ክርስትያናዊ ህይወት
ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ
ካብ ጥሪ 2018 ጀሚሩ፡ ኣብ ገበር ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ፡ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት ኪወጽእ ጸኒሑ እዩ። ነዚ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧
ክፍሊ ተምሃራይ ከተቕርብ ከለኻ፦ ኣብቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ንዘሎ ሰለስተ ነገራት—ሕቶ፡ ጥቕሲ፡ ንዚቕጽል—ክትጥቀመሉ ኣሎካ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ንዘሎ ቪድዮ ኸም ዘለዎ ኽትቀድሖ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። እተፈልየ ዓይነት ኣቀራርባ፡ መእተዊ፡ መርትዖ ኸምኡ እውን ካልእ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ዋላ እኳ ኣብቲ እተዋህበካ ኽፍሊ ዘሎ መምርሒ እንተ ዘይተጠቕሰ፡ ኣብ ናውቲ ትምህርቲ ኻብ ዘሎ ሓንቲ ሕታም ከተበርክት ትኽእል ኢኻ።
ከተገልግል ከለኻ፦ እቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት፡ ሓጋዚ ዝዀነ ሓሳባት ንምሃብ እዩ ተዳልዩ። ሓደ ሰብ ተገዳስነት እንተ ኣርእዩን ዝያዳ ኺፈልጥ እንተ ደልዩን ነቲ ንተመላሊስካ ምብጻሕ ዚኸውን መርኣዪ ተጠቒምካ ዝርርብ ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ። ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት ከተተዓራርዮ ወይ ድማ ምሉእ ብምሉእ እተፈልየ ኣቀራርባ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኻብ ዝቐረበ ርእሰ ነገር ወይ እተፈልየ ጥቕሲ ንኽልኻ ዝያዳ ሰሓቢ ዀይኑ ዝረኸብካዮ ኣሎዶ፧ ኣብ ከባቢኻ ዚነብሩ ሰባት እዋናዊ ፍጻመታት ወይ ኣብ ከባቢኦም እተፈጸመ ነገር ድዩ ዝያዳ ዜገድሶም፧ ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት እትጥቀመሉ መገዲ ብዘየገድስ፡ ሸቶኻ ‘ምእንቲ እቲ ብስራት፡ ማለት ንኻልኦት ምእንቲ ኸተካፍል’ ኪኸውን ኣለዎ።—1ቈረ 9:22, 23።