ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 7/13 ገጽ 10-11
  • እታ ሳሕቲ እትርአ ሳንድ ካት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እታ ሳሕቲ እትርአ ሳንድ ካት
  • ንቕሑ!—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ምስ ዓርክኻ ዘሎካ ርክብ ቐጻሊ ንክኸውን፡ ንስኻውን ዓርኪ ኽትከውን ኣሎካ
    ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ጭሕሚ ድሙ ዘለዎ ጥቕሚ
    ንቕሑ!—2015
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2013
ንቕሑ!—2013
g 7/13 ገጽ 10-11
[ስእሊ]

እታ ሳሕቲ እትርአ ሳንድ ካት

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ድሕሪ እቲ ንኣስታት ክልተ ወርሒ ዚጸንሕ ምልኦ (ወይ ጥንሲ)፡ ሳንድ ካት ብገምጋም ሰለስተ ዕዋል ትወልድ

ኣብ ማእከል እቲ ደረቕ ምድረ በዳ፡ መሬት ምስ መሰየ፡ ሳንድ ካት (ድሙ ሑጻ) ካብ ሰፈራ ወጺኣ ናብ የማነ ጸጋም ግልጽ ምልጽ እናበለት ጽን ኢላ ትሰምዕ። ድሕሪኡ፡ እናተንፈሓዀት በቲ ሑጻ ዝመልአ ቦታ ጕዕዞኣ ትጅምር።

ብሃንደበት ብምንጣር ኣብ ልዕሊ እታ ግዳያ ዝዀነት ዓሌት ኣንጭዋ ትዓልብ። ሓሓሊፋ እናነጠረት ድማ ምሉእ ለይቲ ኽትሃድን ትሓድር። ልዕሊ ዚኣኽላ እንተ ሃዲና፡ ነቲ ዝተረፈ ብሑጻ ትኸድኖ። ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ናብ ሰፈራ ትምለስ፣ ቀትሪ ድማ ዳርጋ ኣይትርአን እያ። ብዛዕባ እዛ ሳሕቲ እትርአ ድሙ እዚኣ ዚገልጽ ገለ ዜደንቕ ሓቅታት እስከ ንርአ።

  • እቲ ሓያል ናይ ምስማዕ ክእለታ፡ ግዳያታ ዋላ እውን ኣብ ትሕቲ መሬት ይሃልዉ፡ ብልክዕ ኣበይ ከም ዘለዉ ብቐሊሉ ንኽትፈልጥ ይሕግዛ

  • ተባዕታይ ሳንድ ካት፡ መጻምድቲ ንምርካብ፡ ቀጢን ድምጺ የስምዕ። ኣንስተይቲ ሳንድ ካት ድማ፡ ሓያል ናይ ምስማዕ ክእለት ስለ ዘለዋ፡ ንድምጺ እቲ ተባዕታይ ካብ ርሑቕ ክትሰምዖ ትኽእል እያ

  • እቲ ኣብ ከብዲ እግራ ዚርከብ ጸጕሪ፡ ኣብቲ ሑጻ ንኸይትወሓጥ ይሕግዛ፣ ካብቲ ኣመና ውዑይ ዝዀነ ሑጻ ኸኣ ይከላኸለላ

  • ውሽጣዊ ጽፍሒ እዝና፡ ብጻዕዳ ጸጒሪ ዝመልአ ስለ ዝዀነ፡ ካብቲ ብንፋስ ዚመጽእ ሑጻ ይከላኸለላ

  • ከብዲ እግራ ብጸጒሪ እተሸፈነ ስለ ዝዀነ፡ ኣሰር እግራ ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ

  • በቲ ኻብ ግዳያ እትረኽቦ ማይ ንነዊሕ እዋን ክትጸንሕ ትኽእል እያ

  • ሙቐት እቲ ኣብ ምድረ በዳ ካራ-ኩም ዚርከብ ሑጻ፡ ክሳዕ 80 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ኪበጽሕ ይኽእል እዩ። ኣብ ካልእ እዋን ድማ፡ እቲ ዅነታት ኣየር፡ ትሕቲ ዜሮ ኽሳዕ 25 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ኪበጽሕ ይኽእል እዩ

ሓጺር ሓበሬታ

  • እትርከበሉ ቦታ፦ ኣብ ሳሃራን ኣብ ብምሉኡ ምድሪ ዓረብን ኣብ ገሊኡ ኽፋል ማእከላይ እስያን

  • ክብደት፦ ተባዕትዮ ሳንድ ካት፡ ካብ ክልተ ክሳዕ ሰለስተ ኪሎ ግራም ይምዘኑ

  • ቍመት፦ ካብ 40 ኽሳዕ 57 ሰንቲ ሜተር

  • ጭራ፦ ካብ 20 ኽሳዕ 30 ሰንቲ ሜተር

  • ጠባይ፦ ምስቶም ጨካናት ዝዀኑ ኻልኦት ድሙ በረኻ ኽትነጻጸር ከላ፡ ልእምቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ