ዘደንጹ ድሕነት
ብወኪል ንቕሑ! ካብ በኒን
“እቶም ሰለስተ ሰባት ካብ ሞት ክድሕኑ ዝኸኣሉ ሳላ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም!” እዚ ወረ እዚ ኣብ ኵላ ኸተማ ካላቪ: ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካ ኣብ እትርከብ ሃገር በኒን: ረቡዕ 19 ሚያዝያ 2000 ብሓንሳእ ተዘርግሐ። እዞም ሰለስተ ሰባት እዚኣቶም እንታዎት ኢዮም: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘድሓንዎምከ ብኸመይ ኢዮም፧
ሰዓት 6:30 ቅ.ቐ. ኣቢሉ ፊሊፕ ኤሌግቤን ሮዤ ኩንግበን ኣብ ጥቓ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት በኒን ኣብ ዝርከብ ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሽ ክሰርሑ ይዳለዉ ነበሩ። ንምሸቱ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ዓመታዊ ዝኽሪ ሞት የሱስ ክርስቶስ ከብዕሉ ክእከቡ ነበሮም።a ኣብቲ ጸጥታ ሰፊንዎ ዝነበረ ጊሓት ሃንደበት ብርቱዕ ድምጺ ተሰምዐ። ፊሊፕን ሮዤን ኣብቲ ጽርግያ ገለ ሓደ ሓደጋ ከም ዘጋጠመ ብኡንብኡ ተገንዘቡ።
ድሕሪ ሒደት ካልኢታት ሓደ ሰብኣይ “ሰለስተ ብጾተይ ኣብ ትሕቲ እቲ ስሚንቶ ዝሓዘ ከረጺታት ተቐቢሮም ኣለዉ!” ኢሉ ክጭድር ከሎ ሰምዕዎ። ፊሊፕን ሮዤን እናጐየዩ ናብቲ ጽርግያ ኸዱ። ኣብኡ ድማ 200 ዅንታል ዝኽብደታ ናይ ጽዕነት ማኪና ተገልቢጣ ረኣዩ። ስሚንቶ ዝሓዘ ኣዝዩ ብዙሕ ከረጺታት ከኣ ካብታ ማኪና ወዲቑ ተዀሚሩ ነበረ።
ጆዡዋ ዲዶላንቪ ዝበሃል ኣብቲ ናይ ኣሰምብሊ ቦታ ክዓዪ ዝመጸ ሰራሕተኛውን ድሮ ኣብቲ ሓደጋ እተፈጸመሉ ቦታ ስለ ዝነበረ ንሓደ ኣብ መንጎ ጋቢናን እቲ ኸረጺታትን ተቐርቂሩ ዝነበረ ሰብኣይ ስሒቡ የውጽኦ ነበረ። እቲ ካብ ጋቢና ባዕሉ ብበጠበጥ ዝወጸ መራሕ ማኪና እውን ልቡን ቀልቡን ጠፊእዎ ነበረ። ይኹን እምበር ብሓቦ “ኣብ ትሕቲ እቲ ኸረጺታት ስሚንቶ ገና ኽልተ ሰባት ኣለዉ!” ኢሉ ጨደረ። ገለ ሓለፍቲ መገዲ ነቲ ከረጺታት ክኣልይዎ ጀመሩ። ይኹን እምበር: ብምኽንያት እቲ ብርቱዕ ዋዒ ቀልጢፎም ኣቋረጽዎ። እቲ ስሚንቶ ካብቲ እተሰርሓሉ ፋብሪካ ብኡንብኡ ብውዕዩ ኸሎ ኢዩ ተጻዒኑ።
ድሕነት እተረኽበሉ መገዲ
ፊሊፕን ሮዤን ጆዡዋን ነቲ ተዀሚሩ ዝነበረ ኸረጺታት በብሓንቲ እናልገሱ ክፍሕሩ ጀመሩ። ሓንቲ ኸረጺት 50 ኪሎ ግራም ክብደት ስለ ዝነበራ: ሙቐቱ ኸኣ ብርቱዕ ብምንባሩ ኣእዳዎም ተመልጠ። እቲ ዝገደደ ድማ እቲ ስሚንቶ ይፈስስ ስለ ዝነበረ ኣጻብዕቶም ማይ ይምዕጕ: እቲ በዀዅትኡ ድማ ናይ ምስትንፋስ ጸገም ይፈጥረሎም ነበረ። ጆዡዋ ጸኒሑ ከምዚ በለ:- “ኣእዳወይ ብፍላይ ከኣ ኣጻብዕተይ ሓውሓው ኣበለኒ። ይኹን እምበር ነቲ ኣብ ታሕቲ ተቐቢሩ ዘሎ ሰብ ህይወቱ ናይ ምድሓን ኣጋጣሚ ክህሉ ይኽእል ኢዩ ኢለ እሓስብ ነበርኩ።”
ኣርባዓ ዝኸውን ከረጺታት ድሕሪ ምልጋሶም እዞም ሰለስተ ሰባት እዚኣቶም: ተንኮበት ረኣዩ። ኣብ ትሕቲ እቲ ተንኮበት ክልተ ሰባት ምስ ረኣዩ ድማ ኣዝዩ ገረሞም። ብህይወቶም ኢዮም ነይሮም! እቲ ሓደጋ ኸጋጥም ከሎ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ድሕሪ እታ ማኪና ኣብ ልዕሊ እቲ ነቲ ጽዕነት ስሚንቶ ሸፊንዎ ዝነበረ ተንኮበት ደቂሶም ነበሩ። ካብታ ማኪና ክጸድፉ ኸለዉ እቲ ተንኮበት ኣብ ልዕሊኦም ስለ እተገልበጠ ካብቲ ቀቢርዎም ዝነበረ ዝምሽሉቕ ስሚንቶ ተኸላኸለሎም።
ኣብ እዋን እቲ ንምድሓን ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ ዀነ ብድሕሪኡ: ብዙሓት ሰባት ተኣከቡ። ፊሊፕ: ሮዤ: ጀዡዋ ነቲ ስሚንቶ ዝሓዘ ዅምራ ከረጺታት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ዅነታት ቀልጢፎም ከልግስዎ ምኽኣሎም ኵሎም ደንጽይዎም ነበረ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ንዘይፈልጥዎም እውን ከይተረፈ ክንድዚ ዝኣክል ሓገዝ ምግባሮም ገረሞም። ኵሎም ነበርቲ ካላቪ ነቲ እዞም ሰባት እዚኣቶም ዝፈጸምዎ ሃበርም ዘብል ግብሪ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ሰምዕዎ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ የሱስ ዝሃቦም ትእዛዝ ብምኽባር: ነዚ ቅዱስ ዝኽሪ እዚ ዓመት ዓመት ኢዮም ዘኽብርዎ።—ሉቃስ 22:19
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ምስ ኣድሓንዎም: ሮዤ ነቲ ተንኮበት ሒዝዎ ኸሎ