መንእሰያት ዝሓትዎ . . .
መንፈስ ጭንቀት ከም ዘሎኒ ንኻልእ ሰብዶ ኽነግር ይግብኣኒ ኢዩ፧
“መንፈስ ጭንቀት ክስምዓኒ ኸሎ ሰባት ከም ዘትዕብ ቈልዓ ገይሮም ንኸይርእዩኒ ኣብ መጀመርታ ኽዛረበሉ ኣይደልን ኢየ። ድሕሪኡ ግን ገለ ሓገዝ እንተ ረኸብኩ ንሓደ ሰብ ክነግር ከም ዘድልየኒ እግንዘብ።”—ወዲ 13 ዓመት ኣለኻንድሮ
“መንፈስ ጭንቀት ክስምዓኒ ኸሎ ክሕግዙኒ ዝኽእሉ ዀይኑ ስለ ዘይስምዓኒ ነዕሩኽተይ ኣይጽግዖምን ኢየ። መሳሓቒኦም ጥራይ ኢዮም ዝገብሩኒ።”—ወዲ 13 ዓመት ኣርቱሮ
ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝቓዝነሉ ግዝያት ኣለዎ።a ይኹን እምበር: መንእሰይ ብምዃንካ ብተዛማዲ ክርአ ኸሎውን ተመክሮ ስለ ዘይብልካ እቲ ኣብ ህይወት ዘጋጥመካ ጸቕጥታት ዝዓብለለካ ዀይኑ ንኽስምዓካ ቀሊል ኢዩ። እቲ ወለዲ: ኣዕሩኽ: ከምኡውን መማህራን ካባኻ ዝጽበይዎ ነገራት፣ እቲ ኣብ እዋን ጕብዝና ዘሎ ኣካላውን ስምዒታውን ለውጥታት፣ ወይ ከኣ ብሰንኪ እቲ ዘጋጥም ናእሽቱ ጕድለታት ዝስምዓካ ናይ ፍሽለት ስምዒት ከም እትቓዝንን እትጕህን ዝገብር ኢዩ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ከጋጥም ከሎ ሓደ ምስጢርካ እተካፍሎ ሰብ ምህላዉ ሰናይ ኢዩ። ጓል 17 ዓመት ብያትሪስ “ሽግረይ ንኻልእ ሰብ እንተ ዘየካፍል ነይረ: ምተተኰስኩ” ብምባል ትገልጽ። እቲ ዘሕዝን ግን ብዙሓት መንእሰያት ንሽግሮም ኣብ ውሽጦም ሒዞምዎ ስቕ ይብሉ እሞ ናብ ዝገደደ ተስፋ ምቝራጽ ይጥሕሉ። እቶም ኣብ ደረጃ ርእሰ-ቕትለት ዝበጽሑ መንእሰያት መብዛሕትኡ ግዜ ካብ መጠን ንላዕሊ ብሕቱዋት ምዃኖም ማርያ ደ ኼሱስ ማርዶሚንጎ እተባህለት ፕሮፈሰር ናይ ማድሪድ ፋካልቲ ሕክምና ትገልጽ። ብዙሓት ርእሰ-ቕትለት ዝፈተኑ መንእሰያት ገሊጾምዎ ኸም ዘለዉ ከዘራርብዎን ምስጢሮም ከካፍልዎን ዝኽእሉ ሰብ ክረኽቡ ኣይከኣሉን።
ንስኻኸ ከመይ ኢኻ፧ ዘቓዝን ኵነታት ከጋጥመካ ኸሎ ከተዛርቦ እትኽእል ሰብ ኣሎካዶ፧ ዘይብልካ እንተድኣ ዄንካ ናብ መን ኢኻ ኽትጽጋዕ እትኽእል፧
ምስ ወለድኻ ተዘራረብ
እቲ ኣብ መእተዊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣለኻንድሮ መንፈስ ጭንቀት ክስምዖ ኸሎ እንታይ ከም ዝገብር ንምግላጽ ከምዚ ዝስዕብ ይብል:- “ካብቲ እተወለድኩሉ እዋን ጀሚራ ደጋፊተይ ስለ ዝዀነትን ኣብኣ እምንቶ ስለ ዘሎኒን ናብ ኣደይ ኢየ ዝኸይድ። ከምዚ ናተይ ዝበለ ተመክሮ ስለ ዘሕለፈ ናብ ኣቦይ እውን እጽጋዕ ኢየ። ሕማቕ ስምዒት እናተሰመዓኒ ኸሎ ብዛዕብኡ ንኻልእ ሰብ እንተድኣ ዘይነጊረ መሊሱ ኢዩ ዝገደኒ።” ሮዶልፎ እተባህለ ወዲ 11 ዓመት ብዛዕባ እቲ ትዝ ዝብሎ ነገራት ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይገልጽ:- “ሓድሓደ ግዜ መምህርና የናሽወንን ይጸርፈንን ብምንባሩ ኣዝየ እጕሂ ነበርኩ። ሽቓቕ ኣትየ ኸኣ እበኪ ነበርኩ። ድሕርዚ ነደይ እነግራ: ንሳ ኸኣ ግድላተይ ንኸሰንፍ ትሕግዘኒ ነበረት። ምስኣ እንተ ዘይዛራረበሉ ነይረ: ዝገደደ ጓሂ ምተሰማዓኒ ነይሩ።”
ምስ ወለድኻ ልቢ ንልቢ ተዋሃሂብካ ክትዛረብ ዝደለኻሉ ግዜ ኣሎዶ፧ ምናልባት ንግድላትካ ክርድእዎ ዘይክእሉ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ግን ብሓቂ ኣይርድኦምን ድዩ፧ ንዅሉ እቲ መንእሰያት ኣብዛ ሕጂ ዘላ ዓለም ዝወርዶም ዘሎ ጸቕጥታት ምሉእ ብምሉእ ኣይርድእዎን ይዀኑ፣ ይኹን እምበር: ካብ ዝዀነ ይኹን ኣብዛ ዓለም ዘሎ ሰብ ንላዕሊ ብዝበለጸ ክፈልጡኻ ዝኽእሉ ንሳቶምዶ ኸይኰኑ፧ ኣለኻንድሮ “ወለደይ ንኽድንግጹለይ ይኹን ስምዒታተይ ንኽርዱእለይ ከቢድ ዝዀነሉ ግዝያት ኣሎ” ብምባል ይገልጽ። እንተዀነ ግን “ጸግዒ ክዀኑኒ ዝኽእሉ ንሳቶም ምዃኖም እፈልጥ ኢየ” ብምባል ይእመን። መብዛሕትኡ ግዜ መንእሰያት ወለዶም ንግድላቶም ክሳዕ ክንደይ ኣጸቢቖም ከም ዝርድእዎ ክግንዘቡ ኸለዉ ግርም ኢዩ ዝብሎም! ካብኦም ዝዓብዩ ብምዃኖምን ዝያዳኦም ተመክሮ ስለ ዘለዎምን መብዛሕትኡ ግዜ ሓጋዚ ምኽሪ ኢዮም ዝህቡ—ብፍላይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል ተመክሮ ዘለዎም እንተድኣ ዀይኖም እሞ ሓለፍ ዝበለ ኢዩ ዝኸውን።
እታ ኣቐድም ኣቢላ እተጠቕሰት ቢያትሪስ “ንሽግረይ ምስ ወለደይ ክዘራረበሉ ኸለኹ: ምትብባዕን ተግባራዊ መፍትሕን ኢየ ዝረክብ” ትብል። በዚ ብቑዕ ምኽንያት እዚ ኢዩ እምበኣር መጽሓፍ ቅዱስ ንመንእሰያት “ወደየ: ንትእዛዝ ኣቦኻ ሐልዎ: ንሕጊ ወላዲትካ ኸኣ ኣይትሕደጎ። ነቲ ዝወለደካ ኣቦኻ ስምዓዮ: ኣዴኻ ምስ አረገት ከኣ ኣይትንዐቃ” ዝብል ምኽሪ ዝህቦም።—ምሳሌ 6:20፣ 23:22
ርግጽ ኢዩ ምስ ወለድኻ ድኹም ርክብ እንተድኣ ኣልዩካ ምስጢርካ ከተካፍሎም ከቢድ ኢዩ። ዶ⁄ር ካታሊና ጎንዛለስ ፎርተዛ ገሊጻቶ ኸም ዘላ: ብመሰረት ሓደ ኣብ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ እተኻየደ መጽናዕቲ: እቶም ገዛእ ርእሶም ክቐትሉ ከም ዝፈተኑ ዝገለጹ እቶም ዘይረብሑ ዀይኑ ዝስምዖም: ምስ ወለዶም ከኣ ጽቡቕ ርክብ ዘይነበሮም መንእሰያት ኢዮም። ኣንጻር እዚ ድማ እቶም ንገዛእ ርእስኻ ዝሃሲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ዘወግዱ መንእሰያት ብሓፈሻ “እቶም ምስ ኣዴኦምን ኣቦኦምን ጽቡቕ ርክብ ዝነበሮም” ኢዮም።
ስለዚ እምበኣር ምስ ወለድኻ ጽቡቕ ርክብ ንምጥራይ ብጥበብ ጽዓር። ምስኦም ናይ ምዝርራብ ስርዓታዊ ልምዲ ይሃልኻ። ኣብ ህይወትካ እንታይ የጋጥመካ ኸም ዘሎ ንገሮም። ሕቶታት ሕተቶም። ምስ ወለድኻ እሂን ምሂን እንተድኣ ተበሃሂልካ ኣብቲ ኸቢድ ግድል ዘጋጥመሉ እዋን ንኽትቀርቦም ቀሊል ክገብረልካ ይኽእል ኢዩ።
ምስ ዓርክኻ ምዝራብ
ሽግርካ ንመዛኑኻ ምክፋልዶ ኸይኰነ ዝቐለካ፧ ርግጽ ኢዩ እትኣምኖም ኣዕሩኽ ክህልዉኻ ሰናይ ኢዩ። ምሳሌ 18:24 “ካብ ሓው ኣብሊጹ ጥብቂ ዝዀነ ፈታዊ አሎ” ብምባል ትገልጽ። መዛኑኻ ክድንግጹልካን ክድግፉኻን ዝኽእሉ እኳ እንተዀኑ: ወትሩ እቲ ዝበለጸ ምኽሪ ከይልግሱልካ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ኣብ ህይወት ዝያዳኻ ተመክሮ የብሎምን። ንሮብዓም ትዝክሮዶ፧ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ንጉስ ኢዩ። ነቲ ኻብ ተመክሮ ዘለዎምን ብሱላትን ሰባት እተዋህቦ ምኽሪ ኣብ ክንዲ ዝቕበል ንመዛንኡ ኢዩ ሰሚዑ። ውጽኢቱኸ ኸመይ ኰነ፧ ኣየውዕልካ! ሮብዓም ደገፍ ህዝቡን ስምረት ኣምላኽን ሰኣነ።—1 ነገስት 12:8-19
ንመዛኑኻ ናይ ውሽጥኻ ብዛዕባ ምክፋል ዝመጸ ክለዓል ዝኽእል ካልእ ጸገም ከኣ ንምስጢር ምዕቃብ ዝምልከት ኢዩ። እቲ ኣብ መእተዊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣርቱሮ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ትዕዝብቱ ይገልጽ:- “መብዛሕትኦም ዝፈልጦም ኣወዳት ዘጕሂ ነገር ከጋጥሞም ከሎ ነዕሩኽቶም ኢዮም ዝነግርዎም። ጸኒሖም ግን ኣዕሩኽቶም ከይዶም ንኻልኦት ብምንጋር መስሓቕ ሰብ ይገብርዎም።” ጓል 13 ዓመት ጋብሪኤላ ተመሳሳሊ ዅነታት ኣጓኒፍዋ ኢዩ። ከምዚ ዝስዕብ ድማ ትብል:- “ሓደ መዓልቲ ሓንቲ መሓዛይ ንመሓዛኣ ብሕታዊ ጕዳያተይ ከም ዝነገረታ ፈለጥኩ እሞ ድሕሪኡ ግን ምስጢረይ ነጊረያ ኣይፈልጥን ኢየ። እወ: ንመሳቶይ እዛረበን እኳ እንተ ዀንኩ: ንኻልኦት እንተድኣ ነጊረን ንዓይ ኣዝዩ ክሃስየኒ ዝኽእል ነገራት ግን ብእተኻእለኒ መጠን ንኸይነግረን ኢየ ዝህቅን።” ስለዚ ሓገዝ ክትረክብ ትደሊ እንተድኣ ዄንካ: ‘ምስጢር ካልእ ዘይቀልዕ’ ሰብ ክትረክብ ኣድላዪ ኢዩ። (ምሳሌ 25:9) ከምዚ ዝበለ ሰብ ከኣ ካብቶም ዝዓብዩኻ ሰባት ኢኻ ክትረኽቦ እትኽእል።
ስለዚ ብገለ ምኽንያት እቲ እትደልዮ ሓገዝ ካብ ስድራቤት ክትረክብ እንተድኣ ዘይክኢልካ: ናይ ውሽጥኻ እተካፍሎ ዓርኪ ኽትረክብ ሰናይ እኳ እንተዀነ: እቲ መኻሪኻ ኣብ ህይወት ዘለዎ ተመክሮን ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝምልከት ፍልጠቱን ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ኣስተብህል። ኣብታ ኣብ ከባቢኻ እትርከብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ውልቀ-ሰባት ከም ዘለዉ ምንም ዘጠራጥር ኣይኰነን። ጓል 16 ዓመት ሊሊኣና ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ትገልጽ:- “ንገለ ካብ ክርስትያናት ኣሓተይ ምስጢረይ ኣካፈልክወን እሞ: እቲ ምስአን ዝገበርክዎ ምይይጥ ብሓቂ ነፍሲ ዝመልስ ኰይኑ ኢየ ረኺበዮ። ካባይ ዝዓብያ ብምዃነን እቲ ዝህባኒ ምኽሪ ጠቓሚ ኢዩ። መሓዙተይ ከኣ ዀና።”
መንፈሳውነትካ ክዳኸም እንተድኣ ጀሚሩኸ ከመይ ይኹን፧ እተሰማዓካ ናይ ጓሂ ስምዒት ምናልባት ጸሎትን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ክሳዕ ምቝራጽ ኣብጺሑካ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ያእቆብ 5:14, 15 ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ምኽሪ ሂቡ ኣሎ:- “ኣብ ማእከልኩምከ ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ: ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር: ዘይቲ እናለኸይዎ: ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ: ጐይታውን ከተንስኦ እዩ።” ተስፋ ንዝቘረጹ ወይ ድማ ብመንፈስ ንእተኸስኡ ሰባት ኣብ ምሕጋዝ ተመክሮ ዘለዎም ዝሸምገሉ ሰብኡት ዘለዋ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ከባቢኻ ትረክብ ኢኻ። ንኸተዛራርቦም ስክፍታ ኣይሰማዕካ። እዞም ሰብኡት እዚኣቶም “ካብ ንፋስ ከም ከውሊ: ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ” ክዀኑ ከም ዝኽእሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ኢዩ።—ኢሳይያስ 32:2
‘ልማኖኻ ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ’
ዝበለጸ ምንጪ ናይ ሓገዝ ‘ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ’ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 1:3) ጓሂ ወይ ከኣ መንፈስ ጭንቀት ክስምዓካ ኸሎ ነቲ ኣብ ፊልጲ 4:6, 7 ብኸምዚ ዝስዕብ መገዲ ተዋሂቡ ዘሎ ምኽሪ ስዓቦ:- “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።” የሆዋ ንኽሰምዓካ ወርትግ ፍቓደኛ ኢዩ። (መዝሙር 46:1፣ 77:1) ሓድሓደ ግዜ ጸሎት ምጽላይካ ጥራይ ናይ ኣእምሮ እፎይታ የምጽእ ኢዩ።
ሓድሓደ እዋን ናይ ጓሂ ስምዒት ወይ ድማ መንፈስ ጭንቀት እንተድኣ ዝስምዓካ ዀይኑ: ብዙሓት ካልኦት መንእሰያትውን ተመሳሳሊ ስምዒት ከም ዘሕለፉ ከቶ ኣይትረስዕ። ገለ ግዜ ምስ ሓለፈ እቲ ስምዒታት እቲ መብዛሕትኡ እዋን ይጠፍእ ኢዩ። ክሳዕ ዝጠፍእ ግን ንበይንኻ ኣይትሳቐ። ስምዒታዊ ማህሰይቲ የጥቅዓካ ኸም ዘሎ ንኻልእ ሰብ ንገር። ምሳሌ 12:25 “እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝሐደረ ጓሂ ንእኡ ይጸቕጦ: ሰናይ ቃል ግና ባህ የብሎ” ትብል። ዘተባብዕ “ሰናይ ቃል” ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል፧ ንኻልእ ሰብ ብምንጋር: እወ ንሓደ ተመክሮ: ፍልጠት: ከምኡውን ኣምላኻዊ ጥበብ ዘለዎ ሰብ ከጸናንዓካን ክሕግዘካን ከም እትደሊ ብምንጋር ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ዘየቋርጽ ናይ ጓሂ ስምዒት እንተድኣ ሓዲሩካ ምልክት ናይ ከቢድ ስምዒታውን ኣካላውን ሕማም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ቅልጡፍ ሕክምናዊ ሓገዝ ምንዳይ እቲ ዝበለጸ ኢዩ። ብጸይቲ ናይዛ መጽሔት እዚኣ ዝዀነት ግምቢ ዘብዐኛ እትበሃል መጽሔት ኣብ ናይ 1 መጋቢት 1990 ሕታም ዘሎ “ኣንጻር መንፈስ ጭንቀት ኣብ ዝግበር ቃልሲ ምዕዋት” ዝብል ዓንቀጽ (እንግሊዝኛ) ተመልከት።
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
“ንሽግረይ ምስ ወለደይ ክዘራረበሉ ኸለኹ: ምትብባዕን ተግባራዊ መፍትሕን ኢየ ዝረክብ”
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
ዝበዝሕ እዋን ዝበለጸ ምኽሪ ክህቡኻ ዝኽእሉ መዛኑኻ ዘይኰኑስ እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለድኻ ኢዮም