ክርስትያናዊ ህይወት
ዕዮ ረድኤትና፡ ነቶም ኣብ ካሪበያ ዘለዉ ክርስትያናት ዝጠቐሞም ብኸመይ እዩ፧
ሎሚ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚግበር ዝነበረ፡ ነቶም ሓደጋ ዜጋጥሞም ዘሎ ክርስትያናት ብጾትና፡ ፍቕርና ኸነርእዮም እንኽእለሉ ፍሉይ መሰል ኣሎና። (ዮሃ 13:34, 35) ነታ ፍቕሪ ብግብሪ—ዕዮ ረድኤት ኣብ ደሴታት ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ክርስትያናት ነቶም ኣብ ካሪበያ ዚርከቡ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ዘጋጠሞም ጸገም ብኸመይ ምላሽ ከም ዝሃቡሉ ኣስተብህል፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
እቶም ኣብ ካሪበያ ዚርከቡ ኣሕዋትና፡ በቲ ኢርማን ማሪያን ዚብሃል ህቦብላ እተጸልዉ ብኸመይ እዮም፧
የሆዋ ነቶም ኣብ ካሪበያ ዚርከቡ ኣሕዋትና፡ ብክርስትያናት ብጾቶም ኣቢሉ ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧
እቶም ግዳይ ህቦብላ ዝዀኑ ኣሕዋትና፡ በቲ ኣሕዋቶም ዘርኣይዎም ፍቕርን ልግስን እተጸናንዑ ብኸመይ እዮም፧
ኣብቲ ኣብ ካሪበያ እተገብረ ዕዮ ረድኤት ክንደይ ዚኣኽሉ ኣሕዋትን ኣሓትን እዮም ተሳቲፎም፧
ኵላትና ኣብ ዕዮ ረድኤት እጃምና ኸነበርክት እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
እዛ ቪድዮ እዚኣ፡ ኣባል እዛ ፈቃር ውድብ ብምዃንካ እንታይ ስምዒት ኣሕዲራትልካ፧