ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g02 8/10 ገጽ 21-23
  • ብዛዕባ ጸጕርኻ ትጭነቕ ዲኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዛዕባ ጸጕርኻ ትጭነቕ ዲኻ፧
  • ንቕሑ!—2002
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብዛዕባ ጸጕሪ ዘሎካ ፍልጠት ኣስፍሕ
  • ሽበት ኣሎካዶ፧
  • ናይ ጸጕሪ ምስሓውን ምምላጥን
  • ጸጕርኻ ተኸናኸኖ
  • ብዛዕባ ጸጕሪ ዘሎካ ፍልጠት ምዕማቝ
    ንቕሑ!—2001
  • የሱስ ከመይ ይመስል ነይሩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ንቕሑ!—2002
g02 8/10 ገጽ 21-23

ብዛዕባ ጸጕርኻ ትጭነቕ ዲኻ፧

ምናልባት ሓደ ኻብቶም መዓልቲ መዓልቲ ኣብ መስትያት ንጸጕሮም ተጠንቂቖም ዝምርምርዎ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ሓደ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ ብዛዕባ ጸጕሮም ይሓስቡ ኢዮም: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ከጨንቖም ይኽእል ኢዩ።

ብዛዕባ ጸጕሪ ዘሎካ ፍልጠት ኣስፍሕ

ክንደይ ጸጕሪ ርእሲ ኸም ዘሎካ ትፈልጥዶ፧ ብገምጋም 100,000 ኣቢሉ ኢዩ ዝኸውን። ሓንቲ ጸጕሪ ኻብ ክልተ ክሳዕ ሽዱሽተ ዓመት ትዓቢ ኢያ። ድሕሪኡ ትረግፍ እሞ ንእተወሰነ ግዜ ድሕሪ ምጽናሕ ሓዳስ ጸጕሪ ኻብታ እታ ቐዳመይቲ ዝነበረትሉ መንፊት ትበቍል። ሓንቲ ጸጕሪ በቚላ ክሳዕ እትረግፍ ዘሎ እዋን: ዑደት ጸጕሪ ተባሂሉ ይፍለጥ። (ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን ርአ።) በዚ ምኽንያት እዚ ሓደ ሰብ ዋላ እውን ናይ ጸጕሪ ጸገም እንተ ዘይብሉ: ኣብ መዓልቲ ኻብ 70 ክሳዕ 100 ዝኸውን ጸጕሪ የርግፍ ኢዩ።

ኣብ ሕብሪ ጸጕርና ዘሎ ፍልልይ ክመጽእ ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧ ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ሕብሪ ጸጕርና ብቐንዱ ዝውሰን ብመጠን ብዝሒ ናይቲ መላኒን ዝበሃል ሓውሲ ቡናውን ጸሊምን ቀለም ኢዩ።” መላኒን ተፈጥሮኣዊ ቀለም ኢዩ: ኣብ ጸጕርና: ቈርበትና: ከምኡውን ኣብ ዓይንና ኸኣ ይርከብ። እዚ ቐለም እዚ ብብዝሒ እንተደኣ ሃልዩካ ጸጕርኻ ጸሊም ይኸውን። ብዝሒ ናይዚ ቐለም እናወሓደ ምስ ዝኸይድ ከኣ ናይ ጸጕርኻ ቐለም ካብ ጸሊም ናብ ቡናዊ ወይ ቀይሕ ወይ ጨዓይ ይቕየር። ፈጺሙ እንተ ዘይብልካ ድማ ጸጕርኻ ብሪቕርቕ ዝብል ጻዕዳ ይኸውን።

ኣብዚ ግዜና ፎሮፎር ዘተሓሳስብ ጕዳይ እኳ እንተዀነ: ብዘይ​ዚውን ምስሓው ጸጕሪ ወይ ሽበት ንብዙሓት ዘሻቕል ጕዳይ ኢዩ ዀይኑ ዘሎ።

ሽበት ኣሎካዶ፧

መብዛሕትኡ እዋን ሽበት ከም ምልክት እርጋን ጌርካ ኢዩ ዝርአ። ዕድሚኡ ኣጸቢቑ ዝደፍአ ሰብ ከኣ ጸጕሩ ሻሽ ኢዩ ዝመስል። ልክዕ ኢዩ: ሽበት ምስ እርጋን እናበዝሐ ኢዩ ዝኸይድ። እንተዀነ ግን: ካልእ ረቛሒታት እውን ሽበት የምጽእ ኢዩ፣ ንኣብነት: ካብ መጠን ንላዕሊ ብኣመጋግባኻ ክትጥንቀቕ ክትብል ብግቡእ ዘይትበልዕ እንተደኣ ዄንካ ሓደ ጠንቂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ጾታኻ ዀነ ቀደም ዝነበረካ ሕብሪ ጸጕሪ ብዘየገድስ ክትሽይብ ትኽእል ኢኻ: እንተዀነ ግን ሽበት ኣብቶም ጸሊም ጸጕሪ ዘለዎም ሰባት ኢዩ ብዝያዳ ጐሊሑ ዝርአ።

ገሊኣቶም ሰባት ስለ ዝሸየቡ: ካብቲ ናይ ሓቂ ዕድሚኦም ዝዓበዩ ጌርካ ይርኣዩ ኢዮም: እዚውን የተሓሳስቦም ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ገሊኣቶም ሰባት ሽበት እኳ እንተ ዘይብሎም: ትርኢቶም ምስ ዕድሚኦም ዘይመጣጠን ብምዃኑ የተሓሳስቦም ኢዩ።

ክትሽይብ ከሎኻ እቲ ጸጕሪ ሞይቱ ማለት ኣይኰነን። ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ: ኵሉ እቲ ኻብ ቈርበት ንላዕሊ ዝወጸ ጸጕሪ ምዉት ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ጸጕሪ ኣብ ውሽጢ ቈርበትና ሱር ኣለዎ። ጫፍ ሱር ናይቲ ጸጕርና ጥራይ ኢዩ ህያው ክፋል ናይቲ ጸጕሪ። እዚ ኽፋል እዚ ኸም ፋብሪካ ጸጕሪ ዀይኑ የገልግል። ኣብ ሱር ጸጕርና ዝርከቡ ዋህዮታት እናተመቓቐሉ ጸጕሪ ምስ ኰኑ: ካብቶም ቀለም ዘዳልዉ ዋህዮታት ቀለም ይመጽዩ። እቶም ቀለም ዘዳልዉ ዋህዮታት ቀለም ምድላው እንተ ኣቋሪጾም: እቲ ጸጕሪ ይሽይብ።

ቀለም ዘዳልዉ ዋህዮታት ብሃንደበት ስርሖም ዘቋርጹሉ ምኽንያት ክሳዕ ሕጂ ኣይተፈልጠን። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ሽበት ንምጥፋእ ዘኽእል ሕክምና ዘየለ። ቀለም ምድላው ዘቋረጹ ዋህዮታት እንደገና ስርሖም ከም ዝጅምሩ ድማ ይፍለጥ ኢዩ። እቲ ዘገርም ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጸጕሪ ዝምልከት ሓያሎ ሓሳባት ሒዙ ኣሎ: ኣብ ሓደ ኻብቲ የሱስ እተጠቕመሉ መብርሂ: ሽበት ተጠቒሱ ንረኽቦ ኢና። የሱስ “ካብ ጸጕሪ ርእስኻ ሓንቲ ኸተጻዕዱ ወይስ ከተጸልም ኣይትኽእልን ኢኻ” በለ። (ማቴዎስ 5:36) እዘን ቃላት እዚኣተን ሽበት ካብ ቀደም ኣትሒዙ ሰብ ከወግዶ ኸም ዘይክእል ይፍለጥ ምንባሩ ኢየን ዝገልጻልና።

ገሊኣቶም ኣብዚ ዘመንና ዝመጸ ሕክምናታት ይገብሩ ኢዮም: ገለ ኻብዚ ነቲ መላኒን ዝበሃል ባህርያዊ ቀለም ምውጋእ ኢዩ። ገሊኣቶም ከኣ ንጸጕሮም ቲንታ ይለኽይዎ: እዚ ግን ካብ ጥንቲ ዝነበረ ኢዩ። ጥንታዎት ግሪኻውያንን ሮማውያንን ጸጕሮም ቲንታ ይለኽዩ ነይሮም ኢዮም። ጥንታዎት ግብጻውያን ከኣ ንጸጕሮም ደም ብዕራይ ይለኽይዎ ነበሩ። እቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዝነበረ ሄሮድስ ዓብዪ: ዕድመኡ ንምሕባእ ጸጕሩ ቲንታ ይለኪ ምንባሩ እውን ተመዝጊቡ ንረኽቦ ኢና።

ጸጕርኻ ቲንታ ምልካይ ግዜን ጻዕርን ዝሓትት ኢዩ: ንገሊኣቶም ድማ ናይ ቈርበት ሕማም ወይ ናይ ቈርበት ምቝጣዕ የስዕበሎም ኢዩ። ንዝሸየበ ጸጕርኻ ቲንታ ትለኽዮ እንተደኣ ሃሊኻ: ምናልባት ሓደ እዋን ከተቋርጾ ትደሊ ትኸውን: ኣብቲ ግዜ እቲ ሽበት ምቕልቃሉ ዘይተርፍ ኢዩ። ብኣወንታዊ ጐድኑ ኽርአ ኸሎ ሽበት ግርማ ክዀነካን ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረካ ኽብሪ ኽህበካን ይኽእል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ሸያብ ጸጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ: እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዚርከብ” ይብል።​—⁠ምሳሌ 16:31

ናይ ጸጕሪ ምስሓውን ምምላጥን

ካልእ ኣብ ጸጕሪ ዘጋጥም ጸገም ምስሓውን ምምላጥን ኢዩ። እዚ ጸገማት እዚውን ካብ ጥንቲ ዝነበረ ኢዩ። ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ካብ ምምላጥ ጸጕሪ ይከላኸል ኢዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ ዝነበረ ፈውሲ ናይ ኣንበሳ: ጉማረ: ሓርገጽ: ድሙ: ተመን: ከምኡውን ናይ ዓዓ ስብሒ ዘጠቓልል ነበረ። ኣብዚ ግዜና ድማ ንጸጕርን ቈርበት ርእስን ይጠቅም ኢዩ ዝበሃል ዓይነት ኣፋውስ ኣብ ዕዳጋ ተዘርጊሑ ይርከብ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ከኣ እዚ ዘይበሃል ገንዘብ ኣብኡ ይፈስስ።

ዑደት ጸጕሪ ምስ ዝመዛበል ምምላጥ ጸጕሪ ኸጋጥም ይኽእል ኢዩ። ልሙድ ዑደት ጸጕሪ ርእሲ ኣብ ጥዕና ብዘጋጥም ጸገም: ንኣብነት ብጕድለት ኣመጋግባ: ንነዊሕ እዋን ብዝጸንሐ ረስኒ: ወይ ብገለ ዓይነት ሕማም ቈርበት ክመዛበል ይኽእል ኢዩ። ጥንስን ሕርስን እውን ንዑደት ጸጕሪ ስለ ዝትንክፎ: እቲ ልሙድ ዑደቱ ኸይወድአ ብዙሕ ጸጕሪ ኽረግፍ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ጠንቂ ዝዀነ ነገር ምስ ተወገደ: እቲ ምርጋፍ ጸጕሪ የቋርጽ: እቲ ንቡር ዑደት ጸጕሪ ድማ ይጅምር።

ካልእ ዓይነት ናይ ጸጕሪ ምርጋፍ ድማ ብሰንኪ ላጻይቶ ኽመጽእ ይኽእል ኢዩ።a መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ኸጋጥም ከሎ ኣብ እተወሰነ ቦታ ጥራይ ኢዩ ምምላጥ ጸጕሪ ዘጋጥም። ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተገብረ ምርምር ከም ዝሕብሮ ላጻይቶ ብሰንኪ ምምዝባል ናይ ስርዓተ⁠-​ምክልኻል ኢዩ ዝመጽእ።

እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ልሙድ ዝዀነ ምስሓው ጸጕሪ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ዘጋጥም ብርሒ ኢዩ። እዚ ጸገም እዚ ኽጅምር ከሎ ኻብ ቅድሚት ጀሚሩ እቲ ጸጕሪ እናተመልጠ ይኸይድ ወይ ኣብ መንበስበስታ ዘሎ ጸጕሪ ቀስ ብቐስ ይስሑ። ኣብ መንበስበስታ ዝርከብ ዑደት ጸጕሪ ይመዛበል: ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ የቋርጽ። ኣብቲ ብርሒ ዘጋጥመሉ ቦታ እቲ ጸጕሪ ኸም ዝሓምቕን ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ተሪርን እኹል ቀለም ዘለዎን ጸጕሪ ኸም ዝትክኦን ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ገሊጹ ኣሎ። እዚ ማለት ድማ ድሕሪ ግዜ እቲ ጸጕሪ እናሰሓወን ዕድሚኡ እናሓጸረን ይኸይድ: ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ፈጺሙ ምብቋል የቋርጽ። ነዚ ምኽንያት ዝኸውን ከኣ ውርስን ናይ ደቂ ተባዕትዮ ሆርሞንን ኢዩ።

ብርሒ ኻብ ዕድመ ኰተቴ ኽጅምር ይኽእል ኢዩ: መብዛሕትኡ ግዜ ግን ኣብ መወዳእታ 30ታት ወይ 40ታት ኢዩ ዘጋጥም። ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ እዚ ጸገም እዚ ዘጋጥሞም እኳ እንተዀነ: እዚ ግን ካብ ዓሌት ናብ ዓሌት ከምኡውን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ ኢዩ። ክሳዕ ሕጂ ፈውሲ ናይ ብርሒ ኣይተረኽበን። ገሊኣቶም ኣርተፍሻል ጸጕሪ ኽገብሩ ወይ ጸጕሪ ኸትክሉ ይደልዩ ይዀኑ። ነቲ ዝተረፈ ጸጕርኻ ተጠንቂቕካ ምሓዝ ግን ብቕልጡፍ ንኸይትበርሕ ኣበርክቶ ኽገብር ይኽእል ኢዩ።

ጸጕሪ ኽስሑ ኸሎ ናይ ግድን ይረግፍ ኣሎ ማለት ኣይኰነን። የግዳስ ነፍሲ ወከፍ ጸጕሪ እናቐጠነት ክትከይድ ትኽእል: በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ጸጕሪ ይስሑ። ሓንቲ ጸጕሪ ግን ርጕዳ ኽሳዕ ክንደይ ኢዩ ዝበጽሕ፧ ብመሰረት ሓደ መጽናዕቲ ኸከም ሰቡ ኻብ 50 ማይክሮን ክሳዕ 100 ማይክሮን ክበጽሕ ይኽእል ኢዩ።b ሓደ ሰብ ዕድመ እናደፍአ ምስ ከደ ርጕዲ ጸጕሪ እናቐነሰ ኢዩ ዝኸይድ። ናይ ሒደት ማይክሮን ምጕዳል ብዙሕ ለውጢ ዘየምጽእ ይመስለካ ይኸውን። እንተዀነ ግን: 100,000 ጸጕሪ ኸም ዘሎካ ኣይትረስዕ። ስለዚ ሓንቲ ጸጕሪ ቝሩብ እኳ ክትቀጥን እንተ ጀሚራ: ዓብዪ ለውጢ ኢያ እተምጽእ።

ጸጕርኻ ተኸናኸኖ

ሓንቲ ጸጕሪ ርእሲ ኣብ ወርሒ ልዕሊ 10 ሚሊ ሜትር ትዓቢ: ስለዚ ኣብ ሰብነትና ሓደ ኻብቶም ብቕልጡፍ ዝዓብዩ ክፍሊ ኣካላትና ኢዩ። ናይ ሓደ ሰብ ዕቤት ጸጕሩ ምስ ዝድመር ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 20 ሜትሮ ይበጽሕ!

ንሽበትን ብርሕን ዘወግድ መድሃኒት እኳ እንተ ዘየለ: ንጸጕርና ግን ክንከናኸኖ ንኽእል ኢና። እኹል መኣዛታት ዘለዎ መግቢ ምምጋብን ነቲ ኣብ ርእስና ዘሎ ዑደት ደም ከም ዝመሓየሽ ምግባርን ጠቓሚ ኢዩ። ኣብ ኣመጋግባኻ ኽትጥንቀቕ ክትብል ካብ መጠን ንላዕሊ ርእስኻ ምጕዳእ ወይ ዘይተመጣጠነ መግቢ ምብላዕ ንሽበትን ንምስሓው ጸጕርን የጋድዶ ኢዩ። ኣዘውቲርና ንርእስና ብሳሙና ኽንሕጸቦን ክንደርዞን: ብጽፍርና ኸኣ ከይንሓኮ ኽኢላታት ማዕዳ ይህቡ ኢዮም። እዚ ነቲ ኣብ ርእስኻ ዘሎ ዑደት ደም ከም ዝመሓየሽ ይገብሮ። ርእስኻ ብሳሙና ምስ ኣዕፈርካዮ: ምሉእ ብምሉእ ለቕልቆ።

ጸጕርኻ ብሓይሊ እናመንጨትካ ኣይትመሽጦ። ነዊሕ ጸጕሪ እንተ ሃልዩኪ: ካብ ሱሩ ኽሳዕ ጫፉ ብሓንሳእ ኣይትመሽጥዮ። የግዳስ ፈለማ ጸጕርኺ ብሓደ ኢድኪ ሒዝኪ ነቲ ኣብ ጫፍ ተጠናኒጉ ዘሎ መሽጥዮ። ድሕሪኡ ኻብ ማእከል ክሳዕ ጫፍ መሽጥዮ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ነቲ ጸጕርኺ ፈኒኺ ኻብ ሱሩ ኽሳዕ ጫፍ መሽጥዮ።

ሽበት ምስ እትረክብ ወይ ጸጕርኻ ብብዝሒ ኽረግፍ ምስ ዝጅምር የተሓሳስበካ ይኸውን። እንተዀነ ግን: ካልኦት ብዛዕባ ጸጕርኻ ብዙሕ ከም ዘይግደሱ ኣይትረስዕ። ቲንታ ኽትለኽዮ ወይ ከይትለኽዮ: ዊግ ክትወዲ ወይ ከይትወዲ: ካልእ ሕክምና ኽትገብር ወይ ከይትገብር እቲ ምርጫ ናይ ብሕትኻ ኢዩ። ሕብሪ ጸጕርኻ ዀነ ጻዕቁ ብዘየገድስ: እቲ ኣገዳሲ ነገር ጽሩይን ምዕሩግን ጌርካ ምሓዙ ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 22 ሚያዝያ 1991 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 12 ርአ።

b ሓደ ማይክሮን ሓደ ሽሓዊት ናይ ሚሊሜትር ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ዑደት ጸጕሪ

ጸጕርና እተፈላለየ ደረጃታት ዑደት ይሓልፍ ኢዩ። እዚ ኸኣ ናይ ምዕባይ ደረጃ: ሓጺር ናይ ምስግጋር ደረጃ: ከምኡውን ናይ ዕረፍቲ ደረጃ ይበሃል። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ጸጕሪ ኣብ ናይ ዕረፍቲ ደረጃ ምስ በጽሐ ምዕባይ የቋርጽ ኢዩ። እቲ ዝኣረገ ጸጕሪ ክሳዕ እቲ ቐጺሉ ዘሎ ናይ ምዕባይ ደረጃ ዝኣክል ካብቲ ዝነበሮ መንፊት ኣይረግፍን ኢዩ። እቲ ናይ ምዕባይ ደረጃ ምስ ኣኸለ ሓድሽ ጸጕሪ ይበቍል እሞ ነቲ ናይ ቀደም ጸጕሪ ደፊኡ የውጽኦ።” ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን: 85 ክሳዕ 90 ሚእታዊት ካብ ጸጕርና ኣብ ናይ ምዕባይ ደረጃ: 10 ክሳዕ 15 ሚእታዊት ኣብ ናይ ዕረፍቲ ደረጃ: 1 ሚእታዊት ከኣ ኣብ ናይ ምስግጋር ደረጃ ኢዩ ዝርከብ።

[ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ዘንጊ ጸጕሪ

ናይ ዘይቲ ጽኪ

መጀመርታ ዕቤት

ንጡፍ ዕቤት

ናይ ምስግጋር ደረጃ

ዕረፍቲ

ሓድሽ ብቋል

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ