መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
1-7 ሓምለ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ቈሎሴ 1-4
“ነቲ ኣረጊት ቀንጢጥኩም፡ ሓድሽ ልበሱ”
(ቈሎሴ 3:5-9) እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም፡ ማለት ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፋሉል ፍትወተ ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዐ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት ቅተሉ። 6 ብሰሪ እዚ፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ይመጽእ ኣሎ። 7 ንስኻትኩም እውን ኣብቲ ናይ ቀደም ኣነባብራኹም፡ ብኸምኡ ኢኹም እትመላለሱ ኔርኩም። 8 ሕጂ ግና እዚ ዅሉ፡ ማለት ነድሪ፡ ቍጥዓ፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ጽዩፍ ዘረባ ኻብ ኣፍኩም ኣርሕቑ። 9 ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ። ነቲ ኣረጊት ስብእና ምስ ግብርታቱ ቐንጢጥኩም፡
መንፈስ ኣምላኽ እምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይትቀበል
ኣብ ባህርያተይ እንታይ ዓይነት መንፈስ እዩ ዚንጸባረቕ፧ (ቈሎሴ 3:8-10, 13 ኣንብብ።) መንፈስ ዓለም፡ ግብሪ ስጋ እዩ ዜስፋሕፍሕ። (ገላ. 5:19-21) ኣየናይ መንፈስ ከም ዚጸልወና ብሓቂ ኽንፈልጥ እንኽእል፡ ኣብ ምሹእ ሃዋህው ዘይኰነስ፡ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ማለት ክርስትያን ሓውና ወይ ሓብትና ዕሽሽ ኪብለና፡ ኬጕህየና፡ ወይ ኪብድለና ኸሎ እዩ። ኣብ ቤትና ኽንከውን ከለና እውን፡ ኣየናይ መንፈስ ከም ዚጸልወና ይርአ እዩ። ስለዚ፡ ንርእስና ምምርማርና ኣገዳሲ እዩ። ንርእስኻ፡ ‘ኣብዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ክርስትያናዊ ባህርያት ብዝያዳ ኣንጸባሪቐ ድየ፡ ወይስ ነቲ ሕማቕ ኣዘራርባይን ባህርየይን ገና ኣይሓደግክዎን፧’ ኢልካ ሕተት።
ቃል ኣምላኽ፡ ‘ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥና፡’ “ሓድሽ ሰብ” ንኽንለብስ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ፡ ዝያዳ ፈቃራትን ሕያዎትን ክንከውን ይሕግዘና። ዋላ እውን ዜቘጥዕ ነገር እንተ ኣጋጠመና፡ ንሓድሕድና ብኸምኡ ይቕረ ንኽንበሃሃል ክንድረኽ ኢና። ዘይፍትሓዊ ነገራት ክንርኢ ኸለና ድማ፡ ብ“ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን” ምላሽ ኣይክንህብን ኢና። የግዳስ፡ “ተዳናገጽቲ” ንኽንከውን ጻዕሪ ኽንገብር ኢና።—ኤፌ. 4:31, 32።
(ቈሎሴ 3:10-14) ነቲ ኸም ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ብልክዕ ፍልጠት ዚሕደስ ዘሎ ሓድሽ ስብእና ልበሱ። ኣብኡስ ግሪኻውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ጓና፡ ስኪት፡ ባርያ፡ ጭዋ የልቦን፣ የግዳስ፡ ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ። 12 እምበኣር፡ ከም ሕሩያት ኣምላኽ፡ ቅዱሳትን ፍቑራትን ኴንኩም፡ ልባዊ ርሕራሐ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ልእመት፡ ዓቕሊ ልበሱ። 13 ሓደ ኣብቲ ሓደ ቕር ዜብል ነገር እንተ ኣልይዎ፡ ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን። ከምቲ የሆዋ ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩ። 14 ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ እውን፡ ፍቕሪ ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት እያ እሞ፡ ልበስዋ።
ተለዊጥካ ዲኻ፧
ካብቲ ቓል ኣምላኽ ንኺልውጠና እንገብሮ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ፡ ኣዘውቲርና ንዕኡ ምንባብናን ካብኡ ትምህርቲ ምቕሳምናን እዩ። ብዙሓት ሰባት ሓሓሊፎም መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዜንብቡ፡ ነቲ ዚብሎ ይፈልጥዎ እዮም። ምናልባት ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ተራኺብካ ትፈልጥ ትኸውን። ገሊኣቶም እሞ ኸኣ ንጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብቓሎም ይወጽዎ ይዀኑ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ኣተሓሳስባኦምን ኣብ ናብራኦምን ብዙሕ ጽልዋ ኣየሕድርን ይኸውን። እንታይ እዩ ዚጐድሎም፧ ቃል ኣምላኽ ንሓደ ሰብ ኪልውጦ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ሰብ ንቓል ኣምላኽ ‘ኪምሃሮ’ ወይ ከኣ ኣብ ልቡ ኼስርጾ ኣለዎ። (ገላ. 6:6) ስለዚ፡ ግዜ ወሲድና ብዛዕባ እቲ እንምሃሮ ትምህርቲ ኽንሓስብ ኣሎና። ከምዚ ዚስዕብ እናበልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ጽቡቕ እዩ፦ ‘እዚ ዝምሃሮ ዘለኹ ትምህርቲ፡ ካብ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ንላዕሊ ምዃኑ እኣምን ድየ፧ ከምኡ ምዃኑ ኣብ ህይወተይ ተመኪረዮ ደይኰንኩን፧ ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ነቲ ትምህርቲ ንኻልኦት እምህሮም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ህይወተይ እትግብሮ ድየ፧ የሆዋ ብውልቀይ ዜዘራርበኒ ዘሎ ዀይኑ ድዩ ዚስምዓኒ፧’ ብዛዕባ ኸምዚ ዝበለ ሕቶታት ምስትንታን፡ ነቲ ብዛዕባ የሆዋ ዘሎና ልባዊ ስምዒት ኬዕምቖ እዩ። ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ እውን ክትዓቢ እያ። በዚ ኸምዚ ልብና ኺትንከፍ ከሎ፡ ኣወንታዊ ለውጥታት ክንገብር ኢና።—ምሳ. 4:23፣ ሉቃ. 6:45።
ኣዘውቲርና ቓል ኣምላኽ ነንብብን ብዛዕባኡ ነስተንትንን እንተ ዄንና፡ ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ብቐጻሊ ንኽንገብሮ ኽንድረኽ ኢና፣ ንሱ፡ “ነቲ ኣረጊት ስብእና ምስ ግብርታቱ ቐንጢጥኩም፡ ነቲ ኸም ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ብልክዕ ፍልጠት ዚሕደስ ዘሎ ሓድሽ ስብእና ልበሱ” በለ። (ቈሎ. 3:9, 10) እወ፡ ንሓቂ ትርጕም ቃል ኣምላኽን ነቲ ዘለዎ ጽልዋን ብእተረዳእናዮ መጠን፡ ብቐጻሊ ኽንዕወት ኢና። እቲ ኸም ውጽኢቱ እንለብሶ ሓድሽ ስብእና ድማ፡ ካብ ውዲት ሰይጣን ኬዕቍበና እዩ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ቈሎሴ 1:13, 14) ኻብ ስልጣን ጸልማት ኣናጊፉና እዩ፣ ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱ እውን ኣእትዩና እዩ። 14 ብወዱ በጃ ተኸፊሉልና፡ ማለት ሓጢኣትና ተሓዲጉልና እዩ።
it-2 169 ¶3-5
መንግስቲ ኣምላኽ
“መንግስቲ ፍቑር ወዱ።” ካብቲ የሱስ ናብ ሰማይ ዝዓረገሉ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ፡ ማለት ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ.፡ የሱስ ኣብ ልዕሊ ደቀ መዛሙርቱ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣፍሰሰ፡ ‘ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ከም ዝበለ’ መርትዖ ረኸቡ። (ግብ 1:8, 9፣ 2:1-4, 29-33) በዚ ኸምዚ፡ እቲ “ሓድሽ ኪዳን” ኣባታቶም ኪዓዪ ጀመረ፡ ንሳቶም እውን ሕመረት ሓደ ሓድሽ “ቅዱስ ህዝቢ፡” ማለት መንፈሳዊ እስራኤል ኰኑ።—እብ 12:22-24፣ 1ጴጥ 2:9, 10፣ ገላ 6:16።
ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣቦኡ ተቐሚጡን ርእሲ እታ ጉባኤ ዀይኑን እዩ። (ኤፌ 5:23፣ እብ 1:3፣ ፊል 2:9-11) ካብ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ንደሓር፡ ኣብ ልዕሊ ደቀ መዛሙርቱ መንፈሳዊ መንግስቲ ኸም ዝቘመ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ይሕብር እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ፡ “[ኣምላኽ] ካብ ስልጣን ጸልማት ኣናጊፉና እዩ፣ ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱ እውን ኣእትዩና እዩ” ብምባል፡ የሱስ ክርስቶስ ድሮ መንግስቲ ኸም ዘለዎ ገይሩ ጠቒሱሎም እዩ።—ቈሎ 1:13፣ ምስ ግብ 17:6 ኣረኣኢ።
ካብ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ኣትሒዛ ዝቘመት መንግስቲ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ መንፈሳዊ እስራኤል፡ ማለት ኣብ ልዕሊ እቶም መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ ኪዀኑ ብመንፈስ ኣምላኽ እተወልዱ ክርስትያናት እትገዝእ መንፈሳዊት መንግስቲ እያ። (ዮሃ 3:3, 5, 6) እቶም ብመንፈስ እተወልዱ ክርስትያናት ሰማያዊ ዓስቦም ምስ ረኸቡ፡ ምድራውያን ተገዛእቲ እታ መንፈሳዊት መንግስቲ ክርስቶስ ኣይኰኑን እዮም፣ የግዳስ፡ ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ነገስታት እዮም ዚዀኑ።—ራእ 5:9, 10።
(ቈሎሴ 2:8) ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብ ስርዓት ሰብን ኣብ መባእታዊ ነገራት ዓለምን እተመስረተ ፍልስፍናን ከንቱ ጥበራን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ።
ካብ መልእኽትታት ናብ ሰብ ገላትያን ኤፌሶንን ፊልጲን ቈሎሴን ዚጐልሕ ነጥብታት
2:8—እቲ ጳውሎስ መጠንቀቕታ ዝሃበሉ “ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ” እንታይ እዩ፧ እዚ ምህሮ ቝልዕነት እዚ፡ ንናይ ሰይጣን ዓለም ዜቕውም፡ ዚመርሕ፡ ወይ ዚድርኽ መሰረታዊ ነገራት ወይ ስርዓታት እዩ። (1 ዮሃ. 2:16) ገለ ኻብዚ ኸኣ ናይዛ ዓለም ፍልስፍና፡ ፍቕረ-ንዋይ፡ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኪጥቀስ ይከኣል።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ቈሎሴ 1:1-20) ካብቲ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ጳውሎስን ካብ ጢሞቴዎስ ሓውናን፡ 2 ናብቶም ኣብ ቈሎሴ ዘለዉ ቕዱሳትን ምስ ክርስቶስ ብዘለዎም ሓድነት እሙናትን፦ ካብ ኣቦና ኣምላኽ ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም። 3 ምእንታኹም ክንጽሊ ኸለና፡ ነቲ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ኣምላኽ ኵሉ ሳዕ ነመስግኖ ኢና፣ 4 ከመይሲ፡ ብዛዕባ እታ ብክርስቶስ የሱስ ዘላትኩም እምነትን ንዅሎም ቅዱሳት ዘላትኩም ፍቕርን ሰሚዕና ኢና፣ 5 እዚኣ ኸኣ ሳላ እታ ኣብ ሰማያት ተነቢራትልኩም ዘላ ተስፋ እያ። ብዛዕባ እዛ ተስፋ እዚኣ ብመልእኽቲ ሓቂ እቲ ብስራት ኣቐዲምኩም ሰሚዕኩም ኢኹም፣ 6 እዚ ድማ ናባኻትኩም መጺኡ እዩ። ከምቲ እቲ ብስራት ኣብ ኵላ ዓለም ዚፈርን ዚዓብን ዘሎ፡ ካብታ ንጸጋ ኣምላኽ ብሓቂ ዝሰማዕኩምላን ብልክዕ ዝፈለጥኩምላን መዓልቲ ጀሚሩ ኣባኻትኩም እውን ከምኡ ይኸውን ኣሎ። 7 ካብቲ ፍቑር ብጻይና ባርያ፡ ኣብ ክንዳና እውን ዜገልግል እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ ዝዀነ ኤጳፍራስ፡ እዚ ኢኹም እተመሃርኩም። 8 መንፈሳዊ ፍቕርኹም ዘፍለጠና እውን ንሱ እዩ። 9 ስለዚ ኸኣ፡ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ኣትሒዝና፡ በቲ ልክዕ ፍልጠት ፍቓዱ ብዅሉ ጥበብን ብመንፈሳዊ ግንዛበን ክትምልኡ ምእንታኹም ካብ ምጽላይን ካብ ምልማንን ኣየቋረጽናን። 10 ብሰናይ ግብሪ ዘበለ እናፈረኹምን ብልክዕ ፍልጠት ኣምላኽ እናዓበኹምን ንየሆዋ እትበቕዑ ዄንኩም ምእንቲ ኽትመላለሱን ብዅሉ ንዕኡ ምእንቲ ኸተሐጕስዎን ከኣ ኢና ኸምኡ ዝገበርና። 11 ብዓቕልን ብሓጐስን ኵሉ ምእንቲ ኽትጻወሩ፡ ከምቲ ኽቡር ሓይሉ ብዅሉ ሓይሊ በርትዑ፣ 12 ነቲ ኻብ ርስቲ እቶም ኣብ ብርሃን ዘለዉ ቕዱሳት ክትካፈሉ ዘብቅዓኩም ኣቦ እውን ኣመስግንዎ። 13 ንሱ ኻብ ስልጣን ጸልማት ኣናጊፉና እዩ፣ ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱ እውን ኣእትዩና እዩ። 14 ብወዱ በጃ ተኸፊሉልና፡ ማለት ሓጢኣትና ተሓዲጉልና እዩ። 15 ንሱ ምስሊ እቲ ዘይርአ ኣምላኽ፡ በዅሪ ዅሉ ፍጥረት እዩ፣ 16 ከመይሲ፡ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርአን ዘይርአን፡ ዝፋናት ወይስ ጕይትነት ወይስ መንግስትታት ወይስ ስልጣናት፡ ኵሉ ብእኡ እዩ ተፈጢሩ። ኵሉ ብእኡን ንዕኡን እዩ ተፈጢሩ። 17 ንሱ ድማ ቅድሚ ዅሉ እዩ፣ ኵሉ ኸኣ ብእኡ እዩ ቘይሙ፣ 18 ንሱ ርእሲ ሰብነቱ፡ ማለት ርእሲ ጉባኤኡ፡ እውን እዩ። ብዅሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንሱ መጀመርታ፡ ካብ ምዉታት እውን በዅሪ እዩ፣ 19 ምኽንያቱ፡ ኣምላኽ፡ ኵሉ ምልኣት ኣብኡ ኺሓድር ባህ ኢልዎ እዩ፣ 20 ብእኡ ድማ በቲ ኣብቲ ጕንዲ ስቅያት ዝፈሰሰ ደሙ ገይሩ ሰላም ብምግባር፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዀነ ወይስ ኣብ ሰማያት ዘሎ ዅሉ ምስ ርእሱ የተዓርቕ እዩ።
8-14 ሓምለ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ተሰሎንቄ 1-5
“ንሓድሕድኩም ተተባብዑን ተሃናነጹን”
(1 ተሰሎንቄ 5:11-13) ስለዚ፡ ከምቲ እትገብርዎ ዘለኹም፡ ንሓድሕድኩም ተተባብዑን ተሃናነጹን። 12 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ኣብ መንጎኹም ዚጽዕሩን ብጐይታ ዚመርሑኹምን ዚምዕዱኹምን ከተኽብርዎም ንልምነኩም ኣለና፣ 13 ስለቲ ዕዮኦም፡ ብፍቕሪ ኣብሊጽኩም ኣኽብርዎም። ንሓድሕድኩም እውን ብሰላም ንበሩ።
‘ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዚጽዕሩ ኣኽብርዎም’
ንጉባኤ ‘ምምራሕ’ ኪበሃል ከሎ፡ ካብ ምምሃር ንላዕሊ የጠቓልል እዩ። እዛ ቓል እዚኣ፡ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ፡ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 3:4 እውን ትርከብ እያ። ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ፡ ሓላዊ፡ “ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን” ኪኸውን ከም ዚግባእ፡ ጳውሎስ ገሊጹ እዩ። ኣብዚ እታ “ዜስተናብር” እትብል ቃል፡ ንውሉዳት ምምሃር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንስድራ ቤት ምምራሕን ‘እዙዛት ውሉድ ምህላውን’ ከም እተጠቓልል ርዱእ እዩ። እወ፡ ሽማግለታት ንኣባላት ጉባኤኦም፡ ንየሆዋ ንኺግዝእዎ ብምሕጋዝ ይመርሕዎም እዮም።—1 ጢሞ. 3:5።
‘ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዚጽዕሩ ኣኽብርዎም’
ብፍላይ ንዓኻ ተባሂሉ እተዳለወ ውህበት እንተ ዚወሃበካ፡ እንታይ ምገበርካ፧ ሞሳኻ ንምግላጽ፡ ነቲ ውህበት እቲ ኣይምተጠቐምካሉንዶ፧ የሆዋ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝሃበና ሽማግለታት እውን “ውህበት” እዮም። ነዞም ውህበት እዚኣቶም ምስጋናኻ ኸተርእየሉ እትኽእል ሓደ መገዲ፡ ነቲ ብሽማግለታት ዚቐርብ መደረታት ጽን ኢልካ ብምስማዕን ነቲ ዚጠቕስዎ ነጥብታት ኣብ ግብሪ ብምውዓልን እዩ። ኣብ ኣኼባታት ትርጕም ዘለዎ ሓሳባት ብምሃብ እውን፡ ሞሳኻ ኽትገልጽ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኸም ኣገልግሎት ወፍሪ ዝኣመሰለ፡ ሽማግለታት ዚመርሕዎ ንጥፈታት ደገፍካ ሃብ። ካብ ሓደ ሽማግለ ብእተዋህበካ ምኽሪ እንተ ተጠቒምካ፡ ከም ዝጠቐመካ ስለምንታይ ዘይትነግሮ፧ ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ንኣባላት ስድራ ቤት ሽማግለታት ስለምንታይ ሞሳኻ ዘይትገልጸሎም፧ ሓደ ሽማግለ ኣብ ጉባኤ ኣበርቲዑ ንኺዓዪ፡ ኣባላት ስድራ ቤቱ ምስኡ ዜሕልፍዎ ግዜ ይስውኡ እዮም።
(1 ተሰሎንቄ 5:14) ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዘይ ስርዓት ንዚመላለሱ ኣጠንቅቕዎም፡ ንእተጨነቑ ኣጸናንዕዎም፡ ንድኹማት ደግፍዎም፡ ንዅሎም ተዓገስዎም ኢልና ንምሕጸነኩም ኣለና።
“ብግብርን ብሓቅን” ንፋቐር
ንድኹማት ደግፎም። ነቲ፡ “ንድኹማት ደግፍዎም፡ ንዅሎም ተዓገስዎም” ዚብል ትእዛዝ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እንስዕበሉ እዋን፡ ፍቕርና ኽሳዕ ክንደይ ናይ ሓቂ ምዃና ኽትፍተን ትኽእል እያ። (1 ተሰ. 5:14) ድኹማት ዝነበሩ ሓያሎ ኣሕዋት፡ ድሕሪ ገለ ግዜ ብእምነት ድልዱላት ዚዀኑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ገሊኦም ግና ትዕግስትናን ቀጻሊ ደገፍናን የድልዮም እዩ። ንኣብነት፡ ዚሃንጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ከነካፍሎም፡ ምሳና ኼገልግሉ ኽንዕድሞም፡ ወይ ከኣ ኪዛረቡና ኸለዉ ጽን ኢልና ኽንሰምዖም ንኽእል ኢና። ብተወሳኺ፡ ንሓደ ክርስትያን “ብርቱዕ” ወይ “ድኹም” ከም ዝዀነ ጌርና ኣብ ክንዲ እንሓስቦ፡ ኵላትና ብርቱዓትን ድኹማትን እንዀነሉ ግዜያት ከም ዘሎ ኽንዝክር ይግባእ። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ድኻም ከም ዘለዎ ተኣሚኑ እዩ። (2 ቈረ. 12:9, 10) ስለዚ፡ ኵላትና ደገፍ ክርስትያን ብጾትና የድልየና እዩ።
ንትሕትናን ንርሕራሐን የሱስ ቅድሓዮ
ርሕራሐ ዝመልኦ ቓላት። ንኻልኦት ንርሕርሓሎም እንተ ዄንና፡ ‘ነቶም እተጨነቑ ንኸነጸናንዖም’ ክንድረኽ ኢና። (1 ተሰ. 5:14) ነዞም ሰባት እዚኦም ምእንቲ ኸነተባብዖም እንታይ ክንብል ንኽእል፧ ካብ ልብና ኸም እንሓልየሎምን ከም እንግደሰሎምን ብምግላጽ፡ ንመንፈሶም ክንሕድሶ ንኽእል ኢና። ነቲ ዘለዎም ኣወንታዊ ባህርያትን ክእለትን ምእንቲ ኺግንዘብዎ፡ ካብ ልብና ኽንንእዶም ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ናብ ወዱ ኸም ዝሰሓቦም፡ ከምኡ ዝገበረ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኽቡራት ስለ ዝዀኑ ምዃኑ ኸነዘኻኽሮም ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 6:44) የሆዋ ነቶም “ስቡር ልቢ ዘለዎም” ወይ “ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም” ኣገልገልቱ ኣዝዩ ኸም ዚግደሰሎም እውን ከነረጋግጸሎም ንኽእል ኢና። (መዝ. 34:18) እቲ ርሕራሐ ዝመልኦ ቓላትና፡ ነቶም ምጽንናዕ ዜድልዮም ሰባት፡ ጥዕና ኼምጽኣሎም ይኽእል እዩ።—ምሳ. 16:24።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(1 ተሰሎንቄ 4:3-6) ፍቓድ ኣምላኽሲ ኽትቅደሱን ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁን እዩ። 4 ነፍሲ ወከፍኩም ንሰብነቱ ብቕድስናን ብኽብርን ብኸመይ ከም ዚቈጻጸሮ ይፍለጥ፣ 5 ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብህርፋን ፋሉል ፍትወተ ስጋ ድማ ኣይትመርሑ። 6 ሓደ እኳ በዚ ነገር እዚ ኻብ ግቡእ ደረት ኣይሕለፍ፡ ንሓዉ እውን ኣይበለጸሉ፣ ስለምንታይሲ፡ ከምቲ ኣቐዲምና ዝነገርናኩምን ኣጸቢቕና ዘጠንቀቕናኩምን፡ ነቶም ነዚ ነገራት እዚ ዚገብሩ ዘበሉ ዚቐጽዖም የሆዋ እዩ።
it-1 863-864
ምንዝርና
ምንዝርና ኻብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኼውጽእ (ኬወግድ) ዚኽእል ኣበሳ እዩ። (1ቈረ 5:9-13፣ እብ 12:15, 16) ዚምንዝር ክርስትያን ንኣካላት መፍረኡ ንዝሩግ ዕላማ ብምጥቃም፡ ኣብ ገዛእ ሰብነቱ ኸም ዚሓጥእ ሃዋርያ ጳውሎስ ገሊጹ ኣሎ። ዚምንዝር ክርስትያን ብመንፈሳዊ መዳይ ብኣሉታዊ መገዲ ብዙሕ ይጽሎ፡ ናብ ጉባኤ ኣምላኽ ርኽሰት የምጽእ፡ ብጾታዊ ርክብ ንዚመሓላለፍ ቀታሊ ሕማማት እውን ይቃላዕ እዩ። (1ቈረ 6:18, 19) ብዘይካዚ ድማ፡ (1) ናብ ጉባኤ ርኽሰትን ነውርን ጸርፍን ብምምጻእ (እብ 12:15, 16)፡ (2) ነታ ምስኡ ዝመንዘረት፡—ዘይተመርዓወት እንተ ነይራ፡—ንጽህቲ ዀይና ኽትምርዖ ዝነበራ ኣጋጣሚ ብምጥፋእ፡ (3) ንስድራ ቤቱ ዝነበሮም ንጹህ ስነ ምግባራዊ ስም ብምጽላም፡ (4) ንወለዲ፡ ሰብኣይ፡ ወይ ሕጹይ እታ ምስኡ ዝመንዘረት ብምብዳል፡ ንክርስትያን ኣሕዋቱ ይብለጸሎም እዩ። ከምዚ ዚገብር ዘበለ፡ ንሰብ ኣይኰነን ዚንዕቕ ዘሎ፣ ከመይሲ፡ ሕጊ ሰብ ንምንዝርና ዕሽሽ ኪብሎ ወይ ከይብሎ ይኽእል እዩ። የግዳስ፡ ንኣምላኽ እዩ ዚንዕቕ፣ ኣምላኽ ከኣ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ኪቐጽዖ እዩ።—1ተሰ 4:8።
(1 ተሰሎንቄ 4:15-17) ንሕና እቶም ጐይታ ኣብዚ ኽሳዕ ዚህልወሉ እዋን ብህይወት እንጸንሕ ዘበልና፡ ነቶም ዝሞቱ ኸቶ ኸም ዘይንቕድሞም፡ እዚ ብቓል የሆዋ ንነግረኩም ኣለና፣ 16 ከመይሲ፡ ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጻውዒት፡ ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፣ እቶም ምስ ክርስቶስ ሓድነት ከለዎም ዝሞቱ ኸኣ፡ ቅድም ኪትንስኡ እዮም። 17 ድሕሪኡ፡ ንሕና ብህይወት ዝጸናሕና፡ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፡ ምሳታቶም ሓቢርና ብደበና ኽንምንዛዕ ኢና፣ በዚ ኸምዚ፡ ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንከውን ኢና።
‘ድሕነትኩም ቀሪቡ እዩ’
ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ኺፍኑ ምስ ጀመረ፡ እንታይ እዩ ኺፍጸም፧ ማርቆስ፡ “[ወዲ ሰብ] ንመላእኽቱ ኺልእኮም፡ ንሕሩያቱ እውን ካብ ኣርባዕተ ንፋሳት፡ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ ኪእክቦም እዩ” ዚብል ሓሳባት መዝጊቡ ኣሎ። ማቴዎስ እውን ተመሳሳሊ ጸብጻብ ሂቡ ኣሎ። (ማር. 13:27፣ ማቴ. 24:31) እዚ ዕዮ ምእካብ እዚ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ምእካብ እቶም ቅቡኣት ኰነ ነቲ ናይ መወዳእታ ምሕታም እቶም ተረፍ ቅቡኣት ዜመልክት ኣይኰነን። (ማቴ. 13:37, 38) እቲ ናይ መወዳእታ ምሕታም፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ቐቅድሚ ምጅማሩ እዩ ዚፍጸም። (ራእ. 7:1-4) እቲ የሱስ ዝጠቐሶ ዕዮ ምእካብ ደኣ እሞ እንታይ እዩ ዜመልክት፧ ነቲ ተረፍ ቅቡኣት እቶም 144,000 ሰማያዊ ዓስቦም ዚቕበሉሉ እዋን እዩ ዜመልክት። (1 ተሰ. 4:15-17፣ ራእ. 14:1) እዚ ፍጻመ እዚ፡ ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ መጥቃዕቲ ኺፍኑ ደድሕሪ ምጅማሩ ኣብ ዘሎ ግዜ እዩ ዚፍጸም። (ህዝ. 38:11) ሽዑ፡ እቲ፡ “ጻድቃን ኣብ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ደሚቖም ኪበርሁ እዮም” ዚብል ቃላት የሱስ ኪፍጸም እዩ።—ማቴ. 13:43።
ኣብ ህዝበ ክርስትያን ዘለዉ ሓያሎ ሰባት፡ ክርስትያናት ስጋ ለቢሶም ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ እዮም ዚኣምኑ። ብዘይካዚ፡ የሱስ ኣብ ምድሪ ንኺገዝእ ብዚርአ መገዲ ኸም ዚምለስ እዮም ዚሓስቡ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ “ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርአ፡” የሱስ ከኣ “ብደበና ሰማይ ኪመጽእ” ምዃኑ ብንጹር ይገልጽ እዩ። (ማቴ. 24:30) እዚ መግለጺ እዚ፡ የሱስ ብዘይርአ መገዲ ኸም ዚመጽእ ዚሕብር እዩ። ብተወሳኺ፡ “ስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ከም ዘይክእል” ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ፡ እቶም ናብ ሰማይ ዚኸዱ፡ “እታ ናይ መወዳእታ መለኸት ኣብ እትንፍሓሉ እዋን፡ ብሓንሳእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ” ኺልወጡ ኼድሊ እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:50-53 ኣንብብ።) እወ፡ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ተረፍ ቅቡኣት፡ ብቕጽበት ኪእከቡ እዮም።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(1 ተሰሎንቄ 3:1-13) ስለዚ፡ ደጊም ምጻሩ ምስ ሰኣንና፡ ኣብ ኣቴና በይንና ኽንተርፍ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዩና እዩ፣ 2 ብዛዕባ እምነትኩም ምእንቲ ኼጽንዓኩምን ኬጸናንዓኩምን ከኣ፡ ነቲ ሓውናን በቲ ብስራት ክርስቶስ ኣገልጋሊ ኣምላኽን ዝዀነ ጢሞቴዎስ ልኢኽናዮ ኢና፣ 3 ከምኡ ዝገበርና ድማ፡ በዚ ጸበባ እዚ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይናወጽ ኢልና ኢና። ካብ ከምዚ ዝበለ ጸበባ ኸነምልጥ ከም ዘይንኽእል፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 4 ምሳኻትኩም ከለና፡ ጸበባ ኸም ዚመጸና ኣቐዲምና ንነግረኩም ኔርና፣ ከምቲ እትፈልጥዎ ኸኣ፡ ከምኡ ዀይኑ። 5 ስለዚ፡ ደጊም ምጻሩ ምስ ሰኣንኩ፡ ምናልባት እቲ ፈታኒ ፈቲኑኩም ከይህሉ እሞ፡ ጻዕርና ኸንቱ ኸይከውን ኢለ፡ ተኣማንነትኩም ምእንቲ ኽፈልጥ ልኢኸ እየ። 6 ጢሞቴዎስ ግና ካባኻትኩም ሕጂ ናባና መጺኡ ኣሎ፣ ብዛዕባ ተኣማንነትኩምን ፍቕርኹምን፡ ኵሉ ሳዕ ብጽቡቕ ከም እትዝክሩና፡ ከምቲ ንሕና እንናፍቐኩም ከኣ ክትርእዩና ትናፍቑ ኸም ዘለኹም ኣበሲሩና እዩ። 7 ስለዚ ኸኣ ኢና፡ ኣሕዋተየ፡ ሳላኹምን ሳላ ተኣማንነትኩምን ኣብ ኵሉ ጭንቅናን ጸበባናን እተጸናናዕና። 8 ብጐይታ ስለ ዝጸናዕኩም፡ ህይወትና ተሓዲሳ ኣላ። 9 ስለቲ ብሳላኹም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዝረኸብናዮ ሓጐስ፡ ብዛዕባኹም ንኣምላኽ ከመይ ጌርና ኢና እሞ ኸነመስግኖ፧ 10 ገጽኩም ክንርእን ኣብ እምነትኩም ዝጐደለ ኽንምልእን፡ ለይትን መዓልትን ብእተኻእለና መጠን ብጽኑዕ ንምህለል ኣለና። 11 ኣቦና ኣምላኽ ባዕሉን ጐይታና የሱስን መገድና ናባኻትኩም የቕንዑ። 12 ጐይታ ድማ፡ ከምቲ ንሕና ንዓኻትኩም ዘላትና ፍቕሪ፡ ነታ ንሓድሕድኩምን ንዅሉን ዘላትኩም ፍቕሪ ይወስኸልኩምን የብዝሓያን፣ 13 እዚ ድማ ጐይታና የሱስ ምስ ኵሎም ቅዱሳቱ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ብቕድስና መንቅብ ዘይብልኩም ኴንኩም ክትርከቡ፡ ልብኹም ምእንቲ ኼጽንዕ እዩ።
15-21 ሓምለ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ተሰሎንቄ 1-3
“ምግላጽ እቲ ጠሓስ ሕጊ”
(2 ተሰሎንቄ 2:6-8) ብግዜኡ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ እቲ ሕጂ ዚኽልክሎ ዘሎ ትፈልጥዎ ኢኹም። 7 ምስጢር እዚ ጥሕሰት ሕጊ እዝስ ይዓዪ ኣሎ፣ እዚ ግና፡ እቲ ዚኽልክሎ ዘሎ ኻብ መገዱ ኽሳዕ ዜልግስ ጥራይ እዩ። 8 ሽዑ ኸኣ፡ እቲ ጠሓስ ሕጊ ኺግለጽ እዩ፣ ንዕኡ እውን ጐይታና የሱስ ብመንፈስ ኣፉ ኼጥፍኦን ብምግሃድ እቲ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ከንቱ ኺገብሮን እዩ።
it-1 972-973
ተወፋይነት፡ ንኣምላኽ
ኣብዚ ምስቲ “ቕዱስ ምስጢር” የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ዚጻረር ካልእ ምስጢር ኣሎ። “ምስጢር እዚ ጥሕሰት ሕጊ” ድማ ተባሂሉ ኣሎ። እዚ ብግዜ ሃዋርያ ጳውሎስ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ምስጢር እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ መንነት እቲ “እቲ ጠሓስ ሕጊ ዝዀነ ሰብ” ብንጹር ብእተሰረትን ብግልጺ ብዚልለ ጕጅለን መልክዕ ኣይሓዘን ነይሩ። እቲ “ሰብ” መልክዕ ምስ ሓዘ እውን እንተ ዀነ፡ እከይ ተግባሩ ንኣምላኽ ተወፋይነት ከም ዘለዎ ኣምሲሉ ስለ ዚገብሮ፡ መንነቱ ንብዙሓት ሰባት ምስጢር ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። እቲ ተግባር እቲ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንኣምላኽ ብሓቂ ዚግበር ተወፋይነት ዚፍጸም ክሕደት እዩ ነይሩ። ጳውሎስ፡ “ምስጢር እዚ ጥሕሰት ሕጊ” ብግዜኡ ይዓዪ ኸም ዘሎ ሓቢሩ እዩ፣ ከምኡ ዝበለሉ ምኽንያት ከኣ፡ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ውዒሉ ሓዲሩ ጕጅለ ከሓድቲ ዜፍሪ ጽልዋ ጥሕሰት ሕጊ ብምንባሩ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ የሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ምስ ተጋህደ፡ ነቲ ጠሓስ ሕጊ ኼጥፍኦ እዩ። እቲ ሰይጣን ዚጥቀመሉ “ሰብ” ዝዀነ ኸሓዲ ኸኣ፡ “ኣምላኽ ኣብ ዚብሃል ወይ ኣብ ዚምለኽ ዘበለ (ግሪኽኛ፡ ሰባስማ) ዅሉ” ርእሱ ልዕል የብል እዩ። በዚ ኸምዚ፡ እዚ ኸም መሳርሒ ሰይጣን መጠን ዓብዪ ተጻራሪ ኣምላኽ ዝዀነ ኸሓዲ፡ ብዙሕ የታልል እዩ፡ ንተግባሩ ንዚስዕቡ እውን ጥፍኣት የምጽኣሎም እዩ። እቲ “ጠሓስ ሕጊ” ብግብዝና ንኣምላኽ ተወፋይነት ከም ዘለዎ ኣምሲሉ ካባ ስለ ዚለብስ እዩ ኣሳልጦ ዚርከብ።—2ተሰ 2:3-12፣ ምስ ማቴ 7:15, 21-23 ኣረኣኢ።
(2 ተሰሎንቄ 2:9-12) እቲ ጠሓስ ሕጊ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ግና፡ ብዅሉ ግብሪ ሓይልን ብናይ ሓሶት ትእምርትታትን ተኣምራትን ብተግባር ሰይጣን እዩ ዚኸውን፣ 10 እቶም ዚጠፍኡ፡ ንድሕነቶም ዚኸውን ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበሉ ድማ፡ ሽዑ ንዓታቶም ከም ፍዳ ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ የታልሎም እዩ። 11 ስለዚ ኸኣ እዩ ኣምላኽ፡ ንሓሶት ምእንቲ ኺኣምኑ፡ ብዜታልል ጽልዋ ኺስሕቱ ዝሓደጎም፣ 12 ከምኡ ዝገበረ ድማ፡ ንሓቂ ስለ ዘይኣመኑ፡ የግዳስ ብዓመጻ ባህ ስለ ዝበሎም፡ ኵሎም ምእንቲ ኺፍረዱ እዩ።
it-2 245 ¶7
ሓሶት
የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ብስራት የሱስ ክርስቶስ ዘይኰነስ ሓሶት ዚመርጹ ሰባት፡ “ንሓሶት ምእንቲ ኺኣምኑ፡ ብዜታልል ጽልዋ ኺስሕቱ” ሓዲግዎም እዩ። (2ተሰ 2:9-12) እዚ መሰረታዊ ሓሳብ እዚ፡ ኣብቲ ቕድሚ ሓያሎ ዘመናት ነቲ እስራኤላዊ ንጉስ ኣከኣብ ዘጋጠሞ ነገር ተራእዩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓሶት ዚዛረቡ ዝነበሩ ነብያት ንኣከኣብ፡ ኣብ ራሞት-ጊልዓድ ተዋጊኡ ኸም ዚዕወት ነገርዎ፣ ነብዪ ሚካያ ግና ጥፍኣት ተነበየ። ሚካያ ኣብ ዝረኣዮ ራእይ ድማ፡ የሆዋ ንሓደ መንፈሳዊ ፍጡር፡ ኣብ ኣፍ ነብያት “ዜታልል መንፈስ” ኬንብር ፈቐደሉ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እቲ መንፈሳዊ ፍጡር በቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ነብያት ዘለዎ ጽልዋ ገይሩ፡ ሓቂ ኸም ዚዛረቡ ዘይኰነስ፡ እቲ ንሳቶም ኪብልዎን ኣከኣብ ካባታቶም ኪሰምዖን ዚደሊ ኸም ዚዛረቡ እዩ ገይርዎም። ኣከኣብ መጠንቀቕታ እኳ እንተ ተዋህቦ፡ ብሓሶቶም ኪዕሾ መረጸ፡ ብሰንኪ እዚ ድማ ህይወቱ ኸፈለ።—1ነገ 22:1-38፣ 2ዜና 18።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(2 ተሰሎንቄ 1:7, 8) ንዓኻትኩም ንዝጸበበኩም ግና፡ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ ሓያላት መላእኽቲ ኺግለጽ ከሎ፡ ምሳና ዕረፍቲ ኺውሃበኩም እዩ። 8 ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንብስራት ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ።
it-1 834 ¶5
ሓዊ
ጴጥሮስ፡ “ሰማያትን ምድርን . . . ንሓዊ ተዓቚሩ ኣሎ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳብን ካልእ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን ከም ዚሕብሮ፡ እዚ ቓል ብቓሉ ሓዊ ዘይኰነስ፡ ንዘለኣለማዊ ጥፍኣት የመልክት። ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝመጸ ማይ ኣይሂ ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባት ደኣ እምበር፡ ቃል ብቓሉ ንሰማያትን ንምድርን ዘየጥፍአ፡ የሱስ ክርስቶስ ምስ ሓያላት መላእኽቲ ብሃልሃልታ ሓዊ ኺግለጽ ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባትን ኣብ ልዕሊ እቲ ንሳቶም ዚርከብዎ እኩይ ስርዓትን ጥራይ እዩ ነባሪ ጥፍኣት ኬምጽእ።—2ጴጥ 3:5-7, 10-13፣ 2ተሰ 1:6-10፣ ምስ ኢሳ 66:15, 16, 22, 24 ኣረኣኢ።
(2 ተሰሎንቄ 2:2) መዓልቲ የሆዋ መጺኣ ኣላ ኢልኩም፡ ብድራኸ መንፈስ ብዚዝረብ ዘረባ፡ ወይ ብቓል፡ ወይ ካባና ብእትመስል ደብዳበ፡ ካብ ሓሳብኩም ቀልጢፍኩም ኣይትናወጹ፡ ወይ እውን ኣይትሰምብዱ።
it-1 1206 ¶4
ድራኸ መንፈስ
“ብድራኸ መንፈስ ብዚዝረብ ዘረባ”—ሓቅን ሓሶትን። እታ ፕኒውማ (መንፈስ) እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ኣብ ገሊኡ ጽሑፋት ሃዋርያት ብፍሉይ መገዲ ተዓይዩላ ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ 2 ተሰሎንቄ 2:2፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣሕዋቱ፡ “መዓልቲ የሆዋ መጺኣ ኣላ ኢልኩም፡ ብድራኸ መንፈስ ብዚዝረብ ዘረባ፡ [ቃል ብቓሉ፡ “ብመንፈስ”] ወይ ብቓል፡ ወይ ካባና ብእትመስል ደብዳበ ካብ ሓሳብኩም ቀልጢፍኩም ኣይትናወጹ ወይ እውን ኣይትሰምብዱ” ኢሉ ተማሕጺንዎም ኣሎ። ጳውሎስ ነታ ፕኒውማ (መንፈስ) እትብል ቃል፡ ምስ ከም “ቃል” ወይ “ደብዳበ” ዝኣመሰለ ሓሳብ ንሓሳብ መለዋወጢ መገዲ ኣተሓሒዙ ኸም እተጠቕመሉ ንጹር እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ላንግ ዘዳለዎ ኮመንታሪ ኦን ዘ ሆሊ ስክሪፕቸርስ (ገጽ 126) ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኸምዚ ይብል፦ “እቲ ሃዋርያ ኸምዚ ኺብል ከሎ፡ ንመንፈሳዊ ሓሳባት፡ ንኣምሰሉ ትንቢት፡ ንዘረባ ነብዪ ማለቱ እዩ ነይሩ።” (ብ1976 ብፒ. ሻፍ እተተርጐመን እተሰናደወን) ቪንሰንት ዘዳለዎ ዎርድ ስታዲስ ኢን ዘ ኒው ተስታመንት ድማ ከምዚ ይብል፦ ‘መንፈስ ኪብሃል ከሎ፡ ካብ መለኮታዊ ራእይ ከም ዝዀነ ጌርካ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዚዝረብ ትንቢታዊ ዘረባ ማለት እዩ።’ (1957፡ 4ይ ጥራይ፡ ገጽ 63) ስለዚ፡ ገሊኡ ትርጉማት ነታ ፕኒውማ ኣብዝን ኣብ ተመሳሳሊ ጕዳያትን “መንፈስ” ኢሉ ዚትርጕማ እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊኡ ትርጉማት ግና “መልእኽቲ መንፈስ” (AT)፡ “ትንቢት” (JB)፡ “ብድራኸ መንፈስ ዚዝረብ ዘረባ” ኢሉ ይትርጕማ እዩ (NW)።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(2 ተሰሎንቄ 1:1-12) ካብ ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፡ ናብታ ምስ ኣቦና ኣምላኽን ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ሓድነት ዘለዋ ጉባኤ ተሰሎንቄ፦ 2 ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም። 3 ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነትኩም ኣዝያ ስለ ዝዓበየትን ፍቕሪ ነፍሲ ወከፍኩም ኣብ ንሓድሕድኩም ስለ ዝወሰኸትን፡ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ከነመስግኖ ይግብኣና እዩ። 4 ስለዚ፡ ንሕና ባዕልና በቲ ኣብ ኵሉ ጾይርኩምዎ ዘለኹም መስጐጕትኹምን ጸበባኹምን ዘርኣኹምዎ ተጻዋርነትን እምነትን ኣብ መንጎ ጉባኤታት ኣምላኽ ብኣኻትኩም ንምካሕ ኣለና። 5 እዚ ናይቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ መርትዖ እዩ፣ ነታ መከራ እትጸግቡላ ዘለኹም መንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ከም እትቝጸሩ ድማ ይገብር። 6 ነቶም ዜጽብቡልኩም ዘለዉ ጸበባ ኺፈድስ፡ ኣብ ኣምላኽ ቅኑዕ እዩ። 7 ንዓኻትኩም ንዝጸበበኩም ግና፡ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ ሓያላት መላእኽቲ ኺግለጽ ከሎ፡ ምሳና ዕረፍቲ ኺውሃበኩም እዩ። 8 ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንብስራት ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ። 9 እዚኣቶም ካብ ቅድሚ ጐይታን ካብ ክብሪ ሓይሉን ርሒቖም፡ ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ኪቕጽዑ እዮም፣ 10 እዚ ድማ ምስ ቅዱሳቱ ኪኸብርን በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵሎም እቶም ዝኣመኑ ኸም ግሩም ጌርካ ኺርአን ኣብ ዚመጸሉ ግዜ ኪኸውን እዩ። ከመይሲ፡ እቲ ዝመስከርናዮ፡ ኣባኻትኩም ተኣሚኑ እዩ። 11 ምእንቲ እዚ ድማ፡ ኣምላኽና ንጽውዓኡ ብቑዓት ገይሩ ኪቘጽረኩም፡ ኵሉ እቲ ዚደልዮ ሰናይን ኵሉ ግብሪ እምነትን እውን ብሓይሉ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጽም፡ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንጽሊ ኣለና። 12 እዚ ኸኣ ከም መጠን ጸጋ ኣምላኽናን ጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ስም ጐይታና የሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኪኽበር፡ ንስኻትኩም እውን ምስኡ ብዘሎኩም ሓድነት ምእንቲ ኽትከብሩ እዩ።
22-28 ሓምለ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ጢሞቴዎስ 1-3
“ንሰናይ ግብሪ ተመጣጠሩ”
(1 ጢሞቴዎስ 3:1) እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፦ ሓደ እኳ ሓላዊ ኪኸውን እንተ ተመጣጢሩ፡ ሰናይ ግብሪ ይምነ ኣሎ።
መንፈሳዊ ዕቤት ክትገብር ከም ዚግብኣካ ተስተውዕልዶ፧
ቀዳማይ ጢሞቴዎስ 3:1 ኣንብብ። እታ “ምምጥጣር” ዝትርጉማ ናይ ግሪኽኛ ግሲ፡ ምናልባት እውን ክንዮ እቲ ኽትበጽሖ እትኽእል ንዘሎ ነገር ንምሓዝ ኣእዳውካ ምዝርጋሕ ተመልክት። ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ ነዛ ቓል እዚኣ ብምጥቃም፡ መንፈሳዊ ዕቤት ጻዕሪ ኸም ዚሓትት ኣጕልሐ። ሓደ ሓው ኣብ ጉባኤኡ ብኸመይ ኪሕግዝ ከም ዚኽእል ኪሓስብ ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ገና ኣገልጋሊ ጉባኤ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ መንፈሳዊ ባህርያት ኬማዕብል ከም ዘለዎ ይግንዘብ እዩ። ፈለማ፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኪኸውን ይጽዕር። ድሕሪ ግዜ፡ ሓላዊ ዀይኑ ኼገልገል ዜኽእሎ መንፈሳዊ ብቕዓታት ኬጥሪ እውን ይጽዕር። ኣብ ክልቲኡ መዳይ ድማ፡ ተወሳኺ ሓላፍነታት ጉባኤ ኺስከም ዜኽእሎ ብቕዓታት ኬጥሪ ብዙሕ ጻዕሪ ይገብር እዩ።
(1 ጢሞቴዎስ 3:13) ከመይሲ፡ እቶም ጽቡቕ ገይሮም ዜገልግሉ፡ ጽቡቕ ስምን ብእምነት ክርስቶስ የሱስ ንምዝራብ ዜኽእል ብዙሕ ትብዓትን ይረኽቡ እዮም።
km 9/78 4 ¶7
እቶም ‘ጽቡቕ ስም ዝረኸቡ’
ጳውሎስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት “ጽቡቕ ስም . . . ይረኽቡ” ዝበለሉ ምኽንያት ንምርድኡ ቐሊል እዩ። እዚ ነገር እዚ፡ ከምቲ ገሊኦም ዚብልዎ፡ ኣብ መዓርግ ቤተ ክርስትያን ዚርከብ ዕቤት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ጽቡቕ ገይሮም ዜገልግሉ” ኣገልገልቲ ጉባኤ፡ ካብ የሆዋን የሱስን ብርግጽ በረኸት ይረኽቡ እዮም፣ ካብ ብዘላ ጉባኤ እውን ኣኽብሮትን ደገፍን ይረኽቡ እዮም። እምበኣር፡ “ብእምነት ክርስቶስ የሱስ ንምዝራብ ዜኽእል ብዙሕ ትብዓት” ይረኽቡ እዮም። ንሓላፍነቶም እሙናት ስለ ዝዀኑ፡ ብሰናይ ኣገልግሎቶም ሞሳ ይረኽቡ እዮም፣ ኣብ እምነት ጽኑዓት እዮም፡ ብትብዓት ወይ ጸርፊ ኸይፈርሁ ኸኣ እምነቶም ኪገልጹ ይኽእሉ እዮም።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(1 ጢሞቴዎስ 1:4) ናብ ጽውጽዋያትን ናብ ቍጽሪ ወለዶታትን ከየቕልቡ እውን ኣዝዝ። እዚ ነገራት እዚ ኣብ መወዳእታኡ ዚረብሕ ነገር የብሉን፣ ንእምነት ብዚምልከት ካብ ኣምላኽ ገለ እኳ ኣብ ክንዲ ዜምጽእ፡ ግምታት ጥራይ እዩ ዜላዕል።
it-1 914-915
ቍጽሪ ወለዶታት
ነዚ ነገራት እዚ ምጽናዑን ብዛዕባኡ ምምይያጥን፡ ምናዳ ኣብቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝጸሓፈሉ እዋን ረብሓ ኣይነበሮን። ኣምላኽ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሩ ኣይሁድን ኣህዛብን ፍልልይ ስለ ዘይገብር፡ ወለዶኻ ኻበይ ምዃኑ ንምርግጋጽ መዝገብ ወለዶታት ምሓዝ ኣገዳሲ ኣይነበረን። (ገላ 3:28) ክርስቶስ ካብ ዳዊት ከም እተወልደ ዚገልጽ መዝገብ ወለዶታት ድማ ተረጋጊጹ እተደምደመ ጕዳይ እዩ ዀይኑ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ጳውሎስ ነዚ ምዕዶ እዚ ድሕሪ ምጽሓፉ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ የሩሳሌም ምስቲ መዛግብቲ ኣይሁድ ጠፊኣ እያ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ መዛግብቲ ኣየድሓኖን። ስለዚ፡ ጢሞቴዎስን እተን ጉባኤታትን ኣብቲ ንክርስትያናዊ እምነት ዋላ ሓንቲ ኣበርክቶ ዘይገብር ብዛዕባ ብሕታዊ ሓረግ ትውልዲ ዚግበር ምርምርን ክርክርን ኣስጊሎም ግዜኦም ከየጥፍኡ እዩ ንጳውሎስ ኣተሓሳሲብዎ ነይሩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዝርዝር ወለዶታት ንመሲሕነት ክርስቶስ እኹል መሰረት ኣንጺፉ እዩ፣ እቲ ንክርስትያናት ብቐንዱ ዜገድሶም ቍጽሪ ወለዶታት ከኣ እዚ እዩ። እቲ ኻልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዝርዝር ወለዶታት ንሓቅነት እቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መዝገብ ምስክርነት ንምሃብ፡ ማለት ብሓቂ ታሪኻዊ ጸብጻብ ምዃኑ ንምምስካር እዩ ሰፊሩ ዘሎ።
(1 ጢሞቴዎስ 1:17) ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፡ ዘይሓልፍ፡ ዘይርአ ሓደ ኣምላኽ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ክብርን ግርማን ይኹኖ። ኣሜን።
“እንሆ፡ ኣምላኽና”
ካልእ ንየሆዋ ጥራይ ዝግባእ መዓርግ ከኣ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” ዝብል እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:17፣ ራእይ 15:3 ትርጕም 1990) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ንኽንርድኦ ዘጸግም እኳ እንተዀነ፡ የሆዋ ብኽልቲኡ ሸነኽ ማለት መጀመርታ ይኹን መወዳእታ ስለ ዘይብሉ ዘለኣለማዊ እዩ። መዝሙር 90:2 “ንስኻስ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ኣምላኽ ኢኻ” ትብል። ስለዚ የሆዋ መጀመርታ የብሉን፣ ወትሩ ዝነበረን ዝነብርን ኣምላኽ እዩ። ኣብ ኣድማስ ዘሎ ህይወት ዘለዎ ይኹን ህይወት ዘይብሉ ነገራት ቅድሚ ምፍጣሩ ዘለኣለም ይነብር ስለ ዝነበረ ኸኣ እዩ “ጥንታዊ ዝመዓልቱ” ዝብል ብቑዕ ስም እተዋህቦ። (ዳንኤል 7:9, 13, 22) ስለዚ ነቲ ልዑል ኣምላኽ ንኽበሃል ዘለዎ መሰል ብመርትዖ ኽቃወሞ ዝኽእል መን እዩ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(1 ጢሞቴዎስ 2:1-15) ቅድሚ ዅሉ እምበኣር፡ ምህለላን ጸሎትን ማልዶትን ምስጋናን ምእንቲ ዅሉ ዓይነት ሰብ፡ 2 ምእንቲ ነገስታትን ምእንቲ ዅሎም ሰበ ስልጣንን እውን ኪቐርብ እምዕድ ኣለኹ። ንኣምላኽ ብዘሎና ምሉእ ተወፋይነትን ብምሉእ ርዝነትን፡ ብህድኣትን ብርግኣትን ምእንቲ ኽንነብር ኢና ኸምኡ እንገብር። 3 እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ መድሓኒና ኣምላኽ ሰናይን ቅቡልን እዩ፣ 4 ንሱ፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ ዚደሊ። 5 ኣምላኽሲ ሓደ እዩ፣ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰባትን ከኣ፡ ሓደ መንጎኛ እዩ ዘሎ፣ ንሱ ድማ እቲ ሰብ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ እዩ። 6 ኣብ ክንዲ ዅሉ እውን ገዛእ ርእሱ ተመዓራራዪ በጃ ገይሩ ሂቡ እዩ፣ ብዛዕባ እዚ ኸኣ እዩ ብግዜኡ ዚምስከር። 7 ምእንቲ እዚ ምስክር እዚ ድማ፡—ሓቂ እብል ኣለኹ፡ ኣይሕሱን እየ፡—ሰባኽን ሃዋርያን፡ ማለት ብዛዕባ እምነትን ሓቅን መምህር ኣህዛብ ኰይነ ተሸይመ እየ። 8 እምበኣር፡ ሰብኡት ብዘይ ቍጥዓን ክትዕን እሙናት ኣእዳው ኣልዒሎም፡ ኣብ ኵሉ ቦታ ብቐጻሊ ኺጽልዩ እደሊ ኣለኹ። 9 ኣንስቲ እውን ከምኡ ብቝኖ፡ ብወርቂ፡ ብሉል፡ ወይስ ብኣዝዩ ኽቡር ክዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ትሕትናን ልብምናን ብዜርኢ ግቡእ ክዳውንቲ፡ 10 ንኣምላኽ ተወፋይነት ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡ ማለት ብሰናይ ግብሪ ይሰለማ። 11 ሰበይቲ ብዅሉ እናተገዝአት ብጸጥታ ትመሃር። 12 ሰበይቲ ብጸጥታ ኽትነብር እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ ኣይፈቅድን እየ። 13 ከመይሲ፡ ቅድም ኣዳም እዩ ተገይሩ፣ ደሓር ከኣ ሄዋን። 14 ኣዳም ኣይተታለለን፣ እታ ሰበይቲ ግና ኣጸቢቓ ተታሊላስ ኣቢሳ እያ። 15 ሰበይቲ ብእምነትን ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ልብምና እንተ ጸኒዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ደሓን ክትከውን እያ።
29 ሓምለ–4 ነሓሰ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ጢሞቴዎስ 4-6
“ኣብ መንጎ ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነትን ገንዘብን ዘሎ ፍልልይ”
(1 ጢሞቴዎስ 6:6-8) ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት ምስ ዕግበትሲ ብርግጽ ዓብዪ ረብሓ ኣለዎ። 7 ከመይሲ፡ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን፡ ሓንቲ እውን ክንወስድ ኣይንኽእልን ኢና። 8 ምግብን ክዳንን እንተ ኣሎናስ፡ በዚ ዕጉባት ንኸውን ኢና።
ይኣኽለኒ ምባል ተምሃር
ጳውሎስ ሓጐስን ዕግበትን ንኽረክብ ዘኽኣሎ ኣገዳሲ ረቛሒ ይኣኽለኒ ይብል ምንባሩ እዩ። ይኣኽለኒ ምባል ክበሃል ከሎ ግን እንታይ ማለት እዩ፧ ብሓጺሩ ብመሰረታዊ ነገራት ዕጉብ ምዃን ክበሃል ይከኣል እዩ። ብዛዕባዚ ጳውሎስ ነቲ መገላግልቱ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ከምዚ በሎ፦ “ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ። ማለት፤ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከአለናን እዩ። ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ፡ ንሱ ይእከለና።”—1 ጢሞቴዎስ 6:6-8።
ኣብዚ ጳውሎስ ይኣኽለኒ ምባል ምስ ኣምልኾ ኸም ዘተሓሓዞ ኣስተብህል። ናይ ሓቂ ሓጐስ ካብ ኣምልኾ ማለት ነቲ ንኣምላኽ እነቕረቦ ኣገልግሎት ቀዳምነት ካብ ምሃብ ደኣ እምበር ካብ ስጋዊ ጥሪት ወይ ሃብቲ ኸም ዘይመጽእ ይፈልጥ ነበረ። “ቀለብናን ክዳንናን” ኣምልኾና ንምክያድ ጥራይ እዩ ዕላማኡ። ስለዚ ንጳውሎስ ይኣኽለኒ ምባል ክበሃል ከሎ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ኣብ የሆዋ ምውካል ዝብል ትርጕም ነበሮ።
(1 ጢሞቴዎስ 6:9) እቶም ኪህብትሙ ዝቘረጹ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ንሰብ ናብ ጥፍኣትን ዕንወትን ኣብ ዜስጥም ብዙሕ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እውን እዮም ዚወድቁ።
ክትህብትም እንተ ቘሪጽካ፡ ብኸመይ ኪጸልወካ ይኽእል፧
ልክዕ እዩ፡ ብዙሓት ሰባት ደድሕሪ ሃብቲ ብምስዓቦም ኣይሞቱን እዮም። ነቲ ዚምነይዎ ኺስዕቡ ኸለዉ ግና ህይወት ኬምልጦም ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ናይ ስራሕ ጸቕጢ ወይ ፊናንሳዊ ውጥረት፡ ንዕምሮም ኬሕጽር ዚኽእል ጸገማት ጥዕና፡ ማለት ፍርሂ፡ ስእነት ድቃስ፡ ሕዱር ሕማም ርእሲ፡ ወይ ነድሪ ኸስዐ ኼስዕበሎም እሞ ንህይወቶም ኬበላሽዎ ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ካብዚ ነቒሑ ነቲ ቐዳምነት ኪህቦ ዘለዎ ነገራት እንተ ኣተዓራርዩ እውን፡ ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ ኪዀኖ ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ መጻምድቱ ኣብኡ ዝነበራ እምነት ድሮ ኣጥፊኣ፡ ደቁ ብስምዒታዊ መዳይ ካብኡ ተገሊሎም፡ ጥዕናኡ እውን ተበላሽዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምናልባት ገሊኡ ጕድኣት ኪዕረ ይኽእል ይኸውን፣ ግናኸ፡ ብዙሕ ዕዮ ይሓትት እዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ብርግጽ “ንርእሶም እውን ብብዙሕ ስቓይ ወጋጊኦም እዮም።”—1 ጢሞቴዎስ 6:10።
(1 ጢሞቴዎስ 6:10) ከመይሲ፡ ፍቕሪ ገንዘብ፡ ሱር ኵሉ ዓይነት ክፍኣት እዩ፣ ገሊኦም ነዚ ፍቕሪ እዚ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምቢሎም፡ ንርእሶም እውን ብብዙሕ ስቓይ ወጋጊኦም እዮም።
g 11/08 6 ¶4-6
ንብሕታዊ ኣሳልጦ ኣበርክቶ ዚገብር ሽዱሽተ ረቛሒ
ኣብ መእተዊ እዚ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ከም ዝረኣናዮ፡ ኣሳልጦ ኺረኽቡ ኢሎም ብህርፋን ደድሕሪ ሃብቲ ዚስዕቡ ሰባት፡ ከም ወርወርታ ዝኣመሰለ ዘይጭበጥ ነገር እዮም ዚስዕቡ ዘለዉ። ኣብ ገዛእ ርእሶም ከኣ ጓሂ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዙሕ ስቓይ እውን የምጽኡ እዮም። ንኣብነት፡ ሰባት ደድሕሪ ሃብቲ ብህርፋን ኪስዕቡ ኸለዉ፡ ነቲ ምስ ስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን ዝነበሮም ርክብ የበላሽዉ እዮም። ገሊኦም ከኣ ብሰንኪ ስራሕ ወይ ብሰንኪ ጭንቀት ድቃስ ይስእኑ እዮም። መክብብ 5:12፡ “ኣገልጋልስ እቲ ዚበልዖ ሒደት ወይ ብዙሕ ይኹን ብዘየገድስ፡ ድቃሱ ጥዑም እዩ፣ ንሃብታም ግና እቲ ሃብቱ ድቃስ ይኸልኦ” ትብል።
ገንዘብ ሕሱም ጐይታ ጥራይ ዘይኰነስ፡ መታለሊ እውን እዩ። የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ “ምትላል ሃብቲ” ተዛሪቡ እዩ። (ማርቆስ 4:19) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ሃብቲ፡ ሓጐስ ከም ዜምጽእ ቃል ዚኣቱ እኳ እንተ ዀነ፡ ቃሉ ግና ኣይፍጽምን እዩ። ዝያዳ ኸነጥሪ ጥራይ እዩ ህርፋን ዚፈጥረልና። መክብብ 5:10፡ “ገንዘብ ዚፈቱ ገንዘብ ኣይጸግብን” ትብል።—ትርጉም 1990።
ብሓጺሩ፡ ፍቕሪ ገንዘብ ጐዳኢ እዩ፣ ኣብ መወዳእታኡ ድማ፡ ናብ ጓሂ፡ ብስጭት፡ ወይ ገበን ይመርሕ እዩ። (ምሳሌ 28:20) ልግሲ፡ ይቕረታ፡ ስነ ምግባራዊ ንጽህና፡ ፍቕሪ፡ መንፈሳውነት ግና፡ ሓጐስን ኣሳልጦን ኬምጽእ ይኽእል እዩ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(1 ጢሞቴዎስ 4:2) እዚ ድማ ብግብዝና እቶም ሕልናኦም ከም ብመዓለም ዝሓረረ ሓሰውቲ እዩ ዚኸውን።
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰናይ ሕልና ይሃሉኻ
ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ሰናይ ሕልና ይሃሉኹም” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 3:16) ሰባት ንስርዓታት የሆዋ ዕሽሽ ዚብልዎ እንተ ዀይኖም፡ ውዒሉ ሓዲሩ ሕልናኦም መጠንቀቕታ ምሃብ የቋርጽ እዩ። ጳውሎስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሕልና፡ “ብመዓለም ዝሓረረ” ኢልዎ ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 4:2) ሓዊ ኣንዲዱካዶ ይፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ እቲ ኣብ ቈርበትካ ዚተርፍ በሰላ ዋላ ሓንቲ ዘይስምዖ እዩ ዚኸውን። ሓደ ሰብ ኣዘውቲሩ ግጉይ ነገራት ዚገብር እንተ ዀይኑ፡ ሕልናኡ ስለ “ዚሓርር፡” ውዒሉ ሓዲሩ ዘይዓዪ እዩ ዚኸውን።
(1 ጢሞቴዎስ 4:13) ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ንህዝቢ ኣብ ምንባብን ኣብ ምምዓድን ኣብ ምምሃርን ትጋህ።
it-2 714 ¶1-2
ንህዝቢ ምንባብ
ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ መብዛሕትኦም ሰባት ብዙሕ ጥቕላላት መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነበሮምን፣ በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንህዝቢ ምንባብ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ደብዳበታቱ ኣብ ኣኼባታት ክርስትያናዊ ጉባኤታት ኪንበብ እሞ፡ ምስቲ ናብ ካልኦት ጉባኤታት እተላእከ ደብዳበታት እናተቐባበሉ ኼንብብዎ ኣዚዙ እዩ። (ቈሎ 4:16፣ 1ተሰ 5:27) ነቲ መንእሰይ ክርስትያን ሓላዊ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ከኣ፡ “ንህዝቢ ኣብ ምንባብን ኣብ ምምዓድን ኣብ ምምሃርን ትጋህ” ኢሉ መኺርዎ እዩ።—1ጢሞ 4:13።
ንህዝቢ ዚግበር ንባብ፡ ጽቡቕ ኪኸውን ኣለዎ። (ኣን 2:2) ንኻልኦት ንምምሃር ተባሂሉ ስለ ዚግበር፡ እቲ ዜንብብ ሰብ ነቲ ዜንብቦ ዘሎ ኣጸቢቑ ኼስተውዕሎን እቲ ጸሓፊ እንታይ ከም ዝሓለነ ብንጹር ኪርዳእን ኣለዎ፣ ንሰማዕቱ ግጉይ ሓሳብ ምእንቲ ኸየመሓላልፍ ተጠንቂቑ ኼንብብ ኣለዎ። ብመሰረት ራእይ 1:3፡ እቶም ነቲ ትንቢት እቲ ዓው ኢሉ ዜንብብዎን እቶም ነቲ ቓላት ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን፡ ሕጉሳት ይዀኑ እዮም።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(1 ጢሞቴዎስ 4:1-16) በቲ ዳሕራይ እዋናት ግና፡ ገሊኦም ብድራኸ መንፈስ ናብ ዚዝረብ ዜስሕት ዘረባታትን ናብ ትምህርትታት ኣጋንንትን እናኣቕለቡ፡ ካብ እምነት ከም ዚወድቁ፡ እቲ ብድራኸ መንፈስ እተዘርበ ቓል ብንጹር ይብል እዩ። 2 እዚ ድማ ብግብዝና እቶም ሕልናኦም ከም ብመዓለም ዝሓረረ ሓሰውቲ እዩ ዚኸውን። 3 ንሳቶም መውስቦ ይኽልክሉ፡ እቲ ኣምላኽ በቶም ዚኣምኑን ንሓቂ ብልክዕ ዚፈልጡን ብምስጋና ኺብላዕ ዝፈጠሮ ብልዒ ሕሩም ኪኸውን ከኣ ይእዝዙ እዮም። 4 ኵሉ ፍጥረት ኣምላኽሲ ጽቡቕ እዩ፣ ብምስጋና እንተ ተቐቢልካዮ ኸኣ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን፣ 5 ከመይሲ፡ ብቓል ኣምላኽን ብጸሎትን ተቐዲሱ እዩ። 6 ነቶም ኣሕዋት እዚ ምኽሪ እዚ ብምሃብ፡ ቃላት እምነትን ነቲ ጠቢቕካ ዝሰዓብካዮ ጽቡቕ ትምህርትን እተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ ክርስቶስ የሱስ ክትከውን ኢኻ። 7 ግናኸ፡ ነቲ ኸም ናይ ኣረገውቲ ኣንስቲ ዝኣመሰለ ኣኽብሮት ዝጐደሎ ጽውጽዋያት ኣርሕቆ። ብዘይካዚ፡ ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት ከም ሸቶኻ ጌርካ ርእስኻ ኣሰልጥን። 8 ከመይሲ፡ ኣካላዊ ስልጠና ንቝሩብ እዩ ዚጠቅም፣ ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት ግና ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወትን ነታ እትመጽእ ህይወትን ተስፋ ስለ ዘለዎ፡ ንዅሉ እዩ ዚጠቅም። 9 እዚ ቓል እዚ እሙንን ምሉእ ተቐባልነት ዚግብኦን እዩ። 10 ተስፋና ኣብቲ ንዅሉ ዓይነት ሰብ፡ ምናዳ ንእሙናት፡ ዜድሕን ህያው ኣምላኽ ስለ ዝገበርና ኸኣ ኢና እንጽዕርን እንጋደልን ዘለና። 11 እዚ ኣዝዝን ምሃርን። 12 ሓደ እኳ ንንእስነትካ ኣይንዓቃ። የግዳስ፡ ነቶም እሙናት፡ ብቓል፡ ብኣካይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህና ኣርኣያ ኹኖም። 13 ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ንህዝቢ ኣብ ምንባብን ኣብ ምምዓድን ኣብ ምምሃርን ትጋህ። 14 ነቲ ብትንቢትን ብምንባር ኣእዳው ሽማግለታትን እተዋህበካ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ዕሽሽ ኣይትበሎ። 15 ብዛዕባ እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፣ ዕቤትካ ንዅሉ ርኡይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ነዚ ነገር እዚ ዅለንትናኻ ወፊ። 16 ኣብ ርእስኻን ኣብቲ እትምህሮ ትምህርትን ኣተኵር። ኣብዚ ነገር እዚ ጽናዕ፣ እዚ እንተ ጌርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ።