ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g02 8/4 ገጽ 14-19
  • ሕልመይ እተጋህደሉ መገዲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕልመይ እተጋህደሉ መገዲ
  • ንቕሑ!—2002
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዳግመ ምርምር ዝገበርኩሉ ግዜ
  • ምስ ኣቦይ ዝገበርናዮ ምይይጥ
  • ኣብ ፕራግ ዘሕለፍክዎ ናብራ ህይወት
  • እተጋጨወ ድሌት
  • ውዲት ፈሸለ
  • ውሳነይ ተባረኸ
  • ምስ በዓል ቤተይ ምግልጋል
  • ኮምዩኒዝም እተመባጽዖ ነገራት ረኸብክዎ
  • ካብ ክልተ ኣቦታት ንሓዲኦም ክመርጽ ዘጋጠመኒ ብድሆ
    ንቕሑ!—1999
ንቕሑ!—2002
g02 8/4 ገጽ 14-19

ሕልመይ እተጋህደሉ መገዲ

ኣሌና ዚትኒኮቫ ዘዘተወቶ

ቈልዓ ኸሎኹ ኣብታ ብሶቭየት ኣጸቢቓ እተጸልወት ሃገረ ቸኮስሎቫክያ ስድራ​ቤትና ነቲ ኮምዩኒዝም ዘተስፈዎ ሰላማዊ ዓለም ክርእዩ ይምነዩ ነበሩ። ይኹን እምበር: እቲ ሓጐስን ሓድነትን ዘለዎ ሕብረተሰብ ከምጽእ ዘተስፉ ሕልሚ ኮምዩኒዝም: ሕብረት ሶቭየት ብ1991 ምስ ወደቐት ኣኽተመ። ሕልመይ ብኻልእ መገዲ ብኸመይ ከም እተጋህደ ኽገልጸልኩም።

ካብ ፕራግ 290 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ሆርኒ በኔሾፍ ብ12 መስከረም 1962 ካብ ውፉያት ኮምዩኒስት ስድራ​ቤት ኢየ ተወሊደ። ኣቦይ ነቲ ናይ ኮምዩኒዝም ርእዮተ⁠-​ዓለም ትውክልቲ ይገብረሉ ስለ ዝነበረ ናብራኡ ምስኡ ኣሰማሚዑ ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ንዓይን ንኽልተ ኣሕዋተይን ንሓብተይን እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኸም እነሕድር ገይሩ ኸኣ ኣዕበየና። ጽቡቕ ስራሕ ብምስራሕን ጽፈት ዘለዎ ናብራ ብምንባርን ዝሓሸ ሕብረተሰብ ክንፈጥር ከም እንኽእል ምሂሩና ኢዩ። ኮምዩኒዝም እቲ ዝበለጸ ኣገባብ ምምሕዳር ከም ዝዀነ ገይሩ ይወስዶ: ምሉእ ብምሉእ ኸኣ ይድግፎ ነበረ።

ኣቦይ ኣብቲ ኮምዩኒዝም ዝውደሰሉ ኣኼባታት ብዙሕ ግዜ ይእከብ ነበረ። ብምኽንያት እቲ ኣብ ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ዝርእዮ ዝነበረ ግብዝና ኸኣ ንሃይማኖት ነዓቖ። ንሕናውን ኣምላኽ የለን ዝብል ትምህርቲ ተማሃርና: ኣመንናሉ ኸኣ። ኣቦይ: ኵሎም ሰባት መንበርን እኹል መግብን ዝረኽብሉ ግዜ ምስ መጸ ዝሓሹ ሰባት ኰይኖም ብሰላም ክነብሩ ኢዮም ዝብል እምነት ነበሮ። እናዓበኹ ክኸይድ ከሎኹ ብተደጋጋሚ ዝሰምዖ ዝነበርኩ እዚ ባህ ዘብል ተስፋ ኢዩ ነይሩ። ንዅሉ እቲ ኣቦና ዝመሃረና እኣምኖ ስለ ዝነበርኩ ኣነውን ንኮምዩኒዝም ክድግፍ ወሰንኩ።

ንእሽቶ ጓል ከሎኹ ፓይነር ክኸውን ተዳለኹ: እቶም ኣዝዮም ውሩያት ዝነበሩ ማሕበር መንእሰያት ኮምዩኒስት ንኣሽቱ ፓይነራት ተባሂሎም ኢዮም ዝጽውዑ ነይሮም። ፓይነራት ጽቡቕ ባህርያት ከማዕብሉን ሓርበኛታት ክዀኑን ኢዩ ምሕጽንታ ዝወሃቦም ነይሩ። ጓል ትሽዓተ ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን: ፓይነር ንኽኸውን ልባዊ ማሕላ መሓልኩ: ቀይሕ ሻርባ ክገብር ከኣ ተዋህበኒ። ኣብ ፍሉይ እዋናት ዝግበር ዩኒፎርም ፓይነራት ክኽደን ከኣ ተፈቕደለይ። ኣብነታዊት ፓይነር ክኸውን ኢየ ዝጽዕር ነይረ። መማህርተይ ብዕሉግ ዘረባ ኽዛረባ እንተደኣ ሰሚዐየን: ፓይነር ኣዋልድ ከምኡ ዓይነት ዘረባ ኸም ዘይዛረባ ብምዝኽኻር እገንሐን ነበርኩ።

ይኹን እምበር: ድሕሪ ገለ ግዜ መብዛሕትኦም ኮምዩኒስት ኢና ዝብሉ ዝነበሩ ሰባት ብተግባራቶም ንናይ ኮምዩኒዝም ርእዮተ⁠-​ዓለም ከም ዘይድግፉ ክግንዘብ ጀመርኩ። ነቲ ሰብኣዊ ዝንባለ ዝዀነ ስስዐን ቅንእን ኣብ ክንዲ ዝቃወምዎ: ንብረት ህዝቢ ይሰርቁ ነበሩ። ሽሕኳ ብዙሓት ንጥቕሚ ህዝቢ ኽዓዩ ንኻልኦት ሰባት ዘተባብዑ እንተ ነበሩ ባዕላቶም ግን ኣይፍጽምዎን ኢዮም ነይሮም። አረ: “እቲ ዘይሰርቕ ካብ ገዛእ ስድራ​ቤቱ ኢዩ ዝሰርቕ” ዝብል ብሂል ህቡብ ክኸውን ክኢሉ ኢዩ። ንገዛእ ርእሰይ ከኣ ከምዚ እናበልኩ ክሓትት ጀመርኩ:- ‘ግብዝና እምብዛ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ መብዛሕትኦም ነቲ ናይ ኮምዩኒዝም ሰናይ ርእዮተ⁠-​ዓለም ብተግባሮም ዘይድግፍዎ ስለምንታይ ኢዮም፧ እቲ ዝግበር ጻዕሪ ክሳዕ ክንድዚ ዕዉት ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧’

ዳግመ ምርምር ዝገበርኩሉ ግዜ

ኣብ ማእከላይ ዕድመ ጕርዝውና ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን: ናይ ክረምቲ ዕረፍተይ ምስ ኣሌና እትበሃል ጓል ቤት ትምህርተይ ኢየ ዘሕልፎ ነይረ። ሓደ ምሸት ታንያ እትበሃል መሓዛ ኣሌና ኽትበጽሓና መጸት። ከምዚ ኸኣ በለትና:- “ሓደ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ክዛረበክን። ኣምላኽ ከም ዘሎ ክኣምን ክኢለ ኢየ።” ኣብዚ መደምደምታ እዚ ኽትበጽሕ ብምኽኣላ ኣዝዩ ደንጸወና። ምስ ሃድኣና ግን “እንታይ መርትዖ ኣሎኪ፧” “ኣምላኽ እንታይ ይመስል፧” “ኣበይ ይነብር፧” “ስለምንታይ ደኣ ስጕምቲ ዘይወስድ፧” ብዝብል ሕቶታት ዓቕላ ኣጽበብናላ።

ታንያ ንሕቶታትና በብሓንቲ መለሰትልና። ምድሪ ደቅሰብ ዝነብሩላ ገነት ክትከውን ዕላማ ኣምላኽ ምዃኑ: እዚ ዕላማ እዚ ኸኣ መወዳእትኡ ብኸመይ ከም ዝፍጸም ገለጸትልና። ንሓድሕዶም ብዝተሓላለዩ ንጹሃትን ጥዑያትን ሰባት ዝመልአት ሰላማዊት ምድሪ ኽትህሉ ምዃና ዝገልጽ መብጽዓ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺላ ምስ ኣርኣየትና: እዚ ምስቲ ዝኣምኖ መብጽዓታት ሓደ ምዃኑ ኽረኣየኒ ጀመረ። ይኹን እምበር: እዚ ዘደንቕ ነገራት እዚ ብኮምዩኒዝም ዘይኰነስ ብመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝመጽእ ነቦይ እንተ ዝነግሮ ከም ዘይሕጐስ ርግጸኛ ኢየ ነይረ።

ጓል ሽዱሽተ ወይ ሸውዓተ ዓመት ኣቢለ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ሓንቲ ቘልዓ ጐረቤትና ወለደይ ከይፈለጡ ናብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ወሰደትኒ። እቲ ቐሺ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ታሪኽ ምስ ኣዘንተወልና ኣዝየ ስለ ዝፈተኹዎ ዝያዳ ፍልጠት ክረክብ ደለኹ። ገለ ተወሳኺ ዝንበብ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት እውን ረኸብኩ። ብዛዕባ እዚ ንወለደይ ምስ ነገርክዎም: እንደገና ናብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ከይከይድ ኣሕሚሞም ነገሩኒ: ንዅሉ እቲ ንገዛ ዘምጻእክዎ ነገራት ከኣ ጐሓፍዎ። ኣቦይ ኣብ መትከሉ ዝጸንዕ ምዃኑ ንኸርእየኒ ገረፈኒ።

ድሕሪኡ ኣብ ገዛና ኣምላኽ ተጠቒሱ ኣይፈልጥን ኢዩ። ‘ኣብ ኣምላኽ ዝኣምኑ ዘይተማህሩ ተራ ሰባት ጥራይ ኢዮም: ሃይማኖት ከኣ ምህዞ ሰብ ኢዩ’ ዝብል እምነት ኣሕደርኩ። ሰባት ኣምላኽ ኣሎ ዝብል ሓሳብ ዝመሃዙ ነቲ ኽንርድኦ ዘይንኽእል ነገር ንምሽፋን ምዃኑ ኢና ተማሂርና። ሕጂ ግን እዛ ምህርቲ​—⁠አረ መምህር እውን ዝዀነት⁠—⁠ታንያ ብኣምላኽ ኣመነት! ስለዚ ‘ሓቅነት ክህልዎ ኣለዎ’ ኢለ ሓሰብኩ።

ታንያ ከእምን ብዝኽእል መገዲ ትዛረብ ስለ ዝነበረት ነቲ ዝበለቶ ከም እትኣምነሉ ተረዲእና ኢና። ስለዚ ድማ “ኣምላኽ ብርግጽ ከም ዘሎ ኸእምነኪ ዝኸኣለ ነገር እንታይ ኢዩ፧” ኢልና ሓተትናያ።

“መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ” ኢላ መለሰት እሞ “መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ ሕቶታትክን ይምልሶ ኢዩ። ብዝያዳ ኽትርድኣኦ ምደለኽንዶ፧” በለትና።

መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ እንተደኣ ጀሚረ ወለደይ ከም ዘይሕጐሱ እፈልጥ ነይረ። ይኹን እምበር: ዝያዳ ንኽፈልጥ ባህጊ ኣሕደርኩ። ስለዚ ታንያ ኣድራሻ ናይ ሓንቲ ሉድሚላ እተባህለት ኣብ ሆርኒ በኔሾፍ ኣብ ጥቓ ገዛና እትነብር ናይ የሆዋ ምስክር ሃበትኒ። ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ምድራዊት ገነት እተመባጽዖ መብጽዓታት ምስ ሉድሚላ ዀይነ ምስ መርመርክዎ ‘እዚ ኸም ዝፍጸም እንታይ መርትዖ ኣሎኒ’ እናበልኩ ንርእሰይ እሓትት ነበርኩ።

ሉድሚላ: ኣብ ኣምላኽን መብጽዓታቱን ንኽኣምን ብዛዕባ ኣምላኽ ብዙሕ ክመሃር ከም ዘድልየኒ ነገረትኒ። ካብቲ መጽናዕትና ኸም እተረዳእክዎ ምድርን ኣብኣ ዘሎ እተሓላለኸ ኣገባብ ህይወትን ብኣጋጣሚ ዝመጸ ኸም ዘይኰነ ኽኣምን ክኢለ ኢየ። ሓደ ኣዝዩ ዝለዓለ ብልሂ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ኣፍልጦ ኽህብ ነበረኒ። መጽሓፍ ቅዱስ “ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ አለዋ: እቲ ንዅሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ እዩ” ምባሉ ርትዓዊ ምዃኑ ተገንዘብኩ።​—⁠እብራውያን 3:4

ስድራ​ቤተይ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ኽመሃሩ ደለኽዎም። ይኹን እምበር: ተገዳስነት ዘለዎም ዀይኑ ስለ ዘይተሰምዓኒ: ንግዜኡ ኻብ ምንጋሮም ተቘጠብኩ። ሓደ መዓልቲ ግን ኣደይ ካብቲ እተዋህበኒ ዝበለየ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ገጽ ምስቲ ኻልእ ናይ ብሕቲ ኣቝሕተይ ወዲቓ ረኸበት። ወለደይ ኣዝዮም ተረበሹ።

ምስ ኣቦይ ዝገበርናዮ ምይይጥ

ኣቦይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እራኸብ ምንባረይ ዘሕደሮ ምጥርጣር ሓቂ ዀይኑ ምስ ረኸቦ ነዊሕ መገዲ ኽንዛወር ወሰደኒ። “ምስዞም ሰባት እዚኣቶም ዘሎኪ ዝዀነ ይኹን ርክብ ውዓል ሕደር ከይበልኪ ከተቋርጽዮ ኣሎኪ” ኢሉ ኸኣ ተማሕጸነኒ። “እንተ ዘየቋሪጽክዮ ግን ድሕሪ ደጊም ከንቲባ ዓድና ዀይነ ምግልጋል ኣይክኽእልን ኢየ። ስርሐይ ከተበላሽውለይ ኢኺ። ከይፈተኹ ኻብ ቤት ጽሕፈት ወጺአ ናብቲ ቕድሚ ሕጂ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ፋብሪካ ንኽምለስ ክግደድ ኢየ። ንምሉእ ስድራ​ቤትና ኸኣ ኸተጽርፍና ኢኺ” በለኒ።

“ግን እኮ ኣቦ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽንያታዊ መጽሓፍ ኢዩ: ኣብ ናብራ ህይወትና ዝጠቕመና ብሉጽ ምኽሪ ኸኣ ሒዙልና ኣሎ” ኢለ መለስኩሉ።

“ኣይኰነን ኣሌንካ” በለኒ ኣቦይ። “ንኽሕጐስ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ኣምላኽ ኣየድለየንን። ንዅሉ ብጽፍረይ ኢየ ዝዓዮ ዘሎኹ። ዝሓገዘኒ የብለይን። ነዚ ትርጕም ዘይብሉ ነገር ክትኣምንዮ ምኽኣልኪ ደንጽዩኒ ኣሎ! ናይ ሓቂ ህይወት ክህልወኪ: ክትምርዓዊ: ውሉድ ክትወልዲ ኣሎኪ: ድሕርዚ ብዘይ​ ኣምላኽ ሕጕስቲ ኽትኰኒ ኸም እትኽእሊ ኽትግንዘቢ ኢኺ።”

እቲ ናይ ኣቦይ ዘይምሕላል ጦብላሕታ ኣሕደረለይ። ንእተወሰነ እዋን ብዛዕባ እቲ ድልዱል መሰረት ዘይነበሮ እምነተይ ክጠራጠር ጀመርኩ። ካብቲ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረኒ ፍልጠት እቲ ብዛዕባ ኣቦይ ዝነበረኒ ፍልጠት ኣጸቢቑ ከም ዝዓዝዝ ዘይከሓድ ኢዩ ነይሩ: ኣብ ቤተይ ክኸውን ከሎኹ ኸኣ ወትሩ ቅሳነት ይስምዓኒ ነበረ። ኣቦይ ከምዚ ዝበለኒ ብጽቡቕ ድራኸ ተለዓዒሉ ምዃኑ ርግጸኛ ኢየ ነይረ። ከም ዘፍቅረኒ እፈልጥ ስለ ዝነበርኩ: መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ከቋርጽ ምዃነይ ተመባጻዕኩሉ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸናሕኩ: ጓል 18 ዓመት ከሎኹ ትምህርቲ ወዳእኩ እሞ ናብታ ርእሰ⁠-​ኸተማና ዝዀነት ፕራግ ክሰርሕ ከድኩ።

ኣብ ፕራግ ዘሕለፍክዎ ናብራ ህይወት

ኣብ ባንክ ስራሕ ረኸብኩ: ብዛዕባ እቲ ኣቦይ ብኮምዩኒዝም ከም ዝብጻሕ ዝነገረኒ ናይ ሓቂ ህይወት ክረክብ ከኣ ሃለው እብል ነበርኩ። ይኹን እምበር: ኣብታ ኸተማ እቲኣ ዝነብሩ ሰባት ካብቶም ኣብ ዓደይ ዝነብሩ ሰባት ዝሓሸ ሓጐስ ከም ዘይብሎም ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ተገንዘብኩ። አረ: ስነ⁠-​ምግባራዊ ብልሽውና: ግብዝና: ስስዐን ስኽራንን ከም ንቡር ኢዩ ዝርአ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ ግን ሓደ ንፕራግ ክበጽሕ ዝመጸ: ኣብ ሆርኒ በኔሾፍ ከኣ ጐረቤትና ዝነበረ ናይ የሆዋ ምስክር: ምስቶም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝራኸብ ገበረ። በዚ ኸምዚ ምስ ሓንቲ ኢቫ እተባህለት ሰበይቲ እንደገና መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመርኩ። ኢቫ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን ኣጽኒዕና በብዝወዳእና “ዝመጽእ ዘሎ ሰሙንከ ኽመጽእ ትደልዪንዶ፧” ኢላ ትሓተኒ ነበረት። ሽሕኳ ሓድሓደ ግዜ ‘ኣብ ቦታይ ኔርኪ እንተ ትዀኒ እንታይ ምገበርኪ’ ኢለ እሓታ እንተ ነበርኩ: ንሳ ግን ኣረኣእያኣ ክቕበል ፈጺማ ኣይተገድደንን እያ ነይራ።

“ከምዚ ምገበርኩ ነይረ ኢለ ኽነግረኪ ኣይክእልን ኢየ” በለትኒ። ቀጺላ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ሓደ ነገር ከም ዘቕልብ ገበረትኒ። እዚ ድማ ውሳነ ንምግባር ሓጊዙኒ ኢዩ። ኣዝዩ ዘሻቕለኒ ዝነበረ ምስ ወለደይ ዝነበረኒ ርክብ ብምዃኑ ምስኦም ዘሎኒ ርክብ ከቋርጽ ዝግብኣኒ እንተ ዀይኑ ሓተትክዋ። ኢቫ ኣብ ዘጸኣት 20:⁠12 ዝርከብ ንወለድና ከነኽብር ከም ዘሎና ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ኣርኣየትኒ። ቀጺላ ኸኣ “ይኹን እምበር: ቅድሚ ወለድና ኽንሰርዖ ዘሎና ኣካል ኣሎዶ፧” ኢላ ሓተተትኒ።

እንታይ ኢለ ኸም ዝምልስ ምስ ጠፍኣኒ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ “እቲ ኻባይ ነቦኡን ነዲኡን ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ” ዝብል የሱስ ክርስቶስ እተዛረቦ ቓላት ገንጺላ ኣርኣየትኒ። (ማቴዎስ 10:37) በዚ ኸምዚ ኸኣ ወለደይ ክብሪ ዝግብኦም እኳ እንተዀነ: የሱስን ሰማያዊ ኣቦኡን ግን ዝዓበየ ፍቕሪ ኽወሃቦም ከም ዝግባእ ክግንዘብ ጀመርኩ። ኢቫ ምስቲ ጕዳይ እተተሓሓዘ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ስርዓት ወትሩ ብምጥቃስ እቲ ውሳነ ናባይ ትገድፎ ነበረት።

እተጋጨወ ድሌት

መወዳእትኡ: ኣብ መስከረም 1982: ኣብ ፕራግ ኮሌጅ ኣቶኹ እሞ ምስ ሕርሻ እተተሓሓዘ ትምህርቲ ኣግሮኖሚ ክከታተል ጀመርኩ። ይኹን እምበር: ናይ ኮሌጅ ትምህርትታተይ ብግቡእ እናተኸታተልኩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ኽገብር ኣጸጋሚ ዀይኑ ረኸብክዎ። ስለዚ ንሓንቲ ካብቶም ፕሮፌሰራት ካብ ኮሌጅ ክወጽእ ከም ዝደለኹ ነገርክዋ። “ምስ ሓደ ዝርድኣልክን ዝሕግዘክን ሰብ ከራኽበኪ ኢየ” በለትኒ። ምስቲ ሓላፊ ናይቲ ኮሌጅ ከም ዝዘራረብ ድማ ገበረት።

እቲ ሓላፊ ብሓጐስ ተቐበለኒ እሞ “ንፍዕቲ ተማሃሪትና ኢኺ: ከተቋርጺ እትደልዪ ዘሎኺ ደኣ ስለምንታይ ኢኺ፧” ኢሉ ሓተተኒ።

“ምኽንያቱ ካልእ ዘገድሰኒ ነገራት ንኽገብር ግዜ ስለ ዝሓጽረኒ ኢዩ” ኢለ መለስኩሉ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቸኮስሎቫክያ ተኣጊዶም ስለ ዝነበሩ: ስለምንታይ ከቋርጽ ከም ዝደለኹ ኣነጺረ ኽነግሮ ኣይደለኹን። ንኽልተ ሰዓት ዝኣክል ምስ ተዘራረብና ግን እሙን ሰብ ኢዩ ኢለ ሓሰብኩ። ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ አጽንዕ ምህላወይ ነገርክዎ።

“መጽሓፍ ቅዱስን ፍልስፍና ማርክስን ኣጽንዒ እሞ ድሕሪኡ ምርጫኺ ግበሪ” በለኒ። መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ዘተባብዓኒ ዝነበረ ኢዩ ዝመስል!

ውዲት ፈሸለ

ይኹን እምበር: ንጽብሒቱ እቲ ሓላፍን እታ ፕሮፌሰርን ምስ ወለደይ ንኽራኸቡ ነዊሕ መገዲ ተጓዒዞም ናብ ዓደይ ከዱ። ምስ ሓደ ሓደገኛን እተኣገደን ሃይማኖታዊ ጕጅለ እራኸብ ከም ዘሎኹ እሞ ካብ ኮሌጅ ክወጽእ ከም ዝደለኹ ነገርዎም። እቲ ሓላፊ ነቦይ ከምዚ ኢሉ ተመባጽዓሉ:- “ጓልኩም ትምህርቲ ኸተቋርጽ እንተደኣ ወሲና: ኣብ ፕራግ ስራሕ ከም ዘይትረክብ ክንገብራ ኢና: ከይፈተወት ንገዛ ናባኻትኩም ክትምለስ እያ: ምስቲ ጕጅለ ዘለዋ ርክብ ከኣ ተቋርጽ።”

ጥሪ 1983 ትምህርቲ ኣቋረጽኩ። ሓንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዐት መሓዛይ ካብ ሓንቲ ዓባይ ሰበይቲ ገዛ ኽካረ ሓገዘትኒ። እቲ ሓላፊ እቲ ኮሌጅ ገዛ ኸይዱ ነቦይ መብጽዓ ኸም ዝኣተወሉ ስለ ዘይፈለጥኩ: ኵሉ እቲ ስራሕ ንኽረክብ ዝገበርክዎ ጻዕርታት ስለምንታይ ከም ዘይተዓወተ ክርድኣኒ ኣይክኣለን። እታ ዋና ገዛ እውን ብዛዕባ እዚ ህንጥዮት ስለ ዝሓደራ: ኣነ ኸይፈለጥኩ ናብቲ ሓላፊ ናይቲ ኮሌጅ ከደት እሞ ትምህርቲ ዘቋረጽክሉ ምኽንያት ንኽትፈልጥ ሓተተቶ።

“ተጠንቀቒ!” በላ: “ኣባል ሓደገኛታት ኣንቈራ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እያ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እያ ትምህርቲ ኣቋሪጻ። ከይፈተወት ንዓዳ ተመሊሳ ነዚ እምነት እዚ ኸተቋርጽ ክትግደድ ኣለዋ። ኣብ ፕራግ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ስራሕ ከም ዘይትረክብ ክገብር ኢየ!”

እታ ዋና ገዛ ንምሸቱ ንገዛ ምስ ተመልሰት: ጸዊዓ “ስምዒ ኣሌንካ ሎሚ ናብ ኮሌጅኪ ኸይደ ነይረ” በለትኒ። ሽዑ ምሸት ኣቝሕተይ ጠራኒፈ ካብ ገዛ ዝወጽእ ጥራይ መሰለኒ። ንሳ ግን “ሓላፊ ናይቲ ኮሌጅ ዝወሰዶ ስጕምቲ ኣይድግፎን ኢየ። ኣብ ዝደለኽዮ ኽትኣምኒ ትኽእሊ ኢኺ፣ ዝያዳ ዘገድሰኒ ጠባይኪ ኢዩ። ስራሕ ክትረኽቢ ኣነ ኽሕግዘኪ ኢየ” በለትኒ። በታ ምሸት እቲኣ ንየሆዋ ስለ እቲ ዝገበረለይ ሓገዝ ብጸሎት ኣመስገንክዎ።

ብድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣቦይ ንዓዲ ኽመልሰኒ ናብ ፕራግ መጸ። ሕጂ ግን መጐተኡ ኸእምነኒ ኣይክኣለን። ኣብ የሆዋን ኣብ መብጽዓታቱን ዝነበረኒ እምነት ጽኑዕ መሰረት ኢዩ ነይርዎ። ኣብ መወዳእታ: ኣቦይ ገዲፉኒ ኸደ: ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ ግዜ ኸኣ ክበኪ ርኣኽዎ። እቲ ርክብ ስምዒት ዝትንክፍ እኳ እንተ ነበረ: ናብ የሆዋ ኸም ዝቐርብ ገይሩኒ ኢዩ። ናይ የሆዋ ክኸውንን ከገልግሎን ድሌት ሓደረኒ። ስለዚ ኸኣ እቲ ንየሆዋ ዝገበርክዎ ወፈያ ብ19 ሕዳር 1983 ብማይ ጥምቀት ኣርኣኽዎ። እተጠመቕኩሉ ቦታ ኣብ ፕራግ ኣብ ሓደ ኣፓርትማ ኣብ ባስካ ኢዩ።

ውሳነይ ተባረኸ

ድሕሪ ገለ ግዜ ነቲ እተኣገደ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ምድላው ክሕግዝ ጀመርኩ። እቶም ሰበ⁠-​ስልጣን ዛጊት ንገለ ኻብቶም ጽሑፋት ኣብ ምድላው ክዓዩ ዝረኸብዎም ኣሲሮምዎም ስለ ዝነበሩ ብዙሕ ጥንቃቐ ምግባር ይሓትት ነበረ። መጀመርታ እተዋህበኒ ዕዮ ብቛንቋ ቸኮስሎቫክያ እተተርጐመ ግምቢ ዘብዐኛ ብናይ ጽሕፈት ማኪና ምብዛሕ ኢዩ ነይሩ። ድሕርዚ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ኽጥቀምሉ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ይዕደሎም ነበረ።

ቀጺሉ ኸኣ ምስቶም ኣብ ፕራግ ኣብ ሓደ ኣፓርትማ ዀይኖም መጻሕፍቲ ዘዳልዉ ጕጅለ ኽሓብር ተዓደምኩ። ኣብ ሓደ ኽፍሊ ዝነበረ ዝበዝሕ ኣቝሑ ኸም ዝወጽእ ምስ ተገብረ ንነፍሲ ወከፍ እተሓትመ ገጽ ኣብ ማእከል እቲ ኽፍሊ ኣብ ዘሎ ዓብዪ ጣውላ ንእክቦ ነበርና። ድሕርዚ እቲ ገጻት ብኾላ ተጣቢቑ ወይ ከኣ ተሰፍዩ መጽሓፍ ይኸውን። ‘ነዚ ዕዮ እዚ ምሉእ ግዜኻ ምዕያይሲ ኣየ ኽንደይ ባህ ዘብል ኢዩ’ ኢለ ወትሩ እሓስብ ነበርኩ።

ኣብ ማሕበር መንእሰያት ኮምዩኒስት ፓይነር ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ቈልዑ ጥዑያት ሰባት ንኽዀኑ ንኽምህሮም እጽዕር ነይረ ኢየ። ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ኰንኩ እውን ምስ መንእሰያት ሓቢረ ምዕያይ ኣየቋረጽኩን: ንመብዛሕትኦም ከኣ እተጠምቁ ኣገልገልቲ የሆዋ ክዀኑ ሓጊዘዮም ኢየ። ካብ ስድራ​ቤተይ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ እኳ እንተ ዘየለ: ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተመባጽዖ ብዙሓት መንፈሳውያን ኣቦታትን ኣዴታትን ኣሕዋትን ኣሓትን ከጥሪ ኽኢለ ኢየ።​—⁠ማርቆስ 10:⁠29, 30

ብ1989 ኣብ ሃገርና ኮምዩኒስታዊ ምምሕዳር ብዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ተተክአ። እዚ ለውጢ እዚ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጋዊ ናጽነት ኣምጺኡልና ኢዩ። ናጽነት ብምርካብና ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ብጋህዲ ኽንእከብ: ከይንእሰር ዝብል ስግኣት ከየሕደርና ካብ ቤት ናብ ቤት ክንሰብኽ: ኣህጉራዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ንምክፋል ናብ ወጻኢ ሃገራት ክንጐዓዝ ክኢልና ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ድሕሪ ደጊም ብዛዕባ ምርመራ: ማእሰርቲ: ወይ ከኣ ምፍርራህ ኣይንጭነቕን ኢና።

ምስ በዓል ቤተይ ምግልጋል

ብ1990 ፔትር ንዝበሃል ክርስትያን ተመርዓኽዎ። ኣብ ሚያዝያ 1992 ክልቴና እቶም ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ፓይነራት ተባሂሎም ዝጽውዑ ናይ ምሉእ ግዜ ሰበኽቲ ኴንና ናይ ምግልጋል ሸቶና በጻሕናዮ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ሰነ 1994 ኣብ ፕራግ ኣብ ዘሎ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንዓዪ ተዓደምና። ሕጂ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ተሓቢእና ኣይኰንናን እንሓትም: የግዳስ ነቶም ኣብ መላእ ሪፓብሊክ ቸክ ዘለዉ ሰባት መንፈሳዊ ድሌቶም ንምምላእ ብጋህዲ ኸነገልግል ንኽእል ኢና።

ሒደት ዓመታት ይገብር: ወለደይ ነቲ ምስቶም 60 ዝዀኑ ኣባላት ስድራ​ቤት ጨንፈር ቤት ጽሕፈትና እናዓየና እንነብረሉ ቦታ ኽርእይዎ ንዘቕረብናሎም ዕድመ ምስ ተቐበልዎ ኣነን ፔትርን ብሓጐስ ፍንጭሕ በልና። ኣቦይ ንመንበሪናን ቤት ጽሕፈትናን ምስ ተዓዘቦ “እወ: ኣብ ማእከልኩም ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኣሎ” በለ። ከምዚ ዝበለ ዘረባ ካብ ኣቦይ ብምስምዐይ ኣዝዩ ኢዩ ኣሐጒሱኒ።

ኮምዩኒዝም እተመባጽዖ ነገራት ረኸብክዎ

እቲ ብኮምዩኒዝም ኣቢሉ ዝሓሸት ዓለም ንኽትመጽእ ዝነበረና ተስፋ ሕልሚ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። እቲ ብቕኑዕ ድራኸ ዝግበር ሰብኣዊ ጻዕርታት እኳ ኸይተረፈ ጽድቃዊ ማሕበረሰብ ንምምስራት ዕዉት ኰይኑ ከም ዘይተረኽበ ታሪኽ ወድሰብ ዘረጋግጾ ኢዩ። ሰብ ብዘይ​ሓገዝ ኣምላኽ ሕጕስ ናብራ ህይወት ከስተማቕር ከም ዘይክእል ብሕጂ ዝግንዘቡ ሓያሎ ሰባት ከም ዘለዉ እኣምን ኢየ።​—⁠ኤርምያስ 10:⁠23

ነቲ ኣቦይ ብኮምዩኒዝም ክመጽእ ኢዩ ኢሉ ዝምህረና ዝነበረ “ናይ ሓቂ ህይወት” ንኽረክብ እተመነየለይ ትምኒት ወትሩ ኢየ ዝዝክሮ። ካብቲ ዝገበርክዎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ኸም እተገንዘብክዎ ግን እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ “ናይ ሓቂ ህይወት” ማለት እቲ ኣብታ ኣምላኽ ዘቝማ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ዝህሉ ህይወት: ደቅሰብ ክውከልዎ ዝግባእ ናይ ሓቂ ተስፋ ምዃኑ ተገንዘብኩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠19) ከምዚ ከም ዝብል ዝገበረኒ ኸኣ እቶም ንትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ናብራ ህይወቶም ከውዕልዎ ልባዊ ጻዕሪ ዝገብሩ ሰባት ሓጢኣትን ሰብኣዊ ዘይፍጽምናን እኳ እንተለዎም ሓቢሮም ብሰላም ክነብሩ ብምርኣየይ ኢዩ። ነቲ ሓድነቶም ንምዝራግ ወይ ምስ የሆዋ ኣምላኾም ንዘለዎም ናይ ማሕርሮ ርክብ ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕ እተገብረ ዅሉ ፈተነታት ብምቅዋም ተዓዊቶም ኢዮም።

ብዛዕባ እዚ ብፍላይ ጦብላሕታ ዝሓደረኒ ኸኣ እቲ ጥቓ ልቮፍ: ዩክረይን: እተሃንጸ ሓድሽ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኸር ብ19 ግንቦት 2001 ክውፈ ኸሎ ኣነን ብዓል ቤተይን ካብቶም ዕዱማት ኣጋይሽ ክንከውን ፍሉይ መሰል ምስ ረኸብና ኢዩ። ኣብቲ ኣኼባ እቲ ቅድም ኣባላት ናይቲ ማሕበር መንእሰያት ኮምዩኒስት ንኣሽቱ ፓይነራት ዝነበሩ ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ረኺበ ኢየ። እዚኣቶም እውን ልክዕ ከማይ: ኮምዩኒዝም ንዅሎም ደቅሰብ ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን ከምጽኣሎም ኢዩ ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ ነይሮም። ሕጂ ምስ ሰበይቱ ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ሩስያ ዘገልግል ዘሎ ቭላድሚር ግራይጎሪቭ ሓደ ኻብቶም ንኣሽቱ ፓይነራት ዝነበረ ኢዩ።

እቲ ቕድም ኣብ ግዜ ኽረምቲ ማእከል ናይ ንኣሽቱ ፓይነራት ኰይኑ ዝዓዪ ዝነበረ ቦታ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓድሽ ጨንፈር ቤት ጽሕፈቶም ሃኒጾምሉ ኽትርኢ ኸሎኻ ዘደንጹ ኢዩ። ኣብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት እኹል ቦታ ስለ ዘየለ: ኣብቲ ናይ ወፈያ ፕሮግራም ክመጹ ዝኸኣሉ ካብ 35 ሃገራት 839 ሰባት ጥራይ ኢዮም። ይኹን እምበር: ንጽብሒቱ ንግሆ ኣብ ልቮፍ ኣብ ዝርከብ ስታድዩም ኵዕሶ እግሪ 30,881 ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ ድሮኡ ዝነበረ ፕሮግራም ናይ ድግማ ሓሳባት ክሰምዑ ተኣከቡ።a ገለ ኻብዚኣቶም ከኣ ክሳዕ ሽዱሽተ ሰዓት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝኸውን ተጓዒዞም ኢዮም ካብ ርሑቕ ቦታታት መጺኦም።

እንተዀነ ግን: እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቲ ሓድሽ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንምርኣይ እተገብረ ምድላው ምስ ፈለጡ ኣብተን ዝመጹለን ኣውቶቡሳት ተሰቒሎም ናብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ከዱ። እተን ኣውቶቡሳት ድሕሪ ቐትሪ ኣብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ስለ ዝበጽሓ እቶም ኣሕዋት ኣብቲ ህንጻ እናዞሩ ኽርእዩ ኣጋጣሚ ረኸቡ: ኣነን በዓል ቤተይን ከኣ ኣጋይሽ ኴንና ኣብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ ምሕዳር ፍሉይ መሰል ረኸብና። ሽዑ ምሸት እቶም ልዕሊ 16,000 ዝዀኑ ፍቑራት ኣመንቲ ብጾትና ዑደቶም ምስ ወድኡ ኣውቶቡስ ተሰቒሎም: ነቲ ንመብዛሕትኦም ናብ ቤቶም ንምብጻሕ ነዊሕ መገዲ ዝወስደሎም ጕዕዞ ጀመርዎ!

ኣብ ዩክረይን: ከምቲ ኣብተን ካልኦት ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዝርከባ ሃገራት: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኮምዩኒዝም ሰላማዊ ሓድሽ ሕብረተሰብ ንምፍጣር እቲ ዝበለጸ ተስፋ ምዃኑ ኢዮም ዝኣምኑ ነይሮም። ሎሚ ግን ኣብ ዩክረይን ጥራይ ልዕሊ 120,000 ሰባት ንኻልኦት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይነግሩ ኣለዉ። እወ: መብዛሕትና ቅድሚ ሕጂ ኮምዩኒስት ዝነበርና: እዛ ብኣምላኽ እትመሓደር መንግስቲ ንዅሎም ሰባት ናይ ሓቂ ሕውነትን ሰላምን ከተምጽእ እትኽእል ናይ ሓቂ ተስፋ ንሳ ጥራይ ምዃና ኣሚንና ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብቲ ግዜ እቲ እውን ካልኦት 41,143 ዝዀኑ ሰባት ነቲ ብዛዕባ እቲ ናይ ወፈያ ፕሮግራም ዝገልጽ ናይ ድግማ ሓሳባት ክሰምዑ ካብቲ ቦታ እቲ 500 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ስታድዩም ክየቭ ተኣኪቦም ኢዮም። እቲ ብድምር 72,024 ዝነበረ ቝጽሪ ተኣከብቲ: ኣብ ዩክረይን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ዝገበርዎ ኣኼባታት እቲ ዝለዓለ ቝጽሪ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ምስቶም ናይ ኮምዩኒስት ንኣሽቱ ፓይነራት ደድሕሪ ምሕባረይ: ጓል ዓሰርተ ዓመት ከሎኹ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ፔትር ብዓል ቤተይ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ቅድሚ ሕጂ ኣባል ናይ ኮምዩኒስት ንኣሽቱ ፓይነራት ዝነበረ: ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዩክረይን ክውፈ ኸሎ ዝረኸብክዎ ቭላድሚር

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ልዕሊ 16,000 ዝዀኑ ነቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ረኣይዎ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ልዕሊ 30,000 ዝዀኑ ነቲ ናይ ወፈያ ፕሮግራም ሰምዕዎ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ