ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g00 8/10 ገጽ 6-7
  • ካብ መበል 29 ደርቢ እተዋህበ ርእይቶ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ መበል 29 ደርቢ እተዋህበ ርእይቶ
  • ንቕሑ!—2000
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓደ “ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ዕዮ ተዛዘመ”
    ንቕሑ!—2000
  • ንዅሉ ሰብ ዝኸውን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ብዘላ ዓለም ክረጋገጽ ኢዩ!
    ንቕሑ!—2000
  • ሎሚ ዘሎ ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕን
    ንቕሑ!—2000
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ሃይማኖቶም ኪቕይሩ የገድድዎም ድዮም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2000
g00 8/10 ገጽ 6-7

ካብ መበል 29 ደርቢ እተዋህበ ርእይቶ

ካብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መበል 29 ደርቢ በጺሕካ ካብ ሊፍት ውጽእ ምስ በልካ ሓንቲ ንእሽቶ ሰማያዊት ምልክት ናብ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት (ኦ.ኤች.ሲ.ኤች.ኣር.) ትሕብረልካ። እዚ ክፍሊ ርክባት ዝዀነ ቤት ጽሕፈት እዚ ነቲ ኣብ ጀኔቫ: ስዊዘርላንድ: ዝርከብ ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ንጥፈታት ው.ሕ.ሃ. ዝቈጻጸር ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኦ.ኤች.ሲ. ኤች.ኣር. ዝውክሎ ኢዩ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሜሪ ሮቢንሶን ነቲ ኣብ ጀኔቫ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ክትመርሖ ኸላ: እታ ግሪኻዊ መበቆል ዘለዋ ኤልሳ ስታማቱፑሉ ድማ ሓላፊት ናይቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ኢያ። ኣብ መጀመርታ ናይ 1998 ኣባል ንቕሑ! ንሰብኣዊ መሰል ዝምልከት ኣብዚ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ብዛዕባ እተገብረ ንጥፈታት ንኸዛራርባ ሚስስ ስታማቱፑሉ ምቕሉል ኣቀባብላ ገይራትሉ ነበረት። ገለ ቍንጽል ናይቲ ቃለ⁠-​መጠይቕ እንሆ:-

ሕቶ:- ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝድንፍዕ ኣብ ምግባር እንታይ ምዕባለታት እተራእየ ይመስለኪ፧

መልሲ:- ምዕባለታት ከም እተራእየ ሰለስተ ኣብነታት ክዝርዝረልካ ኢየ። ቀዳማይ: 50 ዓመታት ይገብር ኣምር ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኣህጉራዊ ዛዕባ ኣይነበረን፣ ሎሚ ግን ኣብ ኵሉ ተኣታትዩን ዝዕየየሉን ዘሎ ጕዳይ ኢዩ። ገለ ዓሰርተታት ዓመታት ይገብር ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ሰሚዐን ዘይፈልጣ መንግስታት ሕጂ መዛረቢአን ኰይኑ ኣሎ። ካልኣይ: ሎሚ መንግስታት ንዜጋታቶም ከማልእሎም ዘለዎም ግቡኣት ዝሕብር ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ እተፈላለየ ውዑላት ዝሓቘፈ ኣህጉራዊ ናይ ሕጊ ወይ ድማ ናይ ስርዓት ሰነድ ኣሎና። [ነቲ ኣብ ገጽ 7 ዘሎ “ኣህጉራዊ ቅዋም ሰብኣዊ መሰላት” ዝብል ሳጹን ተመልከት።] ነዚ ሰነድ እዚ ንምጥርናፍ ናይ ብዙሕ ዓመታት ጻዕሪ ሓቲቱ ኢዩ። በዚ ኣዚና ኢና እንሕበን። እቲ ሳልሳይ ኣብነት ዝበልኩኻ ድማ ሎሚ ሰባት ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝምልከት ምንቅስቓሳት ይሳተፉን ብዛዕባኡ ኣብ ዝምልከት ጕዳያት ኣፍ ልቦም ነፊሖም ይዛረቡን ምህላዎም ኢዩ።

ሕቶ:- እንታይ መሰናኽላት ኣጓኒፉ፧

መልሲ:- ርግጽ ኢዩ: ኣብቲ ው.ሕ.ሃ. ዘካይዶ ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝምልከት ፕሮግራማት ዝሰራሕኩሉ 17 ዓመታት: ተስፋ ዘቝርጹ መሰናኽላት ከም ዘጋጠሙና ክግንዘብ ክኢለ ኢየ። መንግስታት ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ክንዲ ከም ሰብኣዊ ድሕንነት ዝርእይዎ ፖለቲካዊ ጕዳይ ገይሮም ዝወስድዎ ምዃኖም እቲ ዝዓበየ ግድል ኢዩ። መንግስታት ፖለቲካዊ ስግኣት ስለ ዝሓድሮም ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ውዕላት ከኽብሩ ፍቓደኛታት ከይኰኑ ይኽእሉ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት: እቲ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት እተገብረ ስምምዓት ኣብ ወረቐት ጥራይ ተሓንጢጡ ይተርፍ። ው.ሕ.ሃ. ነቲ ኣብ ከም በዓል ዩጎዝላቭያ ነበር: ሩዋንዳ: ከምኡውን ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ኣልጀርያ እተኸስተ ዕሉል ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክገትኦ ዘይምኽኣሉ ኸኣ ካልእ መሰናኽል ኢዩ። ው.ሕ.ሃ. ነቲ ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን እተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ክገትኦ ዘይምኽኣሉ ከቢድ ፍሽለት ኢዩ። ሰብኣዊ መሰላት ብመትከል ደረጃ ኣብ ቦትኡ ኢዩ ዘሎ: ዝትግብሮ ኣካል ግን ይድለ። እዚ ኣካል እዚ መን ኢዩ፧ እተን ጽላል ክዀና ዝኽእላ ሃገራት ረብሓታተን ኣብ ሓደጋ እንተ​ድኣ ዘይኣትዩ: መብዛሕትኡ ግዜ ንምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደው ንኸብልኦ ፖለቲካዊ ተበግሶ ኣይወስዳን ኢየን።

ሕቶ:- ንመጻኢ ከመይ ክኸውን ኢዩ ትብሊ፧

መልሲ:- ኣብቲ ሰብኣዊ መሰላት ንዅሉ ከም ዝረጋገጸሉ ንምግባር ዝካየድ ጕዕዞ: ስግኣትን ትስፉው መጻእን ኢዩ ዝርኣየኒ። እቲ ዘሻቕለኒ እቲ ግሎባላይዜሽን ዝበሃል ቍጠባዊ ሜላ ዝፈጥሮ ስግኣት ኢዩ: እዚ ሜላ እዚ ዓበይቲ ትካላት ኣብ ሕሱር ጉልበት ሰብ ዝርከበን ሃገራት ንኽምስረታ ዘተባብዕ ኢዩ። ሎሚ: ኣድላዪ እንተ​ድኣ ዀይኑ: መንግስታት ንምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብሓላፍነት ከም ዝሕተታን ኣብ ልዕሊአን ጸቕጢ ክንገብርን ንኽእል ኢና። እንተ​ዀነ ግን: እቲ ኣብ መንጎ ብዙሓት ወገናት ዝግበር ንግዳዊ ውዕላት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ነቲ ስልጣን ካብ ኢድ መንግስቲ ወሲዱ ኣብ ኢድ ዓለምለኻዊ ናይ ቍጠባ ሓይልታት ከም ዝኣቱ ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን ንመን ኢና ተወቃሲ ክንገብሮ እንኽእል፧ ነዞም ናይ ቍጠባ ሓይልታት እዚኣቶም ክንቈጻጸሮም ስለ ዘይንኽእል ከም ው.ሕ.ሃ. ዝኣመሰላ ብእተፈላለያ መንግስታት ዝቘማ ውድባት ዝህልወን ስልጣን ድኹም ኢዩ ዝኸውን። እዚ ብመንጽር ሰብኣዊ መሰላት ክርአ ኸሎ ኣዕናዊ ኣንፈት ኢዩ። ንብሕታዊ ጽላት ኣብቲ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝግደስ እንገብረሉ ዘየላቡ ግዜ ሕጂ ኢዩ።

ሕቶ:- እቲ ትስፉው መጻኢ ዝበልክዮኸ፧

መልሲ:- እዚ እቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝስስን ዘሎ ኣምር ሰብኣዊ መሰላት ኢዩ። እዚ ክብል ከሎኹ ንሰባት ብትምህርቲ ገይርካ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ዝያዳ ኸም ዝግንዘቡ ክንገብር ኣሎና ማለተይ ኢየ። ርግጽ ኢዩ: ከምዚ ምግባር ዓቢ ብድሆ ኢዩ: ከመይሲ እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክህሉ ዝሓትት ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ው.ሕ.ሃ. ዓሰርተ ዓመት ይገብር ንሰባት ብዛዕባ እቲ ዘለዎም መሰላት: ሃገራት ከኣ ብዛዕባ እቲ ዘለወን ሓላፍነት ንኽፈልጡ ህዝባዊ ሓበሬታ ንምሃብ ሓደ ዓለምለኻዊ ወፈራ ዝጀመረ። ብተወሳኺውን ው.ሕ.ሃ. ካብ 1995 ክሳዕ 2004 ንዘለዋ ዓመታት “ሰብኣዊ መሰላት ንምምሃር እተወፈያ ዓሰርተ ዓመታት” ክዀና መዲብወን ኣሎ። ናይ ሰባት ኣእምሮን ልብን ብትምህርቲ ክቕየር ተስፋ ንገብር። እዚ ምናልባት ከም ስብከት ወንጌል ይመስል ይኸውን: ነቲ ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ትምህርቲ ግን ኣነ ብሓቂ እኣምነሉ ኢየ። ዓለም ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ዘመን ንኣምር ሰብኣዊ መሰላት ከም መምርሒኣ ገይራ ክትቅበሎ ተስፋ እገብር።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን]

ኣህጉራዊ ቅዋም ሰብኣዊ መሰላት

ኣብ ርእሲ እቲ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት: ኣህጉራዊ ቅዋም ሰብኣዊ መሰላት ዝበሃል እውን ኣሎ። እዚ ክልቲኡ እንታይ ዝምድና ኣለዎ፧

ነቲ ኣህጉራዊ ቅዋም ሰብኣዊ መሰላት ከም በዓል ሓሙሽተ ምዕራፍ መጽሓፍ እንተ​ድኣ ሓሲብካዮ: እቲ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት: ምዕራፍ ሓደ ከም ዝዀነ ገይርካ ክውሰድ ይከኣል ኢዩ። ምዕራፍ 2 ከምኡውን 3 ነቲ ኣህጉራዊ ኪዳን ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰላት ከምኡውን ኣህጉራዊ ኪዳን ቍጠባውን ማሕበራውን ባህላውን መሰላት ዝሓዘ ኢዩ። ምዕራፍ 4 ከምኡውን 5 ድማ ነቲ ኣማራጺ ክኸውን ዝኽእል ኣፈናዊ ውዕላት ዝዝርዝር ኢዩ።

እቲ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ንመንግስታት እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ዝሕብር ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ዘለዎ ክኸውን ኢዩ ተዳልዩ: እቲ ተወሳኺ ኣርባዕተ ሰነዳት ግን መንግስታት እንታይ ክገብሩ ከም ዝግብኦም ብምሕባር ብሕጊ ዘገድድ ኢዩ። እዚ ሰነዳት እዚ ካብ 1949 ኣትሒዙ ክዳሎ እኳ እንተ ጀመረ ንትግባረ ድሉው ንኽኸውን ግን ዓሰርተታት ዓመታት ኢዩ ወሲዱ። ሎሚ እዚ ኣርባዕተ ሰነዳት እዚ ብሓንሳብ ምስቲ ኣድማሳዊ ሕጊ ኣብቲ ኣህጉራዊ ቅዋም ሰብኣዊ መሰላት ይርከብ።

ኣብ ርእሲ እዚ ኣህጉራዊ ቅዋም እዚ ው.ሕ.ሃ. ካልእ ልዕሊ 80 ዝኸውን ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ውዕላት ኣጽዲቑ ኢዩ። ሓንቲ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ፈላጥ ብዛዕባ እዚ ክትዛረብ ከላ “እቲ ኣብ ኣህጉራዊ ቅዋም ሰፊሩ ዘሎ ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ውዕላት እቲ ልዕሊ ዅሉ ኻልእ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ገይርካ ምሕሳብ ጌጋ ኢዩ” ዝብል ርእይቶ ትህብ። ከምዚ ዝስዕብ ኢላ እውን ተዛሪባ ኢያ:- “ንኣብነት: እቲ ንመሰላት ህጻናት ዝምልከት ናይ 1990 ውዕል እቲ ብብዙሓት እተፈረመሉ ኣድማሳዊ ሰነድ ው.ሕ.ሃ. እኳ እንተ​ዀነ: ክፍሊ ናይቲ ኣህጉራዊ ቅዋም ግን ኣይኰነን። እቲ ‘ኣህጉራዊ ቅዋም ሰብኣዊ መሰላት’ ዝብል ስያመ እተዋህቦ ወግዓውነት ናይቲ ትሕዝቶ ንምምልካት ጥራይ ዘይኰነስ: ብዝያዳ እኳ ድኣ ሰፊሕ ተቐባልነት ከም ዘለዎ ንምርኣይ ኢዩ። ነዚ ሓሳብ እዚ ከም እትሰማምዕሉ ኣየጠራጥርን ኢዩ: ከመይሲ እቲ ስያመ ማራኺ ኢዩ።”a

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዚ ጽሑፍ እዚ ክዳሎ ኸሎ 191 ሃገራት (183 ኣባል ሃገራት ው.ሕ.ሃ. ከምኡውን 8 ኣባላት ዘይኰና ሃገራት) ነቲ ውዕል መሰላት ህጻናት ፈሪመናሉ ነይረን። ክልተ ሃገራት ጥራይ ኢየን ነቲ ውዕል ዘይፈረማሉ: ንሳተን ከኣ ሶማልን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢየን።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ኤልሳ ስታማቱፑሉ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

UN/DPI photo by J. Isaac

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ