ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 9/13 ገጽ 3
  • ካብ ከባቢ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ከባቢ ዓለም
  • ንቕሑ!—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ኣርክቲክ
  • ዓለም
  • ብሪጣንያ
  • ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ
  • ኣውስትራልያ
ንቕሑ!—2013
g 9/13 ገጽ 3

ካብ ከባቢ ዓለም

ኣርክቲክ

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ፡ ብሪጣንያ፡ ፕሮፌሰር ፊዚክስ ውቅያኖስ ዝዀነ ፒተር ዋዳምስ ከም ዝገለጾ፡ “ኣብ ምዉቕ ወቕቲ ዚርአ መጠን በረድ፡ ርብዒ እቲ 30 ዓመት ይገብር ዝነበረ ጥራይ እዩ” በለ። ብ2012 ዳርጋ 50 ዚዀና መራኽብ፡ በቲ ብሰንኪ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ እተኸፍተ ሓድሽ መስመር ተጠቒመን እየን።

ዓለም

ኣብተን ድሕሪ ሕርሲ ዘለዋ መዓልትታት ዚዳሎ ጸባ ጡብ ኣደ፡ ልዕሊ 700 ዚዀኑ እተፈላለዩ ዓይነት ባክተርያ ዝሓዘ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ካብቲ ምሁራት እተጸበይዎ ንላዕሊ እዩ። እቶም ባክተርያ ኣብ ናይ ሓደ ሕጻን ስርዓተ ምሕቃቕ ምግብን ስርዓተ ምክልኻል ሕማምን እንታይ ጥቕሚ ኸም ዘለዎም፡ ተመራመርቲ ገና ዜጽንዕዎ ዘለዉ ጕዳይ እዩ።

ብሪጣንያ

ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ብሪጣንያ፡ ብዛዕባ ምምራሕ ማኪና ኣብ ዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ ንቕሓት እቶም ጕንፋዕ ዝሓዞም መራሕቲ ማኪና፡ ካብቶም ኣልኮላዊ መስተ ሰትዮም ማኪና ዚመርሑ ሰባት ንታሕቲ ምዃኑ ፈሊጦም።

ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣፍሪቃ በብዓመቱ፡ ንኣስናን ሓራምዝ ተባሂሉ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሓራምዝ “ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን” ይቕተሉ ኣለዉ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ካብ ሄሊኮፕተር እዩ ኪኸውን ዚኽእል፡ ሓያሎ ሓራምዝ ኣብ ርእሶም ተኲስካ ተቐቲሎም እዮም።

ኣውስትራልያ

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመት፡ ካብቲ ኣብ ግሬት ባርየር ሪፍ ዝነበረ ህያው መርጀን ባሕሪ፡ ፍርቁ ጠፊኡ እዩ። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ከም ዚገልጽዎ፡ ቀንዲ ጠንቂ እቲ ምጥፋእ፡ ትሮፒካዊ ህቦብላ ንፋስን ምብዛሕ እቶም ስታር ፊሽ [ኣካንታስተር ፕላንሲ] ዚብሃሉ ዓይነት ዓሳን ብምኽንያት ልዑል ሙቐት ውቅያኖሳት ዜጋጥም ምጽዕዳው መርጀንን እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ