ኣእዳውካ ተሓጸብን ኣንቅጾን!
ሰዓልን ካልእ ሕማማትን ዝሕዘና ብኸመይ ኢዩ፧ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማሕበር ሰብ ሞያ ምቍጽጻር ተላጋቢ ሕማምን ለበዳን ከም ዝብሎ እንተወሓደ 80 ሚእታዊት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማማት ብኣየር ዘይኰነስ በእዳውና ኢዩ ዝመሓላለፍ። ሓቂ ኢዩ: ኢድካ ምሕጻብ ብሓፈሻ ሕማም ንምክልኻል ዘኽእል እንኮን ኣዝዩ ኣድላይን መገዲ ገይርካ ይሕሰብ ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ግን ካብ ዓይኒ ምድሪ ክወጹ ኸለዉ ወይ ፊጥ ምስ በሉ ወይ መግቢ ቅድሚ ምሓዞም ኵሉ ግዜ ኣእዳዎም ኣይሕጸቡን ኢዮም። ርግጽ ኢዩ: ብዙሓት ካልኦት ግን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋናት ኵሉ ግዜ ኣእዳዎም ይሕጸቡ ኢዮም። እቲ ናይ ምሕማም ተኽእሎ ግን ኢድካ ቅልጥፍ ኢልካ ንማለቱ ብምሕጻብ ኣይጠፍእን ኢዩ።
ኣእዳውካ ምስ ተሓጸብካ ብግቡእ ምንቃጽ ኣድላይነቱ ማዕረ እቲ ምሕጻብ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዌስትሚንስተር: ዓዲ እንግሊዝ: ዘለዉ ተመራመርቲ ብዙሓት ሰባት ኣእዳዎም ምስ ተሓጽቡ ብፍላይ ውዑይ ኣየር ዘለዎ መንቀጺ ምስ ዝጥቀሙ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘየንቅጽዎ ተገንዘቡ። ብዙሓት እዚ መሳርሒ እዚ ምስ ተጠቕሙ ነእዳዎም እንደገና ኣብ ክዳውንቶም ብምድራዝ የንቅጽዎ። እዚ ነቶም ኣብ ኣእዳው ዝተርፉ ብኣዒንቲ ክርኣዩ ዘይክእሉ ሓደገኛታት ባክተርያ ከም ዘስፋሕፍሑ ክገብር ይኽእል ኢዩ። እቶም ተመራመርቲ ከም ዝበልዎ ኣእዳውካ ጽቡቕ ገይርካ ከተንቅጾ ዝበለጸ ኢዩ: ሓንሳእ ተጠቒምካ እትጕሕፎ መድረዚ ወረቐት ወይ ጽሩይን ሰብ ዘይተጠቕመሉን ሽጐማኖ ክትጥቀም ድማ ዝምረጽ ኢዩ።
እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም ብዛዕባ ኢድካ ምሕጻብ እዚ ዝስዕብ ምኽሪ ይህብ:-
• ኵሉ ግዜ ልብጥ ዝበለ ናይ ቡምባ ወይ ሰብ ዘፍስሰልካ ማይን ዘይጓዳእ ሳምናን ተጠቐም። ዝፈስስ ማይ ዘይኰነስ ኣብ ሸሓኒ እተዓቝረ ማይ ክትጥቀም እንተድኣ ተገዲድካ ድማ ነቲ ሸሓኒ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተጠቐምካሉ ግዜ ኣጽርዮን ሕጸቦን። ዝጠልቀየ ሽጐማኖ ነእዳውካ ጽቡቕ ገይሩ ኣየጽርዮን ኢዩ።
• ናይ ሳምና ዓፍራ ክሳዕ ዝርአ ነእዳውካ ኣጸቢቕካ ሕሰዮ: እንተወሓደ ን15 ካልኢት ድማ ከየቋረጽካ ሕሰዮ። ዝባንን ከብድን ኣእዳውካ ከምኡውን ኣብ መንጎ ኣጻብዕትኻን ኣጽፋርካን ፋሕፍሓዮ።
• ብድሕርዚ ነእዳውካ ልብጥ ብዝበለ ናይ ቡምባ ወይ ሰብ ዘፍስሰልካ ማይ ጌርካ ለቕልቆ።
• ተጠቒምካ ብእትድርብዮ ወይ ንሓንሳእ ጥራይ ብዘገልግል ጽሩይ ሽጐማኖ ገይርካ ኣንቅጾ: በቲ ጽሩይ ኣእዳውካ ድማ ነቲ ቡምባ ወይ ነቲ መንጠልጠሊ ሽጐማኖ ኣይትተንክፎ።
• ነቲ መኽፈቲ ቡምባ ንኸይትትንክፎ ድማ ሽጐማኖ ተጠቒምካ ዕጸዎ።
• ቈልዑ ኣእዳዎም ኣብ ትሕቲ እቲ ቡምባ ገለ ነገር ከይተንከየ ክሕጸቡ ኣለዎም። ሓደ ቘልዓ ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ደረጃታት ሓደ ብሓደ ክፍጽሞ ሓግዞ: ድሕርዚ ድማ ኣእዳውካ ተሓጸብ።