ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwwd ዓንቀጽ 7
  • ቃራና ዝቕርጹ ኣቃውማ ጻዕዳ ጽምብላሊዕ ካውሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቃራና ዝቕርጹ ኣቃውማ ጻዕዳ ጽምብላሊዕ ካውሎ
  • ተነዲፉ ድዩ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መንገብገብ ጽምብላሊዕ
    ንቕሑ!—2014
  • ብርሃን ዚስሕብ መንገብገብ ጽምብላሊዕ
    ንቕሑ!—2014
  • ንዓይ ዚኸውን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ትምህርቲ 1
    ንዓይ ዚኸውን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ተነዲፉ ድዩ፧
ijwwd ዓንቀጽ 7
ጻዕዳ ጽምብላሊዕ ካውሎ ኣብ ዕምባባ

ተነዲፉ ድዩ፧

ቃራና ዝቕርጹ ኣቃውማ ጻዕዳ ጽምብላሊዕ ካውሎ

ጽምብላሊዕ ቅድሚ ምንፋራ፡ ነቲ ኽትነፍር ዚሕግዛ ጭዋዳታት ብጸሓይ ተሙቖ እያ። ደበና ኪኸውን ከሎ ግና ጻዕዳ ጽምብላሊዕ ካውሎ፡ ካብ ካልኦት ዓይነት ጽምብላሊዕ ኣቐዲማ እያ እትነፍር። ከምዚ ምእንቲ ኽትገብር እንታይ እዩ ዚሕግዛ፧

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ብዙሓት እተፈላለያ ዓይነት ጽምብላሊዕ፡ ቅድሚ ምንፋረን ኣኽናፈን ገጢመን ወይ ኣኽናፈን ንጋድም ዘርጊሐን ብምቛም ጸሓይ ይሞቓ እየን። ጻዕዳ ጽምብላሊዕ ካውሎ ግና ቃራና ብዝቕርጹ ኣቃውማ እያ ጸሓይ እትመውቕ። ምርምር ከም ዚሕብሮ ድማ ብዙሕ ሙቐት ምእንቲ ኽትረክብ፡ ንኣኽናፋ ዳርጋ 17 ዲግሪ ፍንትት ኣቢላ ኽትቀውም ኣለዋ። ሳላ እዚ ኣቃውማ እዚ፡ እቲ ኻብ ጸሓይ ዚመጽእ ጸዓት ብቐጥታ ናብቲ ኣብ ሰደራኣ (ኣፍ ልባ) ዚርከብ ንምንፋር ዚሕግዝ ጭዋዳታት ይበጽሕ፡ እቲ ጭዋዳታት ከኣ ይመውቕ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኤክሰተር ዚርከቡ ተመራመርቲ፡ ነቲ ቓራና ዝቕርጹ ኣቃውማ እታ ጽምብላሊዕ ብምቕዳሕ፡ ብጸሓያዊ ጸዓት ንዚሰርሕ ኣቕሑ (ሰሌዳታት ጸሓይ) ኼመሓይሹ ፈቲኖም እዮም። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ መጠን እቲ ኻብቲ ኣቕሑ ዚወጽእ ጸዓት ዳርጋ 50 ሚእታዊት ወሲኹ።

እቶም ተመራመርቲ፡ ላዕላይ ክፋል ኣኽናፍ እታ ጽምብላሊዕ ሓያል ናይ ምንጽብራቕ ክእለት ከም ዘለዎ እውን ኣስተብሂሎም እዮም። ነቲ ቓራና ኣቃውማኣን ነቲ ዜንጸባርቕ ኣኽናፋን ብምቕዳሕ ድማ፡ ብዝያዳ ፈኲስን ብዝያዳ ውጽኢታውን ዝዀነ ብጸሓያዊ ጸዓት ዚሰርሕ ኣቕሑ ሰሪሖም እዮም። እዚ ውጽኢት እዚ ንሓደ ኣባል ጕጅለ ተመራመርቲ ዝዀነ ፕሮፌሰር ሪቻርድ ፍሬንች-ኮንስታንት፡ ነዛ ጻዕዳ ጽምብላሊዕ ካውሎ እዚኣ፡ “ክኢላ ኣካቢት ጸሓያዊ ጸዓት” ኪብላ ደሪኽዎ እዩ።

እንታይ ይመስለካ፧ እቲ ቓራና ዝቕርጹ ኣቃውማ ጻዕዳ ጽምብላሊዕ ካውሎ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ