8-14 ሓምለ
1 ተሰሎንቄ 1-5
መዝሙር 90ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ንሓድሕድኩም ተተባብዑን ተሃናነጹን”፦ (10 ደቒቕ)
[መእተዊ 1 ተሰሎንቄ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዕ።]
1ተሰ 5:11-13—ነቶም ዚመርሑኹም “ኣብሊጽኩም ኣኽብርዎም” (w11 15/6 26 ¶12፣ 28 ¶19)
1ተሰ 5:14—ንእተጨነቑ ኣጸናንዕዎም፡ ንድኹማት ደግፍዎም (w17.10 10 ¶13፣ w15 15/2 9 ¶16)
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)
1ተሰ 4:3-6—ሓደ ዝመንዘረ ሰብ ‘ንሓዉ ዚብለጸሉ’ ብኸመይ እዩ፧ (it-1 863-864)
1ተሰ 4:15-17—እቶም ‘ንጐይታ ኣብ ኣየር ዚቕበልዎን ብደበና ዚምንዝዑን’ መን እዮም፧ እዚኸ ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧ (w15 15/7 18-19 ¶14-15)
ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ምሂሩካ፧
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ ካልእ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) 1ተሰ 3:1-13 (th መጽናዕቲ 5)
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ቪድዮ ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ) ነታ ቪድዮ ወልዓያን ተመያየጡላን።
ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (2 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ተጠቐመሉ። (th መጽናዕቲ 1)
ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። ልሙድ ንዝዀነ ተቓውሞ ድማ ስገሮ። (th መጽናዕቲ 3)
ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። ልሙድ ንዝዀነ ተቓውሞ ድማ ስገሮ። (th መጽናዕቲ 4)
ክርስትያናዊ ህይወት
ዜተባብዑ ፈለምቲ፦ (9 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ፈለምቲ ንምሕጋዝ ዘለዎም ዓቕሚ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦ ፈለምቲ ኣብ ጉባኤ ንኻልኦት ኬተባብዑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ኣብ ጉባኤኻ ኻብ ዘለዉ ፈለምቲ ምትብባዕ ዝረኸብካ ብኸመይ ኢኻ፧
ዜተባብዑና ሰናይ ኣብነታት፦ (6 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ‘ብተጻዋርነት ጕየ’—ነቶም ጽቡቕ ኣብነት ዝሓደጉልና ምሰሎም ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦ እታ ሓብቲ እንታይ ጸገም እዩ ነይርዋ፧ ምትብባዕ ምእንቲ ኽትረክብከ እንታይ ገይራ፧
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) jy ምዕ. 26
ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)
መዝሙር 105ን ጸሎትን