ስማዕ እሞ ፍልጠት ኣጥሪ
ኣብጋዜጣ ቶሮንቶ ስታር ዝወጸ ጸብጻብ “ካብ ፍልጠትና 85 ሚእታዊት ብምስማዕ ከም እነጥርዮ ተገንዚብና ኢና” በለ። ዝበዝሕ ግዜና ኣብ ምስማዕ እነጥፍኦ እኳ እንተ ዀንና ካብቲ ግዜ እቲ ግን 75 ሚእታዊት ኣቓልቦና ይስረቕ: ነስግል ወይ ንርስዕ ኢና። እዚ ዘስደምም ኣሃዛት እዚ ናይ ምስማዕ ክእለትና ኸነማዕብል ኸም ዘድልየና ዘጕልሕ ኢዩ።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ “ብግቡእ ናይ ዘይምስማዕ ሽግር ሱር ጸገማት ብዙሓት ሕብረተሰብ ኰይኑ ኣሎ።” ናይ ምዝራብ ጸገም ሓኪምን ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክኢላን ዝዀነት ሪበካ ሻፈር: እዚ ንርእሰ-ቕትለት: ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዝፍጸም ዓመጽ: ንምብትታን ስድራቤት: ከምኡውን ሓሽሽ ንምጥቃም ረቛሒ ኸም ዝኸውን እምነታ ገሊጻ ኢያ።
ሊቃውንቲ ማሕበራዊ ርክባት: ሰባት እተፈላለየ ናይ ምስማዕ ኣገባብ ከም ዘለዎም ተዓዚቦም ኢዮም። ገሊኣቶም ብዛዕባ ሰባት ዝምልከት ነገራት ክሰምዑ ኢዮም ዝደልዩ: ነቲ ኣብ ሓደ ታሪኽ ዘሎ ዝምስጥ ደቀቕቲ ዝርዝራት እውን ክሰምዑ ባህ ይብሎም ኢዩ። ገሊኣቶም ከኣ ኣብ ሓደ ጸብጻብ ዘሎ ፍጻመታት ስለ ዝፈትዉ እቲ ተዛራባይ ኣሕጽር ኣቢሉ ነቲ ቝም ነገር ጥራይ ክነግሮም ኢዮም ዝደልዩ። ስለዚ ጋዜጣ ስታር ከምዚ በለት:- “እቶም ብዛዕባ ሰባት ክሰምዑ ዝደልዩን ብዛዕባ ፍጻመታት ክሰምዑ ዝደልዩን ንሓድሕዶም ክዘራረቡ ኸለዉ: ሓሳብ ንሓሳብ ከይረዳድኡ ይኽእሉ ኢዮም።”
የሱስ ‘ኸመይ ገይርና ኸም እንሰምዕ ኽንጥቀቕ’ ከም ዘድልየና ኸጕልሕ እምበኣር እኹል ምኽንያት ኣለዎ። (ሉቃስ 8:18) ብግቡእ ምስማዕ ስነ-ስርዓት ከም ዘሎካ ዘርኢ ኢዩ። ምስ ሰባት ጽቡቕ ዝርርብ ንምግባር ናይ ግድን ኣድላዪ ኢዩ። ምስ ሰባት ኣብ እትዘራረበሉ እዋን ንኽትሰምዕ ካብ ዝሕግዘካ ነገራት ኣቓልቦ ናብ ዝሰርቕ ነገራት ዘይምጥማት: ቁሩብ ንቕድሚት ቅንን ምባል: ከምኡውን ነቲ ዝዛረበካ ሰብ ዓይን ዓይኑ እናጠመትካን ርእስኻ እናነቕነቕካን ትሰምዖ ኸም ዘሎኻ ምሕባር ኢዩ። ዝበዝሕ እንፈልጦ ነገራት ኣብ ኣሰማምዓና ስለ ዝምርኰስ: ኣቓልቦ ምግባር ኵላትና ብቐጻሊ ኽንዓየሉ ዘሎና ጕዳይ ኢዩ።