ሓደጋታት ማኪና ንህይወትካ ካብ ሓደጋ ትጥንቀቐላ ዲኻ፧
“ንብዙሕ ዓመታት ዘዊረ ሓደጋ ኣየጋጠመንን: ስለዚ ብዛዕባ ሓደጋ ማኪና ዘጨንቕ የብለይን።” “መንእሰያትን ዘይጥንቁቓትን መራሕቲ ማኪና ኢዩ ሓደጋታት ዘጋጥሞም።” ብዙሓት ሰባት ሓደጋ ማኪና ዘጋጥሞም ኰይኑ ኣይስምዖምን ኢዩ። ከምኡ ይስምዓካ ድዩ፧ እዚ ጕዳይ እዚ ፈጺሙ ዘይትንክፈካ ዀይኑ ድዩ ዝስምዓካ፧
ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ትነብር እንተደኣ ሃሊኻ: ኣብ ምሉእ ህይወትካ እንተ ወሓደ ሓንሳእ ሓደጋ ማኪና ኸጋጥመካ ኸም ዝኽእል ካብ ጸብጻብ ተረጋጊጹ ኢዩ። እዚ ንብዙሓት ሰባት ህይወቶም ኣስኢንዎም ኢዩ። ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዓዓመት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ብሓደጋ ማኪና ይሞቱ ኢዮም። ምናልባት መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሓደጋ ማኪና ዝሞቱ: ሓደጋ ኸጋጥመና ኢዩ ኢሎም ሓሲቦም ኣይፈልጡን ይዀኑ። ሓደጋ ማኪና ንኸጋጥመካ ዘለዎ ኣጋጣሚ ንምንካይ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ኣቐዲምካ ምጥንቃቕ ቀንዲ መፍትሒ ኢዩ። ብሰንኪ ምብዕዛዝን እርጋንን ዝመጽእ ሓደጋ ብኸመይ ክትንክዮ ኸም እትኽእል እስከ ርአ።
ባዕዛዝ መራሕ ማኪና
ገሊኣቶም ክኢላታት ሓደ ባዕዛዝ መራሕ ማኪና ማዕረ እቲ ሰኽራም መራሕ ማኪና ሓደገኛ ክኸውን ከም ዝኽእል ይሕብሩ ኢዮም። ብዕዛዘ ብዙሕ ሓደጋታት ከም ዘምጽእ ካብ ጸብጻብ ተፈሊጡ ኢዩ። ፍሊት መይንተናንስ ኤንድ ሴፍቲ ሪፖርት እትበሃል ጽሕፍቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ: ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት 1 ኻብ 12 ናይቶም ኣብ ኖርወይ ዝርከቡ ኣሽከርከርቲ: ማኪና እናመርሑ ኸለዉ ድቃስ ከም ዝወሰዶም ገሊጻ ኣላ። እታ ኣብ ጆሃንስበርግ: ደቡብ ኣፍሪቃ: እትሕተም ዘ ስታር እትበሃል ጋዜጣ ድማ ሲሶ ኻብቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጥም ናይ ማካይን ግጭት እቶም መራሕቲ ማኪና ኻብ ድኻም እተላዕለ ትኽስ ስለ ዝብሉ ምዃኑ ገለጸት። ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጸ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ እውን ትኽስ ምባል ኣብ ኵሉ ቦታ ዘጋጥም ሽግር ኢዩ። ብዙሓት ባዕዛዛት መራሕቲ ማካይን ዘለዉ ስለምንታይ ኢዮም፧
እዚ ሕጂ ዘሎ ጕያ ጕያ ዝመልኦ ህይወት ነዚ ጸገም እዚ ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ። መጽሔት ኒውስዊክ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ዘውጽኣቶ ሕታም: ኣመሪካውያን “ካብቲ ኣብ መጀመርታ እዚ ዘመን እዚ ኣብ ሓደ ለይቲ ዝድቅስዎ ዝነበሩ ሰዓታት ብሓደ ሰዓትን ፈረቓን ከም ዝነከዩ፣ እዚ ኸኣ እናገደደ ዝኸይድ ኢዩ ዝመስል” ብምባል ገሊጻ ኢያ። ስለምንታይ፧ እታ መጽሔት ብዛዕባ ድቃስ መጽናዕቲ ንዝገበረ ቴሪ ያንግ እተዛረቦ ኸምዚ ብምባል ጠቐሰት:- “ሰባት ንድቃስ ክንክይዎ ዝኽእሉ ነገር ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ሒደት ሰዓታት ጥራይ ምድቃስ ናይ ጻዕራማትን ምዕቡላትን ሰባት ምልክት ከም ዝዀነ ጌርካ ይውሰድ ኢዩ።”
ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ለይቲ ኻብ ሽዱሽተ ሰዓትን ፈረቓን ክሳዕ ትሽዓተ ሰዓት ዝኸውን ግዜ ኽድቅስ ኣለዎ። እኹል ድቃስ ዘይድቅሱ ሰባት ብናይ ክኢላታት ኣጸዋውዓ “ናይ ድቃስ ዕዳ” ኢዩ ዝህልዎም። ንድሕንነት ተሽከርከርቲ ዝቘመ ማሕበር ማካይን ኣመሪካ ዘውጽኦ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ሓደ ለይቲ ካብቲ ግቡእኻ ብ30 ወይ ብ40 ደቓይቕ ዝውሕድ ድቃስ ምስ እትድቅስ: ኣብ መወዳእታ እታ ሰሙን ካብ 3 ክሳዕ 4 ዝኸውን ሰዓታት ትዕደ፣ እዚ ኸኣ ቀትሪ ኣጸቢቑ ኢዩ ዘባዕዝዘካ።”
ሓድሓደ ግዜ ጥዑም ድቃስ ከይደቀስካ ትሓድር ትኸውን። ብምኽንያት ድቃስ ናይ ምእባይ ሽግር: ንዝሓመመ ውላድ ክትኣሊ: ወይ ካልእ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ነገራት ክትገብር ድቃስ ዘይብልካ ኽትሓድር ትኽእል ኢኻ። ከምዚ እንተ ኣጋጢሙካ ንጽብሒቱ ማኪና እናዘወርካ ኸሎኻ ትኽስ ክትብል ኢኻ። ኣብዚ ግዜ እዚ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
ሻሂ ወይ ቡን ምስታይ: መስኰት ምኽፋት: ማስቲካ ምሕያኽ: ወይ ቀመም ዝበዝሖ መግቢ ምብላዕ ንኽትነቅሕ ኣይሕግዘካን ይኸውን። ካብቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ የበራብረካ ኢዩ ዝበሃል ነገራት ነቲ ናይ ሓቂ ጸገም ዝፈትሕ የለን። ድቃስ ኢዩ ዘድልየካ ዘሎ። ስለዚ ንምንታይ ቀም ዘይተብል፧ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ “ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ሓይልኻ ንምሕዳስ እትድቅሶ ድቃስ ቀትሪ ኻብ 30 ደቓይቕ ክበዝሕ የብሉን፣ ካብዚ እንተ በዚሑ ግን ኣካላትካ ናብ ዓሚቝ ድቃስ ይኣቱ እሞ ንኽትነቅሕ የሸግረካ” ዝብል ሓሳብ ሃበት። ሓንሳእ ቀም እንተ ኣቢልካ: ኣብቲ ዝሓሰብካዮ ቦታ ቝሩብ ደንጒኻ ትበጽሕ ትኸውን: እንተዀነ ግን ሳላዚ ኻብ ሞት ወጺእካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።
ኣነባብራኻ እውን ባዕዛዝ መራሕ ማኪና ንኽትከውን ኣበርክቶ ዝገብር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ኢንተርነት ነዊሕ ሰዓታት ተጥፍእ ወይ ምሸት ተለቪዥን ክትርኢ ተምሲ ዲኻ፧ እትኸዶ ዕድመታት ክሳዕ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ኣቢሉ ዝጸንሕ ድዩ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ድቃስ ከም እትስእን ንኽገብረካ ኣይተፍቅደሉ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ሓደ ግዜ ሒደት “ዕረፍቲ” ዘለዎ ዋጋ ኣጕሊሑ ነይሩ።—መክብብ 4:6
ተመክሮ ዘለዎም ግን ከኣ ብዕድመ ዝደፍኡ
ብዕድመ ዝደፍኡ መራሕቲ ማካይን መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሕ ተመክሮ ዘለዎም ኢዮም። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ናብ ሓደጋ ዘብጽሕ ነገር ኣይገብሩን: ዓቕሞም እውን ይፈልጡ ኢዮም። ይኹን እምበር: ንዓታቶም እውን ናይ ማኪና ግጭት ኣየጋጥሞምን ኢዩ ማለት ኣይኰነን። አረ: ብዕድመ እናደፍኡ ብዝኸዱ መጠን ዝያዳ ሓደጋታት ከጋጥሞም ይኽእል ኢዩ። እታ ኣብ ሕ.መ.ኣ. እትሕተም ካር ኤንድ ትራቨል ዘርእስታ መጽሔት “ካብ 70 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኦም ሰባት ካብቲ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ 9 ሚእታዊት ኣቢሎም ክዀኑ ኸለዉ: ካብቶም ብሓደጋ ማኪና ዝሞቱ ግን 13 ሚእታዊት ኣቢሎም ኢዮም ዝዀኑ” በለት። እቲ ዘሕዝን ከኣ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ዘጋጥሞም ሓደጋታት እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ኢዩ።
ነታ ሕጂ ጓል 80 ዓመት ዝዀነት ማርቲ ዘጋጠማ እሞ ንርአ።a ቅድሚ 60 ዓመት ዝኸውን ኢያ ማኪና ምምራሕ ጀሚራ: ክሳዕ ሕጂ ድማ ሓደጋ ማኪና ኣጋጢምዋ ኣይፈልጥን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ከም ብዙሓት ካልኦት መሳቱኣ እርጋን ኣረኻኺቡላ ስለ ዘሎ ኣብ ሓደጋ ኸእትዋ ዝኽእል ነገራት ተሰሚዕዋ ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ መጽሔት ንቕሑ! ኣብ ዝገበረትላ ቓለ-መጠይቕ “ብዕድመ እናደፋእካ ምስ ከድካ: ኣብ ህይወት ዘጋጥመካ ዝዀነ ይኹን ነገር [ዋላ እውን ምምራሕ ማኪና] በዳሂ ኢዩ ዝኸውን” ብምባል ገሊጻ ነይራ።
ካብ ሓደጋ ማኪና ንምድሓን እንታይ ስጕምቲ ኢያ ወሲዳ፧ “ዓመታት ብዝሓለፈ መጠን ብመጠን ዕድመይ ብዙሕ ለውጥታት ገይረ ኢየ” ብምባል ገለጸት። ንኣብነት: ብፍላይ ምሸት ብዙሕ ግዜ ማኪና ኣይትመርሕን ኢያ። እዚ ንእሽቶ ለውጢ እዚ ማኪና ምምራሕ ምሉእ ብምሉእ ንኸይትገድፎን ሓደጋ ንኸየጋጥማን ሓጊዝዋ ኢዩ።
ሽሕኳ ክትቅበሎ ባህ ዘየብል እንተዀነ እርጋን ንዅሉ ሰብ ኢዩ ዘድክም። (መክብብ 12:1-7) በብዓይነቱ ናይ ጥዕና ጸገማት ይጀማምረካ: ቅልጡፍ ስጕምቲ ምውሳድ ትስእን: ዓይኒ እውን ይደክም፣ እዚ ዅሉ ሓደጋ ማኪና ኸምጽእ ዝኽእል ነገር ኢዩ። ይኹን እምበር: ብዕድመ ምድፋእ ጥራይ ማኪና ንኸይትመርሕ ኣይዓግተካን ኢዩ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ብቕዓት እቲ መራሕ ማኪና ኢዩ። ክእለትና ምንካዩ ኣፍልጦ ምሃብን ኣብ መዓልታዊ ተግባራትና ምትዕርራይ ምግባርን ማኪና ንኽንመርሕ ዘሎና ብቕዓት ከመሓይሾ ይኽእል ኢዩ።
ምናልባት ከይተፈለጠካ ዓይንኻ ደኺሙ ይኸውን። ዕድመ እናወሰኽካ ምስ እትኸይድ እትርእዮ ስፍሓት ይንኪ: እቲ ረቲና ኸኣ ዝያዳ ብርሃን ይደሊ ኢዩ። እታ ዘ ኦልደር ኤንድ ዋይዘር ድራይቨር ዘርእስታ ጽሕፍቲ “60 ዓመት ዝዕድሚኡ መራሕ ማኪና ንኽርኢ ዘድልዮ ብርሃን ካብቲ ንሓደ ዀተቴ ዘድልዮ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዛይድ ኢዩ: ካብ ብርሃን ናብ ጸልማት ክኣቱ ኸሎ ዓይኑ ንኽለማመዶ ኸኣ ዕጽፊ ዝኸውን ግዜ የድልዮ” በለት። እዚ ኣብ ኣዒንትና ዘጋጥም ለውጥታት ምሸት ማኪና ንምምራሕ ከም እንጽገም ኢዩ ዝገብረና።
ሄንሪ ወዲ 72 ዓመት ኢዩ: ን50 ዓመታት ከኣ ሓደጋ ኣጋጢምዎ ኣይፈልጥን። ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ ግን ምሸት መብራህቲ ማኪናታት ከም ዝደጕሖ ኣስተውዓለ። ናይ ዓይኒ መርመራ ድሕሪ ምግባር: ብፍላይ ነቲ ጸገሙ ንምንካይ ዘኽእል መነጸር ተኣዘዘሉ። “ሕጂ ምሸት ማኪና ምምራሕ ኣየጸግመንን ኢዩ” በለ። ንዕኡ እዛ ዝወሰዳ ንእሽቶ ስጕምቲ ዓብዪ ለውጢ ገይራትሉ ኢያ። ካልኦት ግን ከም ማርቲ ምሸት ፈጺሞም ማኪና ምምራሕ ንኸቋርጹ ኽውስኑ ይኽእሉ ኢዮም።
ሓደ ሰብ ብዕድመ ምስ ዝደፍእ ቅልጡፍ ስጕምቲ ንኽወስድ የጸግሞ ኢዩ። ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ዝያዳ ጥበበኛታትን ወራዙትን ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ይኹን እምበር: ዕድመ ብዝደፋእካ መጠን: ሓደ ሓበሬታ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ስጕምቲ ንኽወትስድ ዝያዳ ግዜ ኢዩ ዝወስደልካ። እዚ ኸኣ ማኪና ንምምራሕ ዝያዳ ኸቢድ ይገብሮ: ከመይሲ ኵነታት ትራፊክን ጎደናታትን ብቐጻሊ ኢዩ ዝቀያየር ዘሎ። ብኣጋኡ ስጕምቲ ኽውሰድ እንተደኣ ዀይኑ: እዚ ለውጥታት እዚ ብቕልጡፍ ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ።
ካር ኤንድ ትራቨል ዘርእስታ መጽሔት “ተመክሮ ንዘለዎም መራሕቲ ማካይን መብዛሕትኡ ግዜ ግጭት ዘጋጥሞም ንናይ ትራፊክ ምልክት ጥሒሶም ብምኻዶም ኢዩ” በለት። ስለምንታይ፧ እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል:- “እቲ ጸገም ዝፍጠር: . . . ብዕድመ ዝደፍአ መራሕ ማኪና ኣብ መስቀላዊ መገዲ ቕድሚ ምእታዉ ብየማነ-ጸጋሙ ሓድሽ ነገር እንተ ሃልዩ ኻብ ዘይምስትውዓሉ እተላዕለ ኢዩ ዝመስል።”
ቅልጡፍ ስጕምቲ ናይ ዘይምውሳድ ጸገም ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧ ናብ መስቀላዊ መገዲ ኽትቀርብ ከሎኻ ጥንቃቐ ግበር። ቅድሚ ናብኡ ምእታውካ ነቲ ጐደና ዘቋርጽ ሰብ ወይ ማኪና ኸይህሉ ደጋጊምካ ኣረጋግጽ። ብፍላይ ክትጥወ ኸሎኻ ኸኣ ተጠንቀቕ። ኣብ መስቀላዊ መገዲ ምጥዋይ ብፍላይ ከኣ ነተን ናባኻ ገጸን ዝመጻ ማካይን ዝኸዳሉ መስመር ተቋርጽ እንተደኣ ዄንካ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብቲ ኣብ ደቂ 75 ዓመትን ልዕሊኡን ዘለዉ ሰባት ኣብ መስቀላዊ መገዲ ዘጋጥም ኣብ ሞት ዘብጽሕ ሓደጋታት: ልዕሊ 40 ሚእታዊት ናብ ጸጋም ክጥወዩ ኸለዉ ኢዩ ኣጋጢምዎም። ንድሕንነት ተሽከርከርቲ ዝቘመ ማሕበር ማካይን ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ንዝነብሩ መራሕቲ ማካይን “ሓድሓደ ግዜ ናብ ጸጋም ምእንቲ ኸይትጥወ: ሰለስተ ሳዕ ንየማን ክትጥወ ትኽእል ኢኻ” ዝብል ሓሳብ ሃበ። ነዚ ስርዓት እዚ ምስ ዓድኻ ብዝሰማማዕ መገዲ ኽትዓየሉ ትኽእል ኢኻ። ኣቐዲምካ መደብ ብምግባር: ኣብ ክንዲ ብሓደገኛን ኣጸጋምን መስቀላዊ መገዲ ብኻልእ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።
ክትሓስበሉ ዘሎካ ውሳነ
ማኪና ናይ ምምራሕ ብቕዓትካ ብኸመይ ክትግምግሞ ትኽእል፧ ንሓደ እተኽብሮ ፈታዊኻ ወይ ኣባል ስድራቤትካ ምሳኻ ኽትማልኦ እሞ ንኽእለትካ ኽግምግሞ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ ነቲ ዝብለካ ነገር ተጠንቂቕካ ስምዓዮ። ማኪና ኣብ ምምራሕ ብኸመይ ጥንቃቐ ኸም እትገብር ዝገልጽ ትምህርቲ የድልየካ ይኸውን። ዝበዝሓ ማሕበራት መራሕቲ ማካይን ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት ተባሂሉ ዝዳሎ ትምህርትታት የዳልዋ ኢየን። ክልተ ሳዕ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኻብ ሞት እንተደኣ ወጺእካ: ብቕዓትካ ኸም ቀደሙ ዘይምዃኑ ምልክት ክዀነካ ይኽእል ኢዩ።
ንዅነታትካ ኣብ ግምት ብምእታው ምናልባት ሓደ እዋን ምሉእ ብምሉእ ምምራሕ ማኪና ኽትገድፎ ትደሊ ትኸውን። እዚ ኣጸጋሚ ውሳነ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ማርቲ: ሓደ ግዜ ማኪና ምምራሕ ፈጺማ ኸተቋርጽ ምዃና ትፈልጥ ኢያ። ክሳዕ እታ ግዜ እቲኣ ግን መብዛሕትኡ እዋን ካልኦት ከም ዝማልእዋ ኢያ እትገብር ዘላ። ባዕላ ማኪና ብዘይምምርሓ ኸመይ ይስምዓ፧ “ስለ ዘይትጭነቕ ባህ ኢዩ ዝበለካ” በለት።
ነቲ ጕዳይ ኣጸቢቕካ ምስ ሓሰብካሉ ተመሳሳሊ ውሳነ ኽትውስን ትኽእል ኢኻ። ምስ ፈታዊኻ ብምዃን ዕዳጋ ምውራድ: ጕዳይካ ምግባር: ከምኡውን ናብ ቈጸራኻን ኣኼባታትን ምኻድ ዘሐጕስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምናልባት እቲ ፈታዊኻ ብማኪናኻ ኸም ዝወስደካ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። በይንኻ ኻብ ምኻድ: ከምዚ ምግባር ዝሓሸን ዘሐጕስን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዝከኣል እንተ ዀይኑ: ህዝባዊ መጓዓዝያታት ምጥቃም እውን ዝሓሸ ኣማራጺ ኢዩ። በቲ ማኪና ናይ ምዝዋር ብቕዓትካ ኸም ዘይትምዘን ኣይትረስዕ። ስድራቤትካን ፈተውትኻን ኣምላኽን ኣኽቢሮም ዝርእይዎ ነገር ነቲ ሰናይ ባህርያትካ ኢዩ።—ምሳሌ 12:2፣ ሮሜ 14:18
ብዕድመ ዝደፋእካ ኹን መንእሰይ: ተመክሮ ዘሎካ ኹን ተልመዴን: ሓደጋ ማኪና ኸጋጥመካ ይኽእል ኢዩ። ነቲ ማኪና ምስ ምምራሕ ዝመጽእ ከቢድ ሓላፍነት ኣፍልጦ ሃበሉ። ግጭት ምእንቲ ኸየጋጥመካ ጥንቃቐ ግበር። ከምዚ ብምግባር ንርእስኻን ንኻልኦትን ካብ ብዙሕ ሓደጋታት ከተድሕን ትኽእል ኢኻ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብዛ ዓንቀጽ ዘሎ ኣስማት ተቐዪሩ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
ኣካላትካ እኹል ድቃስ ከም ዝረክብ ግበር
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
ሓጺር ቀምታ ቝሩብ ከደናጕየካ ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ህይወት ሰባት ግን ከድሕን ይኽእል ኢዩ
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
ብዕድመ ዝደፍኡ መራሕቲ ማካይን ዝያዳ ተመክሮ እኳ እንተ ሃለዎም: ፍልይ ዝበለ ጸገማት ግን የጋጥሞም ኢዩ
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]
ምስ ብጻይካ ምኻድ ረብሓታት ኣለዎ