ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwhf ዓንቀጽ 17
  • ንደቅኻ ኻብ ዚርብሽ ዜናታት ኣዕቍቦም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንደቅኻ ኻብ ዚርብሽ ዜናታት ኣዕቍቦም
  • ንስድራ ቤት
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ውሉዳትካ በቲ ዜና ብኸመይ ይጽለዉ፧
  • ውሉዳትካ ዚርብሽ ዜና ምእንቲ ኸየጨንቖም ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧
  • “እነና፡ ልኣኸና!”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ንውሉድኩም ካብ ሕጻንነት ጀሚርኩም ኣለማምዱ
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • ስድራ ቤትካ ብኸመይ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል፧—2ይ ክፋል
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም፡ ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ሓግዝዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
ዝያዳ ርአ
ንስድራ ቤት
ijwhf ዓንቀጽ 17
ሓንቲ ስድራ ቤት ቲቪ ትርኢ። እቲ ኣቦ ኸኣ ወዱ በቲ ዜና ይርበሽ ከም ዘሎ የስተብህል።

ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ውሉዳት

ንደቅኻ ኻብ ዚርብሽ ዜናታት ኣዕቍቦም

ብቪድዮታት እተሰነየ ዜሰምብድ ዜናታት ኣብ ቲቪ፡ ኣብ ሞባይላት፡ ኣብ ታብለታት፡ ኣብ ኮምፕዩተራት ለይትን መዓልትን ይዝርጋሕ እዩ።

ቈልዑ ኸኣ ይርእይዎ እዮም።

ደቅኻ በዚ ዚርብሽ ዜናታት ምእንቲ ኸይጭነቑ ብኸመይ ከተዕቍቦም ትኽእል፧

  • ውሉዳትካ በቲ ዜና ብኸመይ ይጽለዉ፧

  • ውሉዳትካ ዚርብሽ ዜና ምእንቲ ኸየጨንቖም ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧

  • ውሉድካ ዜሕዝን ፍጻመ እንተ ኣጋጠሞኸ፧

ውሉዳትካ በቲ ዜና ብኸመይ ይጽለዉ፧

  • ብዙሓት ቈልዑ በቲ ኣብ ዜና ዚርእይዎ ዜሕዝን ነገራት ይርበሹ እዮም። ገሊኦም ቈልዑ ብዛዕባ እቲ ዚርእይዎ ዜሕዝን ዜናታት ስምዒቶም እኳ እንተ ዘይገለጹ፡ ብውሽጦም ግና ይርበሹ እዮም።a ወለዶም እምብዛ ኺጭነቑ ኸለዉ ኸኣ ውጥረቶም ይውስኽ።

  • ቈልዑ ነቲ ዚርእይዎ ዜና ብጌጋ ኺርድእዎ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ገሊኦም እቲ ዚርእይዎ ንስድራ ቤቶም እውን ኬጋጥማ ኸም ዚኽእል ይሓስቡ። ዜሕዝን ዜና ብተደጋጋሚ ዚርእዩ ንኣሽቱ ቘልዑ ኸኣ፡ እቲ ፍጻመ ዚደጋገም ዘሎ ኺመስሎም ይኽእል እዩ።

  • ቈልዑ ብዛዕባ ዜና ግቡእ ኣመለኻኽታ ኸይህልዎም ይኽእል እዩ። መደበራት ዜና መኽሰብ ንምርካብ ብዙሓት ሰማዕቲ ኺስሕባ ኸም ዚጽዕራ ኸየስተውዕሉ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ድማ፡ ሓደ ጸብጻብ ትዅረት ሰማዕቲ ንምስሓብ ኢልካ ኺጋነን ይኽእል እዩ።

ውሉዳትካ ዚርብሽ ዜና ምእንቲ ኸየጨንቖም ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧

  • ዜሕዝን ዜና ዚርእዩሉ መጠን ገደብ ግበረሉ። ውሉዳትካ ኣብ ዓለም እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ኺፈልጡ የብሎምን ማለት ኣይኰነን። እንተዀነ ግና፡ ዚርብሽ ዜና ብተደጋጋሚ ኪቐርብ ከሎ ብምክትታል ኣይጥቀሙን እዮም።

    “ሓድሓደ ግዜ ነቶም ዚሰምዑና ዘለዉ ደቅና ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜጨንቖም ከየስተብሃልና፡ ብዛዕባ ሓደ ዜና ፍትፍት ኣቢልና ንዛረብ ኢና።”—ማርያ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣብ ልቢ ሰብ ዝሓደረ ጭንቀት ንዕኡ ይኸብዶ።”—ምሳሌ 12:25።

  • ብትዕግስቲ ስማዕ፡ ብርሕራሐ መልስ። ውሉድካ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ስምዒቱ ኺገልጽ እንተ ኸቢድዎ፡ ብስእሊ ኺገልጾ ኣተባብዓዮ። እቲ ንውሉድካ ዜተሓሳስቦ ዘሎ ነገር በቲ ንሱ ኺርድኦ ዚኽእል መገዲ ምስኡ ተዛራረቡሉ፣ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዘየድሊ ዝርዝር መግለጺታት ግና ኣይትሃብ።

    “ጓልና ኾፍ ኢልና ምስ ሰማዕናያ ፍዅስ ኢልዋ። ‘እንታይ ደኣ ኺግበር፡ ዝወረደካ ምቕባል እዩ እምበር’ ኢልካ ምዝራብ ከም ዘይሕግዛ ስለ እንፈልጥ፡ ከምኡ ኣይንብላን ኢና።”—ሳራሂ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኵሉ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ . . . ይኹን።”—ያእቆብ 1:19።

  • ውሉድካ ብዛዕባ ዜና ግቡእ ኣመለኻኽታ ኺህልዎ ሓግዞ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ጭውያ ዚድህስስ ዜና፡ እቲ ዓይነት ገበን እቲ ብቐጻሊ ዜጋጥም ኣምሲሉ ኬቕርቦ ይኽእል እዩ። ስለዚ ንደቅኻ፡ ንዓታቶም ንምዕቋብ እንታይ ጥንቃቐታት ከም እትገብር ግለጸሎም። ክንዝክሮ ዚግባእ ነገር ከኣ፡ ዜሕዝን ፍጻመ ኣብ ዜና ዚቐርብ ዘይልሙድ ስለ ዝዀነ ደኣ እምበር ልሙድ ብምዃኑ ኣይኰነን።

    “ነቲ ተረቢሹ ዘሎ ስምዒታቶም ኬሰንፉ ንደቅኻ ሓግዞም። መብዛሕትኡ ግዜ ሓሳባት ንስምዒታት ይጸልዎ እዩ፣ ስለዚ፡ ንደቅና ኣብ ኣወንታዊ ነገራት ኬተኵሩ እንተ ሓጊዝናዮም፡ ብሩህ ተስፋ ኺርኣዮም ይጅምር እዩ።”—ሎርደስ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ልቢ ጥበበኛ ንኣፉ ልቦና ይህቦ፣ ንዘረባኡ ኸኣ ዜእምን ይገብሮ።”—ምሳሌ 16:23።

a ንኣሽቱ ቘልዑ እንተ ተጨኒቖም፡ ኣብ ዓራት ኪሸኑ ወይ ድማ ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ኪፈርሁን ካብ ወለዶም ምፍላይ ኪኣብዩን ይኽእሉ እዮም።

ውሉድካ ዜሕዝን ፍጻመ እንተ ኣጋጠሞኸ፧

ብ7 ግንቦት 2019፡ ኣብ ሃይላንድስ ራንች፡ ኮሎራዶ፡ ሕ.መ.ኣ.፡ ክልተ መንእሰያት ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ተዅሲ ብምኽፋት፡ ንሓደ ተምሃራይ ቀተሉ፡ ንኻልኦት ሸሞንተ ኸኣ ኣቝሰሉ። ጃክ ዚብሃል ወዲ 9 ዓመት ተምሃራይ እቲ ቤት ትምህርቲ ኸኣ ነዚ ፍጻመ እዚ ብዓይኑ ረኣየ። ነቲ ዘጋጠሞ ምእንቲ ኺዋጽኣሉ በንን ከይሲን ዚብሃሉ ወለዱ ብኸመይ ከም ዝሓገዝዎ ኸምዚ ብምባል ይገልጹ።

በንን ከይሲን።

እቲ ፍጻመ ንወድኹም ብኸመይ ጸልይዎ፧

ከይሲ፦ ድሕሪኡ ንኣዋርሕ ዚኸውን ብቐጻሊ ይሻቐል ነይሩ።

በን፦ ናጻ ዀይኑ ጽቡቕ ኪዘናጋዕ ጸኒሑ፡ ነቲ ዘሕለፎ ዜዘክሮ ገለ ነገር ምስ ዜጋጥሞ ሃንደበት ናብ ወለዱ ይጽጋዕ። ጃክ ከክፉኡ ናይ ምሕሳብ ጠባይ ኣምጺኡ እዩ፣ ምስቲ ዘጋጠሞ ኣረኣኢኻ ኸኣ ስለምንታይ ምዃኑ ርዱእ እዩ።

ነቲ ዘጋጠመ ቕትለት ብዜና ተኸታቲልኩምዎዶ፧

ከይሲ፦ እወ፡ ኣብ መጀመርታ ንከታተሎ ኔርና። ሰለስቴና ንሰሙን ዚኸውን ነቲ ዜና ተኸታቲልናዮ ኢና። ደሓር ግና ኣነን ሰብኣየይን ሓደ ነገር ኣስተብሂልና። ነቲ ዜና ምክትታልና፡ ጃክ ኣብቲ ፍጻመ ኸም ዚነብር ንገብሮ ኸም ዘለና፣ ሰለስቴና እውን እናሓወና ኣብ ክንዲ እንኸይድ ነቲ ስምባድ ኣብ ኣእምሮና ህያው ንገብሮ ኸም ዘለና ተረዲኡና።

ንጃክ እትሕግዙሉ እንታይ መገድታት ረኺብኩም፧

ከይሲ፦ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንጭንቀቱ ነክዩሉ እዩ፣ ስለዚ፡ መዓልታዊ ንኸምኡ ዚኸውን ግዜ ንምድብ ኢና። ልዕሊ ዅሉ ግና ኪዛረብ ኪደሊ ኸሎ ጽን ኢልካ ምስማዕ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ምሸት ቅድሚ ምድቃሱ፡ ኵሉ ነገር ጸጥ ምስ በለ፡ ናይ ልቡ ኸም ዜፍስስ ኣስተብሂለ። ሓድሓደ ግዜ፡ ንሰዓት ዚኸውን ነዕልል ኢና፣ እዚ ድማ እቲ ዜድልዮ ሓገዝ ኰይኑሉ እዩ። ጃክ ነቲ ጾር በይኑ ኺስከሞ ኸም ዘይብሉ ተረዲኡ እዩ።

ዜሕዝን ነገር ዘሕለፉ ውሉዳት ንዘለውዎም ወለዲ እንታይ ትመኽርዎም፧

በን፦ ዜሕዝን ፍጻመ ቕድሚ ምግጣሙ፡ ውሉዳት ኣብ ስድራ ቤቶም ድሕንነት ከም ዚስምዖም ምግባር ኣገዳሲ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ዜሕዝን ፍጻመ እኳ እንተ ኣጋጠመ፡ ኣብ ልዕሊኡ እትሃንጹሉ መሰረት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ከይሲ፦ ነፍሲ ወከፍ ውሉድ እተፈልየ እዩ። እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ንላዕሊ ተነቃፊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኦም ሰባት ካብ መጠን ንላዕሊ ትጥንቀቕ ዘለኻ ኺመስሎም ይኽእል ይኸውን፣ ግናኸ ንውሉድካ እቲ ዜድልዮ ኽትገብረሉ እዩ ዚግባእ። ናይታ ስድራ ቤት ሓድነት ኣደልድሎ፣ ዓለም እኳ እንተ ተረበሸት፡ ውሉድካ ግና ኣብ ገዛኡ ድሕንነት ኪስምዖ እዩ።

ክለሳ፦ ደቅኻ ብዚርብሽ ዜናታት ምእንቲ ኸይጭነቑ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧

  • ዜሕዝን ዜና ዚርእዩሉ መጠን ገደብ ግበረሉ።

  • ብትዕግስቲ ስማዕ፡ ብርሕራሐ መልስ።

  • ውሉድካ ብዛዕባ ዜና ግቡእ ኣመለኻኽታ ኺህልዎ ሓግዞ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ