ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ተሰሎንቄ 1-3
ምግላጽ እቲ ጠሓስ ሕጊ
ጳውሎስ ኣብዚ ፍቕድታት እዚ ንምንታይ እዩ ዜመልክት ነይሩ፧
“ዚኽልክሎ” (ፍቕ. 6)—ንሃዋርያት ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ
“ኪግለጽ” (ፍቕ. 6)—ድሕሪ ሞት ሃዋርያት፡ ከሓድቲ ክርስትያናት ምስ ሃይማኖታዊ ግብዝናኦምን ምስ ናይ ሓሶት ትምህርትታቶምን ከም ዚቕልቀሉ ንምምልካት
“ምስጢር እዚ ጥሕሰት ሕጊ እዚ” (ፍቕ. 7)—ብግዜ ጳውሎስ “እቲ ጠሓስ ሕጊ” ብንጹር ከም ዘይተፈልጠ ንምምልካት
“እቲ ጠሓስ ሕጊ” (ፍቕ. 8)—ሎሚ፡ ብደረጃ ጕጅለ ንኣቕሽሽቲ ህዝበ ክርስትያን የመልክት
‘ጐይታና የሱስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ነቲ ጠሓስ ሕጊ ኼጥፍኦ እዩ’ (ፍቕ. 8)—የሱስ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ሰይጣን እንተላይ ኣብ ልዕሊ “እቲ ጠሓስ ሕጊ” ፍርዲ የሆዋ ብምፍጻም፡ ከም ንጉስ ኰይኑ ሰማያዊ ህላወኡ ኼግህድ እዩ
እዘን ፍቕድታት እዚአን ብቕንኣትን ብናይ ህጹጽነት ስምዒትን ክትሰብኽ ዜተባብዓኻ ብኸመይ እየን፧