ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 42-43
ዮሴፍ ርእሰ ግትኣት ኣርኣየ
ነቲ ዮሴፍ ብዘይ ተጸበዮ መገዲ ምስ ኣሕዋቱ ገጽ ንገጽ ምስ ተራኸበ እተሰምዖ ሓያል ስምዒት ክትግምቶ ትኽእልዶ፧ ሽዑ ንሽዑ መንነቱ ብምግላጽ ኪሕቝፎም ወይ ሕነ ኺፈድዮም ምኸኣለ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ብስምዒት ተመሪሑ ስጕምቲ ኣይወሰድን። ንስኻኸ፡ ኣባላት ስድራ ቤትካ ወይ ካልኦት ምስ ዚገፍዑኻ እንታይ ምገበርካ፧ ካብ ኣብነት ዮሴፍ፡ በቲ ጠላም ልብናን ዘይፍጹም ስምዒታትናን ተመሪሕና ስጕምቲ ኣብ ክንዲ እንወስድ፡ ርእሰ ግትኣት ከነርእን ክንሃድእን ከም ዘሎና ትምህርቲ ንረክብ።
ፈታኒ ዅነታት ኬጋጥመካ ኸሎ ንዮሴፍ ክትመስሎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧