ሕልሚ ጥራይ ኰይኑ ዝተረፈ ወረቐት ኣልቦ ቤት ጽሕፈት
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ መጀመርታ 11 ገጽ ኣብ ዘለዎ ተራ ወረቐት ኢያ ተዳልያ።a ክትእረም ከላ ዳርጋ 20 ግዜ ዝኸውን ብተደጋጋሚ ኣብ ወረቐት ተሓቲማ። ኣብ መወዳእታ ናብተን ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ 80 ዝዀና ናይ ትርጕም ጋንታታት ተላእከት: ነፍሲ ወከፍ ጋንታ ኸኣ ዳርጋ ሽዱሽተ ግዜ ዝኸውን ሓተመታ። ስለዚ ብሓፈሻ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ናብ ናይ መወዳእታ ሕትመት ቅድሚ ምብጻሓ ኣብ ልዕሊ 5,000 ቈጽሊ ወረቐት ተሓትመት!
እዚ ሓቅታት እዚ ምስቲ ኣብ ምጅማር ዘበነ ኮምፒዩተር ገለ ሰባት “ወረቐት ኣልቦ ቤት ጽሕፈት” ክህሉ ምዃኑ እተዛረብዎ ትንቢት ዝጻረር ኢዩ። እቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘጽንዕ ኣልቪን ቶፍለር ኣብታ ዘ ሰርድ ዌቭ ብዝብል ኣርእስቲ ዘዳለዋ መጽሓፍ ‘ናይ ዝዀነ ይኹን ነገር ብወረቐት ቅዳሕ ምድላው ተራ ኣጠቓቕማ ናይተን ብኤለክትሮኒክ ዝሰርሓ ኮምፒዩተራት ኢዩ ከምኡውን ነቲ ቀንዲ ዕላምአን ዝጥሕስ ኢዩ’ ኢሉ ጸሓፈ። እቲ ዘገርም ከኣ እቲ ኢንተርናሽናል ቢዝነስ መሽን (ኣይቢኤም) ዝበሃል ትካል ነታ ብ1981 ዝመሃዛ ናይ መጀመርታ ኮምፒዩተር ከፋልጥ ከሎ ሓታሚት ክገብረላ ኣይደለየን ነይሩ። ገሊኦም እቲ ኩባንያ ተጠቀምቲ ኮምፒዩተራት ነቲ ዘድልዮም ሓበሬታ ካብታ ኮምፒዩተር ከንብብዎ ዝደልዩ ኢዩ መሲልዎም ነይሩ ይብሉ። እቲ ዀይኑ እቲ ገሊኣቶም ንወረቐት ኣብ ኣብያተ-መዘክርን መቐመጢ ናይ ቀደም ፋይላትን ተሓጺሩ ከም ዝተርፍ እትገብር “ሓንቲ ወረቐት ኣልቦ ዝዀነት እተሐጕስ ዓለም” ኢያ እትርኣዮም ነይራ።
መብጽዓ ወረቐት ኣልቦ ቤት ጽሕፈትን ክውንነቱን
ይኹን እምበር: እቲ ክዉን ነገራት ክርአ ከሎ እታ ወረቐት ኣልቦ ቤት ጽሕፈት ከም ዝህሉ ክትገብር ትጽቢት እተገብረላ መሳርሒት ባዕላ ብብዝሒ ወረቐት ከም እንዕበጥ ኢያ ገይራትና። አረ ገሊኣቶምሲ እቲ ሓፈሻዊ ሃልኪ ወረቐት ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ከም ዝወሰኸ ኢዮም ዝዛረቡ። ኣብ ትካል ኢንተርናሽናል ዳታ ኮርፖረሽን ተመራማሪ ዝዀነ ስኮት ማክሬዲ ከምዚ ይብል:- “ነቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት እንጥቀመሉ ነገራት ኣውቶማቲክ ከም ዝኸውን ብምግባርና ነቲ ወረቐት ከም እንጥቀም ዝገብር ኣጋጣሚ ከም ዝውስኽ ኢና ገይርናዮ: እዚ ኸኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብልዕሊ 25 ሚእታዊት ይዓቢ ኣሎ።” ኮምፒዩተራት: ሓተምቲ: ናይ ፋክስን ፎቶ ኮፕን ማሽናት: ኢ-መይል: ከምኡውን ኢንተርነት ነቲ ብዙሓት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዝደልይዎ ሓቲሞም ከኣ ዘውጽእዎ ሓበሬታ ብቕጽበት ከም ዝውስኽ ኢዩ ገይርዎ። ብመሰረት ትካል ሲ.አይ.ፒ. ዝሃቦ ሓበሬታ: ብ1998 ኣብ መላእ ዓለም 218 ሚልዮን ሓተምቲ: 69 ሚልዮን ናይ ፋክስ ማሽናት: ንእተፈላለየ ዕላማ ዘገልግላ 22 ሚልዮን ማሽናት (ሓተምቲ: ስካነር: ከምኡውን ፎቶ ኮፒ መግበሪ ኣብ ሓንቲ ማሽን): 16 ሚልዮን ስካነራት: ከምኡውን 12 ሚልዮን ናይ ፎቶ ኮፒ ማሽናት ኣለዋ።
ቶፍለር ኣብታ ብ1990 ዝሓተማ ፓወርሽፍት እትበሃል መጽሓፉ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ሓደ ዓመት 1.3 ትሪልዮን ሰነዳት—ነቲ ግራንድ ኬንዮን እተባህለ ስንጭሮ 107 ግዜ ክሽፍኖ ዝኽእል—ከም ዘውጸአት ይግመት! ብመሰረት እቲ ዘሎ ጸብጻባት እቲ ቍጽሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይዓቢ ኢዩ ዘሎ። ብመሰረት ሓደ ምንጪ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክሳዕ 1995 ኣብ ሓደ መዓልቲ ዳርጋ 600 ሚልዮን ዝኸውን ሰነዳት—ንሓደ 270 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ መቐመጥ ፋይላት ክመልእ ዝኽእል—ከም ዝሓተመት ይንገር። ኣብ ምጅማር ናይ 2000 ዓመት እውን: እዚ ኣንፈት እዚ ክቕየር ምዃኑ ዘርኢ መርትዖ የለን፣ ዝበዝሕ ሓበሬታታት ብወረቐት ኢዩ ዝመሓላለፍ ዘሎ።
ወረቐት ዘይተርፈሉ ምኽንያት
እቲ ኤለክትሮኒክስ ንወረቐት ክትክኦ ኢዩ ዝብል ትንቢታት ድኣ እሞ ኣበይ በጽሐ፧ እቲ ኣህጉራዊ ኩባንያ ወረቐት ከምዚ ብምባል ግምት ይህብ:- “ሰባት ነቲ ዘድልዮም ሓበሬታ ብጫፍ ኣጻብዖም ጥራይ ክትንክይዎ ኣይደለዩን። ብኢዶም ክሕዝዎ ኢዮም ዝደልዩ። ክሕዝዎ: ክዓጽፍዎ: ክዓማጽጽዎ: ፋክስን ፎቶ ኮፕን ክገብርዎ ከምኡውን ከም መወከሲ ክጥቀምሉ: ኣብ ሕድጋቱ ክጽሕፍሉ ወይ ንኽዝክርዎ ኣብ ዝርአ ቦታ ክጥቅዕዎ ኢዮም ዝደልዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ጽፉፍ ብዝዀነ መገድን ብእተፈላለየ ሕብርን ቀልጢፎም ክሓትምዎ ይደልዩ ኢዮም።”
ወረቐት ጕሉሕ ረብሓ ከም ዘለዎ ኣፍልጦ ክወሃቦ ይግባእ። ብቐሊሉ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክትወስዶ: ሕሱር: ነዊሕ ዝጸንሕ: ንኽትዕቅቦ ቀሊል: ከምኡውን ካልኣይ ግዜ ክትጥቀመሉ እትኽእል ዓይነት ኢዩ። ክትገላብጦ ቀሊል ኢዩ: ኣበየናይ ገጽ ከም ዘሎኻን ክንደይ ገጽ ከም ዝተረፈካን ብቐሊሉ ክትፈልጥ ትኽእል። እቲ ወኪል ናይ ሓንቲ ንቤት ጽሕፈት ዘድሊ መሳርሒታት እትሸይጥ ኩባንያ ዳን ካክስ ከምዚ ይብል:- “ሰባት ወረቐት ይፈትዉ ኢዮም። ብኢዶም ክሕዝዎ ኢዮም ዝደልዩ።” ኣብቲ ናይ ኣሪዞና ኣብያተ-መጻሕፍቲ ኣብ ናይ ስነዳን ህዝባዊ መዛግብትን ተመራማሪ ጀሪ ማሎሬ ኸኣ ከምዚ ይብል:- “ሰባት ወረቐት ኣልቦ ዝዀነ ቤት ጽሕፈት ከም ዝህሉ ክገብሩ ክጽዕሩ ርኢና ኢና። እንተዀነ ግን እዘን ኵለን ብኣሽሓት ዝዀና እንርእየን ኮምፒዩተራት ሓደ ናይ ሓባር ረቛሒ ኣለወን: እዚ ኸኣ ኵላተን እንተ ወሓደ ምስ ሓንቲ ሓታሚት እተተሓሓዛ ኢየን።”
ደሓር ድማ ዝጸንሐ ልምዲ ንኽጠፍእ ግዜ ይወስድ ኢዩ። እቶም ሕጂ ኣብ ንግድ ተዋፊሮም ዘለዉ ሰባት ኣብ ወረቐት እተሓትመ ነገራት ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ተማሂሮም ኢዮም ዓብዮም። ሓደ ሰነድ ወይ ናይ ኢ-መይል መልእኽቲ ነታ ማውስ እትበሃል ናይ ኮምፒዩተር ክፍሊ ሓንሳብ ጥራይ ብምጽቃጥ ክሕተም ይከኣል: እቲ ዝደለየ ሰብ ኣበይ ይሃሉ ብዘየገድስ ከኣ ከንብቦ ይኽእል። ኣብ ወረቐት እተሓትመ ነገር ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ—ኣብ ዓራት: ኣብ መሕጸቢ: ኣብ ደንደስ ባሕሪ ኣብ ምንጻፍ ኴንካ—ክንበብ ይከኣል ኢዩ። ዝበዝሓ ኮምፒዩተራት ግን ከምዚ ገይርካ ክትጥቀመለን ኣይከኣልን ኢዩ!
ካልእ ረቛሒ:- ኮምፒዩተራት ቅድሚ ሕጂ ፍሉያት ሓተምቲ ጥራይ ክገብርኦ ዝኽእላ ዝነበራ ዓይነት ሰነዳት ንምድላው ቀሊል ከም ዝኸውን ገይረንኦ ኣለዋ። ብዙሕ ጻዕሪ ከይገበርካ እተፈላለየ ነገራት ማለት ሕብራዊ ቅዳሓት: ጸብጻባት: ስእሊ ዘለዎ ኣቀራርባታት: ቻርትታት: ግራፍ: ናይ ንግድ ካርድታት: ከምኡውን ፖስት ካርድ ከተዳሉ ትኽእል። እዚ እተፈላለየ ነገራት ክትፈታትን ዝዕድም ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ሓንቲ ሰነድ ምስ ሓተምካ ነቲ ቅርጺ ፊደላትን መልክዕን ክትቅይሮ ትደሊ እሞ ካልኣይ ግዜ ትሓትማ። ከምዚ እናገበርካ ክሳዕ ከምታ እትደልያ እትኸውን ብተደጋጋሚ ትሓትም!
ኢንተርነት እውን እዚ ዘይበሃል ሓበሬታታት ንኽትረክብ ኣጋጣሚ ዝኸፍት ብምዃኑ ንምብዛሕ ወረቐት ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ።b እዚ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ ወረቐት ከም እትጥቀም ዝገብር ኢዩ ምኽንያቱ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ነቲ ዝገበርዎ ምርምር መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ወረቐት ኢዮም ዝሓትምዎ።
እቲ ብብዝሒ ዝውሕዝ ዘሎ ናይ ኮምፒዩተራት ሶፍትዌር ከምኡውን ካልእ ናይ ኮምፒዩተራት መሳርሒታት እውን ኣጠቓቕምኡ ዝሕብር ብዙሕ መጻሕፍቲ ከም ዘድልዮ ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኰነን። ኮምፒዩተራት ኣብ ኵሉ ተዘርጊሐን ምህላወን ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ መምርሒ መጻሕፍትን ናይ ኮምፒዩተራት መጽሔታትን ከም ዘድሊ ገይሩ ኢዩ።
ቀጥታ ካብታ ኮምፒዩተር ከተንብብ: ብፍላይ ኣረጊት ምስ እትኸውን: ዘለዎ ኣሉታዊ ጐድኒ እውን ኣፍልጦ ክወሃቦ ዘለዎ ጕዳይ ኢዩ። ገለ ተጠቀምቲ ኣዒንቶም ከም ዝሓመሙ ይዛረቡ ኢዮም። እቲ ቕድም ተገይሩ ዝነበረ ጽሕፈት ጽቡቕ ትርኢት ዘለዎ ንኽኸውን ከኣ ብዓሰርተ ዕጽፊ ኣቢሉ ክመሓየሽ ኣለዎ።
ኣብ ርእሲ እዚ: ንገሊኦም ሰባት ሓንቲ ንእሽቶ ወረቐት ኣገዳሲትን ኣድላይትን ኰይና ክትረኣዮም ትኽእል ኢያ። እዚ ኸኣ ካብቲ ኣብ ኮምፒዩተር እትርእዮ ዝያዳ ቀጥታውን ጽልዋ ዘለዎን ትገብሮ ኣላ ማለት ኢዩ። ኣብ ወረቐት እተሓትመ ብኢድ ክትሕዞ እትኽእል ብምዃኑ ናይ ስራሕካን ጻዕርኻን ውጽኢት ትርኢ። ንሓደ ሓላፊ ወይ ዓሚል ኣብ ወረቐት እተሓትመ ሰነድ ክትህቦ ከሎኻ ካብቲ ኣብ ናይ ኤለክትሮኒክ መሳርሒ ገይርካ እትህቦ ንላዕሊ ዝያዳ ኣቓልቦ ይገብረሉ: ቅልጡፍ መልሲ ኸኣ ትረክብ።
ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ብዙሓት ሰባት እቲ ኣብ ኮምፒዩተር ዘሎ ሓበሬታ ከይጠፍእ እውን ይፈርሁ ኢዮም። እዚ ኸኣ ምኽንያታዊ ፍርሂ ኢዩ። ዋላ እኳ ኣዝዩ እተራቐቐ ሓበሬታ እትዕቅበሉ ኣገባብ እንተሎ: ሰዓታት ዝወሰደ ክቡር ስራሕ ብናይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምቍራጽ: ናይ ዲስኬት ምብልሻው: ወይ ጌጋ መልጎም ብምጽቃጥ ጥራይ ክጠፍእ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኸኣ መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ወረቐት ምሕታሙ ዝያዳ ውሕስነት ከም ዘለዎ ይዛረቡ። እቲ ዘገርም ድማ ገለ ተመራመርቲ እቲ ብኤለክትሮኒካዊ ኣገባብ ዝቕመጥ ሓበሬታ ምስቲ ካብ 200 ክሳዕ 300 ዓመታት ክጸንሕ ዝኽእል ኣብ ወረቐት እተሓትመ ሓበሬታ ክወዳደር ከሎ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ሓሳብ ይህቡ። ሓቂ ኢዩ: ኤለክትሮኒካዊ ሓበሬታ ቀስ ኢሉ ኢዩ ዝባላሾ። ቴክኖሎጂ ግን ቀልጢፉ ኢዩ ዝዓቢ ዘሎ። እቲ ናይ ቀደም ሃርድዌር ከምኡውን ሶፍትዌር ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክኸውን ከሎ: እቲ ኣብ ዝኣረጋ ኮምፒዩተራት ዝነበረ ሓበሬታ በተን ሓደስቲ ገይርካ ከተንብቦ ኣጸጋሚ ኢዩ።
እቲ ወረቐት ኣልቦ ቤት ጽሕፈት ከም ዝህሉ ምግባር ዝብል ሕልሚ ብተግባር ክርአ ድዩ ኣይርአን ግዜ ዝምልሶ ኢዩ። ንግዜኡ ግን ወረቐት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ ዝብል ጸብጻብ ኣዝዩ እተጋነነ ምዃኑ ንጹር ኢዩ።
ንዅሉ ኣግራብ ከነብርሶ ዲና፧
ካብ ሓንቲ ገረብ ክንደይ ዝኣክል ቈጽሊ ወረቐት ኢዩ ክስራሕ ዝኽእል፧ ዋላ እኳ ግዝፍን ዓይነትን ናይቲ ገረብ ከምኡውን ዓይነትን ክብደትን ናይቲ ወረቐት ዝኣመሰለ ብዙሕ ረቛሒታት ኣብ ግምት ዝኣቱ እንተዀነ: ካብ ሓንቲ ገረብ ንመጽሓፊ ወይ መሕተሚ ዝኸውን 12,000 ቈጽሊ ወረቐት ክስራሕ ከም ዝኽእል ይግመት። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ እውን ሕጂ ብዙሕ ወረቐት ይሃልኽ ብምህላዉ እቲ ዱር ዝነበረ ምድረ-በዳ ከይከውን ዝብል ስግኣት ኣሎ። እሞ ናብ ሓደ ኤኮሎጂካዊ ቅልውላው ገጽና ዲና ንኸይድ ዘሎና፧
ኣፍረይቲ ወረቐት ከምዚ ዝኣመሰለ ስግኣት ክህሉ ከም ዘይብሉ ይዛረቡ። ዝበዝሐ ወረቐት—ኣብ ገሊኡ ሃገራት ዳርጋ 50 ሚእታዊት—ካብ ርሺ: ካብቲ እንተ ተጓሒፉ ከባቢ ከባላሹ ዝኽእል ናይ ኢንዱስትሪ ሉሕ ኢዩ ዝስራሕ ዝብል መርትዖ ይህቡ። ርሺ ኣብ መሬት ይምሽምሽ ጥራይ ዘይኰነስ ንምድርና ከውዒ ዝኽእል ሚተይን እተባህለ ጋዝ እውን የውጽእ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ምፍራይ ወረቐት ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ከምጽእ ዝኽእል ርሺ ኣብ ጥቕሚ የውዕሎ ማለት ኢዩ። ይኹን እምበር: ብዛዕባ ኣከባቢ ዝግደሱን ተጠቀምትን ጕጅለታት ግን ብብከላን ዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ኣግራብን ንኢንዱስትሪታት ወረቐት ይኸስወን ኢዮም። እቲ ኣብ ፋብሪካ ወረቐት ዝጥቀምሉ ነዳዲ ንምድርና ከውዒ ዝኽእል ጋዛት ዘውጽእ ምዃኑ ይዛረቡ! ኣብ ርእሲ እዚ እቲ እተጓሕፈ ወረቓቕቲ ኣብ መሬት ምስ መሽመሸ ንምድሪ ከውዒ ዝኽእል ተወሳኺ ጋዝ ይፈጥር ምዃኑ እውን ይዛረቡ።
ይኹን እምበር: እቲ ብትካል ዎርልድ ቢዝነስ ካውንስል ፎር ሳስተይናብል ዴቨሎፕመንት እተገብረ መጽናዕቲ ነቲ ናይ ምድርና ሃብቲ ከይጋሕጓሕካ እቲ ዘድሊ ብዝሒ ወረቐት ከተፍሪ ከም ዝከኣል ኢዩ ዝድምድም። ቀዳማይ ነገር ኣግራብ ክትክኡ ይኽእሉ ኢዮም: እተጓሕፈ ወረቐት ከኣ እንደገና ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ኸሎ እውን እቲ መጽናዕቲ ከምዚ ብምባል የጕልሕ:- “ወረቐት ኣብ ምፍራይ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ—ኣመሓዳድራ ኣግራብ: ምህርቲ ወረቐት: ኣጠቓቕማ ወረቐት: ንእተጓሕፈ እንደገና ምጥቃም: ምሕዳስ ጸዓት: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ምጕሓፍ—ተወሳኺ ለውጥታት ምግባር ከድልዮ ኢዩ።” ናይ ወረቐት ፋብሪካታት ብኣከባብያዊ ዓይኒ ክርአ ኸሎ ጥዑይ ብቝጠባ ኸኣ ምኽንያታዊ ዝዀነ ምህርቲ ንምድላው ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ከም ኣማራጺ ካብ ናይ ስርናይ ብርዒ: ካብቲ ቀልጢፉ ዝበቍል ኣግራብ: ዕፉን: ከምኡውን ፈትሊ ዝስርሖ ተኽሊ ዝኣመሰለ ነገራት ወረቐት ክሰርሓ ይጽዕራ ኢየን ዘለዋ። እዚ ክሳዕ ክንደይ ተግባራውን ኣስላጥን ክኸውን ኢዩ ኣብ መጻኢ ዝርአ ነገር ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ነቲ መወከሲታትን ናይ ስእሊ መምርሒታትን ሓዊስካ ማለት ኢዩ።
b ነቲ “ዘ ኢንተርነት—ኢዝ ኢት ፎር ዩ፧” ዝብል ኣብ ናይ 22 ሓምለ 1997 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዘሎ ዓንቀጻት ርአ።
ኣብ ቤት ጽሕፈት ሃልኪ ወረቐት ብኸመይ ከም እተጕድል
✔ ብእተኻእለ መጠን ውሑድ ወረቐት ሕተም። ቅድሚ ምሕታምካ ኣብቲ ኮምፒዩተር ከሎ ዘድሊ ምትዕርራይ ግበረሉ። እትሓትሞን ንመፈተንታ እተውጽኦን ኣጕድሎ።
✔ እቲ ሰነድ ብዙሕ ገጻት ምስ ዝህልዎ ክንበብ ዝኽእል ንእስ ዝበለ ዓቐን ፊደላት ተጠቐም።
✔ እታ እትጥቀመላ ሓታሚት ክትጅምር ከላ ወይ ሰነድ ክትሓትም ከላ መፈተንታ ኢላ ትሓትም እንተድኣ ኰይና ከምኡ ከም ዘይትገብር ግበራ።
✔ እተጓሕፈ ወረቐት ዝከኣል እንተድኣ ኰይኑ እንደገና ተጠቐመሉ።
✔ ብሓደ ገጹ ጥራይ እተጻሕፎ ወረቐት ቅድሚ ምጕሓፍካ: ካልእ ግዜ ክትጥቀመሉ ኣቐምጦ: መፈተኒ ወይ ንእሽቶ ጽሕፍቲ ንምሕታም ከኣ ተጠቐመሉ።
✔ ዝከኣል እንተድኣ ኰይኑ ብኽልተ ገጽ ሕተም ወይ ፎቶ ኮፒ ግበር።
✔ እቲ ሰነድ ነቶም ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ዘለዉ ካልኦት እውን ዝምልከት እንተድኣ ኰይኑ ኣብ ክንዲ ንነፍሲ ወከፎም ቅዳሕ እተዳልወሎም ነታ ሓንቲ ቅዳሕ ከም እትዘውር ግበር።
✔ ኣብ ወረቐት ካብ ምሕታም ምእንቲ ክትድሕን ካብ ኮምፒዩተርካ ብቐጥታ ፋክስ ግበር። ኣብ ወረቐት ገይርካ ፋክስ ክትገብሮ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ገበር ብዘይ ምልኣኽ ወረቐት ቈጥብ።
✔ ዘየድሊ ናይ ኢ-መይል መልእኽትታት ካብ ምሕታም ተቘጠብ።
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]
ገሊኦም እታ ወረቐት ኣልቦ ቤት ጽሕፈት ከም ዝህሉ ክትገብር ትጽቢት እተገብረላ መሳርሒት ባዕላ ብብዝሒ ወረቐት ከም እንዕበጥ ኢያ ገይራትና ይብሉ
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ሓድሓደ እዋን ካብ ኣብ ኮምፒዩተር ከሎ ከተንብቦ ኣብ ወረቐት ሓቲምካ ከተንብቦ ይቐልል