26 መስከረም–2 ጥቅምቲ
መዝሙር 142-150
መዝሙር 55ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“የሆዋ ዓብይን ብዙሕ ውዳሰ ዚግብኦን እዩ”፦ (10 ደቒቕ)
መዝ 145:1-9—ዕቤት የሆዋ ደረት የብሉን (w04 15/1 10 ¶3-4፣ 11 ¶7-8፣ 14 ¶20-21፣ 15 ¶2)
መዝ 145:10-13—እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ንዕኡ ይውድስዎ (w04 15/1 16 ¶3-6)
መዝ 145:14-16—የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ይድግፎምን ይዕንግሎምን (w04 15/1 17-18 ¶10-14)
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)
መዝ 143:8—እዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ መዓልቲ መዓልቲ ንየሆዋ ኸነኽብሮ እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧ (w10 15/1 21 ¶1-2)
መዝ 150:6—እታ ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ዘላ ናይ መወዳእታ ፍቕዲ እንታይ ግዴታ እያ እተጕልሕ፧ (it-2 448)
ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረኒ፧
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብክዎ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽጥቀመሉ ዝኽእል እንታይ ነጥብታት ረኺበ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) መዝ 145:1-21
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (2 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) 1ጴጥ 5:7—ሓቂ ምሃር።
ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) መዝ 37:9-11—ሓቂ ምሃር።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (6 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) fg ትምህርቲ 9 ¶3—እቲ ተምሃራይ ነቲ ትምህርቲ ኺትግብሮ ሓግዞ።
ክርስትያናዊ ህይወት
“ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ንተገደስቲ ኣብ ኣኼባታት ኪካፈሉ ኣተባብዓዮም”፦ (15 ደቒቕ) ምይይጥ። ሓሓንቲ ቕዳሕ እታ ወረቐት ዕድመ ኣኼባ ጉባኤ ዓድል፡ ድሕሪኡ ኣብ ገጽ 2 ንዘሎ ሓሳብ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጾ። ነታ ሓደ ኣስፋሒ ንሓደ ብስሩዕ መጽሔት ዚወስደሉ ሰብ ናብ ኣኼባ ኺዕድሞ ኸሎ እትርኢ ቪድዮ ኣርኢ። ነታ “ኣብ ጥቅምቲ ዚዕደል፦ ወረቐት ዕድመ ኣኼባ ጉባኤ” ዘርእስታ ሳጹን ብምምይያጥ ዛዝም።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) lv ምዕ. 16 ሕ.ጽ. 9-14፡ ኣብ ገጽ 192-193 ዘላ ሳጹን
ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)
መዝሙር 145ን ጸሎትን
መዘኻኸሪ፦ ቅድሚ ምዝማርኩም፡ ነቲ ሙዚቃ ብምሉኡ ሓንሳእ ስምዕዎ።