ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g01 8/7 ገጽ 3-5
  • መፍትሒ ንምርካብ ዝግበር ቀጻሊ ጻዕሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መፍትሒ ንምርካብ ዝግበር ቀጻሊ ጻዕሪ
  • ንቕሑ!—2001
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ዘጕሂ ዋዛ” ጥራይ ድዩ ነይሩ፧
  • ካብ መበል 29 ደርቢ እተዋህበ ርእይቶ
    ንቕሑ!—2000
  • ቈልዑ ተደለይቲ ምዃኖም ክግንዘቡን ክፍቀሩን መሰል ኣለዎም
    ንቕሑ!—2001
  • ሓደ “ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ዕዮ ተዛዘመ”
    ንቕሑ!—2000
  • ሎሚ ዘሎ ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕን
    ንቕሑ!—2000
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2001
g01 8/7 ገጽ 3-5

መፍትሒ ንምርካብ ዝግበር ቀጻሊ ጻዕሪ

ካብ መጀመርታኡ ኣትሒዙ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ቘልዑን ዘጋጥሞም ሽግራትን ክግደስ ጸኒሑ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ናይ 1946 ነቶም ብውግእ ኣብ ዝዓነወ ቦታታት ዝነብሩ ቈልዑ ንግዜኡ ንምእላይ ዝሕግዝ ዩናይትድ ነሽንስ ኢንተርናሽናል ቺልድረንስ ኢመርጀንሲ ፋንድ (ዩኒሴፍ) ዝብል ግዝያዊ ትካል ኣቘመ።

እዚ ንእዋን ሓደጋ ገንዘብ ንምእካብ ተባሂሉ ዝቘመ ትካል ብ1953 ቀዋሚ ዀነ። ሕጂ ወግዓዊ ስሙ ናብ “ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሕጻናት” ዝብል እንተ ተቐየረ እኳ በቲ ዩኒሴፍ ዝብል ናይ መጀመርታ ምሕጻረ⁠-​ቓል ኢዩ ዝጽዋዕ ዘሎ። ስለዚ ኸኣ ዩኒሴፍ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዝኸውን: ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ቈልዑ መግቢ: ክዳን: ከምኡውን ሕክምናዊ ክንክን ክገብረሎም ጸኒሑ ኢዩ: ብሓፈሻ ንድሌታት ቈልዑ ንምምላእ ድማ ይጽዕር ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራት ብ1959 “ኣዋጅ መሰላት ቈልዓ” ምስ ኣጽደቐ ንቘልዑ ዝያዳ ኣቓልቦ ተገብረሎም። (ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን ርአ።) እዚ ሰነድ እዚ ንሰባት ብዛዕባ እቲ ንቘልዑ ዘጋጥሞም ዘሎ ግድላት ከም ዝግደሱ ከምኡውን ህዝባዊ: ገንዘባውን ካልእን ደገፍ ብምግባር ንሽግራቶም ንኽፈትሑ ከተባብዖም ተስፋ ተገብረሉ።

እንተዀነ ግን: “ዕስራ ዓመታት ጸኒሑ” ከም ኣበሃህላ ናይ ኮልየር 1980 ዪር ቡክ (እንግሊዝኛ) “እዚ ‘መሰላት’ እዚ ብፍላይ ብዛዕባ እተመጣጠነ መግቢ: ጥዕና: ከምኡውን ስጋዊ ድሕንነት ዝገልጽ መሰላት ገና ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ 1.5 ቢልዮን ሕጻናት ዘይረኸብዎ ነገር ኢዩ።” ስለዚ ኸኣ ሕቡራት ሃገራት እዚ ንቘልዑ ዘጋጥሞም ዘሎ ሽግራት ብቐጻሊ ኽፍታሕ ኣዝዩ ኣድላዪ ምዃኑ ብምግንዛብ ምስቲ ቕድሚ ሕጂ እተኣወጀ ሸቶታት ብምስምማዕ 1979 “ኣህጉራዊ ዓመት ቈልዓ” ተባሂላ ተሰየመት። ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ መንግስታት: ዜጋታት: ሃይማኖታውያንን ናይ ግብረ⁠-​ሰናይን ጕጅለታት መፍትሒ ንምንዳይ ብዘይወዓል ሕደር ንጥፈታቶም ጀመሩ።

“ዘጕሂ ዋዛ” ጥራይ ድዩ ነይሩ፧

እቲ ዘሕዝን ግን: ብመሰረት እቲ ዩኒሴፍ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዘለዉ ቘልዑ ኣብታ “ኣህጉራዊ ዓመት ቈልዓ” ተባሂላ እተጸውዐት እውን ኣይጠዓሞምን። ኣብ መወዳእታ ናይታ ዓመት እቲኣ ዳርጋ 200 ሚልዮን ዝዀኑ ካብኦም ግቡእ እተመጣጠነ መግቢ ኣይረኽቡን ነበሩ: ካብቶም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ከለዉ ዝሞቱ 15 ሚልዮን ዝዀኑ ፍርቆም ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ዝሞቱ ኢዮም። ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ካብ እተወልዱ 100 ቘልዑ: 15 ሓደ ዓመት ከይመልኦም ይሞቱ። መባእታዊ ትምህርቲ ዝውድኡ ትሕቲ 40 ሚእታዊት ኢዮም። ኣብቲ ኢንዲያን ኤክስፕረስ ዝበሃል ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) ዝወጸ ርእሰ⁠-​ዓንቀጽ ብዛዕባ እቲ ዩኒሴፍ ዘቕረቦ ጸብጻብ ሓሳብ ክህብ ከሎ እታ ዓመት ቈልዓ ተባሂላ እተሰምየት ዓመት “ዘጕሂ ዋዛ” ጥራይ ሒዛ ምሕላፋ ገለጸ።

ገለ ሰባት ከም ዝፈሽል ኣቐዲሙ ተራእይዎም ነይሩ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ መጀመርታ ናይታ ዓመት እቲኣ ፋብሪዝዮ ደንቲስ ኣብታ ለ ስፕሬሶ ዘርእስታ መጽሔት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነቲ ዅነታት ንምዕራይ እንተድኣ ዀይኑ ‘ዓመት ቈልዓ’ ኢልካ ጥራይ ካብ ምስያም ንላዕሊ ኢዩ ዘድሊ።” እታ መጽሔት ከምዚ ብምባል ሓሳብ ትህብ:- “ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ኣነባብራና እንታይነትና ዝገልጽ ኢዩ: ክቕየር ዘለዎ ድማ ኢዩ።”

ኣብቲ ሽግራት ቈልዑ ንምፍታሕ ዝግበር ቀጻሊ ጻዕሪ: ብመስከረም 1990 ዓበይቲ ሰበ⁠-​ስልጣን ናይ ዓለም ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ዋዕላ ገበሩ። እዚ ሓደ ካብቲ መራሕቲ ኣብ ታሪኽ ዝገበርዎ ዓበይቲ ዋዕላታት ኢዩ ነይሩ። ልዕሊ 70 ዝዀኑ መራሕቲ ሃገራት ኣብቲ ዋዕላ ተረኽቡ። እቲ ዋዕላ ነቲ ብ20 ሕዳር 1989 ዝጸደቐ: ብ2 መስከረም 1990 ድማ ክትግበር ዝጀመረ ብዛዕባ መሰላት ቈልዓ እተገብረ ስምምዕ ብኸመይ ይትግበር ከም ዘሎ ንምምይያጥ ኢዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ እታ ወርሒ እቲኣ: ነቲ ስምምዕ ድሮ 39 ሃገራት ፈሪመናሉ ነበራ።

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብዩኒሴፍ ዝወጸ ጸብጻብ ከምዚ በለ:- “እቲ ስምምዕ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ታሪኽ ካብ እተገብረ ስምምዕ ሰብኣዊ መሰላት እቲ ዝሰፍሐ ተቐባልነት ዝረኸበ ዀነ: እዚ ድማ ብዓለምለኸ ደረጃ መሰል ሕጻናት ንኽኽበር ብርቱዕ ድራኸ ኣሕዲሩ ኢዩ።” ክሳዕ ሕዳር 1999 ኣብ ዝነበረ ግዜ 191 ዝዀና ሃገራት ነቲ ስምምዕ ተቐበልኦ። ዩኒሴፍ ከምዚ ኢሉ ተነየተ:- “እቲ ብዛዕባ መሰል ቈልዓ ዝገልጽ ስምምዕ ተቐባልነት ካብ ዝረክብ ኣትሒዙ ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ሰብኣዊ ታሪኽ ካብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ መሰላት ቈልዑ ኣብ ምፍላጥን ምሕላውን ዝያዳ ዕቤት ተራእየ።”

ከምዚ ዝኣመሰለ ዕቤት እኳ እንተ ተራእየ ናይ ጀርመን ፕረዚደንት ዮሃንስ ራኡ ግን ነዚ ዝስዕብ ሓሳብ ንኽህብ ተደረኸ:- “ኣብ ግዜና እውን ከይተረፈ ቈልዑ መሰላት ከም ዘለዎም ምዝኽኻር ዘድሊ ምዃኑ ዘሕዝን ኢዩ።” ብኻልእ ኣዘራርባ ቘልዑ ከበድቲ ሽግራት ከም ዘለዎም ንኻልኦት ምዝኽኻር ማለት ኢዩ! ዩኒሴፍ “ብዙሕ ዝግበር ነገር ተሪፉ ከም ዘሎ” ብምእማን ብሕዳር 1999 ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ኣብ መላእ ዓለም ክርአ ኸሎ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ትሕቲ ሓሙሽተ ዝዕድሜኦም 12 ሚልዮን ቈልዑ ይሞቱ: ዝበዝሑ ድማ ብሰንኪ ብቐሊሉ ክፍወስ ዝኽእል ሕማም ኢዮም ዝሞቱ። ገለ 130 ሚልዮን ዝዀኑ ኣብ ዘይማዕበላ ሃገራት ዘለዉ ቘልዑ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኣይጀመሩን። . . . 160 ሚልዮን ዝዀኑ ቈልዑ ዓጸቦ ዘጋጥሞም ኢዮም ወይ ብመጠኑ እውን ይኹን እተመጣጠነ መግቢ ኣይረኽቡን ኢዮም። . . . ብዙሓት ዝደልዮም ዘይብሎም ቘልዑ ትምህርትን ግቡእ ክንክን ጥዕናን ተሓሲምዎም ኣብ መዕበይ ዘኽታማትን ካልኦት ትካላትን ይማስኑ ኣለዉ። እዞም ቈልዑ እዚኣቶም ዝበዝሕ ግዜ ኣካላዊ ማህሰይቲ የጋጥሞም ኢዩ። ብገምጋም 250 ሚልዮን ዝዀኑ ቘልዑ ኣብ ገለ ዓይነት ሸቕሊ እተዋፈሩ ኢዮም።” ብዛዕባ እቶም ኣብ ብርቱዕ ድኽነት ዘለዉ 600 ሚልዮን ቈልዑ ከምኡውን ብዛዕባ እቶም ኣብ መወዳእታ ዓመት 2000 ብሰንኪ ሕማም አይድስ እንተ ወሓደ ሓደ ካብ ወለዶም ዝሞትዎም 13 ሚልዮን ቈልዑ እውን ተጠቒሱ ኢዩ።

ነዚ ግድላት እዚ ዝኸውን ዘዕግብ መፍትሒ ምርካብ ልዕሊ ዓቕሚ ፖለቲካውያን መራሕቲ ኢዩ። ሽግራት ዘጋጥሞም ግን ነቶም ኣብ ዘይማዕበላ ሃገራት ዘለዉ ቘልዑ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት እውን ብዙሓት ቈልዑ ካልእ ዓይነት ሕሰም የጋጥሞም ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ኣዋጅ መሰላት ቈልዓ:-

● ስምን ዜግነትን ክህልዎ መሰል ኣለዎ።

● ክፍቶ: ክፍቀር: ከምኡውን ካልኦት ክርድእዎን ቍጠባዊ ውሕስነት ክህልዎን መሰል ኣለዎ።

● ግቡእ ዝዀነ መግቢ: መዕቈቢ: ከምኡውን ሕክ​ምናዊ ኣገልግሎት ክረክብ መሰል ኣለዎ።

● ኣካላዊ: ኣእምሮኣዊ: ወይ ማሕበራዊ ስንክልና ምስ ዘጋጥሞ ፍሉይ ክንክን ክግበረሉ መሰል ኣለዎ።

● ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ሓደ ኻብቶም መጀመርታ መዕቘብን ረድኤትን ዝረኽቡ ናይ ምዃን መሰል ኣለዎ።

● ብዝዀነ ይኹን ዓይነት መገዲ ዕሽሽ ንኸይበሃል: ጭከናን ምምዝማዝን ንኸይወርዶ ዕቑባ ክረክብ መሰል ኣለዎ።

● ንኽጻወትን ክዘናጋዕን ከምኡውን ክእለቱ ንኸዕብን ጠቓሚ ኣባል ማሕበረሰብ ንኽኸውንን ዝሕግዞ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ትምህርቲ ማለት ብድሌት ይኹን ብግድን ዝወሃብ ትምህርቲ ንኽረክብ ምሉእ ዘይጕዱል መሰል ኣለዎ።

● ናጽነት ረኺቡን ክብረቱ ተሓልይሉን ክእለቱ ከዕቢ መሰል ኣለዎ።

● ኣብ መንጎ ህዝብታት ምርድዳእ: ምጽውዋር: ዕርክነት: ሰላም ኣብ ዘለዎ ኣድማሳዊ ሕውነት ክዓቢ መሰል ኣለዎ።

● ዓሌት: ሕብሪ: ጾታ: ሃይማኖት: ፖለቲካዊ ወይ ካልእ ኣረኣእያ: ሃገራዊ ወይ ኮማዊ መበቈል: ሃብቲ: ትውልዲ: ወይ ካልእ ነገራት ብዘየገድስ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዅሉ ክረክብ መሰል ኣለዎ።

ካብታ ኤቭሪማንስ ዩናይትድ ነሽንስ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) እተወስደ ጽማቝ

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

UN PHOTO 148038/Jean Pierre Laffont

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

UN photo

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ገጽ 4 ከምኡውን 5 ዘሎ ስእልታት:- Giacomo Pirozzi/Panos Pictures

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

“ኣብ ግዜና እውን ከይተረፈ ቈልዑ መሰላት ከም ዘለዎም ምዝኽኻር ዘድሊ ምዃኑ ዘሕዝን ኢዩ”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ