ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g02 8/10 ገጽ 15-17
  • ከመይ ገይረ ኢየ ዝያዳ ማራኺ ክኸውን ዝኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ከመይ ገይረ ኢየ ዝያዳ ማራኺ ክኸውን ዝኽእል፧
  • ንቕሑ!—2002
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ዝወጾ ዘይብሉ” መልክዐኛ ኽትከውን ምጽባይ ዕሽነት ኢዩ
  • ውሽጣዊ ባህርያት
  • ምቕሉል ምዃንዶ ይሓይሽ ተዃሻሚ፧
  • 29 ምስ ኣንጻር ጾታ ንኽቋጸር ኣኺለ ድየ፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • ምሕዝነትዶ ፍቕሪ—2ይ ክፋል፦ እንታይ መልእኽቲ እየ ዘመሓላልፍ ዘለኹ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ዓርኪ ንኽሕዝ ተዳልየ ድየ፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ንደቅኻ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ኣዘራርቦም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2002
g02 8/10 ገጽ 15-17

መንእሰያት ዝሓትዎ . . .

ከመይ ገይረ ኢየ ዝያዳ ማራኺ ክኸውን ዝኽእል፧

“ምስ ኣዋልድ ምዕላል ይኸብደኒ ነበረ። እንታይ ከም ዝሓስባ: ከመይ ከም ዝስምዐን: ወይ እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዘለወን ኣይፈልጥን ኢየ ነይረ።”​—⁠ተይለር

ኣዋልድ ካብ ባህርያት ኣወዳት ኣጸቢቐን ዝፈትውኦ እንታይ ኢዩ፧ ኤሚሊ እትበሃል ጐርዞ “ምትእምማን” ኢላ መለሰት። ሮቢን እትበሃል ድማ ዘስሕቓ ወዲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኸም እትፈቱ ገለጸት። ኣወዳት ኣብ ኣዋልድ ክርእይዎ ዝደልዩ ነገርከ እንታይ ኢዩ፧ ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዝሕብሮ: ካብ ኵሉ ንላዕሊ ምልኩዓት ክዀና ኢዮም ዝደልይወን። ሕደ ዓይነት ድሌትን ናይ ባህሪ ምስምማዕን ኣብ ሻድሻይ ደረጃ ኢዩ ተሰሪዑ።

ኣብ መንጎ ወድን ጓልን ዘሎ ርክብ ዝገልጽ ዓንቀጻትን መጽናዕትታትን ኣብቲ ንመንእሰያት ተባሂሉ ዝዳሎ መጽሔታት ወትሩ ኢዩ ዝወጽእ። ብዙሓት መንእሰያት ኣንጻር ጾታኦም ብኸመይ ከም ዝርእዮም ብዙሕ የተሓሳስቦም: ሕሉፍ ሓሊፉውን የጨንቖም ኢዩ። ምናልባት ንስኻ እውን ብዛዕባ እዚ ትጭነቕ ትኸውን። ኣብ ቀረባ ግዜ ኽትምርዖ ስለ ዝደለኻ ኣይኰንካን እትጭነቕ። የግዳስ ማራኺ ወይ ተደላዪ ክኸውን ዘይደሊ ሰብ ስለ ዘየለ ኢዩ! ተይለር ብዛዕባዚ ኸምዚ በለ:- “ኰተቴ ኸሎኻ ንዅሉ ሰብ እትማርኽ ኢኻ ኽትከውን እትደሊ። በቶም መዛኑኻ ኣወዳትን ኣዋልድን ተቐባልነት ክትረክብ ትደሊ ኢኻ።” ምናልባት እትሰማምዓካ በዓልቲ ሓዳር እውን ትደሊ ትኸውን። ኣብቲ ግዜ እቲ: ነታ ጓል ክትማርኻ ትደሊ ኢኻ። ጓል ኣንስተይቲ እውን ከምኡ ኽትከውን ኢያ እትደሊ።

ይኹን እምበር: ክርስትያን መንእሰይ ከም ምዃንካ መጠን ምስ ኣንጻር ጾታ ኣብ ዝግበር ርክብ ተመክሮ ኣይህልወካን ይኸውን። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ መልክዐኛ ንኽትከውን ካብ መዛኑኻ ጸቕጢ ይወርደካ ኢዩ። ኣብ ቲቪን መጽሔታትን ኣዝዮም ምልኩዓት ከምኡውን ድልዱላት ተዋሳእቲ ብብዝሒ ስለ እትርኢ: ርእሰ⁠-​ምትእምማንን ብቕዓትን ዘይብልካ ዀይኑ እንተ ተሰምዓካ ኣየገርምን ኢዩ። ንኻልኦት​—⁠እንተላይ ንኣንጻር ጾታ​—⁠ብሚዛናውን ኣወንታውን መገዲ ንኽትማርኾም ደኣሞ እንታይ ኢዩ ዘድልየካ፧

“ዝወጾ ዘይብሉ” መልክዐኛ ኽትከውን ምጽባይ ዕሽነት ኢዩ

ዊልያም ኤስ. ፖላክ ዝበሃል ተመራማሪ ስነ⁠-​ኣእምሮ መዘናግዒታት ዘሕድሮ ጽልዋ ንብዙሓት መንእሰያት “መጠንን ቅርጽን ኣካላቶም ንኽቕይሩ ኢሎም ኣገባብ ኣመጋግባኦም ኣብ ምሕላው: ሓጺን ኣብ ምስፍሳፍ: ከምኡውን ናይ ኣይሮቢክ ምውስዋስ ኣብ ምግባር ማእለያ ዘይብሉ ሰዓታት ንኸሕልፉ” ኸም ዝገበሮም ገሊጹ ኣሎ። አረ ገሊኣተንሲ “ዝወጻ ዘይብላ” መልክዐኛ ንኽበሃላ ኢለን ዳርጋ መግቢ ዝበሃል ኣይለኽፋን ኢየን። እንተዀነ ግን: ከምቲ ማእከል ምርምር ማሕበራዊ ጕዳያት ዝገለጾ “ነቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ንደቂ ኣንስትዮ ምልኩዓት ዘብለን መዐቀኒ ኽበጽሓኦ ዝኽእላ ትሕቲ 5% ጥራይ ኢየን​—⁠እዚውን እንተዀነ ክብደተንን ዓቐነንን ጥራይ ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ። ብቕርጸን: ብናይ ገጸን መልክዕ: ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው ምልኩዓት ክበሃላ ዝኽእላ 1% ጥራይ ኢየን።”

ስለዚ እምበኣር: እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሮሜ 12:⁠2 “ኣብ ከባቢኹም ዘላ ዓለም ክትቀርጸኩም ኣይተፍቅዱላ” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ጠቓሚ ኢዩ። (ትርጕም ፊሊፕስ ) ከምዚ ኽበሃል ከሎ ግን ብትርኢትካ ዘይትግደስ ኩን ማለት ኣይኰነን። እተወሰነ ምውስዋስ ኣካላት ብምግባርን እተመጣጠነ መግቢ ብምምጋብን ንኣካላትካ ኽትከናኸኖ ይግባእ። (ሮሜ 12:⁠1፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:⁠8) ግቡእ ዕረፍትን ድቃስን እውን ጽቡቕ ወጅሂ ንኽህልወካን ፍዅስ ንኽብለካን ይሕግዝ ኢዩ። ንኣካላትካ ተኸናኸኖ: ጽሩይ ድማ ኹን። ሓደ ዴቪድ ዝበሃል እንግሊዛዊ መንእሰይ “ኣነ ዝፈልጣ ሓንቲ ኣዝያ መልክዐኛ ጓል ኣላ: እንተዀነ ግን ሕማቕ ሽታ ኣለዋ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ ሰባት ኣይቀርብዋን ኢዮም” በለ። ስለዚ ወትሩ ነብስኻ ተሓጸብ። ጽሩይ ኣእዳውን ጸጕርን ኣጽፋርን እንተ ሃልዩካ ንመልክዕካ ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብእንኽደኖ ዓይነት ክዳን ኣመና ኽንጭነቕ ከም ዘይብልና ዝገልጸልና እኳ እንተዀነ: ንክርስትያናት ‘ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስን’ ክስለሙ ይምዕዶም ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:⁠9) ምሳኻ ዝኸይድ ክዳውንቲ ተኸደን: ጠገለ ዘይብሉ ወይ ዘይግቡእ ክዳውንቲ ግን ኣይትከደን።a ንትርኢትካ ሚዛኑ ዝሓለወ ቈላሕታ ትህቦ እንተ ዄንካ: ዝያዳ ርእሰ⁠-​ተኣማንነት ክሓድረካ ኢዩ። ፖል ዝበሃል መንእሰይ “ኣዚኻ መልክዐኛ ኸይትኸውን ትኽእል ኢኻ: እንተዀነ ግን በቲ ዘሎካ ኽትመላኻዕ ትኽእል ኢኻ” በለ።

ውሽጣዊ ባህርያት

መልክዕን መሸከልን ኣቓልቦ ሰባት ዝስሕብ እኳ እንተዀነ: ኣማስያኡ ግን “መልክዕ ሓላፊ ኢዩ።” (ምሳሌ 31:⁠30 ባይንግተን) ጽባቐ መልክዕ ንሓጺር ግዜ ኢዩ ዝጸንሕ: ነቲ ማራኺ ባህርያት እውን ክትክኦ ኣይክእልን ኢዩ። (ምሳሌ 11:⁠22) ‘ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ ኸም ዝርኢ: እግዚኣብሄር ግና ልቢ ኸም ዝርኢ’ ድማ ኣይትረስዕ። (1 ሳሙኤል 16:⁠7) ስለዚ ኣብ ቅርጺ ኣካላትካ ኻብ መጠን ንላዕሊ ኣብ ክንዲ እተተኵር: በቲ “ሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ” ጌርካ ርእስኻ ሰልም። (1 ጴጥሮስ 3:⁠3, 4፣ ኤፌሶን 4:⁠24) ልክዕ ኢዩ: ኣብዛ ሕጂ ዘላ ዓለም ዝርከቡ ብዙሓት መንእሰያት ብዛዕባ ዝድነቕ ባህርያት ግዲ የብሎምን፣ ንመንፈሳዊ ባህርያት እሞ ኸኣ ፈጺሞም ኣይግደሱሉን ኢዮም።b እቶም ብስርዓታት ኣምላኽ ዝመላለሱ ግን ኣኽቢሮም ኢዮም ዝርእይዎ: ብእኡ ድማ ይማረኹ ኢዮም!

ስለዚ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ንዘለዎም ክርስትያን ሰብኡት ወይ ኣንስቲ እትስሕብ ክትከውን እንተ ደሊኻ: መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ኽህልወካ ኣለዎ። ብጸሎት: ብብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ከምኡውን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምእካብ መንፈሳውነትካ ኣማዕብል። (መዝሙር 1:⁠1-3) ይኹን እምበር: ካልእ ጠቓሚ ኽእለታትን ጠባያትን እውን ከተማዕብል ትኽእል ኢኻ። ነዚ ባህርያት እዚ ንምምዕባል ግድን ምስ ኣንጻር ጾታ ክትቋጸር ወይ ፍቕሪ ኽትምስርት ኣየድልየካን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ኣብ መዓልታዊ ርክብካ ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎካ ርክብ ክትለማመዶ ትኽእል ኢኻ።

ንኣብነት: ምስ ኣንጻር ጾታ ኽትከውን ከሎኻ ትጭነቕን ትሓንኽን ዲኻ፧ ፖል ዝበሃል መንእሰይ “ከምቲ ንኣወዳት ገይረ ዝርድኦም ንኣዋልድ ስለ ዘይርድአንን ዘሕፍር ተግባር ክገብር ስለ ዘይደልን: ሓድሓደ ግዜ እጭነቕ ኢየ” ብምባል ስምዒቱ ኸይሓብአ ገለጸ። ንኻልኦት ከም ዝፈዅሶም ዝገብር ርእሰ⁠-​ምትእምማንን ህድኣትን ብኸመይ ከተጥሪ ትኽእል፧ ሓደ ኻብኡ ነቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ እተፈላለዩ ሰባት እትቐርቦም እንተ ዄንካ ኢዩ። ኣብ ኣኼባታት ነቶም ኣንጻር ጾታ ዝዀኑ መዛኑኻ ጥራይ ዘይኰነስ ንቘልዑ: ዓበይቲ: ከምኡውን ብዕድመ ንዝደፍኡ እውን ተገደሰሎም። (ፊልጲ 2:⁠4) ምስ እተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ጽቡቕ ርክብ ምህላው ርእሰ⁠-​ምትእምማን ንኸተማዕብል ክሕግዘካ ኢዩ።

ኣብዚውን ክትጥንቀቕ ኣሎካ። የሱስ “ብጻይካውን ከም ነፍስኻ ፍቶ” ኢሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 19:19 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ብዛዕባ ርእስኻ ኣወንታዊ ኣረኣእያ እንተ ሃልዩካ: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ብሕፍረት ደርገፍገፍ ኣይትብልን ወይ ዘይኰነ ነገር ኣይትገብርን ኢኻ።c ይኹን እምበር: ብዛዕባ ርእስኻ ግቡእ ኣኽብሮት ክህልወካ ኣድላዪ እኳ እንተዀነ: ካብቲ ግቡእ መጠን ግን ክሓልፍ የብሉን። ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ካብቲ ዝግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሓስብ እብሎ ኣሎኹ’ በለ።​—⁠ሮሜ 12:⁠3

ጠባይካን ማሕበራዊ ርክብካን ተጠንቂቕካ መርምሮ። ሊድያ እትበሃል እንግሊዛዊት መንእሰይ “ኣብ ቤት ትምህርትና ብዙሓት ኣዋልድ ዝፈትውኦ ወዲ ኣሎ። እንተዀነ ግን: ሓንሳእ ምስ ቀረብኦ ዘይእሩምን ጥረን ስለ ዝዀነ ኣይፈትውኦን ኢየን” በለት። ሰባት ብሕያውነት ተጠንቂቑ ንዝዛረብን ንኻልኦት ንዝሓልን ሰብ ይፈትዉዎ ኢዮም። (ኤፌሶን 4:⁠29, 32፣ 5:⁠3, 4) ዶ/ር ቲ. ቤሪ በራይዘልተን “ባህ ዘብል ጠባይ ልክዕ ከም ፓስፖርት ኢዩ: ምስ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክትቀራረብ ድማ የኽእለካ” በለ። ወሲኹውን “ኣብ ካልኦት ተቐባልነት ንኽህልወካ ዝውስን ኢዩ” በለ።

ኣገባብ ስነ⁠-​ስርዓት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኽፈላለ ስለ ዝኽእል: ኣብ መንጎ ብሱላት ክርስትያናት ሰብኡትን ኣንስትን ዘሎ ርክብ ክትዕዘብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት: ኣብ ዓድኹም ሰብኣይ ማዕጾ ምስ ከፈተ ሰበይቲ ኣብ ጥቕኡ እንተላ ቐዳምነት ናይ ምሃብ ልምዲ ኣሎ ድዩ፧ እንተደኣ ኣሎ: ነዚ ኣብ ግብሪ ምውዓል ስነ⁠-​ስርዓት ዝፈልጥ ዝብል ጽቡቕ ስም ከም እተጥሪ ይገብር ኢዩ።

ብተወሳኺውን ሚዛኑ ዝሓለወ ምውዛይ ሓጋዚ ዀይኑ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ “ንሰሓቕ . . . ጊዜ አለዎ” ይብለና ኢዩ: ሓደ ተዋዛዪ ሰብ ከኣ ብቐሊሉ ኣዕሩኽ ከጥሪ ይኽእል ኢዩ።​—⁠መክብብ 3:⁠1, 4

ምቕሉል ምዃንዶ ይሓይሽ ተዃሻሚ፧

ሓደ “ምስ ኣንጻር ጾታ ዕዉት ርክብ ንምምስራት ዘኽእል መምርሒ” ዝብል ጽሑፍ: ንኣንጻር ጾታ ኽትማርኸሉ እትኽእል ቀንዲ መገዲ ምኵሻም ምዃኑ ጠቒሱ ኣሎ። ንኣንበብቱ ድማ ፍሽኽ ምባል: ዓይኒ ዓይኒ ምጥማት: ከምኡውን ኣብ መጀመርታ ዘረባኦም ምሩጽ ቃላት ምጥቃም ክለማመዱ ኸም ዘለዎም ምዒድዎም። እዚ ምኽሪ እዚ ምስቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ንኣንጻር ጾታ ‘ብንጽህና’ ክቐርበን ከም ዝግባእ ዝሃቦ ማዕዳ ዝሰማማዕ ኣይኰነን።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 5:⁠2

ምኵሻም ርእሰ⁠-​ምትእምማን ከም ዝሓድረካ ኽገብር ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ዘይቅኑዕን ዘይንጹህን ተግባር ኢዩ። ባህ ዘብል ዕላል ንምጅማር ከተኳሽም ወይ ትሑት ከም ዝዀንካ ኸተምስል የብልካን። ኣንጻር ጾታኻ እንታይ ከም ዝስምዖን እንታይ ከም ዝሓስብን ንምፍላጥ ከኣ ዘሕፍር ወይ ዘይግቡእ ሕቶታት ክትሓትት የብልካን። ‘ቅኑዕ: ንጹህ: ከምኡውን ተፈታዊ’ ዘበለ ጥራይ ተዛረብ: በዚ ኸምዚ ድማ ናብ ብስለት ትኸይድ ከም ዘሎኻን መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ ምዃንካን ተርኢ። (ፊልጲ 4:⁠8) ንስርዓታት ኣምላኽ ትእዘዝ እንተደኣ ዄንካ: ኣብ ቅድሚ ኣንጻር ጾታ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እውን ማራኺ ኸም እትኸውን ክገብረካ ኢዩ።d​—⁠ምሳሌ 1:⁠7-9

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 11 ርአ።

b ሓንቲ ተመራማሪት ከም ዝሓበረቶ: በላሕቲ መንእሰያት መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ዘለዎም ክእለት ይጭረቐሎም ኢዩ። ስለዚ ገሊኣቶም መንእሰያት ነቲ ኽእለቶም ይሓብእዎ ኢዮም።

c ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ዘርእስታ መጽሓፍ: ኣብ ምዕራፍ 12 ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ከመይ ጌርካ ግቡእ ኣኽብሮት ከተማዕብል ከም እትኽእል ዝሕብር ብዙሕ ሓሳባት ኣለዋ።

d ንኽትምርዖ ገና ዘይኣኸልካ እንተደኣ ዄንካ: ምስ ኣንጻር ጾታ ንበይንኻ እንተ ዘይተራኸብካ ዝሓሸ ኢዩ። ነታ ኣብ ናይ ሓምለ-መስከረም 2001 ንቕሑ! ዝወጸት “መንእሰያት ዝሓትዎ . . . ወለደይ ምስ ኣወዳት ክትቋጸሪ ኣይኣኸልክን ምስ ዝብሉንኸ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ክንዲ ኣብ ትርኢትካ እተተኵር: መንፈሳዊ ባህርያት ንኸተማዕብል ጽዓር

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ምስ እተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ምቅርራብ ልመድ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ