ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb17 ጥቅምቲ ገጽ 3
  • ብኸመይ ትጉህ ተምሃራይ ቅዱሳት ጽሑፋት ክትከውን ትኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብኸመይ ትጉህ ተምሃራይ ቅዱሳት ጽሑፋት ክትከውን ትኽእል፧
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ንዳንኤል ዘደንቕ ሽልማት ይመባጽዓሉ
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • ኣምላኽ ብሓቂዶ ይሓልየልካ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • መጽሓፍ ዳንኤልን ንስኻን
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • ኣብ ዘመን መወዳእታ ነቶም ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ምልላዮም
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
mwb17 ጥቅምቲ ገጽ 3

ክርስትያናዊ ህይወት

ብኸመይ ትጉህ ተምሃራይ ቅዱሳት ጽሑፋት ክትከውን ትኽእል፧

ኣብ ግዜ ፈተና ኸም ዳንኤል እሙን ክትከውን ትደሊዶ፧ ዳንኤል ቃል ኣምላኽ ኰነ ዓሚቝ ትንቢት ብትግሃት የጽንዕ ነበረ። (ዳን 9:2) መጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት ተጽንዕ እንተ ዄንካ እሙን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ከመይሲ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ፡ እቲ የሆዋ ዝሃበና ተስፋታት ከም ዚፍጸም ንዘሎካ እምነት የደልድለልካ እዩ። (እያ 23:14) ብዘይካዚ፡ ነታ ቕኑዕ ዘበለ ኽትገብር እትድርኸካ ንኣምላኽ ዘላትካ ፍቕሪ የደልድላ እዩ። (መዝ 97:10) እንተዀነ ግና፡ ካበይ ኢኻ ኽትጅምር ዘሎካ፧ ነዚ ዚስዕብ ርእይቶታት እስከ ርአ።

ዳንኤል ቃል ኣምላኽ የጽንዕ
  • እንታይ ከጽንዕ፧ ጽቡቕ ልማድ መጽናዕቲ፡ ንኣኼባታት ጉባኤ ምድላው እውን የጠቓልል እዩ። ንዘይተረድኣካ ነጥብታት ምርምር ትገብረሉ እንተ ዄንካ፡ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ። ገሊኦም ብዛዕባ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እተፈላለየ መዳያት ፍረ መንፈስ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ወይ ከኣ ብዛዕባ ፍጥረት የሆዋ ዝያዳ ምርምር ኪገብሩ ይመርጹ እዮም። መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕቶ ኣብ ኣእምሮኻ እንተ መጺኡ፡ ጸሓፎ እሞ፡ ኣብ ዚቕጽል መጽናዕቲ ኽትገብር ከለኻ ምርምር ግበረሉ።

  • ካበይ እየ ሓበሬታ ኽረክብ ዚኽእል፧ ነታ እተፈላለየ ርእይቶ ዝሓዘት፡ መንፈሳዊ መዛግብቲ ንምርካብ ዚሕግዝ ናውቲ ምርምር ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ። ክእለትካ ንምግምጋም፡ ብዛዕባ መንነት እቶም ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 7 ተጠቒሶም ዘለዉ፡ ብኣራዊት እተመሰሉ ሓይልታት ዓለም ምርምር ግበር።

  • ንመጽናዕቲ ኽንደይ ግዜ ኽውፊ ኣሎኒ፧ መንፈሳዊ ጥዕናና ምእንቲ ኺሕሎ፡ ስሩዕ መጽናዕቲ ኣገዳሲ እዩ። እንተ ኣድልዩ፡ መጽናዕቲ እትገብረሉ ግዜ ብውሑድ ደቓይቕ ክትጅምሮ ትኽእል ኢኻ፡ በብቝሩብ ከኣ እናወሰኽካሉ ትኸይድ። ቃል ኣምላኽ ምጽናዕ፡ ልክዕ ከም ንሕቡእ መዝገብ ክትረክብ ኢልካ ዚግበር ኵዕታ እዩ። እተወሰነ መዝገብ እንተ ረኺብካ፡ ዝያዳ ምእንቲ ኽትረክብ ኣዕሚቝካ ኢኻ እትዅዕት። (ምሳ 2:3-6) ንቓል ኣምላኽ ዘሎካ ባህጊ ይውስኽ፡ ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ጽቡቕ ልማድ ህይወትካ ይኸውን።—1ጴጥ 2:2።

    ንእዋን መጽናዕትኻ ዝያዳ ባህ ዜብል ምእንቲ ኽትገብሮ፡ ናይ 15 ጥሪ 2012 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 15 ርአ።

እቶም ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 7 ተጠቒሶም ዘለዉ ኣራዊት ንምንታይ የመልክቱ፧

  • ክንፊ ንስሪ ዘለዎ ኣንበሳ

    ዳን 7:4

  • ኣብ ኣፉ ሰለስተ መሰንገለ ዝሓዘ ድቢ

    ዳን 7:5

  • ኣርባዕተ ርእስን ኣርባዕተ ኽንፍን ዘለዎ ነብሪ

    ዳን 7:6

  • ዓበይቲ ኣስናን ሓጺንን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ ዜፍርህ ኣራዊት

    ዳን 7:7

ተወሳኺ ሕቶ፦

ዳንኤል 7:8, 24 ፍጻመኣ ዝረኸበት ብኸመይ እያ፧

ኣብ መንጎ እተን ዓሰርተ ኣቕርንቲ፡ ኣዒንትን ኣፍን ዘለዋ ንእሽቶ ቐርኒ ትወጽእ፣ ሰለስተ ኣቕርንቲ ኸኣ ትምንቍስ

ዚቕጽል ፕሮጀክት፦

እቶም ኣብ ራእይ ምዕራፍ 13 ተጠቒሶም ዘለዉ ኣራዊት ንምንታይ የመልክቱ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ