ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • nwt ገጽ 1448-1449
  • ራእይ—ትሕዝቶ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ራእይ—ትሕዝቶ
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምስ ክልተ ጨካናት ኣራዊት ምግጣም
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
  • ዝጋልቡ ዘለዉ ኣርባዕተ ፈረሰኛታት!
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
  • ራእይ—ንጸላእቲ ኣምላኽ ዘለዎ ትርጉም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ካብ ራእይ ዮሃንስ ዚጐልሕ ነጥብታት—2ይ ክፋል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ራእይ—ትሕዝቶ

ራእይ

ትሕዝቶ

  • 1

    • ካብ ኣምላኽ ብየሱስ ኣቢሉ ዝመጸ ራእይ (1-3)

    • ናብተን ሸውዓተ ጉባኤታት እተላእከ ሰላምታ (4-8)

      • “ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ” (8)

    • ዮሃንስ ብመንፈስ ተመሲጡ፡ ኣብ መዓልቲ ጐይታ ዀነ (9-11)

    • ብዛዕባ እቲ ኽብሪ ዝለበሰ የሱስ እተራእየ ራእይ (12-20)

  • 2

    • መልእኽቲ ናብ ኤፌሶን (1-7)፡ ናብ ስሚርና (8-11)፡ ናብ ጴርጋሞስ (12-17)፡ ናብ ትያቲራ (18-29)

  • 3

    • መልእኽቲ ናብ ሳርዴስ (1-6)፡ ናብ ፊላደልፍያ (7-13)፡ ናብ ሎዲቅያ (14-22)

  • 4

    • ብዛዕባ የሆዋ፡ ኣብ ሰማያዊ ዝፋኑ ኸሎ፡ እተራእየ ራእይ (1-11)

      • የሆዋ ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ ነበረ (2)

      • ኣብ ዝፋናት እተቐመጡ 24 ሽማግለታት (4)

      • እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት (6)

  • 5

    • ሸውዓተ ማሕተም ዘለዋ ጥቕልልቲ መጽሓፍ (1-5)

    • እቲ ገንሸል ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ወሰዳ (6-8)

    • እቲ ገንሸል ነቲ ማሕተማት ኪፈትሖ ብቑዕ እዩ (9-14)

  • 6

    • እቲ ገንሸል ነተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ማሕተማት ፈትሐን (1-17)

      • ኣብ ኣምበላይ ፈረስ እተወጥሐ ሰዓሪ (1, 2)

      • ኣብ ሓመር ፈረስ እተወጥሐ ንሰላም የርሕቓ (3, 4)

      • ኣብ መጋል ፈረስ እተወጥሐ፡ ጥሜት የምጽእ (5, 6)

      • ኣብ ጨላይ ፈረስ እተወጥሐ፡ ሞት ተባሂሉ ይስመ (7, 8)

      • እቶም እተሓርዱ ኣብ ትሕቲ እቲ መሰውኢ (9-11)

      • ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ (12-17)

  • 7

    • ዜጥፍእ ንፋሳት ዝሓዙ ኣርባዕተ መላእኽቲ (1-3)

    • እቶም 144,000 ሕቱማት (4-8)

    • ወለል ዚብል ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ብዙሓት ህዝቢ (9-17)

  • 8

    • እቲ ሻውዓይ ማሕተም ተፈትሐ (1-6)

    • እተን ቀዳሞት ኣርባዕተ መለኸት ተነፍሓ (7-12)

    • ሰለስተ ሳዕ ወይለኦም ተባህለ (13)

  • 9

    • እቲ ሓምሻይ መለኸት (1-11)

    • እቲ ቐዳማይ ወዮ ሓሊፉ፡ ገና ኽልተ ይመጽእ ኣሎ (12)

    • እቲ ሻድሻይ መለኸት (13-21)

  • 10

    • ንእሽቶ መጽሓፍ ዝሓዘ ብርቱዕ መልኣኽ (1-7)

      • “ደጊም ኣይኪድንጕን እዩ” (6)

      • እቲ ቕዱስ ምስጢር ኪፍጸም እዩ (7)

    • ዮሃንስ ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ በልዓ (8-11)

  • 11

    • እቶም ክልተ መሰኻኽር (1-13)

      • ማቕ ተኸዲኖም 1,260 መዓልቲ ኺንበዩ እዮም (3)

      • ተቐትሉ፡ ከይተቐብሩ ጸንሑ (7-10)

      • ድሕሪ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ህያዋን ኰኑ (11, 12)

    • እቲ ኻልኣይ ወዮ ሓሊፉ፡ እቲ ሳልሳይ ወዮ ይመጽእ ኣሎ (14)

    • እቲ ሻውዓይ መለኸት (15-19)

      • መንግስቲ ናይ ጐይታናን ናይቲ ክርስቶሱን ኰይና (15)

      • እቶም መጥፋእቲ ምድሪ ኺጠፍኡ እዮም (18)

  • 12

    • እታ ሰበይቲ፡ እቲ ተባዕታይ ሕጻን፡ እቲ ገበል (1-6)

    • ሚካኤል ምስቲ ገበል ተዋግአ (7-12)

      • እቲ ገበል ተደርበየ (9)

      • ድያብሎስ ሓጺር እዋን ከም ዘለዎ ይፈልጥ (12)

    • እቲ ገበል ነታ ሰበይቲ ይሰጕጓ (13-17)

  • 13

    • ሸውዓተ ዝርእሱ ኣራዊት ካብ ባሕሪ ወጸ (1-10)

    • ክልተ ዝቐርኑ ኣራዊት ካብ ምድሪ ወጸ (11-13)

    • ምስሊ እቲ ሸውዓተ ዝርእሱ ኣራዊት (14, 15)

    • ማሕተምን ቍጽርን እቲ ኣራዊት (16-18)

  • 14

    • እቲ ገንሸልን እቶም 144,000ን (1-5)

    • እቶም ሰለስተ መላእኽቲ ዝኣወጅዎ መልእኽቲ (6-12)

      • ብስራት ዘለዎ መልኣኽ፡ ኣብ ማእከል ሰማይ (6, 7)

    • እቶም ምስ ክርስቶስ ሓድነት ኣልይዎም ዚሞቱ፡ ሕጉሳት እዮም (13)

    • ክልተ ዓጺድ ምድሪ (14-20)

  • 15

    • ሸውዓተ መዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ (1-8)

      • መዝሙር ሙሴን እቲ ገንሸልን (3, 4)

  • 16

    • ሸውዓተ ጭሔሎ ቝጥዓ ኣምላኽ ፈሰሰ (1-21)

      • ናብ ምድሪ (2)፡ ናብ ባሕሪ (3)፡ ናብ ኣፍላግን ዓይኒ ማያትን (4-7)፡ ናብ ጸሓይ (8, 9)፡ ናብ ዝፋን እቲ ኣራዊት (10, 11)፡ ናብ ኤፍራጥስ (12-16)፡ ናብ ኣየር (17-21)

      • ኣብ ኣርማጌዶን እተገብረ ውግእ ኣምላኽ (14, 16)

  • 17

    • ፍርዲ እታ “ዓባይ ባቢሎን” (1-18)

      • ኣብቲ ቐይሕ ኣራዊት እተቐመጠት ዓባይ ኣመንዝራ (1-3)

      • እቲ ኣራዊት ‘ዝነበረ እዩ፡ የሎን ከኣ፡ ካብ መዓሙቝ ድማ ኪወጽእ እዩ’ (8)

      • ምስቲ ገንሸል ዚዋግኡ ዓሰርተ ቐርኒ (12-14)

      • እቶም ዓሰርተ ቐርኒ ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋ እዮም (16, 17)

  • 18

    • ውደቀት እታ “ዓባይ ባቢሎን” (1-8)

      • ‘ኣቱም ህዝበይ፡ ካብኣ ውጹ’ (4)

    • ብውድቀት ባቢሎን ሓዘኑ (9-19)

    • ብውድቀት ባቢሎን ኣብ ሰማይ ሓጐስ ኰነ (20)

    • ባቢሎን ከም እምኒ ናብ ባሕሪ ኽትድርበ እያ (21-24)

  • 19

    • ስለቲ ፍርድታቱ ንያህ ወድስዎ (1-10)

      • መርዓ እቲ ገንሸል (7-9)

    • ኣብ ኣምበላይ ፈረስ እተወጥሐ (11-16)

    • ዓብዪ ድራር ኣምላኽ (17, 18)

    • እቲ ኣራዊት ተሳዕረ (19-21)

  • 20

    • ሰይጣን ን1,000 ዓመት ተኣስረ (1-3)

    • ምስ ክርስቶስ 1,000 ዓመት ዚገዝኡ (4-6)

    • ሰይጣን ተፈትሐ፡ ድሕሪኡ ጠፍአ (7-10)

    • ምዉታት ኣብ ቅድሚ እቲ ጻዕዳ ዝፋን ተፈርዱ (11-15)

  • 21

    • ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን (1-8)

      • ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን (4)

      • ኵሉ ኺሕደስ እዩ (5)

    • ሓዳስ የሩሳሌም ተገልጸት (9-27)

  • 22

    • ፈለግ ማይ ህይወት (1-5)

    • መደምደምታ (6-21)

      • ‘ንዓ! ማይ ህይወት ብናጻ ውሰድ’ (17)

      • “ጐይታና የሱስ፡ ንዓ” (20)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ