ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwex ዓንቀጽ 5
  • ደብዳበ ኣብ ትሕቲ ማሽን መሕጸብ ክዳውንቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ደብዳበ ኣብ ትሕቲ ማሽን መሕጸብ ክዳውንቲ
  • ተመክሮታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ እተላእከት ደብዳበ “ከምዚ ዝበለት ፍቕሪ ረኺበ ኣይፈልጥን”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ንሓዘን ዘሰነፈት እምነት ኣደ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • “ቤተን ዚአልያ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ተመክሮታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር
ijwex ዓንቀጽ 5
ደብዳበን ርሳስን ኣብ ትሕቲ ማሽን መሕጸብ ክዳውንቲ

ደብዳበ ኣብ ትሕቲ ማሽን መሕጸብ ክዳውንቲ

ዛሪና ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ምስ ተጠምቀት፡ ካብ ሩስያ ናብታ ኣብ ማእከላይ እስያ እትርከብ ዓዳ ተመልሰት። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ፡ ንኽልተ ኣዋልዳ እምነታ እናመሃረት ከተዕብየን ቈሪጻ ነበረት። ብሰንኪ ቝጠባዊ ዅነታታ ድማ፡ ምስ ወለዳን ምስ ሓዋን ምስ ሰበይቱን ኣብ ሓንቲ ቤት ይቕመጡ ነበሩ። ወለዳ ንደቃ ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ከይትምህረን ኣዘዝዋ። ንደቃ እውን ምስ ኣዲአን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ከይዘራረባ ነገርወን።

ዛሪና ንደቃ ብዛዕባ የሆዋ ኺምህራ ብኸመይ ክትሕግዘን ከም እትኽእል ብዙሕ ሓሰበት። (ምሳሌ 1:8) ስለዚ፡ ኣምላኽ መምርሕን ጥበብን ምእንቲ ኺህባ ኣበርቲዓ ጸለየት። ምስ ጸሎታ ብምስምማዕ ከኣ፡ ንደቃ ብእግረን እናኣዛወረት ብዛዕባ ዜደንቕ ፍጥረታት ኣምላኽ ትነግረን ነበረት። እቲ ዚገብራኦ ዝነበራ ሓጺር ዙረት፡ ነተን ኣዋልድ ብዛዕባ ፈጣሪ ተገዳስነት ኬሕድራ ሓገዘን።

ድሕሪኡ፡ ዛሪና በታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧a ዘርእስታ መጽሓፍ ገይራ ንተገዳስነት ደቃ እትዅስኵሰሉ ሜላ መሃዘት። ኣብታ መጽሓፍ ንዚርከብ ሕጡብ ጽሑፋትን ሕቶታትን ኣብ ወረቓቕቲ ጸሓፈቶ። እተን ደቃ ብዛዕባ ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ዝሓሸ ምርዳእ ምእንቲ ኺረኽባ ድማ እተወሰነ ተወሳኺ ምሉእ ሓሳባት እውን ወሰኸትሉ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ወረቓቕትን ሓንቲ ርሳስን ኣብ ባኞ ኣብ ትሕቲ ማሽን መሕጸብ ክዳውንቲ ተቐምጦ ነበረት። እተን ደቃ ናብቲ ኽፍሊ ኽኣትዋ ኸለዋ፡ ነቲ ሕጡብ ጽሑፋት የንብባኦን መልስታተን ይጽሕፋን ነበራ።

ዛሪና በዚ ሜላ እዚ ኣቢላ ምስ ደቃ ኻብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ክልተ ምዕራፋት ከተጽንዕ ክኢላ እያ። ድሕሪኡ ግና፡ ሰለስቲአን ንበይነን ዚነብራሉ ኻልእ መንበሪ ረኸባ። ኣብኡ ድማ፡ ብዘይ ጸገም ንደቃ ኽትምህረን ከኣለት። ኣብ ጥቅምቲ 2016 ከኣ ክልቲአን ደቃ ተጠምቃ። ኣዲአን ብጥበብን ብምስትውዓልን መንፈሳዊ ምግቢ ስለ ዝመገበተን ከኣ ሕጉሳት እየን።

a ሎሚ ብዙሓት ሰባት ነታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ እዮም ዚጥቀሙ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ