ተስፋ—ጥቕሚ ኣለዋ ድዩ፧
ዓሰርተ ዓመት ዝዕድሚኡ ዳንኤል ንሓደ ዓመት ዚኣክል ምስ መንሽሮ ይቃለስ ነበረ። ሓኻይሙን ሰቡን ከኣ ተስፋ ቘሪጾም ነበሩ። ንሱ ግን ተስፋ ኣይቈረጸን። ምስ ዓበየ ተመራማሪ ኸም ዚኸውንን ንመንሽሮ ኸኣ መድሃኒት ከም ዚረኽበሉን እምነት ነበሮ። ብፍላይ ከኣ፡ ነቲ ናቱ ዓይነት መንሽሮ ኺፍውስ ዚኽእል፡ ፍሉይ ክእለት ዘለዎ ሓኪም ከም ዚመጽእ ብምፍላጡ፡ ኪሓዊ ዓብዪ ተስፋ ገይሩ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ስለ ዝነበረ፡ እቲ ሓኪም ከይመጸ ተረፈ። ሽዑ ዳንኤል፡ ተስፋኡ በነነ። ንመጀመርታ ግዜ ኸኣ ተስፋ ቘረጸ። ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ከኣ ሞተ።
ንዅነታት ዳንኤል ዘዘንተዎ፡ ብዛዕባ ተስፋን ተስፋ ምቝራጽን ኣብ ጥዕና ዘለዎ ጽልዋ ዘጽንዐ ብዓል ሞያ ሕክምና እዩ። ንስኻ እውን ተመሳሳሊ ነገራት ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። ንኣብነት፡ ሓደ ኣረጋዊ ዜፍቅሮ ሰቡ ዚመጸላ ወይ ኣገዳሲ ፍጻመ ዚርእየላ መዓልቲ ኽሳዕ እትመጽእ፡ ሃረር ኢሉ እዩ ዚጽበ። እታ መዓልቲ ምስ ሓለፈት ግና፡ ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ ዚመውት። ከምቲ ገሊኣቶም ዚኣምኑሉ፡ ተስፋ ብሓቂ ሓይሊ ኣለዋ ድዩ፧
ሓያሎ ተመራመርቲ ሕክምና፡ ተስፋን ኣወንታዊ ኣረኣእያን ኣብ ህይወትን ጥዕናን ሓደ ሰብ፡ ዓብዪ ጽልዋ ኺህልዎ ኸም ዚኽእል ርእይቶ ይህቡ እዮም። ይኹን እምበር፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ዚሰማምዑሉ ዅሎም ተመራመርቲ ኣይኰኑን። ገሊኦም ተመራመርቲ ብስነ ፍልጠት ዘይተደገፈ ብሂል ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ኣካላዊ ጕድኣት፡ ኣካላዊ ሕማም ከም ዜስዕብ ጥራይ እዮም ዚኣምኑ።
ተስፋ ብዛዕባ ዘለዋ ኣገዳስነት ዘሎ ምጥርጣር ሓድሽ ኣይኰነን። ኣሽሓት ዓመታት ይገብር፡ እቲ ግሪኻዊ ፈላስፋ ዝነበረ ኣሪስቶትል፡ ትርጉም ተስፋ እንታይ ምዃኑ ኺገልጽ ምስ ተሓትተ፡ “እንጌራ ሕልሚ እዩ” በለ። ድሕሪኡ ነዊሕ ጸኒሑ ኸኣ፡ በንጃሚን ፋራንክሊን እተባህለ ኣመሪካዊ ብዓል ስልጣን፡ “ብተስፋ ዚነብር ብጾሙ ይመውት” በለ።
እሞ ደኣ ብዛዕባ ተስፋ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧ ሰባት ምጽንናዕ ንምርካብ ሃረር ዚብልዎ ትምኒት ጥራይ ድዩ፧ ወይስ ትምኒት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጥዕናን ሓጐስን ኬምጽእ ዚኽእል ጠቓሚ ነገር ከም ዝዀነ ዜእምን ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።