ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwbr19 ታሕሳስ ገጽ 1-8
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 2-8 ታሕሳስ
  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
  • 9-15 ታሕሳስ
  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
  • 16-22 ታሕሳስ
  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
  • 23-29 ታሕሳስ
  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
  • ካብ መዓሙቝ ምውጻእ
  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
  • 30 ታሕሳስ–5 ጥሪ
  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2019
mwbr19 ታሕሳስ ገጽ 1-8

መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን

2-8 ታሕሳስ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ራእይ 7-9

“ብየሆዋ እተባረኹ ማእለያ ዘይብሎም ብዙሓት ህዝቢ”

(ራእይ 7:9) ድሕርዚ ረኣኹ፡ እንሆ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን እተኣከቡ፡ ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይክእል ብዙሓት ህዝቢ፡ ወለል ዚብል ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ረኣኹ፣ ኣብ ኣእዳዎም ከኣ ጨናፍር ስየ ሒዞም ነበሩ።

it-1 997 ¶1

ብዙሓት ህዝቢ

እዚ ነዚ ዚስዕብ ሕቶ የበግስ እዩ፦ እቶም “ብዙሓት ህዝቢ፡” ድሕነት ረኺቦም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ እንተ ዀይኖም፡ ከመይ ጌርካ እዩ ‘ኣብ ቅድሚ ዝፋን ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም’ ኪብሃል ተኻኢሉ፧ (ራእ 7:9) ሓድሓደ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ውልቀ ሰባት ወይ ጕጅለ ሰባት ‘ደው ከም ዝበሉ’ ወይ ከም ‘ዝቘሙ’ ኺግለጽ ከሎ፡ ካብቲ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዝበሉሉ ኣካል ሞገስ ወይ ተቐባልነት ከም ዝረኸቡ ይሕብር እዩ። (መዝ 1:5፣ 5:5፣ ምሳ 22:29፣ ሉቃ 1:19) ኣብ ራእይ ምዕራፍ 6፡ “ነገስታት ምድርን መኳንንትን ኣሕሉቕ ሽሕን ሃብታማትን ሓያላትን ኵሎም ባሮትን ጭዋታትን” ኪሕብኡ ኸም ዝፈተኑ እሞ፡ “ካብ ገጽ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠን ካብ ቍጥዓ እቲ ገንሸልን ሕብኡና፣ ከመይሲ፡ እታ ዓባይ መዓልቲ ቝጥዓኦም መጺኣ ኣላ፡ መንከ እዩ ደው ኪብል ዚኽእል፧” ከም ዝበሉ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእ 6:15-17፣ ምስ ሉቃ 21:36 ኣረኣኢ።) ስለዚ፡ እቶም “ብዙሓት ህዝቢ” ተባሂሎም ዘለዉ፡ ካብቲ ግዜ ቝጥዓ ዝደሓኑ፡ ሞገስ ኣምላኽን እቲ ገንሸልን ብምርካቦም ድማ ኣብ ቅድሚኦም ‘ደው ዝበሉ’ ሰባት ኪዀኑ ኣለዎም።

(ራእይ 7:14) ኣነ እውን፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ትፈልጥ” በልክዎ። ንሱ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝወጹ እዮም፣ ነቲ ወለል ዚብል ክዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ኣጻዕድዮምዎ እዮም።

it-2 1127 ¶4

ጸበባ

ሃዋርያ ዮሃንስ ካብ ጥፍኣት የሩሳሌም ኣስታት ሰላሳ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ፡ ብዛዕባ እቶም ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን እተኣከቡ ብዙሓት ህዝቢ፡ “እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝወጹ እዮም” ተባሂሉ ተነጊርዎ እዩ። (ራእ 7:13, 14) እቶም ብዙሓት ህዝቢ “ኻብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝወጹ” ምዃኖም፡ ካብኡ ኸም ዝደሓኑ እዩ ዜመልክት። እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 7:9, 10 ዚርከብ፡ “ኣምላኽ ግና ምስ [ዮሴፍ] ነበረ፣ ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኸኣ ኣናገፎ” ዚብል ተመሳሳሊ መግለጺ ነዚ የረጋግጾ እዩ። ዮሴፍ ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኺናገፍ ወይ ኪወጽእ ምኽኣሉ፡ ነቲ ጸበባኡ ኺጻወሮ ኽኢሉ ጥራይ ማለት ዘይኰነስ፡ ካብኡ ኸም ዝደሓነ እውን እዩ ዜመልክት።

(ራእይ 7:15-17) ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣምላኽ እዮም፣ ኣብታ ቤተ መቕደሱ እውን መዓልትን ለይትን የገልግልዎ ኣለዉ፣ እቲ ኣብቲ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ ንድንኳኑ ኣብ ልዕሊኦም ኪዝርግሖ እዩ። 16 ደጊም ኣይኪጠምዩን፡ ኣይኪጸምኡን እውን እዮም፣ ጸሓይ ኣይኪወቕዖምን፡ ሃሩር እውን ኣይኬንድዶምን እዩ፣ 17 ከመይሲ፡ እቲ ኣብ ማእከል ዝፋን ዘሎ ገንሸል ኪጓስዮምን ናብ ዓይኒ ማያት ማይ ህይወት ኪመርሖምን እዩ። ኣምላኽ እውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዝ እዩ።”

it-1 996-997

ብዙሓት ህዝቢ

መለለዪኦም። መንነት እቶም “ብዙሓት ህዝቢ” ዚፍለጠሉ ቐንዲ መለለዪ፡ ኣብቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 7ን ኣብቲ ኣብ ተመሳሳሊ ሓሳብ ዝሓዘ ኻልእ ክፋልን ብዛዕባኦም ዘሎ መግለጺታት እዩ። ራእይ 7:15-17 ብዛዕባ ኣምላኽ፡ ‘ንድንኳኑ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዚዝርግሖ፡’ ናብ “ዓይኒ ማያት ማይ ህይወት” ከም ዚመርሖም፡ ከምኡ ድማ “ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዝ” ምዃኑ ትገልጽ እያ። ኣብ ራእይ 21:2-4፡ “ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ” ከም ዚኸውን፡ ከምኡ እውን ‘ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ከም ዚደርዞ፡ ደጊም እውን ሞት ከም ዘይከውን’ ዚገልጽ ተመሳሳሊ ሓሳብ ንረክብ ኢና። ‘እታ ሓዳስ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ከም ዝወረደት’ ካብ ተጠቕሰ፡ እቲ ኣብኡ ቐሪቡ ዘሎ ራእይ፡ ኣብ ሰማይ ብዛዕባ ዘለዉ ዘይኰነስ፡ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ ደቂ ሰብ ብዛዕባ ዘለዉ እዩ።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ራእይ 7:1) ድሕርዚ፡ ኣርባዕተ መላእኽቲ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም፡ ኣብ ምድሪ ወይስ ኣብ ባሕሪ ወይስ ኣብ ኦም ዘበለ ንፋስ ከይነፍስ፡ ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ኣጽኒዖም ሒዞምዎም ረኣኹ።

re 113-115 ¶3, 4

ነቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ምሕታም

3 የሆዋ ነዚ ቝጥዓ እዚ ከይፈነዎ ኸሎ፡ መላእኽቲ ሰማይ ሓደ ፍልይ ዝበለ ኣገልግሎት ክፍጽሙ ኢዮም። ነዚ ኸኣ ዮሃንስ ብትርኢት ይርእዮ፦ “ድሕርዚ ድማ ኣርባዕተ መላእኽቲ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም: ኣብ ምድሪ ወይስ ኣብ ባሕሪ ኣብ ኦም ዘበለውን ንፋስ ከይነፍስ፡ ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ሒዞምዎም ርኤኹ።” (ራእይ 7:1) እዚኸ ንኣና ሎሚ እንታይ ማለት ኢዩ፧ እዞም “ኣርባዕተ ንፋሳት” እዚኣቶም ንጹር ምልክት ናይቲ ኣብ ልዕሊ እዚ እኩይ ምድራዊ ሕብረተሰብ፡ እቲ ከም “ባሕሪ” ዝናወጽ ሕጊ ዘይብሉ ወድሰብን እቶም ሓገዝን ደገፍን ካብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ህዝቢ ዝወስዱ ሕቡናት ኣእዋም መሰል ገዛእትን ክፍኖ ቀሪቡ ዘሎ ኣዕናዊ ፍርዲ ኢዮም።—ኢሳይያስ 57:20፣ መዝሙር 37:35, 36

4 ብዘይ ጥርጥር፡ እዞም ኣርባዕተ መላእኽቲ እዚኣቶም ክሳዕ እቲ ምዱብ ግዜኡ ዝኸውን እቲ ፍርዲ ከይፍጸም ክዓግቱ የሆዋ ዝጥቀመሎም ኣርባዕተ ጕጅለ መላእኽቲ ኢዮም ዘመልክቱ። እቶም መላእኽቲ ነቶም ናይ መለኮታዊ ቍጥዓ ንፋሳት ብሓደ ግዜ ብሰሜንን ደቡብን፡ ምብራቕን ምዕራብን ክውንጨፉ ምስ ፈነውዎም፡ እቲ ጥፍኣት ዓቢ ክኸውን ኢዩ። እዚ ኸኣ ብዝዓበየ መጠን ደኣ ኰይኑ እምበር፡ ምስቲ የሆዋ ንዔላም ንምሕምሻሽን ንምጽናትን እተጠቕመሎም ኣርባዕተ ንፋሳት ዝመሳሰል ኢዩ። (ኤርምያስ 49:36-38) ካብቲ የሆዋ ንህዝቢ ዓሞን ንምጽናት እተጠቕመሉ “ህቦብላ” ኣጸቢቑ ዘዕኑ ብርቱዕ ህቦብላ ክኸውን ኢዩ። (ኣሞጽ 1:13-15) በታ የሆዋ ሉዓላውነቱ ንዘለኣለም ዘረጋግጸላ መዓልቲ ቍጥዓኡ ዝዀነ ይኹን ኣብ ምድሪ ዘሎ ክፍሊ ናይ ማሕበር ሰይጣን ደው ክብል ኣይክእልን ኢዩ።—መዝሙር 83:15, 18፣ ኢሳይያስ 29:5, 6።

(ራእይ 9:11) ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ነበሮም፣ ንሱ ድማ መልኣኽ መዓሙቝ እዩ። ስሙ ብእብራይስጢ ኣባዶን እዩ፣ ብግሪኽኛ ኸኣ ኣጶልዮን እዩ።

it-1 12

ኣባዶን

እቲ መልኣኽ መዓሙቝ እተባህለ ኣባዶን መን እዩ፧

እንተዀነ ግና፡ ኣብ ራእይ 9:11 እታ “ኣባዶን” እትብል ቃል ከም ስም “መልኣኽ መዓሙቝ” ጌርካ ተጠቒሳ ኣላ። እታ ምስኣ እትዛመድ ኣጶልዮን እትብል ናይ ግርኽኛ ስም ከኣ፡ “መጥፍኢ” ማለት እያ። ኣብ መበል 19 ዘመን፡ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንኸም እኒ ሃጸይ ቨስፓስያንን መሓመድን ናፖልዮንን ከም እተመልክት ትንቢት ጌርካ ንምግላጽ ጻዕሪ ተገይሩ እዩ፣ እቲ መልኣኽ ድማ ብሓፈሻኡ ኸም “ሰይጣናዊ” ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ኣብ ራእይ 20:1-3 ግና፡ እቲ “መፍትሕ መዓሙቝ” ዝሓዘ መልኣኽ፡ ካብ ሰማይ ዚወርድ ተወካሊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ጌርካ ኸም እተገልጸ፡ ብዘይካዚ እውን “ሰይጣናዊ” ዘይኰነስ፡ ንሱ ንሰይጣን ኣሲሩ ናብቲ መዓሙቝ ከም ዚድርብዮ ጌርካ እዩ ተገሊጹ ኣሎ። ዘ ኢንተርፕሪተርስ ባይብል ብዛዕባ ራእይ 9:11 ሓሳብ ኪህብ ከሎ፡ “ኣባዶን ግና ብትእዛዝ ኣምላኽ ናይ ጥፍኣት ዕዮ ዚዓዪ መልኣኽ ኣምላኽ ደኣ እምበር መልኣኽ ሰይጣን ኣይኰነን” ይብል።

ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ ኣባዶን ምስ ሲኦልን ሞትን ተመሳሲሉ ኣሎ። ኣብ ራእይ 1:18 ድማ ክርስቶስ የሱስ፡ “ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፣ መፋትሕ ሞትን መቓብርን ከኣ ኣሎኒ” ኸም ዝበለ ንረክብ ኢና። ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ መዓሙቝ ዘለዎ ስልጣን ድማ ኣብ ሉቃስ 8:31 ተገሊጹ ኣሎ። ናይ ምጥፋእ ስልጣን ዘለዎ ምዃኑ፡ እንተላይ ንሰይጣን እውን ኬጥፍኦ ዚኽእል ምዃኑ፡ ኣብ እብራውያን 2:14 ንጹር ኰይኑ ኣሎ፣ እታ ጥቕሲ ኸኣ፡ የሱስ ከምቶም ደምን ስጋን ዝዀነሉ ምኽንያት፡ “ብሞቱ ነቲ ሞት ኬስዕብ ዚኽእል፡ ማለት ንድያብሎስ፡ ምእንቲ ኺስዕሮ” ምዃኑ ትገልጽ እያ። ኣብ ራእይ 19:11-16 ድማ ብኣምላኽ እተሸመ መጥፍኢ ወይ ፈጻሚ ፍርዲ ዀይኑ ብንጹር ተጠቒሱ ኣሎ።—ኣብ “ኣጶልዮን” ርአ።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ራእይ 7:1-12) ድሕርዚ፡ ኣርባዕተ መላእኽቲ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም፡ ኣብ ምድሪ ወይስ ኣብ ባሕሪ ወይስ ኣብ ኦም ዘበለ ንፋስ ከይነፍስ፡ ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ኣጽኒዖም ሒዞምዎም ረኣኹ። 2 ማሕተም እቲ ህያው ኣምላኽ ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ድማ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ኪዓርግ ከሎ ረኣኹ፣ ንሱ ኸኣ ነቶም ምድርን ባሕርን ኪጐድኡ እተፈቕደሎም ኣርባዕተ መላእኽቲ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጸዊዑ፡ 3 “ነቶም ባሮት ኣምላኽና ኣብ ገግምባሮም ክሳዕ እንሓትሞምሲ፡ ምድሪ ወይስ ባሕሪ ወይስ ኣእዋም ኣይትጕድኡ” በሎም። 4 ቍጽሪ እቶም ሕቱማት ድማ ሰማዕኩ፣ ካብ ኵሉ ነገድ ደቂ እስራኤል 144,000 ሕቱማት፦ 5 ካብ ነገድ ይሁዳ  12,000 ተሓትሙ፣ ካብ ነገድ ሮቤል 12,000፣ ካብ ነገድ ጋድ 12,000፣ 6 ካብ ነገድ ኣሴር 12,000፣ ካብ ነገድ ንፍታሌም 12,000፣ ካብ ነገድ ምናሴ 12,000፣ 7 ካብ ነገድ ስምኦን 12,000፣ ካብ ነገድ ሌዊ 12,000፣ ካብ ነገድ ይሳኮር 12,000፣ 8 ካብ ነገድ ዛብሎን 12,000፣ ካብ ነገድ ዮሴፍ 12,000፣ ካብ ነገድ ብንያም 12,000 ተሓትሙ። 9 ድሕርዚ ረኣኹ፡ እንሆ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን እተኣከቡ፡ ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይክእል ብዙሓት ህዝቢ፡ ወለል ዚብል ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ረኣኹ፣ ኣብ ኣእዳዎም ከኣ ጨናፍር ስየ ሒዞም ነበሩ። 10 “ድሕነት ካብቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኣምላኽናን ካብቲ ገንሸልን እዩ” እናበሉ ኸኣ ዓው ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ። 11 ኵሎም እቶም መላእኽቲ ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ሽማግለታትን እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራትን ደው ኢሎም ነበሩ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ብገጾም ተደፊኦም ከኣ ንኣምላኽ ከምዚ እናበሉ ሰገዱ፦ 12 “ኣሜን! ውዳሰን ግርማን ጥበብን ምስጋናን ክብርን ሓይልን ብርታዐን ንዘለኣለመ ኣለም ንኣምላኽና ይኹን። ኣሜን።”

9-15 ታሕሳስ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ራእይ 10-12

“እቶም እተቐትሉ ‘ኽልተ መሰኻኽር’ ህያዋን ኰይኖም”

(ራእይ 11:3) ነቶም ክልተ መሰኻኽረይ ድማ፡ ማቕ ተኸዲኖም፡ 1,260 መዓልቲ ኸም ዚንበዩ ኽገብሮም እየ።”

w14 15/11 30

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቶም ኣብ ራእይ ምዕራፍ 11 እተጠቕሱ ኽልተ መሰኻኽር እንታዎት እዮም፧

ራእይ 11:3 ብዛዕባ እቶም 1,260 መዓልቲ ዚንበዩ ኽልተ መሰኻኽር ትገልጽ እያ። እቲ ጸብጻብ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ሓደ ኣራዊት ነቶም መሰኻኽር ‘ኪስዕሮምን ኪቐትሎምን’ ምዃኑ ይሕብረና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ድሕሪ “ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን፡” እቶም ክልተ መሰኻኽር እንደገና ህያዋን ከም ዚዀኑን ንተዓዘብቲ ኣዝዮም ከም ዜገርምዎምን ተገሊጹ ኣሎ።—ራእ. 11:7, 11።

እቶም ክልተ መሰኻኽር እንታዎት እዮም፧ ኣብቲ ጸብጻብ ዚርከብ ዝርዝር ሓበሬታ፡ ንኽንፈልጦም ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ቀዳማይ፡ “በተን ክልተ ኣዋልዕን በተን ክልተ ቐወምቲ ቐንዴልን እተመሰሉ” ምዃኖም ተሓቢሩ ኣሎ። (ራእ. 11:4) እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ትንቢት ዘካርያስ ዚርከብ ቀዋሚ ቐንዴልን ክልተ ኣውልዕን እዩ ዜዘኻኽረና። እተን ክልተ ኣውልዕ ነቶም “ክልተ ኣብ ጥቓ እቲ ጐይታ ዅላ ምድሪ ዚቘሙ ደቂ ዘይቲ፡” ማለት ነቲ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ዘሩባቤልን ነቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ እያሱን እየን ዜመልክታ። (ዘካ. 4:1-3, 14) ካልኣይ፡ እቶም ክልተ መሰኻኽር፡ ልክዕ ከምቲ ሙሴን ኤልያስን ዝገበርዎ ዓይነት ምልክታት ይገብሩ እዮም።—ራእይ 11:5, 6 ምስ ዘሁልቍ 16:1-7, 28-35፣ 1 ነገስት 17:1፣ 18:41-45 ኣረኣኢ።

ነዚ ኽልተ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ዜመሳስሎ እንታይ እዩ፧ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጸብጻብ፡ ኣብ ኣጸጋሚ እዋን ፈተና መሪሕ ግደ ዘለዎም ቅቡኣት ኣምላኽ ተጠቒሶም ኣለዉ። ስለዚ፡ ከም መፈጸምታ ራእይ ምዕራፍ 11፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ኣብ ሰማይ ኣብ ዝቘመትሉ እዋን መሪሕ ግደ ዝነበሮም ቅቡኣት ኣሕዋት፡ ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን “ማቕ” ተኸዲኖም ሰቢኾም እዮም።

እቲ እቶም ቅቡኣት ማቕ ተኸዲኖም ዝሰበኹሉ እዋን ምስ ተዛዘመ፡ ብተዛማዲ ኺርአ ኸሎ ንሓጺር እዋን፡ ማለት ብምሳልያዊ መገዲ ንሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ናብ ቤት ማእሰርቲ ስለ ዝኣተዉ፡ ከም እተቐትሉ ጌርካ ኺውሰድ ይኽእል እዩ። ብኣረኣእያ ጸላእቲ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ዕዮ እቶም መሰኻኽር ከም ዝሞተ ጌርካ ስለ እተራእየ፡ እቶም ተጻረርቲ ኣዝዮም ተሓጒሶም እዮም።—ራእ. 11:8-10።

ይኹን እምበር፡ ከምቲ ኣብቲ ትንቢት እተገልጸ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን፡ እቶም ክልተ መሰኻኽር ህያዋን ኰኑ። እቶም ቅቡኣት ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቶም እሙናት ዝዀኑ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቢሎም ካብ ኣምላኽ ፍሉይ መዝነት ተቐበሉ። ካብቶም ብ1919 ነቶም ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ዚነብሩ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ዘበለ ምእንቲ ኼማልኡሎም “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዀይኖም ንኼገልግሉ እተሸሙ ድማ እዮም ነይሮም።—ማቴ. 24:45-47፣ ራእ. 11:11, 12።

እቲ ዜገርም፡ ራእይ 11:1, 2 ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ፍጻመታት፡ ምስቲ እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ እትዕቀነሉ ወይ እትምርመረሉ እዋን ተተሓሕዞ እያ። ሚልክያስ ምዕራፍ 3 እውን እንተ ዀነት፡ ብዛዕባ ተመሳሳሊ ምርመራ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስን ድሕሪኡ ብዛዕባ ዚህሉ እዋን ምጽራይን ትጠቅስ እያ። (ሚል. 3:1-4) እዚ ምርመራን ምጽራይን ክንደይ ግዜ እዩ ወሲዱ፧ ካብ 1914 ክሳዕ መጀመርታ 1919 እዩ ጸኒሑ። እዚ እዋን እዚ፡ ነቲ 1,260 መዓልትን (42 ወርሒ) ነቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 11 እተጠቕሰ ምሳልያዊ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ዜጠቓልል እዩ።

የሆዋ በቲ መንፈሳዊ ናይ ምጽራይ ዕዮኡ ኣቢሉ፡ ንሰናይ ግብሪ ዚዀኑ ፍሉያት ህዝቢ ኼንጽህ ምኽኣሉ፡ ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሰና። (ቲቶ. 2:14) እቶም ኣብ እዋን ፈተና መሪሕ ግደ ዝነበሮምን ከም ምሳልያውያን ክልተ መሰኻኽር ኰይኖም ዘገልገሉን እሙናት ቅቡኣት ዝሓደጉልና ኣብነት እውን ነማስወሉ ኢና።

(ራእይ 11:7) ምስክሮም ምስ ፈጸሙ ኸኣ፡ እቲ ኻብ መዓሙቝ ዚወጽእ ኣራዊት ምሳታቶም ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ኪቐትሎምን እዩ።

(ራእይ 11:11) ድሕሪ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ከኣ መንፈስ ህይወት ካብ ኣምላኽ ኣተዎም፣ ንሳቶም ድማ ብኣእጋሮም ቈሙ፡ ነቶም ዝረኣይዎም ከኣ ብርቱዕ ፍርሂ ወደቖም።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ራእይ 10:9, 10) ናብቲ መልኣኽ ከይደ ድማ፡ “ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ሃበኒ” በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ውሰዳ እሞ ብልዓያ፣ ንኸብድኻ መሪር ክትገብሮ እያ፣ ኣብ ኣፍካ ግና ከም መዓር ጥዕምቲ ኽትከውን እያ” በለኒ። 10 ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ከኣ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ወሲደ በላዕክዋ፣ ኣብ ኣፈይ ከም መዓር ጠዓመትኒ፣ ምስ በላዕክዋ ግና፡ ከብደይ መረረ።

it-2 880-881

መጽሓፍ፡ ጥቕልልቲ መጽሓፍ

ምሳልያዊ ኣጠቓቕማ። መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “መጽሓፍ” ወይ “ጥቕልልቲ መጽሓፍ” ተባሂላ እትትርጐም ቃል ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብምሳልያዊ መገዲ ተጠቒሙላ ኣሎ። ህዝቅኤልን ዘካርያስን ነፍሲ ወከፎም ብኽልቲኡ ሸነኽ እተጻሕፋ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ርእዮም እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብሓደ ሸነኻ ጥራይ ይጸሓፍ ስለ ዝነበረ፡ ብኽልቲኡ ሸነኽ እንተ ተጻሒፉ፡ ንርዝነትን ንስፍሓትን ንኽብደትን እቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ፍርዲ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ህዝ 2:9–3:3፣ ዘካ 5:1-4) ኣብ ራእይ ከኣ፡ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኣብ የማነይቲ ኢዱ ብሸውዓተ ማሕተም እተሓትመት ጥቕልልቲ መጽሓፍ ሒዙ ተራእዩ እዩ፣ እዚ ድማ፡ ገንሸል ኣምላኽ ነቲ ሸውዓተ ማሕተም ክሳዕ ዚፈትሖ ምእንቲ ኸይፍለጥ ተባሂሉ እዩ። (ራእ 5:1, 12፣ 6:1, 12-14) ጸኒሑ ኣብቲ ራእይ እቲ፡ ዮሃንስ ንሓንቲ መጽሓፍ ወሲዱ ኺበልዓ ትእዛዝ ተዋህቦ። ኣብ ኣፉ ጥዕምቲ እኳ እንተ ነበረት፡ ንኸብዱ ግና መሪር ገበረቶ። እታ መጽሓፍ ዘይተሓትመት ብምንባራ፡ ሰብ ኪርድኣ ዚኽእል ምዃና ትሕብር። ዮሃንስ ነቲ ዝሓዘቶ መልእኽቲ ንምስማዑ ‘ጥዑም’ እዩ ዀይኑሉ፣ ግናኸ፡ ከምቲ እተባህሎ ንምንባዩ መሪር ነገር ዝሓዘ ኪኸውን ኣለዎ። (ራእ 10:1-11) ህዝቅኤል እውን ምስ ሓንቲ “ልቕሶን ሓዘንን ዋይዋይታን” እተጻሕፋ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብእተተሓሓዘ ተመሳሳሊ ተመክሮ ኣሕሊፉ እዩ።—ህዝ 2:10።

(ራእይ 12:1-5) ዓብዪ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ፦ ሰበይቲ፡ ጸሓይ ተወንዚፋ ነበረት፣ ወርሒ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ፡ ኣኽሊል 12 ኸዋኽብቲ እውን ኣብ ርእሳ ነበራ፣ 2 ጥንስቲ ድማ ነበረት። ቅልውላው ስለ ዝሓዛ ኸኣ፡ ክትወልድ ኢላ ኽትጸዓርን ክትቅንዞን ከላ ትጭርሕ ነበረት። 3 ካልእ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ። እንሆ፡ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን፡ ኣብቲ ኣራእሱ እውን ሸውዓተ ዘውዲ ዘለዎ ዓብዪ ቐይሕ ገበል፣ 4 ጭራኡ ኸኣ ሲሶ ኸዋኽብቲ ሰማይ ሰሓበ፡ ናብ ምድሪ እውን ደርበዮም። እቲ ገበል ድማ፡ ምስ ወለደትሲ ነቲ ውሉዳ ምእንቲ ኺውሕጦ ኢሉ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ። 5 ንሳ ንዅሎም ኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ዚጓስዮም ወዲ፡ ተባዕታይ፡ ወለደት። እቲ ውሉዳ ኸኣ ናብ ኣምላኽን ናብ ዝፋኑን ተመንዝዐ።

it-2 187 ¶7-9

ቅልውላው፡ ጻዕሪ ሕርሲ

ኣብቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ፡ ሓንቲ ሰማያዊት ሰበይቲ “ቕልውላው ስለ ዝሓዛ፡” “ክትወልድ ኢላ ኽትጸዓርን ክትቅንዞን” ርእዩ እዩ። “ንዅሎም ኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ዚጓስዮም ወዲ፡ ተባዕታይ” ድማ እያ ወሊዳ። እቲ ገበል ነቲ ውሉድ ኺውሕጦ እኳ እንተ ጸዓረ፡ እቲ ውሉዳ ግና “ናብ ኣምላኽን ናብ ዝፋኑን ተመንዝዐ።” (ራእ 12:1, 2, 4-6) ኣምላኽ ነቲ ወዲ መንዚዑ ምውሳዱ፡ ከም ውሉዱ ገይሩ ኸም እተቐበሎ የርኢ፣ ከመይሲ፡ ብግዜ ጥንቲ፡ ኣቦ ንሓደ ሓድሽ ዚውለድ ሕጻን ምእንቲ ኪቕበሎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ናይ ምቕራብ ልምዲ ነይሩ እዩ። (ኣብ “ውልደት” ርአ።) ስለዚ፡ እታ “ሰበይቲ፡” እታ “ናይ ላዕሊ የሩሳሌም” እትብሃል “ሰበይቲ” ኣምላኽ እያ፣ ንክርስቶስን ንመንፈሳውያን ኣሕዋቱን እውን ‘ኣዲኦም’ እያ።—ገላ 4:26፣ እብ 2:11, 12, 17።

እታ ሰማያዊት “ሰበይቲ” ኣምላኽ ፍጽምቲ እያ፣ ሕርሳ ድማ ቃል ብቓሉ ጻዕሪ ኣይህልዎን እዩ። ስለዚ፡ ቅልውላው ወይ ጻዕሪ ሕርሲ ምህላዉ፡ እታ “ሰበይቲ” እትወልደሉ ግዜ ምቕራቡ ኸም እትፈልጥ ብምሳልያዊ መገዲ ዚሕብር እዩ።—ራእ 12:2።

እቲ “ወዲ፡ ተባዕታይ” እተባህለኸ መን እዩ፧ ንሱ “ንዅሎም ኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን [ከም] ዚጓስዮም” ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ መዝሙር 2:6-9፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝሸሞ መሲሓዊ ንጉስ ተመሳሳሊ ትንቢት ኣሎ። እንተዀነ ግና፡ ዮሃንስ ነዚ ራእይ እዚ፡ ካብቲ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ እተወልደሉን ሞይቱ ዝተንስኣሉን እዋን ነዊሕ ጸኒሑ እዩ ርእይዎ። እምበኣር፡ እታ በቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እትመሓደር መሲሓዊት መንግስቲ ንእትውለደሉ ዅነት እዩ ዜመልክት ዚኸውን፣ ከመይሲ፡ ንሱ ኻብ ምዉታት ምስ ተንስአ፡ “ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጡ እዩ፣ ካብኡ ኣትሒዙ ጸላእቱ ድኳ እግሩ ኽሳዕ ዚዀኑ ይጽበ” ነይሩ እዩ።—እብ 10:12, 13፣ መዝ 110:1፣ ራእ 12:10።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ራእይ 10:1-11) ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ ከኣ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ረኣኹ፣ ንሱ ደበና ተወንዚፉ ነበረ፣ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ ቀስተ ደበና ነበሮ፣ ገጹ ድማ ከም ጸሓይ ነበረ፣ ኣእጋሩ እውን ከም ኣዕኑድ ሓዊ ነበራ፣ 2 ኣብ ኢዱ ኸኣ ሓንቲ እተቐልዐት ንእሽቶ መጽሓፍ ነበረት። የማነይቲ እግሩ ኣብ ባሕሪ፡ ጸጋመይቲ እግሩ ድማ ኣብ ምድሪ ኣንበረ፣ 3 ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ኸኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ። ምስ ጨደረ ድማ፡ ድምጺ እቶም ሸውዓተ ነጐዳታት ተዛረበ። 4 እቶም ሸውዓተ ነጐዳታት ምስ ተዛረቡ፡ ኣነ ኽጽሕፍ ኢለ ነበርኩ፣ ካብ ሰማይ ግና፡ “ነቲ እቶም ሸውዓተ ነጐዳታት እተዛረብዎ ሕተሞ እምበር፡ ኣይትጽሓፎ” ዚብል ድምጺ ሰማዕኩ። 5 እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን ደው ኢሉ ዝረኣኽዎ መልኣኽ ድማ፡ ንየማነይቲ ኢዱ ናብ ሰማይ ዘርግሓ፡ 6 በቲ ሰማይን ኣብኡ ዘሎን ምድርን ኣብኣ ዘሎን ባሕርን ኣብኡ ዘሎን ዝፈጠረ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር እውን ከምዚ ኢሉ መሓለ፦ “ደጊም ኣይኪድንጕን እዩ። 7 ግናኸ፡ ብመዓልትታት እቲ ሻውዓይ መልኣኽ መለኸቱ ዚነፍሓሉ እዋን ኣቢሉ፡ እቲ ኣምላኽ ንባሮቱ ነብያት ከም ብስራት ዘበሰሮም ቅዱስ ምስጢር ኪፍጸም እዩ።” 8 እቲ ኻብ ሰማይ ዝሰማዕክዎ ድምጺ ኸኣ፡ “ኪድ እሞ ነታ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን ደው ኢሉ ዘሎ መልኣኽ ዘላ እተቐልዐት መጽሓፍ ውሰዳ” ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረበኒ። 9 ናብቲ መልኣኽ ከይደ ድማ፡ “ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ሃበኒ” በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ውሰዳ እሞ ብልዓያ፣ ንኸብድኻ መሪር ክትገብሮ እያ፣ ኣብ ኣፍካ ግና ከም መዓር ጥዕምቲ ኽትከውን እያ” በለኒ። 10 ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ከኣ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ወሲደ በላዕክዋ፣ ኣብ ኣፈይ ከም መዓር ጠዓመትኒ፣ ምስ በላዕክዋ ግና፡ ከብደይ መረረ። 11 “ከም ብሓድሽ ብዛዕባ ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ብዙሓት ነገስታትን ክትንበ ኣሎካ” ድማ በሉኒ።

16-22 ታሕሳስ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ራእይ 13-16

“ነቶም ዜፍርሁ ኣራዊት ኣይትፍርሃዮም”

(ራእይ 13:1, 2) ኣብ ሑጻ ባሕሪ እውን ደው በለ። ዓሰርተ ቐርንን ሸውዓተ ርእስን፡ ኣብ ኣቕርንቱ ኸኣ ዓሰርተ ዘውዲ፡ ኣብ ኣራእሱ እውን ስማት ጸርፊ ዘለዎ ኣራዊት ካብ ባሕሪ ኺወጽእ ከሎ ረኣኹ። 2 እቲ ዝረኣኽዎ ኣራዊት ከኣ ነብሪ ይመስል፡ ኣእጋሩ ግና ከም ናይ ድቢ፡ ኣፉ እውን ከም ኣፍ ኣንበሳ እዩ። እቲ ገበል ድማ ነቲ ኣራዊት ሓይሉን ዝፋኑን ብዙሕ ስልጣንን ሃቦ።

w12 15/6 8 ¶6

የሆዋ—“ገላጺ ምስጢራት”

6 ኣብ ምዝዛም እቲ ቐዳማይ ዘመን ድ.ክ. እቲ ዝተንስአ የሱስ ንሃዋርያ ዮሃንስ እተፈላለየ ዜደንጹ ራእያት ኣርእይዎ እዩ። (ራእ. 1:1) ዮሃንስ ኣብ ሓደ ኻብዚ ራእያት እዚ፡ ነቲ ንድያብሎስ ዜመልክት ገበል ኣብ ገምገም ሓደ ዓብዪ ባሕሪ ደው ኢሉ ኸሎ ረኣዮ። (ራእይ 13:1, 2 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ዮሃንስ ሓደ ዜፍርህ ኣራዊት ካብቲ ባሕሪ እቲ ወጺኡ ኻብ ድያብሎስ ዓብዪ ስልጣን ኪቕበል ከሎ ረኣየ። ድሕሪ እዚ፡ ሓደ መልኣኽ ንዮሃንስ ሸውዓተ ርእሲ ሓደ ቐይሕ ኣራዊት ን“ሸውዓተ ነገስታት፡” ወይ መንግስትታት ከም ዜመልክት ሓበሮ። እቲ ቐይሕ ኣራዊት ምስሊ እቲ ኣብ ራእይ 13:1 እተጠቐሰ ኣራዊት እዩ። (ራእ. 13:14, 15፣ 17:3, 9, 10) ዮሃንስ ነዚ ራእያት እዚ ኺጽሕፎ ኸሎ፡ ሓሙሽተ ነገስታት ወዲቖም ነይሮም፡ ሓደ ኣብ ስልጣን ነይሩ፡ ሓደ ግና “ኣይመጸን” ነይሩ። መንነት እቶም ነገስታት ወይ ሓይልታት ዓለም እንታይ እዩ፧ ንነፍሲ ወከፍ ርእሲ እቲ ኣብ ራእይ ተገሊጹ ዘሎ ኣራዊት እስከ ንመርምር። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ እተን መንግስትታት እቲኣተን ካብ መጽሓፍ ዳንኤል ሓያሎ ነገራት ክንመሃር ኢና። ትንቢታት ዳንኤል ገሊአን መንግስትታት ኣብ ህላወ ቕድሚ ምምጻአን ዘመናት ኣቐዲሙ ብዛዕባአን ዚገልጽ ዝርዝር ነጥብታት ገሊጹ ነይሩ እዩ።

(ራእይ 13:11) ካልእ ኣራዊት እውን ካብ ምድሪ ኺወጽእ ከሎ ረኣኹ፣ ናይ ገንሸል ዚመስል ክልተ ቐርኒ እውን ነበሮ፣ ግናኸ፡ ከም ገበል ይዛረብ ነበረ።

(ራእይ 13:15) ምስሊ እቲ ኣራዊት ምእንቲ ኺዛረብን ንዅሎም እቶም ንምስሊ እቲ ኣራዊት ዘይሰግዱ ዘበሉ ምእንቲ ኬቕትሎምን ከኣ፡ ንምስሊ እቲ ኣራዊት ትንፋስ ኪህብ ተፈቕደሉ።

re 194 ¶26

ምስ ክልተ ጨካናት ኣራዊት ምግጣም

26 እዚ እንታይ ክኸውን ይኽእል፧ እዚ ልክዕ ከምቲ ሻውዓይ ርእሲ ናይቲ ቐዳማይ ኣራዊት፡ ናይ ኣንግሎ-ኣመሪካ ሓይሊ ዓለም ኰይኑ ኣብ ፍልይ ዝበለ ዕዮ ከሎ ዘርኢ ኢዩ! ኣብቲ ትርኢት ከም እተፈልየ ኣራዊት ምቕራቡ፡ ኣብ መድረኽ ዓለም ከመይ ገይሩ ንበይኑ ከም ዝዓዪ ዝያዳ ብግልጺ ንኽንርዳእ ይሕግዘና። እዚ ምሳልያዊ ኽልተ ዝቐርኑ ኣራዊት ብኽልተ ኣብ ሓደ እዋን ዝነብሩ፡ ነናቶም ሓርነት ዘሎዎም፡ እንተዀነ ግን ዝተሓባበሩ ፖለቲካውያን ሓይልታት ዝቖመ ኢዩ። እቲ “ናይ ገንሸል ዚመስል” ክልተ ቐርኑ፡ ንዅሉ ዓለም ዝጠዊ ስልጡን ኣመሓዳድራ ብምግባር ንገዛእ ርእሱ ልኡምን ዘይጓዳእን ከም ዘምስል ይሕብር። እንተዀነ ግን ‘ከም ገበል ኢዩ ዚዛረብ፡’ እዚ ማለት ከኣ እቲ ኣገዛዝኡ ተቐባልነት ኣብ ዘይረኽበሉ ዘበለ ጸቐጢ፡ ምፍርራሕ፡ ዓመጻውን ከይተረፈ ይጥቀም። ኣብ ትሕቲ እታ በቲ ገንሸል ኣምላኽ እትመሓደር መንግስቲ ኣምላኽ ተገዛኢ ንምዃን ዘይኰነስ፡ ንጥቕሚ እቲ ዓቢ ገበል ሰይጣን ኢዩ ዘተባብዕ። ንኣምልኾ ናይቲ ቐዳማይ ኣራዊት ዘዕቢ ሃገራዊ ምክፍፋልን ጽልእን ኢዩ ዘሰስን።

re 195-196 ¶30-31

ምስ ክልተ ጨካናት ኣራዊት ምግጣም

30 ታሪኻዊ መፈጸምታ እዚ ምስሊ እዚ እቲ መጀመርታ እተኣሳሰራ መንግስታት ተባሂሉ እተጸውዐ፡ ብዓባይ ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እተሓስበን እተሰረተን እተደገፈን ማሕበር የመልክት። ጸኒሑ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 17 ከም ሓደ ንበይኑ ዝህሉ ህያው ቀይሕ ኣራዊት ብምዃን፡ እተፈልየ ምልክት ሒዙ ክቐርብ ኢዩ። እዚ ኣህጉራዊ ኣካል እዚ ‘ይዛረብ’ ኢዩ፡ እዚ ኸኣ ንወድሰብ ሰላምን ድሕንነትን ዘምጽእ ንሱ ጥራይ ከም ዝዀነ ብትዕቢት ይዛረብ ማለት ኢዩ። ብሓቂ ግን፡ እተን ኣባላቱ ዝዀና ሃገራት ናይ ወቐሳ መደረን ጸርፍን ዝለዋወጣሉ መጋባኣያ ኢዩ ኰይኑ። ንስልጣኑ ዘይሰገደት ዝዀነት ትኹን ሃገር ወይ ህዝቢ ብምግላል፡ ወይ ከኣ ብህይወቶም ከለዉ ብምቕታል የፈራርሕ። ነቲ ናቱ ስነ-ሓሳብ ዘይቅበላ ሃገራት ኣባላት ካብ ምዃን ንምብራር ኣጕባዕቢዑለን ኢዩ። እቲ ዓቢ ጸበባ ክጅምር ከሎ፡ ወተሃደራዊ ‘ቀርኒ’ ናይዚ ምስሊ እቲ ኣራዊት መዕነዊ ግደ ክህልዎ ኢዩ።—ራእይ 7:14፣ 17:8, 16።

31 ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ እቲ ሕጂ ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተገሊጹ ዘሎ ምስሊ እቲ ኣራዊት ቃል ብቓሉ ቀቲሉ ኢዩ። ንኣብነት፡ ብ1950 ሓይልታት ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ኮርያ እተገብረ ውግእ ተኻፈሉ። ሓይልታት ሕቡራት ሃገራት ምስቶም ናይ ደቡብ ኮርያ ሓይልታት ኰይኖም ብግምት 1,420,000 ሰሜን ኮርያውያንን ቻይናውያንን ቀተሉ። ብተመሳሳሊ ካብ 1960 ክሳዕ 1964፡ ሰራዊት ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኮንጎ (ሕጂ ዛየር) ንጡፋት ነይሮም ኢዮም። ብተወሳኺ ናይ ዓለም መራሕቲ፡ ንጳጳስ ጳውሎስ ሻድሻይን ንጳጳስ ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይን ሓዊስካ፡ እዚ ምስሊ እዚ ንሰብ እቲ ዝበለጸ ተስፋ ናይ ሰላም ኢዩ ኢሎም ምርግጋጽ ቀጺሎም ኢዮም። ወድሰብ ናቱ ተገዛኢ ምዃን እንተድኣ ሰኒፉ፡ ዓሌት ወድሰብ ገዛእ ርእሱ ከጥፍእ ኢዩ ይብሉ። በዚ ኸምዚ ብምሳልያዊ መገዲ ነቶም ምስቲ ምስሊ ምስምማዕን ንዕኡ ምምላኽን ዝኣብዩ ኵሎም ሰባት ከም ዝቕተሉ ይገብሩ።—ምስ ዘዳግም 5:8, 9 ኣረኣእዮ።

(ራእይ 13:16, 17) ንዅሎም ድማ፡ ንንኣሽቱን ንዓበይትን፡ ንሃብታማትን ንድኻታትን፡ ንጭዋታትን ንባሮትን፡ ኣብ የማናይ ኢዶም ወይስ ኣብ ግምባሮም ምልክት ኪቕበሉ ገደዶም፣ 17 እቲ ምልክት፡—ስም እቲ ኣራዊት ወይስ ቍጽሪ ስሙ፡—ዘለዎ እንተ ዘይኰይኑ ድማ፡ ሓደ እኳ ኺዕድግ ወይ ኪሸይጥ ከም ዘይክእል ይገብር።

w09 15/2 4 ¶2

ካብ ራእይ ዮሃንስ ዚጐልሕ ነጥብታት—2ይ ክፋል

13:16, 17። ከም ‘ምዕዳግን ምሻጥን’ ዝኣመሰለ መዓልታዊ ንጥፈታትና ኽንገብር ከለና ጸገማት የጋጥመና ብዘየገድስ፡ እቲ ኣራዊት ንህይወትና ኺቈጻጸሮ ንዜውርደልና ጸቕጢ ኢድና ኽንህብ የብልናን። ‘ኣብ ኢድና ወይ ኣብ ግምባርና ማሕተም እቲ ኣራዊት’ ምቕባል፡ ንተግባራትና ወይ ንኣተሓሳስባና ኺቈጻጸሮ ምስ ምፍቃድ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ራእይ 16:13, 14) ካብ ኣፍ እቲ ገበልን ካብ ኣፍ እቲ ኣራዊትን ካብ ኣፍ እቲ ናይ ሓሶት ነብይን ድማ ቍርዖብ ዚመስሉ ብድራኸ መንፈስ ዚዝረቡ ሰለስተ ርኹሳት ዘረባታት ኪወጹ ኸለዉ ረኣኹ። 14 እዚኣቶም ከኣ ብድራኸ ኣጋንንቲ ዚዝረቡ ዘረባታት እዮም፣ ትእምርትታት እውን ይገብሩ እዮም፣ ናብ ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪእክብዎም ድማ፡ ናብ ነገስታት ብዘላ ዓለም ይወጹ።

w09 15/2 4 ¶5

ካብ ራእይ ዮሃንስ ዚጐልሕ ነጥብታት—2ይ ክፋል

16:13-16። እቶም ኣብዚ “ርኹሳት መናፍስቲ” ተባሂሎም ዘለዉ፡ ነገስታት ምድሪ ብምፍሳስ እቲ ሸውዓተ ጽዋእ ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዚጽለዉ ንየሆዋ ኸም ዚጻረርዎ ዚገብሩ ኣጋንንቲ ዚዝርግሕዎ ፕሮፓጋንዳ እዩ።—ማቴ. 24:42, 44።

(ራእይ 16:21) ሽዑ፡ ኣስታት ሓሓደ ታለንት ዝምኽባዱ ዓበይቲ በረድ ካብ ሰማይ ናብ ሰባት ወረደ፣ እቲ መዓት ኣዝዩ ዓብዪ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ሰባት ብሰሪ እቲ መዓት በረድ ንኣምላኽ ጸረፍዎ።

w15 15/7 16 ¶9

‘ድሕነትኩም ቀሪቡ እዩ’

9 እቲ እዋን እቲ፡ “ብስራት መንግስቲ” እንሰብከሉ እዋን ኣይኰነን። ሽዑ፡ ብስራት ዚስበኸሉ ግዜ ሓሊፉ፡ “መወዳእታ” ዚመጸሉ ግዜ እዩ። (ማቴ. 24:14) ኣብቲ ግዜ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ሓያል መልእኽቲ ፍርዲ ኺእውጁ እዮም። እዚ መልእኽቲ ፍርዲ እዚ፡ እዛ እክይቲ ናይ ሰይጣን ዓለም ምሉእ ብምሉእ እትጠፍኣሉ ግዜ ኸም ዝኣኸለ ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ መልእኽቲ እዚ፡ ምስ በረድ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ከምዚ ኸኣ ይብል፦ “ኣስታት ሓሓደ ታለንት ዝምኽባዱ ዓበይቲ በረድ ካብ ሰማይ ናብ ሰብ ወረደ፣ እቲ መዓት ኣዝዩ ዓብዪ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ሰብ ብሰሪ እቲ መዓት በረድ ንኣምላኽ ጸረፍዎ።”—ራእ. 16:21።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ራእይ 16:1-16) ካብታ መቕደስ ከኣ ነቶም ሸውዓተ መላእኽቲ፡ “ኪዱ እሞ ነቲ ሸውዓተ ጭሔሎ ቝጥዓ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ” ዚብሎም ዓው ዝበለ ድምጺ ሰማዕኩ። 2 እቲ ቐዳማይ ከይዱ፡ ጭሔሎኡ ናብ ምድሪ ኣፍሰሰ። ነቶም ምልክት እቲ ኣራዊት ዘለዎምን ንምስሉ ዝሰገዱን ሰባት ክፉእን ብርቱዕን ቍስሊ ወጾም። 3 እቲ ኻልኣይ ድማ ጭሔሎኡ ናብ ባሕሪ ኣፍሰሰ። እቲ ባሕሪ ኸኣ ከም ናይ ምዉት ሰብ ዚመስል ደም ኰነ፣ ኣብቲ ባሕሪ ዝነበረ ዅሉ ህያው ፍጡር እውን ሞተ። 4 እቲ ሳልሳይ ድማ ጭሔሎኡ ናብ ኣፍላግን ዓይኒ ማያትን ኣፍሰሰ። ንሱ ኸኣ ደም ኰነ። 5 እቲ መልኣኽ ማያት ድማ ከምዚ ኺብል ከሎ ሰማዕኩ፦ “ኣታ ዘለኻን ዝነበርካን እሙን፡ እዚ ፈሪድካ ኢኻ እሞ፡ ጻድቕ ኢኻ፣ 6 ምኽንያቱ፡ ደም ቅዱሳትን ደም ነብያትን ኣፍሲሶም እዮም፣ ንስኻ ኸኣ ኪሰትዩ ደም ሂብካዮም ኢኻ። ይግብኦም እዩ።” 7 እቲ መሰውኢ ድማ፡ “እወ፡ ኣታ ዅሉ እትኽእል የሆዋ ኣምላኽ፡ ፍርድታትካ ሓቅን ቅኑዕን እዩ” ኺብል ከሎ ሰማዕኩ። 8 እቲ ራብዓይ ድማ ጭሔሎኡ ኣብ ጸሓይ ኣፍሰሰ፣ ንጸሓይ እውን ንሰብ ብሓዊ ኸተሕርር ተፈቕደላ። 9 እቶም ሰብ ድማ ብብርቱዕ ሃሩር ሓረሩ፣ ግናኸ፡ ንስም እቲ ኣብዚ መዓታት እዚ ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ ጸረፍዎ እምበር፡ ኣይተነስሑን፡ ክብሪ እውን ኣይሃብዎን። 10 እቲ ሓምሻይ ድማ ጭሔሎኡ ኣብ ዝፋን እቲ ኣራዊት ኣፍሰሰ። መንግስቱ ኸኣ ጸልመተት፣ ብሰሪ ስቓዮም እውን ልሳኖም ሓየኹ፣ 11 ብሰሪ እቲ ስቓዮምን ኣቝሳሎምን ከኣ ንኣምላኽ ሰማይ ጸረፍዎ፡ ካብ ግብሮም እውን ኣይተነስሑን። 12 እቲ ሻድሻይ ድማ ጭሔሎኡ ኣብቲ ዓብዪ ፈለግ ኤፍራጥስ ኣፍሰሰ፣ ነቶም ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዚመጹ ነገስታት መገዲ ምእንቲ ኺዳለወሎም ከኣ፡ እቲ ማዩ ነጸፈ። 13 ካብ ኣፍ እቲ ገበልን ካብ ኣፍ እቲ ኣራዊትን ካብ ኣፍ እቲ ናይ ሓሶት ነብይን ድማ ቍርዖብ ዚመስሉ ብድራኸ መንፈስ ዚዝረቡ ሰለስተ ርኹሳት ዘረባታት ኪወጹ ኸለዉ ረኣኹ። 14 እዚኣቶም ከኣ ብድራኸ ኣጋንንቲ ዚዝረቡ ዘረባታት እዮም፣ ትእምርትታት እውን ይገብሩ እዮም፣ ናብ ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪእክብዎም ድማ፡ ናብ ነገስታት ብዘላ ዓለም ይወጹ። 15 “እንሆ፡ ከም ሰራቒ እመጽእ ኣለኹ። ጥራዩ ምእንቲ ኸይከይድ፡ ንሕፍረቱ እውን ከይርእይዎ፡ እቲ ዚነቅሕን ክዳውንቱ ዚሕሉን ሕጉስ እዩ።” 16 ንሳቶም ከኣ ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን ዚብሃል ቦታ ኣከብዎም።

23-29 ታሕሳስ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ራእይ 17-19

“ንዅሉ ውግኣት ዚዛዝም ውግእ ኣምላኽ”

(ራእይ 19:11) ሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ረኣኹ፣ እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ ፈረስ። እቲ እተወጥሖ ኸኣ እሙንን ናይ ሓቅን ይብሃል፣ ብጽድቂ እውን እዩ ዚፈርድን ዚዋጋእን።

(ራእይ 19:14-16) ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ቅጭን በፍታ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣምበሎት ኣፍራስ ተወጢሖም ሰዓብዎ። 15 ካብ ኣፉ ድማ ንኣህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ነዊሕ ሰይፊ ይወጽእ፣ ንሱ ኸኣ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ። ነቲ ናይቲ ነድሪ ቝጥዓ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ መጽመቝ ወይኒ ድማ ይረግጾ። 16 ኣብ ክዳኑን ኣብ ሰለፉን ከኣ፡ ንጉሰ ነገስትን ጐይታ ጐይተትን ዚብል ጽሑፍ ስም ኣለዎ።

w08 1/4 8 ¶3-4

ኣርማጌዶን ንዅሉ ውግኣት ዚዛዝም ውግእ ኣምላኽ

እኩያት ሰባት ስልጣን ክሳዕ ዝሓዙ፡ ጻድቃን ሰላምን ደሓንን ኪረኽቡ ኣይክእሉን እዮም። (ምሳሌ 29:2፣ መክብብ 8:9) ንብልሽውናን እከይን ካብቶም ገበርቱ ኽትፈልዮ ኸኣ ዘይከኣል እዩ። ስለዚ፡ ነባሪ ሰላምን ፍትሕን ኪርከብ እንተ ዀይኑ፡ እኩያት ሰባት ኪጠፍኡ ኣለዎም። ሰሎሞን፡ “ረሲእ በጃ ጻድቕ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—ምሳሌ 21:18።

ኣምላኽ፡ ፈራዲ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እኩያት ሰባት ዜውርዶ ፍርዲ ቕኑዕ ከም ዚኸውን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣብርሃም፡ “እቲ ፈራድ ኵላ ምድርስ ፍትሒዶ ኣየውጽእን እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። የሆዋ ዅሉ ሳዕ ፍትሒ ኸም ዚገብር ከኣ ርእዩ እዩ። (ዘፍጥረት 18:25) ብዘይካዚ እቲ እኩይ ኪጠፍእ ከሎ፡ የሆዋ ባህ ከም ዘይብሎ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ፣ ንእኩይ ሰብ ምጥፋእ ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ገይሩ እዩ ዚርእዮ።—ህዝቅኤል 18:32፣ 2 ጴጥሮስ 3:9።

it-1 1146 ¶1

ፈረስ

ኣብቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝረኣዮ ምሳልያዊ ራእይ፡ እቲ ኽብሪ ዝለበሰ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ ከም እተወጥሐ እሞ ኣብ ኣምበሎት ኣፍራስ እተወጥሑ ሰራዊት ከም ዚስዕብዎ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ራእይ እዚ ኸኣ፡ እቲ ክርስቶስ ንኣምላኹን ንኣቦኡን የሆዋ ወኪሉ ምስ ኵሎም ጸላእቱ ዚገብሮ ውግእ ብጽድቅን ብፍትሕን ከም ዚግበር ንምሕባር እዩ ንዮሃንስ ተገሊጹሉ። (ራእ 19:11, 14) ኣቐዲሙ ክርስቶስ ንጉሳዊ ስጕምቲ ምውሳዱን ስዒቡ ዝመጸ መዓትን በበይኖም ዓይነት ፈረሰኛታት ተመሲሉ ኣሎ።—ራእ 6:2-8።

(ራእይ 19:19, 20) እቲ ኣራዊትን እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከኣ፡ ምስቲ ኣብ ፈረስ እተወጥሐን ምስ ሰራዊቱን ኪዋግኡ ተኣኪቦም ረኣኹ። 20 እቲ ኣራዊት ድማ ተታሕዘ፣ እቲ ነቶም ምልክት እቲ ኣራዊት እተቐበሉን ንምስሉ ዝሰገዱን ዘስሓተሉ ትእምርትታት ኣብ ቅድሚኡ ዝገበረ ናይ ሓሶት ነብዪ እውን ምስኡ ተታሕዘ። ብህይወቶም ከለዉ፡ ክልቲኦም ናብቲ ብዲን ዚነድድ ቀላይ ሓዊ ተደርበዩ።

re 286 ¶24

እቲ ተዋጋኢ ንጉስ ኣብ ኣርማጌዶን ይዕወት

24 እቲ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘሎዎ ካብ ባሕሪ ዝወጽእ ንፖለቲካዊ ማሕበር ሰይጣን ዝምሰል ኣራዊት፡ ክድምሰስን ክርሳዕን ኢዩ፡ ምስኡ ድማ እቲ ሻውዓይ ሓይሊ ዓለም ዝዀነ ነብዪ ሓሶት ክጠፍእ ኢዩ። (ራእይ 13:1, 11-13፣ 16:13) ገና “ብህይወቶም” ከለዉ ወይ ከኣ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ሓቢሮም እናተቓወሙዎም ከለዉ ኣብቲ “ቀላይ ሓዊ” ክድርበዩ ኢዮም። እዝስ ቃል ብቓሉ ቀላይ ሓዊ ድዩ፧ ኣይፋሉን፡ ልክዕ ከምቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን ቃል ብቓሉ እንስሳታት ዘይኰኑ፡ እዚውን ቃል ብቓሉ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ምልክት ናይ ሓደ ፍጹምን ናይ መወዳእታን ጥፍኣት፡ መምለሲ ዘይብሉ ስፍራ ኢዩ። ዳሕራይ ሞትን ሃደስን ከምኡውን ድያብሎስ ንርእሱ ኣብዚ ቦታ እዚ ኢዮም ዝድርበዩ። (ራእይ 20:10, 14) እዚ ቦታ እዚ እቶም እኩያት ንዘለኣለም ዝሳቐይሉ ሲኦል ሓዊ ኣይኰነን፡ ምኽንያቱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ናይ ከምዚ ዝበለ ቦታ ሓሳብ እውን ከይተረፈ ፍንፉን ኢዩ።—ኤርምያስ 19:5፣ 32:35፣ 1 ዮሃንስ 4:8, 16።

(ራእይ 19:21) እቶም ዝተረፉ ግና በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ እተወጥሐ ዚወጽእ ነዊሕ ሰይፊ ተቐትሉ። ኵለን ኣዕዋፍ ከኣ ስጋኦም በሊዐን ጸገባ።

re 286 ¶25

እቲ ተዋጋኢ ንጉስ ኣብ ኣርማጌዶን ይዕወት

25 ኵሎም ካልኦት ብቐጥታ ክፍሊ ናይ መንግስቲ ዘይነበሩ፡ እንተዀነ ግን ክፍሊ ናይዚ ዘይዕረ ብልሹው ናይ ወድሰብ ዓለም ዝነበሩ እውን ብተመሳሳሊ “በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ዚወጽእ ሰይፊ ተቐትሉ።” የሱስ ሞት ከም ዝግብኦም ገይሩ ክፈርዶም ኢዩ። ኣብዚ ቐላይ ሓዊ ስለ ዘይተጠቕሰ ትንሳኤ ክህልዎም ኢዩ ኢልና ንጽበዶ፧ እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ በቲ የሆዋ ዝሾሞ ፈራዲ ዝቕተሉ ክትንስኡ ኢዮም ዝብል ፈጺምና ኣይንረክብን ኢና። ከምቲ ባዕሉ የሱስ ዝበሎ ኵሎም እቶም “ኣባጊዕ” ዘይኰኑ “ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ” ማለት “ናይ ዘለኣለም ስቓይ [“ምቝራጽ፡” NW]” ኢዮም ዝኸዱ። (ማቴዎስ 25:33, 41, 46) እዚ ኸኣ ‘ንመዓልቲ ፍርድን ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን’ ክዛዝሞ ኢዩ።—2 ጴጥሮስ 3:7፣ ናሆም 1:2, 7-9፣ ሚልክያስ 4:1።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ራእይ 17:8) እቲ ዝረኣኻዮ ኣራዊት ዝነበረ እዩ፡ የሎን ከኣ፡ ካብ መዓሙቝ ድማ ኪወጽእ፡ ናብ ጥፍኣት እውን ኪኸይድ እዩ። እቶም ካብ ምስራት ዓለም ኣትሒዙ ስሞም ኣብ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ ነበርቲ ምድሪ፡ እቲ ኣራዊት ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዚህሉን ምስ ረኣዩ፡ ኪግረሙ እዮም።

re 247-248 ¶5-6

ሓደ ዘርዕድ ምስጢር ይፍታሕ

5 “እቲ . . . ኣራዊት ነበረ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እወ፡ ካብ 10 ጥሪ 1920 ጀሚሩ ምስ 63 ኣብ እተፈላለየ ግዜ ኣባላቱ ዝዀና ሃገራት፡ እተኣሳሰራ መንግስታት ዝብል ስም ሒዙ ይነብር ነበረ። በብግደ ግን ጃፓን፡ ጀርመን፡ ከምኡውን ኢጣልያ ካብቲ ማሕበር ወጻ፡ ሶቭየት ሕብረት ነበር ከኣ ካብቲ ማሕበር ተወገደት። ብመሰከረም 1939 ከኣ እቲ ናይ ጀርመን ናዚ ውልቀ-መላኺ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣልዓለ። ኣብ ዓለም ሰላም ክትዕቅብ ብዘይምኽኣላ እተኣሳሰራ መንግስታት ኣብ ናይ ዘይምዕያይ መዓሙቝ ተደርበየት። ብ1942 ነበር ኰይና ተረፈት። ቅድሚ እዚ ግዜዚ ወይ ብድሕሪኡ ዘይኰነስ ልክዕ ኣብቲ ጽንኵር ግዜ እቲ ኢዩ የሆዋ ነቲ ምሉእ ዕምቘት ትርጕም ናይቲ ትርኢት ንህዝቡ ዝገለጸሎም! ኣብቲ ቲኦክራሲያዊት ሓዳስ ዓለም ዝብል ኣርእስቲ ዝነበሮ ኣሰምብሊ፡ ፕረዚደንት ኖር ምስቲ ትንቢት ብምስምማዕ “እቲ ኣራዊት . . . የሎን ” ኢሉ ክእውጅ ከኣለ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ቀጺሉ ኸኣ “እዛ እተኣሳሰራ መንግስታት ኣብ መዓሙቝ ድያ ክትተርፍ፧” ዝብል ሕቶ ኣቕረበ። ንራእይ 17:8 ብምጥቃስ “እታ ማሕበር ናይ ዓለም ሃገራት እንደገና ክትንስእ ኢያ” ዝብል መልሲ ሃበ። ንሓቅነት ናይቲ ትንቢታዊ ቃል የሆዋ ንምርግጋጽ ድማ ልክዕ ከምኡ ዀነ!

ካብ መዓሙቝ ምውጻእ

6 እቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት ብርግጽ ካብቲ መዓሙቝ ወጺኡ ኢዩ። ብ26 ሰነ 1945 ኣብ ሳንፍራንሲስኮ፡ ሕ.መ.ኣ.፡ ብጫውጫውታ ዝመልኦ ዳንኬራ 50 ዝዀና ሃገራት ንቻርተር ናይ ሕቡራት ሃገራት ክቕበላ መረጻ። እዛ ኣካል እዚኣ “ኣህጉራዊ ሰላምን ድሓንን ንምዕቃብ” ክትዓዪ ነበራ። ኣብ መንጎ እተኣሳሰራ መንግስታትን ሕቡራት ሃገራትን ብዙሕ ምምስሳል ነበረ። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፐድያ ከምዚ ይብል፦ “ሕ.ሃ. ብገለ መገድታት ነታ ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝቘመት እተኣሳሰራ መንግስታት ትመስል ኢያ። . . . ብዙሓት ካብተን ንሕ.ሃ. ዝመስረታ ሃገራት፡ ንእተኣሳሰራ መንግስታትውን መስሪተንኣ ኢየን። ከም እተኣሳሰራ መንግስታት፡ ሕ.ሃ. ከኣ ኣብ መንጎ ሃገራት ሰላም ንምዕቃብ ክትሕግዝ ኢያ ቘይማ። እቶም ቀንዲ ኣካላት ናይ ሕ.ሃ. ኣጸቢቘም ነቲ ናይ እተኣሳሰራ መንግስታት ዝመስሉ ኢዮም።” ሕ.ሃ. እምበኣር ብርግጽ ናይቲ ቀዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት ትንሳኤ ኢያ ነይራ። ገለ 160 ዝኸውን ቍጽሪ ኣባላታ ካብቲ 63 ኣባላት ናይ እተኣሳሰራ መንግስታት ኣጸቢቑ ዝበዝሐ ኢዩ፣ ካብታ ቅድሚኣ ዝነበረት ዝሰፍሐ ሓላፍነታት እውን ወሲዳ ኣላ።

(ራእይ 17:16, 17) እቶም ዝረኣኻዮም ዓሰርተ ቐርንን እቲ ኣራዊትን ከኣ ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋን ኬጥፍእዋን ጥራያ ኺገብርዋን ንስጋኣ ኺበልዑን ብሓዊ ኺህምኽዋን እዮም። 17 ከመይሲ፡ ኣምላኽ፡ ሓሳቡ ኺገብሩ፡ ቃል ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸም ከኣ፡ መንግስቶም ነቲ ኣራዊት ብምሃብ፡ ሓደ ሓሳብ ኪዀኑ፡ ኣብ ልቦም ኣእትዩ እዩ።

w12 15/6 18 ¶17

የሆዋ “እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዘለዎ” ይገልጽ

17 ይኹን እምበር፡ ናይ ሓሶት ሃይማኖት በብቝሩብ ኣይኰነትን እትጠፍእ። ኣምላኽ ኣብ ልቢ እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት ሓሳቡ ኽሳዕ ዜእቱ፡ እታ ኣመንዝራ ነቶም ነገስታት ከም ድላያ ገይራ ንኽትጠዋውዮም ብምፍታን ኣብ ልዕሊኦም ጽልዋ ምግባራ ኽትቅጽል እያ። (ራእይ 17:16, 17 ኣንብብ።) ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ የሆዋ ነቶም ብውድብ ሕቡራት ሃገራት እተወከሉ ፖለቲካዊ ባእታታት እዚ ስርዓት ሰይጣን እዚ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ከም ዜጥቅዕዋ ኺገብሮም እዩ። ሽዑ፡ ጽልዋ እታ ኣመንዝራ ኺጠፍእ፡ ኵሉ ሃብታ እውን ኪበርስ እዩ። ዓሰርተታት ዓመታት ይገብር፡ ከምዚ ዓይነት ተግባር ኪፍጸም ኢልካ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። ሎሚ እታ ኣመንዝራ ኣብ ሕቖ እቲ ቐይሕ ኣራዊት ትንውነው እያ ዘላ። ይኹን እምበር፡ ሸተት እናበለት ዘይኰነትስ ብሃንደበት ሮማዕ ኢላ እያ እትወድቕ።—ራእ. 18:7, 8, 15-19።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ራእይ 17:1-11) ሓደ ኻብቶም ሸውዓተ ጭሔሎ ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ ኸኣ መጺኡ፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፦ “ፍርዲ እታ ኣብ ብዙሕ ማያት እትቕመጥ ዓባይ ኣመንዝራ ኸርእየካስ፡ ንዓ። 2 ነገስትታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ እውን ብወይኒ ምንዝርናኣ ሰኺሮም እዮም።” 3 ብሓይሊ መንፈስ ድማ ናብ በረኻ ወሰደኒ። ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ኣብ ዘለዎ ስማት ጸርፊ ዝመልኦ ቐይሕ ኣራዊት እተቐመጠት ሰበይቲ ረኣኹ። 4 እታ ሰበይቲ ኸኣ ጁዅን ቀይሕን ተወንዚፋ፡ ብወርቅን ብኽቡር እምንን ብሉልን ተሰሊማ ነበረት፣ ጽያፍን ርኽሰት ምንዝርናኣን ዝመልአ ጽዋእ ወርቂ ድማ ኣብ ኢዳ ነበራ። 5 ኣብ ግምባራ ኸኣ ምስጢር ዝዀነ፡ “ዓባይ ባቢሎን፡ ኣደ ኣመናዝርን ኣደ ጽያፍ ምድርን” ዚብል ስም ተጻሒፉ ነበረ። 6 እታ ሰበይቲ ብደም ቅዱሳትን ብደም መሰኻኽር የሱስን ሰኺራ ድማ ረኣኽዋ። ምስ ረኣኽዋ ኸኣ፡ ኣዝየ ተገረምኩ። 7 እቲ መልኣኽ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ስለምንታይ ተገሪምካ፧ ምስጢር እታ ሰበይትን ምስጢር እቲ ጾይርዋ ዘሎ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ ኣራዊትን ኣነ ኽነግረካ እየ፦ 8 እቲ ዝረኣኻዮ ኣራዊት ዝነበረ እዩ፡ የሎን ከኣ፡ ካብ መዓሙቝ ድማ ኪወጽእ፡ ናብ ጥፍኣት እውን ኪኸይድ እዩ። እቶም ካብ ምስራት ዓለም ኣትሒዙ ስሞም ኣብ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ ነበርቲ ምድሪ፡ እቲ ኣራዊት ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዚህሉን ምስ ረኣዩ፡ ኪግረሙ እዮም። 9 “ጥበብ ዘለዎ ኣእምሮ ኣብዚ እዩ ዜድሊ፦ እቲ ሸውዓተ ርእሲ፡ እታ ሰበይቲ ኣብ ልዕሊኡ እተቐመጠቶ ሸውዓተ ኣኽራን እዩ። 10 ሸውዓተ ነገስታት ከኣ እዮም፦ እቶም ሓሙሽተ ወዲቖም፡ እቲ ሓደ ኣሎ፡ እቲ ሓደ ገና ኣይመጸን፣ ምስ መጸ ድማ፡ ቍሩብ ኪጸንሕ ይግብኦ እዩ። 11 እቲ ዝነበረን ዘየሎን ኣራዊት፡ ንሱ ድማ ሻምናዮም እዩ፣ ካብቶም ሸውዓተ ኸኣ እዩ ዚወጽእ፡ ናብ ጥፍኣት እውን ይኸይድ።

30 ታሕሳስ–5 ጥሪ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ራእይ 20-22

“እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ”

(ራእይ 21:1) እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሓሊፎም፡ ባሕሪ እውን ደጊም የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ረኣኹ።

re 301 ¶2

ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን

2 ኣማእታት ዓመታት ቅድሚ ግዜ ዮሃንስ፡ የሆዋ ንኢሳይያስ ከምዚ ዝስዕብ ኢልዎ ነበረ፦ “ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር እየ እሞ፡ እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን እዩ።” (ኢሳይያስ 65:17፣ 66:22) እዚ ትንቢት እዚ እቶም እሙናት ኣይሁድ ን70 ዓመታት ኣብ ባቢሎን ተማሪኾም ድሕሪ ምጽናሕ ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ናብ የሩሳሌም ምስ ተመልሱ ቀዳማይ ፍጻሜኡ ረኸበ። ኣብቲ ምምላስ እቲ ኣብ ትሕቲ ሓድሽ መንግስታዊ ኣገባብ፡ ማለት ‘ሓድሽ ሰማይ’ ዝመሓደር ዝጸረየ ማሕበረሰብ፡ ‘ሓድሽ ምድሪ’ መስረቱ። ይኹን እምበር፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ንሕና ግና፡ ከምቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና” ብምባሉ፡ እቲ ትንቢት ካልእ ፍጻሜውን ከም ዝህልዎ ኣመልኪቱ ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 3:13) ሕጂ ኸኣ ዮሃንስ እዚ ተስፋ እዚ ብመዓልቲ ጐይታ ከም ዝፍጸም የርኢ ኣሎ። “እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን፡” ናይ ሰይጣን እተመሓደረ ኣገባብ ምስቲ ጽልዋ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ዘለዎ መንግስታዊ ቅርጹ ክሓልፍ ኢዩ። እቲ ዝናወጽ ‘ባሕሪ’ ናይቶም እኩያት ዓለወኛታት ደቅሰብ ካብ ህላወ ከቋርጽ ኢዩ። ኣብ ቦትኡ “ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን”—ኣብ ትሕቲ እታ ሓዳስ መንግስቲ ኣምላኽ ዝመሓደር ሓድሽ ምድራዊ ማሕበረሰብ—ክኸውን ኢዩ።—ምስ ራእይ 20:11 ኣረኣእዮ።

(ራእይ 21:3, 4) ካብቲ ዝፋን ከኣ ከምዚ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጺ ሰማዕኩ፦ “እንሆ፡ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱ እውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም። ኣምላኽ ባዕሉ እውን ምሳታቶም ኪኸውን እዩ። 4 ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”

w13 1/12 11 ¶2-4

“እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ”

“[ኣምላኽ] ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ።” (ራእይ 21:4) እንታይ ዓይነት ንብዓት እዩ ኺድረዝ፧ ናይ ሓጐስ ንብዓት ወይ ከኣ እቲ ንኣዒንትና ዚከላኸለልና ንብዓት ኣይኰነን ኪድረዝ። መብጽዓ ኣምላኽ፡ እቲ ብሰንኪ መከራን ጓህን ዚፈስስ ንብዓትና ኸም ዚድረዝ እዩ ዚገልጽ። ኣምላኽ ንንብዓትና ንግዜኡ ጥራይ ኣይኰነን ኪሕብሶ፣ ነቲ ኸም እንነብዕ ዚገብረና ነገራት፡ ማለት ንመከራን ንጓህን ምሉእ ብምሉእ ብምውጋድ፡ ንንብዓትና ኺደርዞ እዩ።

“ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን።” (ራእይ 21:4) ካብቲ ጸላኢና ዝዀነ ሞት ንላዕሊ እሞ ንሰባት ከም ዚነብዑ ዚገብሮም እንታይ ኣሎ፧ የሆዋ ንእዙዛት ደቂ ሰብ፡ ካብ ሞት ሓራ ኼውጽኦም እዩ። ብኸመይ፧ ነቲ ቐንዲ ጠንቂ ሞት ዝዀነ ኻብ ኣዳም ዝወረስናዮ ሓጢኣት ብምጥፋእ እዩ ኸምኡ ዚገብር። (ሮሜ 5:12) ንእዙዛት ደቂ ሰብ ድማ ብመሰረት መስዋእታዊ በጃ የሱስ ናብ ፍጽምና ኼብጽሖም እዩ። ድሕሪኡ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ጸላኢ ዝዀነ ሞት፡ ‘ኪስዓር እዩ።’ (1 ቈረንቶስ 15:26) እሙናት ደቂ ሰብ፡ ከምቲ ኣምላኽ ፈለማ ዝዓለመሎም፡ ፍጹም ጥዕና ረኺቦም ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።

“ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ራእይ 21:4) እቲ ዚጠፍእ ስቓይ እንታይ እዩ፧ ኵሉ እቲ ብሰንኪ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ዚመጽእ፡ ንህይወት ሚልዮናት ድማ ዚጐድእ ዘሎ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ኣካላውን ስቓይ እዩ።

(ራእይ 21:5) እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፡ “እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ” በለ። “እዚ ቓል እዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሓፍ” ድማ በለኒ።

w03 1/8 12 ¶14

የሆዋ—ኣምላኽ ሓቂ

14 ነቲ የሆዋ ብቓሉ ኣቢሉ ዝነግረና ነገራት ኣርዚንና ኽንርእዮ ኣሎና። ንሱ ኸምቲ ኣብኡ ገሊጽዎ ዘሎ ዓይነት ኣምላኽ እዩ፡ ነቲ ኽገብሮ እየ ዝበሎ ኸኣ ክገብሮ እዩ። ኣብ የሆዋ ንኽንውከል እኹል ምኽንያት ኣሎና። የሆዋ “ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን . . . ሕነ ኺፈድዮም” ምዃኑ ኽገልጽ ከሎ ኽንኣምኖ ይግባእ። (2 ተሰሎንቄ 1:8) ነቶም ጽድቂ ዝስዕቡ ኸም ዘፍቅሮም፡ ነቶም እምነት ዘለዎም ዘለኣለማዊ ህይወት ክህቦም ምዃኑ፡ ከምኡውን ንጻዕርን ጫውጫውን ሞትን ከጥፍኦ ምዃኑ ኽገልጽ ከሎ ኽንኣምኖ ንኽእል ኢና። እዛ ኣብ መወዳእታ ዝጠቐስናያ መብጽዓኡ እተተኣማምን ምዃና ንምርግጋጽ ንሃዋርያ ዮሃንስ “እዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሐፍ” ዝብል መምርሒ ብምሃብ ኣትረራ።—ራእይ 21:4, 5፣ ምሳሌ 15:9፣ ዮሃንስ 3:36።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ራእይ 20:5) (እቶም ዝተረፉ ምዉታት፡ እተን 1,000 ዓመት ክሳዕ ዚውድኣ፡ ህያዋን ኣይኰኑን።) እዚ እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ እዩ።

it-2 249 ¶2

ህይወት

ኣምላኽ ኣብቲ ንኣዳም ዝሃቦ ትእዛዝ፡ ኣዳም እንተ ተኣዚዙ፡ ከም ዘይመውት ኣሚቱሉ እዩ። (ዘፍ 2:17) ስለዚ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ጸላኢ፡ ማለት ሞት፡ ምስ ተሳዕረ፡ ኣብ ሰብነት እቶም እዙዛት ደቂ ሰብ ሞት ዜምጽእ ሓጢኣት ኣይኪህሉን እዩ። ንዘለኣለም እውን ኣይኪሞቱን እዮም። (1ቈረ 15:26) ሞት ኣብ መወዳእታ ንግስና ክርስቶስ እዩ ዚሰዓር፣ ንግስና ክርስቶስ ከኣ 1,000 ዓመት ዝንውሓቱ ኸም ዝዀነ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብዚ ድማ ብዛዕባ እቶም ምስ ክርስቶስ ነገስታትን ካህናትን ዚዀኑ ዘበሉ፡ “ህያዋን ኰይኖም ከኣ፡ ምስ ክርስቶስ 1,000 ዓመት ነገሱ” ተባሂሉ ኣሎ። እቶም “እተን 1,000 ዓመት ክሳዕ ዚውድኣ” ህያዋን ከም ዘይኰኑ እተባህለሎም “ዝተረፉ ምዉታት፡” እቶም ሰይጣን ኻብ መዓሙቝ ቅድሚ ምፍታሑን ኣብ ደቂ ሰብ ወሳኒ ፈተና ቕድሚ ምምጻኡን ኣብ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት ብህይወት ዝጸንሑ ዘበሉ ኪዀኑ ኣለዎም። ኣብ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት፡ ሰባት ናብቲ ኣዳምን ሄዋንን ቅድሚ ምሕጣኦም ዝነበሩሉ ፍጽምና ኺበጽሑ እዮም። ሽዑ፡ ናይ ሓቂ ፍጹም ህይወት ኪህልዎም እዩ። እቶም ድሕሪኡ ሰይጣን ካብ መዓሙቝ ንሓጺር ግዜ ምስ ተፈትሐ ነቲ ፈተና ዚሓልፍዎ ዘበሉ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም።—ራእ 20:4-10።

(ራእይ 20:14, 15) ሞትን መቓብርን ድማ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት፡ ማለት ቀላይ ሓዊ እዩ። 15 ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ዘይተረኽበ ዘበለ ኸኣ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።

it-2 189-190

ቀላይ ሓዊ

እዚ መግለጺ እዚ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ጥራይ እዩ ዚርከብ፡ ብንጹር ድማ ምሳልያዊ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት፡ ማለት ቀላይ ሓዊ እዩ” ብምባል ነቲ ምሳሌያዊ መግለጺ ባዕሉ የብርሆን ይትርጕሞን እዩ።—ራእ 20:14፣ 21:8።

ቀላይ ሓዊ ምሳልያዊ ምዃኑ በቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ኣብ ከባቢ እቲ እተጠቕሰሉ ቦታ ዘሎ ሓሳባት እውን ንጹር ይኸውን እዩ። ሞት ናብ ቀላይ ሓዊ ኸም እተደርበየ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእ 19:20፣ 20:14) ሞት መሸም ቃል ብቓሉ ኺቃጸል ኣይክእልን እዩ። ብዘይካዚ ድማ፡ እቲ ዘይርአ መንፈሳዊ ፍጡር ዝዀነ ድያብሎስ ናብቲ ቐላይ ተደርብዩ እዩ። መንፈስ ስለ ዝዀነ፡ ቃል ብቓሉ ሓዊ ኺጐድኦ ኣይክእልን እዩ።—ራእ 20:10፣ ምስ ዘጸ 3:2ን መሳ 13:20ን ኣረኣኢ።

ቀላይ ሓዊ ነቲ “ኻልኣይ ሞት” ዜመልክት ስለ ዝዀነ፡ ራእይ 20:14 ድማ “ሞትን መቓብርን” ናብኡ ኸም ዚድርበ ስለ እትገልጽ፡ እቲ ቐላይ ነቲ ሰብ ካብ ኣዳም ዝወረሶ ሓጢኣት ሞት (ሮሜ 5:12)፡ ወይ ንመቓብር (ንሃደስ ወይ ንሲኦል) ከም ዘየመልክት ንጹር እዩ። ስለዚ፡ ንኻልእ ዓይነት ሞት ዜመልክት ምሳልያዊ መግለጺ ኪኸውን ኣለዎ። ኣዳማዊ ሞትን መቓብርን (ሃደስ ወይ ሲኦል) ምዉታቶም ከም ዝሃቡ ኺግለጽ ከሎ፡ እቲ “ቐላይ” ግና ኣብኡ ዘለዉ ኸም ዝሃበ ዚገልጽ ነገር ስለ ዘየልቦ ድማ፡ ካብኡ ዘይትምለሰሉ ዓይነት ሞት ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ። (ራእ 20:13) እምበኣር፡ እቶም ኣብ “መጽሓፍ ህይወት” ተጻሒፎም ዘይተረኽቡ ዘበሉ፡ ማለት እቶም ዘይንስሑ ተጻረርቲ ልዑላውነት ኣምላኽ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ይድርበዩ እዮም፣ እዚ ኸኣ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ወይ ካልኣይ ሞት ማለት እዩ።—ራእ 20:15።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ራእይ 20:1-15) መፍትሕ መዓሙቝን ሓደ ዓብዪ ሰንሰለትን ኣብ ኢዱ ዝሓዘ መልኣኽ ድማ፡ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ረኣኹ። 2 ንሱ ኸኣ ነቲ ገበል፡ ነቲ ድያብሎስን ሰይጣንን ዝዀነ ናይ ጥንቲ ተመን ሓዞ፣ 1,000 ዓመት እውን ኣሰሮ። 3 እተን 1,000 ዓመት ክሳዕ ዚውድኣ ንኣህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ከኣ፡ ናብ መዓሙቝ ደርብዩ፡ ዓጽዩ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሓተመ። ድሕርዚ፡ ንቝሩብ ግዜ ኺፍታሕ ይግብኦ እዩ። 4 ዝፋናት ድማ ረኣኹ፣ እቶም ኣብኡ እተቐመጡ ኸኣ ኪፈርዱ ስልጣን ተዋህቦም። ነፍሳት እቶም ብዛዕባ የሱስ ብምምስካሮምን ብዛዕባ ኣምላኽ ብምዝራቦምን እተቐንጸሉ፡ ነቲ ኣራዊት ኰነ ንምስሉ ድማ ዘይሰገዱ፡ ኣብ ግምባሮምን ኣብ ኢዶምን ከኣ ምልክቱ ዘይተቐበሉ ረኣኹ። ህያዋን ኰይኖም ከኣ፡ ምስ ክርስቶስ 1,000 ዓመት ነገሱ። 5 (እቶም ዝተረፉ ምዉታት፡ እተን 1,000 ዓመት ክሳዕ ዚውድኣ፡ ህያዋን ኣይኰኑን።) እዚ እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ እዩ። 6 ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ግደ ዘለዎ ዘበለ ሕጉስን ቅዱስን እዩ፣ ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ፡ ምስኡ እውን 1,000 ዓመት ኪነግሱ እዮም እምበር፡ እቲ ኻልኣይ ሞትሲ ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን። 7 እተን 1,000 ዓመት ምስ ተወድኣ ኸኣ፡ ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ኺፍታሕ 8 እሞ ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ዘለዉ ኣህዛብ፡ ማለት ንጎግን ማጎግን፡ ናብ ውግእ ምእንቲ ኺእክቦም፡ ኬስሕቶም ኢሉ ኺወጽእ እዩ። ንሳቶም ድማ ቍጽሮም ከም ሑጻ ባሕሪ እዩ። 9 ኣብ ልዕሊ ብዘላ ምድሪ ኸኣ ገስገሱ፡ ንሰፈር እቶም ቅዱሳትን ነታ ፍትውቲ ኸተማን ድማ ከበቡ። ካብ ሰማይ ግና ሓዊ ወሪዱ በልዖም። 10 እቲ ዜስሕቶም ድያብሎስ ከኣ ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ናይ ሓሶት ነብይን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ፣ ንዘለኣለመ ኣለም ድማ መዓልትን ለይትን ኪሳቐዩ እዮም። 11 ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንን ኣብኡ እተቐመጠን ከኣ ረኣኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ፡ ቦታ እውን ኣይተረኽበሎምን። 12 ምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ረኣኹ፣ ጥቕላላት መጻሕፍቲ እውን ተቐልዐ። ካልእ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እውን ተቐልዐት፣ እዚኣ፡ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት እያ። እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ ጥቕላላት መጻሕፍቲ እተጻሕፈ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። 13 ባሕሪ ኸኣ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ሃበት፣ ሞትን መቓብርን እውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ሃቡ፣ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። 14 ሞትን መቓብርን ድማ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት፡ ማለት ቀላይ ሓዊ እዩ። 15 ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ዘይተረኽበ ዘበለ ኸኣ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ