ሎሚ ዘሎ ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕን
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብዚ ቐረባ እዋን ሓደ ዓጀብ ዘብል ዕማም ፈጺሞም ኣለዉ። መጀመርታ: ኣብ 60 ሃገራት ዝርከባ ልዕሊ 1,000 ዝዀና ውድባት ኣብቲ ኣህጉራዊ ወፈራ ንምእጋድ ነታጒ (ኣይ.ሲ.ቢ.ኤል.) ዝበሃል ምንቅስቓስ ከም ዝጥርነፋ ገይሮም። ቀጺሎም ድማ ነዚ ዓይነት ኣጽዋር እዚ ዝእግድ ኣህጉራዊ ውዕል ከም ዝህሉ ንምግባር ጸቕጢ ገይሮም ኢዮም። ድሕርዚ ኣይ.ሲ.ቢ.ኤል. ከምኡውን እታ ዘይሕለላ ዳይረክተሩ ኣመሪካዊት ተጣባቒት ጆዲ ዊልያምስ ናይ 1997 ናይ ኖበል ሽልማት ሰላም ተዓወትቲ ዀኑ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ዓወታት ግን ብዘይገለ ስሓቦ ጕተቶ ኣይኰነን ተረኺቡ። ከምቲ እቲ ናይ 1998 ዓለምለኻዊ ጸብጻብ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት (እንግሊዝኛ) ዝገለጾ: ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኵሉ ከም ዝኽበር ናይ ምግባር ጻዕሪ ገና “ኣብ ትሕቲ ቐጻሊ መጥቃዕቲ” ኢዩ ዘሎ። በዚ ጕዳይ እዚ ዝውቀሳ እተን ኣትሒትካ ዝረኣያ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ዘለወን ሃገራት ጥራይ ኣይኰናን። እተን “ልዕለ ሓያላን” ዝበሃላ ሃገራት “ቍጠባዊ ወይ ድማ ስትራተጂያዊ ረብሓታተን ዘይሕሉ ኰይኑ እንተድኣ ረኺበናኦ ንሰብኣዊ መሰላት ሸለል ናይ ምባል ግሁድ ዝንባለ ኣርእየን ኢየን: እዚ ኸኣ ኣብ ኣውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ሕማም” ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።
ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት: ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዕሽሽ ተባሂሉ ዘይሕለፍ ጕዳይ ኢዩ ዀይንዎም ዘሎ። መዓልታዊ መነባብሮኦም ዘየቋርጽ ኣድልዎ: ድኽነት: ዓጸቦ: መስጐጕቲ: ምግሳስ: ኣብ ልዕሊ ቘልዑ ዝወርድ ማህሰይቲ: ባርነት: ከምኡውን ጭከና እተሓወሶ ሞት ዝመልኦ መግደራ ኢዩ ዀይንዎም ዘሎ። ኣብቲ ታእላው ዘይብሉ ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ውዕላት ተዘርዚሩ ዘሎ ትስፉው ኵነታት ነዞም ግዳያት እዚኣቶም ዋላ ሓንቲ ትርጕም የብሉን። እቲ ኣብ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ዘሎ 30 ዓንቀጻት ኣስፊርዎ ዘሎ መሰረታዊ መሰላት እውን ከይተረፈ ንመብዛሕትኦም ደቅሰብ ዘይፍጸም መብጽዓታት ኰይንዎም ኣሎ። ንኣብነት: ገለ ካብቲ ኣብ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ተጠቒሱ ዘሎ ልዑል ግምት ዝወሃቦ መሰላት: ኣብ መዓልታዊ ናብራ ወድሰብ ብኸመይ ይትግበር ከም ዘሎ ንርአ።
ማዕርነት ኣብ ኵሉ ተባጺሑዶ፧
ኵሎም ደቅሰብ ናጻ ከምኡውን ማዕረ ክብርን መሰላትን ዘለዎም ኰይኖም ኢዮም ዝውለዱ።—ዓንቀጽ 1
ኣብቲ ናይ መጀመርታ ንድፊ ናይ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ዓንቀጽ 1 “ኵሎም ሰባት . . . ማዕረ ኢዮም” ዝብል ኢዩ ነይሩ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ግን ብእንግሊዝኛ “ኵሎም ሰብኡት” ጥራይ ከስምዕ ስለ ዝኽእል ንደቂ ኣንስትዮ ዝንጽል ከይከውን ካብ ዝብል ስግኣት: እተን ኣባላት እቲ ኮሚሽን ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ቓላት ክቕየር ደፋፊአን ኢየን። ጸቕጢ ምግባር ስለ ዘብዝሓ ኸኣ እቲ “ኵሎም ሰባት [መን] . . . ማዕረ ኢዮም” ዝብል ‘ኵሎም ደቅሰብ [ሂዩማን ቢንግስ ] ማዕረ ኢዮም’ ናብ ዝብል ኣበሃህላ ተቐየረ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እቲ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ዘሎ ቃላት ስለ እተቐየረ ግን ነቲ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዘሎ ኣረኣእያ ቀይርዎ ድዩ፧
ብ10 ታሕሳስ 1997 ኣብ ዝወዓለ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት: በዓልቲ ቤቱ ንፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝዀነት ሂላሪ ክሊንተን ንው.ሕ.ሃ. ዓለም “ንደቂ ኣንስትዮ ከም ምሉእ መሰል ዘለወን ዜጋታት ገይራ ኣይትርእየንን ኢያ ዘላ” በለት። ገለ ኣብነታት ድማ ጠቐሰት:- ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ድኻታት: 70 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ኢየን። ካብቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዘይረኸቡ 130 ሚልዮን ቈልዑ: ክልተ ሲሶ ኣዋልድ ኢየን። ካብቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ 96 ሚልዮን መሃይም ክልተ ሲሶ ደቂ ኣንስትዮ ኢየን። ደቂ ኣንስትዮ በቲ ኣብ ልዕሊአን ዝወርድ ዘቤታውን ጾታውን ዓመጽ ኣዝየን ኢየን ዝሳቐያ: እዚ ኸኣ ከምቲ ሚስስ ክሊንተን ወሲኻ ዝገለጸቶ “ሓደ ካብቲ ተጐስዩ ዝሓልፍን ኣብ ኵሉ ሸነኻት ዓለም ኣስፋሕፊሑን ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኢዩ።”
ገሊአን ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ እሞ ገና ከይተወልዳ ኸለዋ ኢየን ግዳይ ዓመጽ ዝዀና። ብፍላይ ኣብ ገለ ሃገራት እስያ: ገሊአን ኣዴታት ካብ ኣዋልድ ኣወዳት ክወልዳ ስለ ዝመርጻ ነተን ገና ዘይተወልዳ ኣዋልድ ይንጽልአን። ኣብ ገሊኡ ከባቢታት ድማ እቲ ኣወዳት ዝሕረይሉ ኵነታት ንስነ-ጂናዊ ናይ ጾታ ፈተነ ብዙሕ ኣታዊ ዝርከቦ ንግዲ ከም ዝኸውን ገይርዎ ኣሎ። ሓደ ንጾታ እቲ ዝውለድ ቈልዓ ብመርመራ ዝሕብር ክሊኒክ እቲ ድቂ ጓል እንተድኣ ዀይኑ ካብ ደሓር ነታ ጓል ዝኸውን ናይ 3,800 ዶላር ኣመሪካ ገዝሚ ምኽፋል ሕጂ ብኣጋኡ 38 ዶላር ኣመሪካ ከፊልካ ነቲ ጥንሲ ምስዳዱ እቲ ዝሓሸ ምዃኑ ብምግላጽ ብዛዕባ እቲ ዝህቦ ኣገልግሎት ኣፋሊጡ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ረክላማት ኣድማዒ ኢዩ። ኣብ ሓደ ኣብ እስያ ዝርከብ ዓቢ ሆስፒታል እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ እቲ ድቂ ጓል ምዃኑ እተፈልጠሉ 95.5 ሚእታዊት ዝኸውን ጥንሲ ተሰዲዱ ኢዩ። ጓል ካብ ምውላድ ወዲ ምውላድ ዝሕረየሉ ኵነታት ኣብ ካልእ ክፍልታት ዓለም እውን ኣሎ። ሓደ ብውድድር መኸተ ጕስጢ ኣብ ሕ.መ.ኣ. ሻምፒዮና ኰይኑ ዝነበረ ስፖርታዊ: ክንደይ ቈልዑ ከም ዝወለደ ምስ ተሓተተ: “ሓደ ወዲ: ሸውዓተ ኸኣ ስሕታን” ኢሉ መለሰ። ደቂ ኣንስትዮን ዘጋጥመን ዓመጽን ዝበሃል ናይ ው.ሕ.ሃ. ጽሑፍ (እንግሊዝኛ) “ሰባት ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎም ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ንኽቕይሩ ነዊሕ ግዜ ከም ዝወስድ: ብዙሓት ከኣ እሞ እንተ ወሓደ ሓደ ወለዶ አረ ካብኡ ንላዕሊውን ክወስድ ይኽእል ዝብል እምነት” ከም ዘለዎም ይገልጽ።
ቍልዕነቶም ዘየስተማቐሩ ቈልዑ
ዋላ ሓደ ሰብ ኣብ ትሕቲ ባርነትን ክድምናን ክቝረን የብሉን፣ ብእተፈላለየ መልክዕ ዝግበር ባርነትን መሸጣ ጊልያነትን እጉድ ኢዩ።—ዓንቀጽ 4
ምሕጻር ዕምሪ ባርነት ካብ ወረቐት ኣይሓለፈን። ባርነት ዘይሕጋዊ ንምግባሩ መንግስታት ማእለያ ዘይብሉ ውዕላት ፈሪመን ኢየን። ይኹን እምበር: ሓደ ኣብ ዓለምና ካብ ዘሎ ውድባት ሰብኣዊ መሰላት እቲ ዝነውሐ ዕድመ ኸም ዘለዎ ዝእመነሉ ጸረ-ባርነት ምንቅስቓስ ዘካይድ ናይ ብሪጣንያ ማሕበር ከም ዝገለጾ “ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ሎሚ ብዝሒ ባሮት ኣሎ።” ዘመናዊ ባርነት ብዙሕ ዝዓይነቱ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኢዩ ዝረኣየሉ። ብዝበዛ ቈልዑ ሓደ ካብቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ገኒኑ ዘሎ ዓይነት ባርነት ኢዩ።
ደሪቫን እተባህለ ደቡብ ኣመሪካዊ ወዲ: ሓደ ካብዞም እዚ ዘሕዝን ተመክሮ እዚ ዘለዎም ቈልዑ ኢዩ። ‘ብሰንኪ እቲ ተጻሒጉ ፍርናሽ ዝስርሓሉ ኣሻዅ ዒቃ እተን ንኣሽቱ ኣእዳዉ ከርፊሐን ኢየን። ስርሑ ነቲ ዒቃ ካብ መኽዘን ኣልዒልካ ናብቲ እታ ማሽን ዘላትሉ 90 ሜትሮ ዝርሕቀቱ ቦታ ምጕናዅ ኢዩ። ነተን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዘለዋ 12 ናይ ስራሕ ሰዓታት ክውድአን ከሎ: እቲ ዘግዕዞ ዒቃ ሓደ ቶን ይመልእ። ደሪቫን ነዚ ዕዮ እዚ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከሎ ኢዩ ጀሚርዎ። ሎሚ ወዲ 11 ዓመት ኢዩ።’—ዎርልድ ፕረስ ሪቪው (እንግሊዝኛ)
ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ 5 ክሳብ 14 ዝዕድሜኦም ርብዒ ቢልዮን ዝዀኑ ቈልዑ ይብዝበዙ ኸም ዘለዉ ኣህጉራዊ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ይግምት—ብዝሒ ህዝቢ ብራዚልን ሜክሲኮን ክድመር ከሎ ዳርጋ ማዕረ እዚ ቝጽሪ እዞም ንኣሽቱ ጭፍራ ሰራሕተኛታት እዚኣቶም ይመጽእ! ብዙሓት ካብዞም ቍልዕነቶም ዘየስተማቐሩ ህጻናት እዚኣቶም ኣብ መዐደኒ ቦታታት ከሰል ዝመልአ ኮንተይነራት ክጐቱ ይለፍዑ፣ ኣብ ዓጺድ ዘራእቲ ንኽወፍሩ ብጭቃ ነዊሕ መገዲ ብእግሮም ይጓዓዙ፣ ወይ ምንጻፋት ንምስራሕ ኣብ ኣላሚት ተደፊኦም ይውዕሉ። ደቂ ሰለስተ: ኣርባዕተ: ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ማማያት እውን ከይተረፉ በብጕጅለ ተቘሪኖም መሬት ወጊሓ ክሳዕ እትዓርብ ግርሁ ይሓርሱ: ይዘርኡ: ከምኡውን ቀሪም ይቓርሙ። ሓደ ኣብ ሓንቲ ኣብ እስያ እትርከብ ሃገር ዘሎ ወናን መሬት ብዛዕባ “ህጻናት” ክዛረብ ከሎ “ካብ ትራክተር ዝሓሰሩን ካብ ኣብዑር ንላዕሊ በላሕትን ኢዮም” ብምባል ይዛረብ።
ሃይማኖት ምምራጽን ምቕያርን
ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ሓሳብ: ሕልና: ከምኡውን ናይ ሃይማኖት ሓርነት ኣለዎ፣ ሓደ ሰብ ሃይማኖቱ ንኽቕይር ዘለዎ ሓርነት እውን ኣብዚ ዝጠቓለል ኢዩ።—ዓንቀጽ 18
ሓፈሻዊ ባይቶ ው.ሕ.ሃ. ብ16 ጥቅምቲ 1997 “ኵሉ ዓይነት ሃይማኖታዊ ዘይምጽውዋር ንምልጋስ ብዛዕባ ዝግበር ጻዕሪ ዝገልጽ ጸብጻብ” ቀረበሉ። እዚ ብዓብደልፋትሕ ዑመር እተባህለ ፍሉይ ሪፖርተር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝቐረበ ጸብጻብ ንዓንቀጽ 18 ዝጥሕስ ገና ዘየቋረጸ ዘሎ ግህሰታት ይዝርዝር። እቲ ጸብጻብ ንብዙሓት ሃገራት ብምርቋሕ ‘ንምስርጣይ: ምፍርራህ: ግፍዒ: ቀይዲ: ማእሰርቲ: ሰባት ኣብዚኣ ኣተዉ ከይተባህሉ ንዝጠፍእሉ ኵነታት: ከምኡውን ንመቕተልቲ’ ዝምልከት ማእለያ ዘይብሉ ጕዳያት ይጠቅስ።
ብተመሳሳሊውን እቲ ብናይ ሕ.መ.ኣ. ቤት ጽሕፈት ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ዕዮን እተዳለወ ናይ 1997 ጸብጻባት ሰብኣዊ መሰላት (እንግሊዝኛ) እተን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ባህሊ ደሞክራሲ ዘለወን ሃገራት እውን ከይተረፋ “ብሓፈሻኡ ንዅለን ንኣሽቱ እምነታት ዝበሃላ ጕጅለታት ኣብ ‘ኣንቈራ’ ዝብል መደብ ብምምዳብ ነቲ ሓርነተን ክቕይድኦ ከም ዝሃቀና” ይገልጽ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣንፈታት ዘሻቕል ኢዩ። ዊሊ ፎትረ: ፕረዚደንት ናይቲ ብራስለስ ዝመደበሩ “ሰብኣዊ መሰላት ብዘይዶብ” ዝበሃል ውድብ: “ሰብኣዊ ሓርነት ኣብ ዝዀነ ይኹን ሕብረተሰብ ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ከም ዝርከብ ዝልከዓሉ ዝበለጸ መሐበሪ ሃይማኖታዊ ሓርነት ኢዩ” ብምባል ይገልጽ።
ሕቘኻ ተጐዚዝካ: ጥራይ ጁባኻ ምምላስ
ነፍሲ ወከፍ ስራሕ ዝወፍር ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱን ስድራቤቱን ሰብኣዊ ክብሪ ዝሕሉ ናብራ ከም ዝህልዎ ዝገብር ርትዓውን ግቡእን ክፍሊት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ።—ዓንቀጽ 23
ኣብ ካሪብያን ዝርከቡ ቃንጫ ሽኮር ዝቘርጹ ሰራሕተኛታት ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ዶላር ኣመሪካ ዝረኽቡ እኳ እንተዀኑ: እቲ ናይ ክራይን ናውትን ዋጋ ግን ካብ ወነንቲ እቲ ሕርሻ ከም ዝልቅሑ ዝገብሮም ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ዘለዎም ሕሳብ ዝሕብር ወረቐት እምበር ጥረ ገንዘብ ኣይወሃቦም ኢዩ። ብተወሳኺ ኸኣ ኣብቲ ከባቢ በቲ ኩባንያ ዝውነን ድኳን ጥራይ ብምህላዉ እቶም ሰራሕተኛታት እቲ ከም ዘይቲ: ሩዝን ካልእን ዝኣመሰለ ዘድልዮም ኣስቤዛ ካብኡ ክገዝኡ ኢዮም ዝግደዱ። ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ ኣብያተ ሸቐጥ ናይ ቫውቸር ኣገልግሎት ብምሃቡ ነቶም ሰራሕተኛታት ካብቲ ናይ ቫውቸር ሕሳቦም ካብ 10 ክሳዕ 20 ሚእታዊት ይቘርጸሎም። ምክትል ዳይረክተር ኮሚተ ጠበቓታት ሰብኣዊ መሰላት ቢል ኦኔል ብፈነወ ረድዮ ው.ሕ.ሃ. ኣቢሉ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ተዛረበ:- “እቲ እዋን ዓጺድ ክውዳእ ኸሎ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንሰሙናት ይኹን ንኣዋርሕ ሕቖ ዝሰብር ጻዕሪ ኸም ዝፈጸሙ ዝምስክር ገንዘብ ኣብ ኣእዳዎም ዘይብሎም ኰይኖም ኢዮም ዝተርፉ። ጥር እትብል ሳንቲም ኣይትረኽበሎምን ኢኻ: ነቲ ወቕቲ ኸኣ ብኸቢድ ጸገም ኢዮም ዘሕልፍዎ።”
ሕክምና ንዅሉ ተባጺሑዶ፧
ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱን ስድራቤቱን ጥዕናን ድሕንነትን ክሕልወሉ ዝኽእል ደረጃ መነባብሮ ክህልዎ መሰል ኣለዎ: እዚ እኹል መግቢ: ክዳን: መንበሪ ቤት: ሕክምና ምርካብ ዘጠቓልል ኢዩ።—ዓንቀጽ 25
‘ሪካርዶን ሁስቲናን ካብታ ናብኦም ዝቐረበት ከተማ 80 ኪሎ ሜተር ርሒቖም ዝነብሩ ብሕርሻ ዝመሓደሩ ድኽነት ዘጥቀዖም ደቂ ላቲን ኣመሪካ ኢዮም። እታ ሄማ ዝስማ ሕጻን ጓሎም ምስ ሓመመት ናብቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ናይ ብሕቲ ክሊኒክ እንተ ወሰድዋ እኳ: ሪካርዶ ነቲ ወጻኢታት ክኸፍሎ ዓቕሚ ኸም ዘይብሉ ብሩህ ስለ ዝነበረ ሰራሕተኛታት እቲ ክሊኒክ መለስዎም። ንጽባሒቱ ግን ሁስቲና ንመጓዓዝያ ዝኸውን ገንዘብ ካብ ጐረባብቲ ተለቂሓ ናብታ ኣብ ቀረበኦም ዘላ ከተማ ተጓዕዘት። ድሕሪ እቲ ነዊሕ ጕዕዞ: ሁስቲና ምስ ጓላ ኣብቲ ብመንግስቲ ዝውነን ኣብታ ከተማ ዝርከብ ዝነኣሰ ሆስፒታል በጽሐት እሞ ዓራት ከም ዘየለን ንጽባሒቱ ክትምለስ ከም ዘለዋን ተነግራ። ኣብታ ከተማ ኣዝማድ ይኹን መሕደሪ ክትካረየሉ ዘኽእላ ገንዘብ ስለ ዘይነበራ: ኣብቲ ህዝባዊ ዕዳጋ ኣብ ሓደ ባንኮ ሓደረት። ነታ ቘልዓ ምእንቲ ኸይኵርኵሓን ከይትቘርርን ሓቚፋታ እኳ እንተ ነበረት ለውጢ ግን ኣየምጸአትን። እታ ቘልዓ በታ ለይቲ እቲኣ ሞተት።’—ሰብኣዊ መሰልን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን (እንግሊዝኛ)
ሎሚ ኣብ ዓለም ካብ 4 ሰባት እቲ 1 ናይ ሓንቲ ዶላር (ኣመሪካ) ድራር እለት ኢዩ ዝምእርር። እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ከም ናይ ሪካርዶን ሁስቲናን ዝኣመሰለ ከቢድ ግድል ኢዩ ዘጓንፎም፣ ካብ ብሕታውያን ማእከላት ጥዕና ዝርከብ ሕክምና ብዝኸድካዮ እኳ እንተ ሃለወ: ዋግኡ ግን ኣዝዩ ክቡር ኢዩ: መንግስቲ ዝህቦ ኣገልግሎት ሕክምና ኸኣ ሕሱር ኰይኑ ኸብቅዕ ንምርካቡ ግን ኣጸጋሚ ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ኣብ ዓለም ዘለዉ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዝዀኑ ድኻታት ‘ሕክምና ናይ ምርካብ መሰላት’ እኳ እንተ ኣለዎም: ካብ ኣገልግሎት ሕክምና ክጥቀሙ ግን ኣይከኣሉን።
እቲ ዘርዕድ ዝርዝር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት መወዳእታ ዘለዎ ኣይመስልን ኢዩ። ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተዋሂቡ ዘሎ ጸብጻባት ዝኣመሰለ ብኣማእታት ሚልዮናት ዝቝጸር ኵነታት ኣሎ። ብርቱዕ ጻዕርታት ዘካይዳ ውድባት ሰብኣዊ መሰላት ከምኡውን ኵነታት እቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ንምምሕያሽ ህይወቶም ከይተረፈ ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ውፉያት ተጣበቕቲ እኳ እንተ ሃለዉ: ምርግጋጽ ሰብኣዊ መሰላት ንዅሉ ሰብ ሕልሚ ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። ሰብኣዊ መሰላት ብጋህዲ ዝረጋገጸሉ እዋን ይመጽእዶ ይኸውን፧ ብርግጽ ክመጽእ ኢዩ: እንተዀነ ግን ኣቐዲሙ ክፍጸም ዘለዎ ሓያለይ ለውጥታት ኣሎ። እዛ ስዒባ ዘላ ዓንቀጽ ንኽልተ ካብዚ ለውጥታት እዚ ክትድህስሶ ኢያ።
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
Courtesy MgM Stiftung Menschen gegen Minen (www.mgm.org)
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
WHO photo/PAHO by J. Vizcarra
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
UN PHOTO 148051/J. P. Laffont—SYGMA