ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb16 መጋቢት ገጽ 2
  • 7-13 መጋቢት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 7-13 መጋቢት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
mwb16 መጋቢት ገጽ 2

7-13 መጋቢት

ኣስቴር 6-10

  • መዝሙር 33ን ጸሎትን

  • መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

  • “ኣስቴር ጥቕሚ ርእሳ ብምስዋእ፡ ምእንቲ የሆዋን ምእንቲ ህዝቡን ስጕምቲ ወሰደት”፦ (10 ደቒቕ)

    • ኣስ 8:3, 4—ኣስቴር ብደሓን ክትነብር ትኽእል እኳ እንተ ነበረት፡ ምእንቲ ኻልኦት ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ኣእተወታ (ia-E 143 ¶24-25)

    • ኣስ 8:5—ኣስቴር ንኣሓሽዌሮስ ብሜላ ተዛረበቶ (w06 1/3 11 ¶8)

    • ኣስ 8:17—ብዙሓት ሰባት፡ ኣይሁድ ጵሮሴሊት ኰኑ (w06 1/3 11 ¶3)

  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)

    • ኣስ 8:1, 2—እቲ ያእቆብ ቀቅድሚ ሞቱ ብዛዕባ ብንያም፡ ‘ምሸት ዝማረኾ ኸም ዚመቅል’ እተነበዮ ትንቢት ብኸመይ እዩ ተፈጺሙ፧ (ia-E 142፡ ሳጹን)

    • ኣስ 9:10, 15, 16—እቲ ሕጊ ምርኮ ኺዘርፉ ዜፍቅድ እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ኣይሁድ ግና እዚ ኻብ ምግባር እተቘጠቡ ስለምንታይ እዮም፧ (w06 1/3 11 ¶4)

    • ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረኒ፧

    • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብክዎ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽጥቀመሉ ዝኽእል እንታይ ነጥብታት ረኺበ፧

  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ኣስ 8:1-9 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

  • ናይዚ ወርሒ እዚ ኣቀራርባታት ተዳሎ፦ (15 ደቒቕ) ምይይጥ። ነተን ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ግምቢ ዘብዐኛ ዜርእያ ቪድዮታት ወልዓየን፡ ነቲ ጕሉሕ ነጥብታት ድማ ተመያየጥሉ። ድሕሪኡ፡ ነታ “ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ መጽሔት ኣዳሉ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ተመያየጡላ።

ክርስትያናዊ ህይወት

  • መዝሙር 21

  • “ንኣጋይሽና ብሓጐስ ንቀበሎም”፦ (15 ደቒቕ) ምይይጥ። ንኣስፋሕቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ በዓል ዝኽሪ ንእተኣከቡ ኣጋይሽ ተበግሶ ወሲዶም ብሓጐስ ብምቕባሎም እንታይ ጽቡቕ ውጽኢት ከም ዝረኸቡ ኼዘንትዉ ዓድሞም። ሓደ ፍሉይ ተመክሮ ብመርኣያ ኸም ዚቐርብ ግበር።

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ lv ምዕ. 7 ሕ.ጽ. 10-19፡ “ንደም ከም ቅዱስ ገይረ እርእዮ ድየ፧” ዘርእስታ ሳጹን (30 ደቒቕ)

  • ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)

  • መዝሙር 147ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ