ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb20 ታሕሳስ ገጽ 8
  • ንመጽሔታት ተጠቐመሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንመጽሔታት ተጠቐመሉ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ኣገልግሎትካ መጽሔታት ኣበርክት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ንመጽሔታትና ብዝበለጸ ተጠቐመሎም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • መጽሔታት ነታ መንግስቲ ይእውጅ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ናይ ሰባት ፍሉይ ተገዳስነት ንምርካብ ዓንቀጻት ምረጽ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
mwb20 ታሕሳስ ገጽ 8
ሓንቲ ሓብቲ ንሓንቲ ሰበይቲ ኻብ ሕታም ‘ንቕሑ!’ ብዛዕባ ሓደ ርእሰ ነገር ትዛረባ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ንመጽሔታት ተጠቐመሉ

ካብ 2018 ኣትሒዙ፡ እቲ ንህዝቢ ዚሕተም መጽሔታትና፡ ምልእቲ መጽሔት ኣብ ሓደ ርእሰ ነገር ጥራይ ከም እተተኵር ጌርካ እዩ ዚዳሎ። ኵሉ እዚ መጽሔታት እዚ፡ ክፋል ናውቲ ትምህርትና እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ኣገልግሎት ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ክንጓዓዝ ወይ ንዕዳጋ ኽንወርድ ከለና እተወሰነ መጽሔታት ክንሕዝ ንኽእል ኢና። መጽሔታትና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ተባሂሉ እተዳለወ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ንሰባት ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዚግደሱ ኺገብሮም ይኽእል እዩ።

ምስ ሓደ ሰብ ዝርርብ ድሕሪ ምጅማርካ፡ ኣብ ዜገድሶ ጕዳይ ዘተኰረ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስን ካብ መጽሔታትና ኸኣ ሓደ ርእሰ ነገርን ጥቐሰሉ። ንኣብነት፡ ስድራ ቤት ዚናቢ እንተ ዀይኑ፡ ወይ ከኣ ሓዘን እንተ ኣጋጢምዎ ወይ ጭንቀት እንተ ኣልይዎ፡ ከምዚ ኽትብሎ ትኽእል ኢኻ፦ “ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እትገልጽ ዓንቀጽ ኣንቢበ ነይረ። ነታ ዓንቀጽ ከርእየካዶ፧” እቲ ሰብ ተገዳስነት እንተ ኣርእዩ፡ ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕ እውን እንተ ዀነ፡ ነታ መጽሔት ክትህቦ ወይ ከኣ ብኢ-መይል ክትሰድደሉ ትኽእል ኢኻ። ቀንዲ ሸቶና መጽሔታት ምዕዳል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ንዚምሃርዎ ኣብ ግብሪ ኼውዕሉ ፍቓደኛታት ንዚዀኑ ሰባት ክንረክብ ግና ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—ግብ 13:48።

2018

ስእልታት፦ ገበር ‘ግምቢ ዘብዐኛ’ን ‘ንቕሑ!’ን 2018። 1. ‘መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ እውን ጠቓሚ ድዩ፧’ 2. ‘ኣብ መጻኢ እንታይ ይጽበየና ኣሎ፧’ 3. ‘ኣምላኽ ይሓልየልካ ድዩ፧’ 4. ‘መገዲ ሓጐስ።’ 5. ‘ንስድራ ቤታት ዜዐውት 12 ረቛሒታት።’ 6. ‘ንሓዘንተኛታት ዚኸውን ሓገዝ።’

2019

ስእልታት፦ ገበር ‘ግምቢ ዘብዐኛ’ን ‘ንቕሑ!’ን 2019። 1. ‘ኣምላኽ መን እዩ፧’ 2. ‘ብህይወት ምንባርዶ ይሓይሽ፧’ 3. ‘ህይወት ኣኺልዋ ኸምዚኣ ድያ፧’ 4. ‘ካብ ስግኣት ናጻ እንዀነሉ እዋንሲ ኺመጽእ ድዩ፧’ 5. ‘ቈልዑ ኺምሃርዎ ዜድልዮም ሽዱሽተ ትምህርቲ።’ 6. ‘መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወትካ ኼመሓይሾ ይኽእልዶ፧’

2020

ስእልታት፦ ገበር ‘ግምቢ ዘብዐኛ’ን ‘ንቕሑ!’ን 2020። 1. ‘ሓቂ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ።’ 2. ‘መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧’ 3. ‘ካብ ፈቃር ኣምላኽ ዚርከብ ዘለኣለማዊ በረኸት።’ 4. ‘ካብ ጸቕጢ እፎይታ ርኸብ።’ 5. ‘ብዛዕባ መከራ ዚልዓል 5 ሕቶታት ምስ መልሱ።’ 6. ‘ኣቐዲምካ ፍርድስ ፈውሲ ኣለዎዶ፧’

ኣብ ክልኹም ንዚርከቡ ሰባት ዜገድሶም ርእሰ ነገር እንታይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ