እዚ ቕድሚ 28 መጋቢት ክትወስዶ ኣይግባእን እዩ።
◼ ካብታ 19 ጥቅምቲ 2015 እትጅምር ሰሙን ኣትሒዙ፡ እታ “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ኽትጽናዕ እያ።