ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 4/13 ገጽ 4-5
  • ሃሳዪ ዘረባ ብኸመይ ከም እተወግድ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሃሳዪ ዘረባ ብኸመይ ከም እተወግድ
  • ንቕሑ!—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸገም
  • “ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ” ዘረባ ተዛረብ
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • “ንምህናጽ ዜድሊ ዘበለ ጽቡቕ ቃል” ተዛረብ
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • ንልሳን ብምቍጽጻር ፍቕርን ኣኽብሮትን ምርኣይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • “ብቓል . . . ኣርኣያ” ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2013
g 4/13 ገጽ 4-5

ንስድራ ቤት | ሓዳር

ሃሳዪ ዘረባ ብኸመይ ከም እተወግድ

ጸገም

ግጭት ብዘጋጠመ መጠን፡ ምስ መጻምድትኻ ኣመና ትነቓቐፉ። ሃሳዪ ዘረባ ኣብ ሓዳርኩም ኣዝዩ ልሙድ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ንሓድሕድኩም እትዘራረቡሉ “ንቡር” መገዲ ዀይኑ ኣሎ።

ኣብ ሓዳርካ ኸምዚ የጋጥም እንተ ኣልዩ፡ ነዚ ልማድ እዚ ደው ከተብሎ ትኽእል ኢኻ። ፈለማ ግና፡ ጠንቅታት እዚ ጸገም እዝን ለውጢ ምግባር ስለምንታይ ንጥቕምኻ ኸም ዝዀነን ክትሓስበሉ ኣሎካ።

እቲ ጸገም ዜጋጥመሉ ምኽንያት

ኣተዓባብያ። ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን፡ ሃሳዪ ዘረባ ልሙድ ኣብ ዝዀነሉ ኣባይቲ እዮም ዓብዮም። ሓዲኦም ወይ ክልቲኦም ሰብ ሓዳር ነቲ ኻብ ወለዶም ዝሰምዕዎ ቛንቋ ይደግምዎ ይህልዉ ይዀኑ።

ጽልዋ መዘናግዒ። ኣብ ፊልምታትን ኣብ ተለቪዥንን ዚርአ ኮመዲ ንዘይእሩም ዘረባ ኸም መስሓቕ ገይሩ የቕርቦ፣ እዚ ኸኣ ንተዓዘብቲ፡ ጐዳኢ ኸም ዘይኰነ፡ እኳ ደኣስ መስሓቕ ከም ዝዀነ ገይሮም ከም ዚሓስቡ ይገብሮም።

ባህሊ። ገሊኡ ሕብረተሰብ፡ “ናይ ሓቂ ሰብኡት” ዓብለልቲ ኸም ዝዀኑ፡ ወይ ከኣ ኣንስቲ ድኹማት መሲለን ምእንቲ ኸይረኣያ ተዳፈርቲ ኪዀና ኸም ዘለወን ይምህር። ኣብ እዋን ግጭት፡ ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ዘለዎም ሰብ ሓዳር፡ ንሓድሕዶም ከም ተደጋገፍቲ ዘይኰነስ፡ ከም ተጻባእቲ ገይሮም ይረኣኣዩ፣ ኣብ ክንዲ ፈዋሲ ኸኣ፡ ጐዳኢ ቓላት ይጥቀሙ።

ሃሳዪ ዘረባ ጠንቁ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ናብ ፍትሕ ኪመርሕን ሓያሎ ናይ ጥዕና ጸገማት ኬስዕብን ይኽእል እዩ። ወረግ ገሊኦምሲ ቓላት ካብ ማህረምቲ ዝያዳ ኸም ዚሃሲ ይዛረቡ እዮም። ንኣብነት፡ ሓንቲ ሰብኣያ ብዘረባን ብማህረምትን ዝሃሰያ ሰበይቲ፡ “ጸርፊ ኻብ ማህረምቲ ንላዕሊ ይኸብደኒ። ሃሳዪ ዘረባ ኻብ ዚዛረበኒ፡ እንተ ዚሃርመኒ ምመረጽኩ” በለት።

ሃሳዪ ዘረባ ንርክብኩም የበላሽዎ እንተ ኣልዩ፡ እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ፧

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ደንጋጺ ኹን። ንርእስኻ ኣብ ቦታ መጻምድትኻ ኣእቲኻ፡ ቃላትካ ኣብ መጻምድትኻ ዜሕድሮ ስምዒት ክትርዳእ ጽዓር። እንተ ኽኢልካ፡ መጻምድትኻ ብዘረባኻ እተሃስየሉ እዋን ዘክር። ብዛዕባ እቲ ዝበልካዮ ኽትመጻረ ኣብ ክንዲ እትጽዕር፡ መጻምድትኻ በቲ ዝበልካዮ ኸመይ ከም እተሰምዖ ሕሰብ። ሃሳዪ ዘረባ ብጥዑም ቃላት ክትቅይሮ እትኽእለሉ መገድታት ክትሓስብዶ ትኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ፡ ተሪር ቃል ግና ኵራ የልዕል” ይብል።—ምሳሌ 15:1።

ንዚከባበሩ ሰብ ሓዳር ተዓዘቦም። ኣዘራርባኻ ሕማቕ ኣርኣያ ብዝዀኑኻ ሰባት እንተ ተጸልዩ፡ ጽቡቕ ኣርኣያ ዚዀኑኻ ሰባት ድለ። ብኣዘራርባኦም ጽቡቕ ኣብነት ኪዀኑኻ ንዚኽእሉ ሰብ ሓዳር ስማዕ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ፊልጲ 3:17።

ነቲ ቐደም ዝነበረኩም ስምዒታት ኣለዓዕልዎ። ሃሳዪ ዘረባ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ኣፍ ዘይኰነስ፡ ካብ ልቢ እዩ ዚፍልፍል። ስለዚ፡ ብዛዕባ መጻምድትኻ ኣወንታዊ ሓሳባትን ስምዒታትን ከተማዕብል ጽዓር። ኣቐዲሙ ብዛዕባ ዜሐጕሰኩም ዝነበረ ንጥፈታት ዘክር። ናይ ቀደም ስእልታት ርአ። ሽዑ፡ እንታይ የስሕቐኩም ነይሩ፧ ከም እትቀራረቡ ዝገበረኩም እንታይ ባህርያት እዩ ነይሩ፧—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ሉቃስ 6:45።

ኣብ ርእስኻ ኣተኲርካ ተዛረብ። ንመጻምድትኻ ዜጥቅዕ ዘረባ ኣብ ክንዲ እትዛረብ፡ እቲ ዘተሓሳሰበካ ጕዳይ እንታይ ስምዒት ከም ዘሕደረልካ ግለጽ። ንኣብነት፡ “ንስኺ ዅሉ ሳዕ ከየማኸርክኒ ኢኺ መደባት እትገብሪ” ኢልካ ኻብ ምዝራብ፡ “ከየማኸርክኒ መደባት ክትገብሪ ኸለኺ፡ እተገለልኩ ዀይኑ ይስምዓኒ” ዚብል ዘረባ ዝሓሸ ኣወንታዊ ምላሽ ኬምጽእ ይኽእል።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ቈሎሴ 4:6።

መዓስ ደው ከም እተብል ፍለጥ። ስምዒትኩምን ዘረባኹምን ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኪኸውን እንተ ጀሚሩ፡ ነቲ ዝርርብኩም ንኻልእ ግዜ እንተ ኣመሓላለፍኩምዎ ይሓይሽ። ብህድኣት ምዝርራብ ክሳዕ እትኽእሉ፡ ካብ ክርክር ምርሓቕ ዋላ ሓንቲ ጌጋ የብሉን።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 17:14።

ሃሳዪ ዘረባ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ኣፍ ዘይኰነስ፡ ካብ ልቢ እዩ ዚፍልፍል

ቀንዲ ጥቕስታት

  • “ሰብኡት . . . ንኣንስቶም ከም ሰብነቶም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ።”​—ኤፌሶን 5:28።

  • “እታ ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ብዙሕ ተኽብሮ።”​—ኤፌሶን 5:33።

  • “ኵሉ . . . ታዕታዕን ጸርፍን . . . ካባኻትኩም ይርሓቕ።”​—ኤፌሶን 4:31።

“ጸርፊ” እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵሉ . . . ታዕታዕን ጸርፍን . . . ካባኻትኩም ይርሓቕ” ይብል እዩ። (ኤፌሶን 4:31) ጳውሎስ ን“ታዕታዕ” ካብ “ጸርፊ” ፈልዩ ዝጠቐሶ ስለምንታይ እዩ፧ እታ “ታዕታዕ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ቓል (ብግሪኽኛ፡ ክራውገ)፡ ዓው ዓው ንምባል ተመልክት። ብኣንጻሩ ግና፡ “ጸርፊ” (ብግሪኽኛ፡ ብላስፍሚያ) ንትሕዝቶ እቲ ዘረባ እያ እትገልጽ። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ጸርፊ ናይ ግድን ዓው ኢልካ ዚዝረብ ከም ዘይኰነ እዩ ዜመልክት። ዝዀነ ይኹን ክፉእ፡ ዜዋርድ፡ ወይ ዚዝልፍ ዘረባ፡ ዋላ እውን ብትሑት ደሃይ ይዘረብ፡ ጸርፊ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ