ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g02 8/4 ገጽ 20-21
  • ናይ ገበን ስምዒት ወትሩ ሕማቕ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ገበን ስምዒት ወትሩ ሕማቕ ድዩ፧
  • ንቕሑ!—2002
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ገበን ስምዒት እንታይ ኢዩ፧
  • ናይ ገበን ስምዒት ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ
  • ብዛዕባ ናይ ገበን ስምዒት ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ምሓዝ
  • በደለኛ ኸም ዝዀንኩ ይስምዓኒ—መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘኒ ይኽእልዶ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ናብ መጻኢ ‘ትኽ ኢልካ ርአ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ተስፋ ኣይትቝረጽ!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ሓዘነይ ክኢለ ክነብር ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧
    እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2002
g02 8/4 ገጽ 20-21

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ

ናይ ገበን ስምዒት ወትሩ ሕማቕ ድዩ፧

ሎሚ ብዙሓት ሰባት ናይ ገበን ስምዒት ዘይተደላዪ ባህሪ ኸም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝምልከትዎ። ልክዕ ከምቲ “ናይ ገበን ስምዒት ክሳዕ ሕጂ ኣብ ወድሰብ ዓብሊሉ ይርአ ኻብ ዘሎ ሕማም እቲ ዝኸፍአ ኢዩ” ዝበለ ፍሪድሪሽ ኒቺ እተባህለ ጀርመናዊ ፈላስፋ ዝነበሮ ስምዒት ኢዩ ዘለዎም።

ሎሚ ግን ገለ ተመራመርቲ ኻብዚ እተፈልየ ርእይቶ ኢዮም ዝህቡ ዘለዉ። ኣህጕራዊ ተፈላጥነት ዘለዋ ደራሲት ሱዛን ፎርዋርድ እተባህለት ናይ ፍልስፍና ዶክተር “ናይ ገበን ስምዒት: እሙንን ዝስምዖን ሰብ ንኽትከውን ዓብዪ ግደ ኣለዎ። ሕልና ንኽዓዪ ኸኣ ዝሕግዝ ኢዩ” በለት። ስለዚ ዅሉ ናይ ገበን ስምዒት ሕማቕ ኢዩ ኽበሃል ይከኣልዶ ኢዩ፧ ናይ ገበን ስምዒት ሓጋዚ ክዀነሉ ዝኽእል ገለ ኣጋጣሚታት ኣሎዶ፧

ናይ ገበን ስምዒት እንታይ ኢዩ፧

ናይ ገበን ስምዒት ዝመጽእ: ንሓደ እንግደሰሉ ሰብ ከም ዘጕሃናዮ ምስ እንግንዘብ ወይ ከኣ ክንስዕቦ ዝግብኣና ስርዓት ምስ እንጥሕስ ኢዩ። ከምቲ ሓደ መወከሲ መጽሓፍ ዝገለጾ ናይ ገበን ስምዒት ምስቲ “ሓደ ሰብ ብዘጋጠሞ ፍሽለት: ብዝፈጸሞ በደል: ገበን ወይ ሓጢኣት: መቕጻዕቲ ስለ ዝግብኦ በዓል ዕዳ ከም ዝዀነ” ዀይኑ ንዝስምዖ ስምዒት ዘመልክት ኢዩ።

ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ናይ ገበን ስምዒት ምስቲ ሓደ እስራኤላዊ ሕጊ ኣምላኽ ብምጥሓስ ዝፍጽሞ በደል ተተሓሒዙ ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘሌዋውያንን ዘሁልቍን ብብዝሒ ተጠቒሱ ይርከብ። እቲ ዘገርም ግን እዛ ንናይ ገበን ስምዒት እተመልክት ቃል ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ዳርጋ ኣይንረኽባን ኢና። ኣብቲ እተጠቕሰትሉ ሒደት ጥቕስታት ግን ብተመሳሳሊ ኣብ ኣምላኽ እትገብሮ ከቢድ ኣበሳ ኢያ እተመልክት።​—⁠ማርቆስ 3:⁠29 NW ፣ 1 ቈረንቶስ 11:⁠27 NW 

ይኹን እምበር ከይበደልና ናይ ገበን ስምዒት ክስምዓና ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ ሰብ ካብ ገዛእ ርእሱ ፍጽምና ብምጽባይ ምኽንያታዊ ዘይኰነ ስርዓታት ዘውጽእ እንተደኣ ዀይኑ ምፍጻሙ ኣብ ዝስእነሉ ግዜ ዘየድሊ ናይ ገበን ስምዒት ክሓድሮ ይኽእል ኢዩ። (መክብብ 7:⁠16) ወይ ከኣ ብዝገበርናዮ ጌጋ ወይ ብጕድለትና ዝስምዓና ጓሂ: ብሕፍረት ደቚሱ ኽሃስየና ነፍቅደሉ ንኸውን። ካብ ናይ ገበን ስምዒት እምበኣር እንታይ ጥቕሚ ኢዩ ክርከብ ዝኽእል፧

ናይ ገበን ስምዒት ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ

ናይ ገበን ስምዒታት እንተ ወሓደ ብሰለስተ መገድታት ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ቀዳማይ: ብዛዕባ እቲ ቕቡል መለክዒታት ነቒሕና ምህላውና ዘመልክት ኢዩ። ጽቡቕ ሕልና ከም ዘሎና እውን ዝሕብር ኢዩ። (ሮሜ 2:⁠15) አረ እታ ብናይ ኣመሪካ ማሕበር ስነ⁠-​ኣእምሮ እተዳለወት መጽሓፍሲ ናይ ገበን ስምዒት ዘይብልካ ምዃን ንድሕንነት ሕብረተሰብ ኣብ ስግኣት ዘውድቕ ኸም ዝዀነ ኢያ ጠቒሳቶ ዘላ። ርኹስ ወይ ከኣ ዝሞተ ሕልና ዘለዎም ሰባት ኣብ መንጎ ቕኑዕን ጌጋን ዘሎ ፍልልይ ምርኣዩ የጸግሞም ኢዩ: እዚ ድማ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።​—⁠ቲቶስ 1:⁠15, 16

ካልኣይ: ናይ ገበን ስምዒት እተሰምዖ ሕልና ካብ ዘይድለ ተግባራት ንኽንርሕቕ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ኣካላዊ ቓንዛ ኽመጽእ ንዝኽእል ናይ ጥዕና ሽግር ከነስተብህለሉ ዝሕግዘና: ምስ ናይ ገበን ስምዒት እተተሓሓዘ ስምዒታዊ ስቓይ ከኣ ቈላሕታ ኽንገብረሉ ንዘድልዮ ስነ⁠-​ምግባራዊ ወይ መንፈሳዊ ግድላት ከነስተብህለሉ ኽሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ሓንሳእ ንድኻምና ምስ ኣስተብሃልናሉ ድሕሪ ደጊም ንገዛእ ርእስና: ንፍቑራትና: ወይ ንኻልኦት ሰባት ከይንጐድእ ንጥንቀቕ ኢና።​—⁠ማቴዎስ 7:⁠12

ሳልሳይ: በደልካ ምንዛዝ ነቲ በደለኛን ነቲ እተበደለን ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: እቲ ንጉስ ዳዊት ዝፈጸሞ በደል ዓሚቝ ስምዒታዊ ስቓይ ኣስዒብሉ ኢዩ። “ስቕ ኢለ ኸሎኹ: ምሉእ መዓልቲ ብምግዓረይ ኣዕጽምተይ ዘርጋሕጋሕ በለ” ኢሉ ጸሓፈ። ኣብ መወዳእታ ሓጢኣቱ ናብ ኣምላኽ ምስ ተናዘዘ ግን ተሓጒሱ “ብእልልታ ምድሓን ትኸበኒ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 32:3, 7) በደልካ ምንዛዝ ነቲ ዝበደልካዮ ሰብ ብዝገበርካዮ ነገር ምጥዓስካ ክሳዕ ክንደይ ከም እተፍቅሮ ዘረጋግጸሉ ብምዃኑ ነቲ እተበደለ ሰብ እውን ጽቡቕ ከም ዝስምዖ ኽገብሮ ይኽእል ኢዩ።​—⁠2 ሳሙኤል 11:⁠2-15

ብዛዕባ ናይ ገበን ስምዒት ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ምሓዝ

ብዛዕባ ናይ ገበን ስምዒት ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ንምሓዝ: ነቲ የሱስን ፈሪሳውያንን ብዛዕባ ሓጢኣትን ሓጢኣተኛታትን ዝነበሮም ዓብዪ ፍልልይ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ኣስተብህለሉ። ኣብ ሉቃስ 7:⁠36-50 ብዛዕባ ሓንቲ የሱስ ንመኣዲ ተቐሚጡላ ኣብ ዝነበረ ቤት ሓደ ፈሪሳዊ ዝኣተወት ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ናብራ ዝነበራ ሰበይቲ ነንብብ ኢና። ናብ የሱስ ቀሪባ ብንብዓታ ኣእጋሩ እናሓጸበት ብኽቡር ዝዋግኡ ቅዱይ ትቐብኦ ነበረት።

እቲ ውፉይ ዝነበረ ፈሪሳዊ ነታ ሰበይቲ ኣዝዩ ስለ ዝነዓቓ ግምትን ቈላሕታን ክግበረላ ዘይትበቅዕ ገይሩ ወሰዳ። ብልቡ ድማ “እዚ [የሱስ] ነብዪ እንተ ዚኸውንሲ: እዛ ዝተንከየቶ ሰበይቲ ሓጢኣተኛ እያ እሞ: መን ከመይ ዘመሰለትውን ምዃና ምፈለጣ ነይሩ” ኢሉ ሓሰበ። (ሉቃስ 7:39) ሽዑ የሱስ ብኡንብኡ ኸምዚ ብምባል ንኣተሓሳስባ ስምኦን ኣረሞ:- “ንስኻ ንርእሰይ ብዘይ​ቲ ኣይለኼኻንን: እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸየት። ስለዚ: ብዙሕ ስለ ዘፍቀረት: ንእኣ ብዙሕ ሓጢኣት ተሐዲጉላ: እብለካ አሎኹ።” እዚ ብሕያውነት እተዛረቦ ቓላት ነታ ሰበይቲ ኣዝዩ ከም ዘተባብዓን ንልባ ዕረፍቲ ኸም ዘምጽኣላን ፍሉጥ ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 7:46, 47

የሱስ ንዘይስነ⁠-​ምግባራውነት ዕሽሽ ይብል ከም ዘይነበረ ፍሉጥ ኢዩ። ነቲ ዕቡይ ፈሪሳዊ ንኣምላኽ ምግልጋል በቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸት ፍቕሪ እተደረኸ ክኸውን ከም ዘለዎ ኢዩ ዝምህሮ ነይሩ። (ማቴዎስ 22:⁠36-40) እታ ሰበይቲ በቲ ናይ ዝሓለፈ ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ኣነባብርኣ ናይ ገበን ስምዒት ክስምዓ ግቡእ ኢዩ ነይሩ። ብምብካያ: ነቲ ናይ ቅድም ኣነባብራኣ ከተመኻንየሉ ብዘይ​ምፍታና: ከምኡውን ንየሱስ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ሰባት ንኸተኽብሮ ኣወንታዊ ስጕምቲ ብምውሳዳ ጣዕሳ ኸም ዘርኣየት ግሁድ ኢዩ። የሱስ እዚ ምስ ረኣየ “እምነትኪ ኣድሒናትኪ: ብሰላም ኪዲ” በላ።​—⁠ሉቃስ 7:50

እቲ ፈሪሳዊ ግን ገና ከም ሓጢኣተኛ ገይሩ ነዓቓ። ምናልባት ከምኡ ዝገበረ ‘ፍርሃት ኣምላኽ ከሕድረላን’ በደለኛ ከም ዝዀነት ንኽስምዓን ኢሉ ኢዩ ዝኸውን። ይኹን እምበር: ካልኦት ሰባት ከምቲ ንሕና ኽገብርዎ እንጽበዮም ብዘይ​ምግባሮም ናይ ገበን ስምዒት ከም ዝስምዖም ንምግባር ወትሩ ንፍትን እንተደኣ ዄንና: ፍቕራዊ መገዲ ኣይኰነን: ፍረ ኸኣ የብሉን። (2 ቈረንቶስ 9:⁠7) ንየሱስ ብምምሳል ጥራይ ኢዩ ዝበለጸ ፍረ ኽርከብ ዝከኣል። እዚ ድማ ሰናይ ኣብነት ብምዃንን ብቕንዕና ብምንኣድን ከምኡውን ሽሕኳ ሓድሓደ ግዜ ተግሳጽን ምኽርን ዘድሊ እንተዀነ ከም እንኣምኖም ብምግላጽ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ።​—⁠ማቴዎስ 11:⁠28-30፣ ሮሜ 12:⁠10፣ ኤፌሶን 4:⁠29

ስለዚ እምበኣር: ጌጋ ኽንገብር ከሎና ናይ ገበን ስምዒት ክስምዓና ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ኣድላዪ እውን ኢዩ። ምሳሌ 14:⁠9 “እቶም ዓያሱ ብሓጢኣት ይዋዘዩ” ትብለና። ናይ ገበን ስምዒት ዘለዎ ሕልና ንኽንንሳሕን ካልእ ኣወንታዊ ስጕምትታት ንኽንወስድን ክድርኸና ይኽእል ኢዩ: ክድርኸና ኸኣ ይግባእ። ይኹን እምበር: ንየሆዋ እነገልግለሉ ቐንዲ ምኽንያት ብናይ ገበን ስምዒት ዘይኰነስ ወትሩ ብፍቕሪ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። (እዮብ 1:⁠9-11፣ 2:⁠4, 5) መጽሓፍ ቅዱስ ቅኑዓት ሰባት በዚ ምስ ዝተባብዑን ምስ ዝሕደሱን እተኻእሎም ዘበለ ኽገብሩ ከም ዝኽእሉ የረጋግጸልና ኢዩ። ብዝያዳ ድማ እተኻእሎም ዘበለ ብምግባሮም ክሕጐሱ ኢዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ