ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwex ዓንቀጽ 7
  • ካብ እሱራት ተማህረ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ እሱራት ተማህረ
  • ተመክሮታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ዝዀነ ኣጋጣሚ ዘርኢ መንግስቲ ምዝራእ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ነታ ‘ኻብዛ ዓለም እዚኣ ዘይኰነት’ መንግስቲ ኣምላኽ ምጽባይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ኣብ የሆዋ ምውካል ተማሃርኩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • “ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረኒ ኣረኣእያ ቀይርክምዎ ኢኹም”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
ተመክሮታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር
ijwex ዓንቀጽ 7
ሓደ እሱር ንኻልእ እሱር ዘለዎ ምግቢ የካፍሎ

ካብ እሱራት ተማህረ

ብ2011 ሓደ ሰብኣይ ካብ ኤርትራ ተሰዲዱ ናብ ኖርወይ ከደ። ኣብኡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ረኸብዎ፡ ኣብ ዓዱ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኺቡ ኸም ዝነበረ ሓበሮም። ኣባል ሰራዊት ከሎ፡ ብምኽንያት እምነቶም እተኣስሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸቢድ ኣተሓሕዛ ተታሒዞም ክነሶም ኣብ ውትህድርና ምእታው ኪኣብዩ ኸም ዝረኣየ ነገሮም።

ብዘይተሓስበ ነገር ግና፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣተወ። ኣብኡ ኸኣ ካብ 1994 ኣትሒዞም ብምኽንያት እምነቶም እተኣስሩ ጳውሎስ እያሱን ነገደ ተኽለማርያምን ይስሃቅ ሞገስን ምስ ዚብሃሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቲ ዚምህርዎ ዀይኖም ኸም ዚመላለሱ ብዓይኑ ረኣየ። ንቕንዕናኦም ኣስተብሃለሉ፡ ንኻልኦት እሱራት ምግቢ ኸም ዜካፍልዎም እውን ረኣየ። ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜንብቡን ንኻልኦት ምሳታቶም ኪሓብሩ ኸም ዚዕድምዎምን ተዓዘበ። እምነቶም ከም ዝሓደጉ ኣብ ዚገልጽ ሰነድ ብምፍራም ኪፍትሑ ኸም ዚኽእሉ እኳ ምስ ተሓበሩ፡ ፍቓደኛታት ከም ዘይኰኑ ረኣየ።

እዚ ኸኣ ነዚ ቕኑዕ ዝልቡ ሰብኣይ፡ ዓሚቝ ጦብላሕታ ሓደገሉ፣ ናብ ኖርወይ ምስ ገዓዘ ድማ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለምንታይ ድልድልቲ እምነት ከም ዘላቶም ኪፈልጥ ደለየ። ስለዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ መጽዎ፡ ብኡብኡ ምሳታቶም መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕን ኣብ ኣኼባታቶም ኪእከብን ጀመረ።

ኣብ መስከረም 2018 ድማ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ተጠምቀ። ሕጂ ኸኣ ዝረኸቦ ዘበለ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ኻብ ኤርትራን ካብ ሱዳንን ንዝኸዱ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑን ድልድልቲ እምነት ኬማዕብሉን የተባብዖም ኣሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ