ክርስትያናዊ ህይወት
ኣዝዩ ዝበለጸ ህይወት
ኣብ ውድብ የሆዋ ንመንእሰያት ዚኸውን ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ካመሮን ንንእስነታ ብኸመይ ብጥበብ ከም እተጠቕመትሉ ንምፍላጥ ነታ ዘ በስት ላይፍ አቨር (ኣዝዩ ዝበለጸ ህይወት) ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሕቶታት መልሶ። (ናብ jw.org ኣቲኻ፡ ኣብቲ ብእንግሊዝኛ ዚርከብ ኣብ ትሕቲ BIBLE TEACHINGS > TEENAGERS ርአ።)
ካመሮን ኣብ ህይወታ ቐንዲ ቦታ እትህቦ ዝነበረት እንታይ እዩ ነይሩ፧
ኣገልግሎታ ንምስፋሕ ዝወሰነት መዓስን ብኸመይን እያ፧
ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ኻልእ ሃገር ከተገልግል እተዳለወት ብኸመይ እያ፧
ካመሮን ኣብ ርሑቕ ሃገር ተገልግል ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እንታይ ጸገማት ኣጋጢምዋ፧
ቅድሚ ሕጂ ኣገልጊልናሉ ኣብ ዘይንፈልጥ ቦታ ወይ ከባቢ ንየሆዋ ምግልጋል ጠቓሚ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
ካመሮን እንታይ በረኸት ረኺባ፧
ንየሆዋ ምግልጋል ናብ ኣዝዩ ዝበለጸ ህይወት ዚመርሕ ስለምንታይ እዩ፧
ኣብ ውድብ የሆዋ ንመንእሰያት ዚኸውን እንታይ ካልእ ኣጋጣሚታት ኣሎ፧