ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ
ኵለን ሃይማኖታት ናብ ኣምላኽ ዝመርሓ እተፈላለያ መገድታት ድየን፧
ማርከስ ቦርግ ዝበሃል ደራሲ “ፈጣሪ ዅሉ ኣድማስ ብሓደ ሃይማኖታዊ እምነት ጥራይ ኢዩ ኽፍለጥ ዝደሊ ዝብልዎ ኣተሓሳስባ ኽኣምኖ ኣይክእልን ኢየ” በለ። ናይ ሰላም ኖበል ተሸላሚ ዴዝሞንድ ቱቱ “ብዛዕባ ምስጢር [እምነት] እቲ ሓቂ ብምሉኡ እፈልጦ ኢየ ኽትብል እትኽእል ሃይማኖት የላን” በለ። “ጆቶ ሞዝ: ቶቶ ፖዝ ” ማለት ሓሳባቱ ኽትርጐም ከሎ: ኵለን ሃይማኖታት ናብ ሓደ ሸቶ ዝመርሓ እተፈላለያ መገድታት ጥራይ ኢየን ዝብል ኣረኣእያ ኣብ ሂንዱ ሰፊሕ ተቐባልነት ኣለዎ። ቡድሂስት እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ኣለዎም። እወ: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኵለን ሃይማኖታት ናብ ኣምላኽ ዝመርሓ እተፈላለያ መገድታት ኢየን ኢሎም ይኣምኑ ኢዮም።
ጸሓፍ ታሪኽ ጀፍሪ ፓሪንደር “ሓድሓደ ግዜ ኵለን ሃይማኖታት ሓደ ሸቶ ኢዩ ዘለወን ወይ ናብ ሓቂ ብማዕረ ዝመርሓ መገድታት ኢየን ይበሃል ኢዩ: አረ ሕሉፍ ሓሊፉስ ኵላተን ሓደ ዓይነት ሰረተ-እምነት ኢዩ ዘለወን ዝበሃለሉ ግዜ ኣሎ” በለ። ናይ እተፈላለያ ሃይማኖታት ትምህርትታት: ጽምብላት: ከምኡውን ኣማልኽቲ ብርግጽ ምምስሳል ኣለዎ። መብዛሕትአን ሃይማኖታት ብዛዕባ ፍቕሪ ይሰብካ ከምኡውን ቅትለትን ስርቅን ሓሶትን ጌጋ ምዃኑ ይምህራ ኢየን። ኣብ መብዛሕትአን ሃይማኖታዊ ጕጅለታት: ገሊኣቶም ሰባት ንኻልኦት ንምሕጋዝ ልባዊ ጻዕሪ ይገብሩ ኢዮም። ስለዚ እምበኣር ሓደ ሰብ ንእምነታቱ ኻብ ልቡ ዝኣምነሉን ጽቡቕ ናብራ ኽነብር ዝጽዕርን እንተ ዀይኑ: ዝደለየ ሃይማኖት እንተ ሰዓበ ኣየገድስን ድዩ: ወይስ ኵለን ሃይማኖታት ናብ ኣምላኽ ዝመርሓ እተፈላለያ መገድታት ኢየን፧
ቅንዕና ጥራይ ኣኻሊ ድዩ፧
ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ደሓር ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ዝዀነ ሳውል ብዛዕባ ዝበሃል ኣይሁዳዊ ሰብኣይ እሞ ሕስብ ኣብል። ኣዝዩ ቐናእ ሰዓቢ ኣይሁድ ነበረ: እዚ ድማ ነቶም ዘይግቡእ ኣምልኾ ከም ዝስዕቡ ገይሩ ዝሓስቦም ዝነበረ ሰዓብቲ ክርስቶስ ንምጭፍላቕ ጻዕሪ ኸም ዝገብር ገበሮ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:1-3፣ 9:1, 2) ይኹን እምበር: ከምኡ ዝኣመሰሉ ሃይማኖታውያን ሰባት ንኣምላኽ ቅንኢ ኽህልዎም ከም ዝኽእል: ኵሉ እቲ ሓቅታት ስለ ዘይብሎም ግን ክጋገዩ ኸም ዝኽእሉ ብምሕረት ኣምላኽ ከስተውዕል ከኣለ። (ሮሜ 10:2) ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽን ተግባራቱን ዝያዳ ፍልጠት ምስ ረኸበ: ለውጢ ገበረ: ምስቶም ዝሰጎም ዝነበረ ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ሓቢሩ ኸምልኽ ከኣ ጀመረ።—1 ጢሞቴዎስ 1:12-16
መጽሓፍ ቅዱስ ንምርጫ ዝቐረበ ኣማእታት እምነታት ከም ዘሎን ኣምላኽ ንዝመረጽናዮ ዘበለ ኸም ዝቕበሎን ይምህርዶ ኢዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ካብቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ክርስቶስ ምስዚ ዝጻረር መምርሒ ኢዩ ተቐቢሉ። ጳውሎስ ‘ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን: ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ክምለሱ ኣዒንታቶም ንኽኸፍተሎም’ የሱስ ናብ ኣህዛብ ለኣኾ። (ግብሪ ሃዋርያት 26:17, 18) ስለዚ: እንመርጾ ሃይማኖት ኣገዳሲ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን። መብዛሕትኦም ካብቶም ጳውሎስ ተላኢኹ ዝኸዶም ሰባት ድሮ ሃይማኖት ነይርዎም ኢዩ። እንተዀነ ግን ኣብ “ጸልማት” ኢዮም ነይሮም። ኵለን ሃይማኖታት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሓ ስምረት ኣምላኽ ዘለወን እተፈላለያ መገድታት እንተ ዝዀና ነይረን: የሱስ ንሰዓብቱ ደቀ መዛሙርቲ ንኽገብሩ ኸሰልጥኖምን ክእዝዞምን ኣይመድለዮን ነይሩ።—ማቴዎስ 28:19, 20
የሱስ ኣብቲ ፍሉጥ ናይ ከረን ስብከቱ ኸምዚ በለ:- “እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ: መገዳውን ገፋሕ እያ: እቶም ብእኣ ዚአትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ: መገዳውን ቀጣን እያ: እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም እሞ: በታ ጸባብ ደገ እተዉ።” (ማቴዎስ 7:13, 14) መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር “ሓንቲ እምነት” ከም ዘላ ኢዩ ዝገልጽ። (ኤፌሶን 4:5) ኣብታ “ገፋሕ” መገዲ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ሃይማኖት ከም ዘለዎም ፍሉጥ ኢዩ። እታ “ሓንቲ እምነት” ግን የብሎምን። ሓደ ሓቀኛ ኣምልኾ ጥራይ ስለ ዘሎ: እቶም ነዛ ሓቀኛ እምነት እዚኣ ኽረኽቡ ባህጊ ዘለዎም ሰባት ክደልይዋ ኣለዎም።
ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድለዮ
ካብ መጀመርታ ታሪኽ ደቅሰብ ኣትሒዙ: ኣምላኽ ንሰባት እንታይ ክገብሩ ኸም ዝደልዮም ነጊርዎም ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:28፣ 2:15-17፣ 4:3-5) ሎሚ: ሰባት ከማልእዎ ዝደልዮ ብቕዓታት ብንጹር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ድማ ተቐባልነት ዘለዎን ተቐባልነት ዘይብሉን ኣምልኾ ንኽንመሚ የኽእለና ኢዩ። (ማቴዎስ 15:3-9) ገለ ሰባት ካብ ኣቦታቶም ኢዮም ሃይማኖቶም ወሪሶሞ: ገሊኦም ድማ ኣብ ማሕበረሰቦም ዘሎ ሓፋሽ ዝስዕቦ ሃይማኖት ኢዮም ዝስዕቡ። ናይ ብዙሓት ሰባት ሃይማኖት በቲ እተወልድሉ ግዜን ቦታን ኢዩ ዝውሰን። ይኹን እምበር: ኣጋጣሚ ንሃይማኖካ ክውስኖ ወይ ካልኦት ነዚ ውሳነ እዚ ኽገብሩልካ ግቡእ ድዩ፧
እትመርጾ ሃይማኖት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመርኲስካ ደቂቕ መጽናዕቲ ድሕሪ ምግባር ክትመርጾ ይግባእ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ገለ ምሁራት ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎም ኣብኡ ኸሎ ኣይተቐበልዎን። ‘እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ: ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት መርመሩ።’ (ግብሪ ሃዋርያት 17:11፣ 1 ዮሃንስ 4:1) ንስኻኸ ስለምንታይ ከምኡ ዘይትገብር፧
እቲ ኣምላኽ ኵሉ ኣድማስ: ሰባት ብሓቂ ኸምልኽዎ ከም ዝደሊ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ኢዩ። ኣብ ዮሃንስ 4:23, 24 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ: የሱስ ከምዚ በለ:- “ኣምላኽ መንፈስ እዩ: እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግድሉ ይግብኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ: እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ: ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።” “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ” ጥራይ ኢዩ ተቐባልነት ዘለዎ። (ያእቆብ 1:27) ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ነታ ናብ ህይወት እትመርሕ ቀጣን መገዲ ንምርካብ ዝገበርዎ ጻዕሪ ኣምላኽ ባሪኽዎ ኢዩ። ነቶም ተገዳስነት ዘይብሎም ሰባት ዘይኰነስ ነቶም ነታ ዘዳለዋ ቐጣን መገዲ ኽረኽቡ ብሓቂ ዝጽዕሩን ምስ ረኸብዋ ብኣኣ ዝመላለሱን ሰባት ኢዩ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝህቦም።—ሚልክያስ 3:18