ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
ክሳዕ ሕጂ ብዝረኸብናዮ ጸብጻብ መሰረት፡ ኣብዚ ዓመት ኣገልግሎት እዚ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣርባዕተ ሓደስቲ ጉባኤታትን ሸሞንተ ኣብ ርሑቕ ዚርከባ ሓደስቲ ጕጅለታትን ከም እተመስረታ ኽንሕብረኩም ከለና ኣዝዩ ባህ ይብለና። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ 217 ጉባኤ ኺህልዋ ኸለዋ፡ 70 ኻባታተን ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እየን ዚርከባ። ዕዮ ስብከት ንምዝርጋሕ፡ ዛጊት ኣዝዩ ብዙሕ ዚስራሕ ዕዮ ኣሎ ማለት እዩ። የሆዋ ንዅሎም እቶም ሓይሎምን ጕልበቶምን ተጠቒሞም ንዕኡ ንምውዳስ ብትግሃት ዚዓይዩ ዘበሉ ኸም ዚባርኾም ንፈልጥ ኢና።
ብዘይካዚ፡ ንጥቕሚ ዓይነ ስውራን ተባሂሉ እተዳለወ ናይ መጀመርታ ሕታማት ብረይል ብኣምሓርኛ ምውጻኡ ኸነበስር ከለና የሐጕሰና እዩ። እዚ መሰናድዎ እዚ፡ ነቶም ንፍጻመ ትንቢት ኢሳይያስ 35፡5 ዚጽበዩ ሰባት፡ መንፈሳዊ ዓይኖም ኣብ ምኽፋት ብዙሕ ከም ዚጠቕሞም ተስፋ ኣሎና።