ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • nwt ገጽ 1574-1575
  • ለ1 መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ለ1 መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ድሕሪ 4026 ቅ.ክ.
  • 1943 ቅ.ክ.
  • ድሕሪ 1070 ቅ.ክ.
  • 29 ድ.ክ.
  • 33 ድ.ክ.
  • ከባቢ 1914 ድ.ክ.
  • መጻኢ
  • ንዓኻ ዚጸሉ ጥንታዊ ትንቢት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • የሆዋ ዕላማኡ ይገልጽ
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ዘርኢ እቲ ተመን—ብኸመይ ተቓልዐ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ለ1 መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ለ1

መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

የሆዋ ኣምላኽ ናይ ምግዛእ መሰል ኣለዎ። ኣገዛዝኣኡ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ እዩ። ንምድርን ንደቂ ሰብን ዘለዎ ዕላማ ድማ ኪፍጸም እዩ።

ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤደን ኣብ ጥቓ ተመን

ድሕሪ 4026 ቅ.ክ.

እቲ “ተመን” ነቲ የሆዋ ዘለዎ ናይ ምግዛእ መሰልን ንኣገዛዝኣኡን ኣብ ሕቶ ኣእተዎ። የሆዋ ድማ ነቲ ተመን፡ ማለት ንሰይጣን ዚጭፍልቕ ‘ዘርኢ’ ኸም ዜተንስእ ኣተስፈወ። (ዘፍጥረት 3:1-5, 15) ኰይኑ ግና፡ ንደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ሰይጣን ኰይኖም ንርእሶም ኬመሓድሩ ግዜ ሃቦም።

ኣብርሃም እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ይሰምዕ

1943 ቅ.ክ.

የሆዋ ንኣብርሃም፡ እቲ ተስፋ እተገብረሉ ‘ዘርኢ’ ኻብ ዘርኡ ኸም ዚኸውን ነገሮ።—ዘፍጥረት 22:18።

ንጉስ ዳዊት

ድሕሪ 1070 ቅ.ክ.

የሆዋ ንንጉስ ዳዊት፡ ጸኒሑ ኸኣ ንወዱ ሰሎሞን፡ እቲ ተስፋ እተገብረሉ ‘ዘርኢ’ ብናታቶም መስመር ወለዶ ኣቢሉ ኸም ዚመጽእ ኣረጋገጸሎም።—2 ሳሙኤል 7:12, 16፣ 1 ነገስት 9:3-5፣ ኢሳይያስ 9:6, 7።

የሱስ ኣብ ግዜ ጥምቀቱ

29 ድ.ክ.

የሆዋ፡ እቲ ተስፋ እተገብረሉ ዝፋን ዳዊት ዚወርስ ‘ዘርኢ’ የሱስ ምዃኑ ሓበረ።—ገላትያ 3:16፣ ሉቃስ 1:31-33፣ 3:21, 22።

የሱስ ኣብ ግዜ ሞቱ

33 ድ.ክ.

እቲ ተመን፡ ማለት ሰይጣን ንየሱስ ብምቕታል ነቲ ተስፋ እተገብረሉ ‘ዘርኢ’ ንሓጺር እዋን ኣጐናደቦ። የሆዋ ንየሱስ ኣብ ሰማይ ኪነብር ህይወት ሂቡ ብምትንሳእ ንዋጋ እቲ ፍጹም ህይወቱ ተቐበለ፣ እዚ ኸኣ፡ ንሕድገት ሓጢኣትን ንዘርኢ ኣዳም ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምሃብን መሰረት ኰነ።—ዘፍጥረት 3:15፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:32-36፣ 1 ቈረንቶስ 15:21, 22።

ከምቲ ኣብ ራእይ እተተስፈወ፡ ሰይጣን እቲ ተመን ናብ ምድሪ ይድርበ

ከባቢ 1914 ድ.ክ.

የሱስ ነቲ ተመን፡ ማለት ንሰይጣን ናብ ምድሪ ብምድርባይ፡ ንሓጺር እዋን ምንቅስቓሳቱ ኣብኡ ኸም ዚድረት ገበሮ።—ራእይ 12:7-9, 12።

ከምቲ ኣብ ራእይ እተተስፈወ፡ የሱስ ኣብ ሰማያዊ ዝፋኑ ዀይኑ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ይገዝእ

መጻኢ

የሱስ ንሰይጣን 1,000 ዓመት ምስ ኣሰሮ፡ ብምሳልያዊ መገዲ ርእሱ ብምጭፍላቕ ኪቐትሎ እዩ። ሽዑ፡ የሆዋ ንምድርን ንደቂ ሰብን ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ኪፍጸም፡ ስሙ ኻብ ጸርፊ ናጻ ኪኸውን፡ ኣገዛዝኣኡ ቕኑዕ ምዃኑ ድማ ኪረጋገጽ እዩ።—ራእይ 20:1-3, 10፣ 21:3, 4።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ