ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 10/13 ገጽ 3
  • ካብ ከባቢ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ከባቢ ዓለም
  • ንቕሑ!—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኢጣልያ
  • ኣርመንያ
  • ጃፓን
  • ቻይና
  • ካብ ከባቢ ዓለም
    ንቕሑ!—2014
  • ቤት ፍርዲ ኤውሮጳ መሰል እቶም ብምኽንያት ሕልናኦም ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዚኣብዩ ደጊፉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2002
  • ካብ ከባቢ ዓለም
    ንቕሑ!—2014
ንቕሑ!—2013
g 10/13 ገጽ 3

ካብ ከባቢ ዓለም

ኢጣልያ

ብ2011 ኣብ ኢጣልያ፡ ካብ ማካይን ንላዕሊ፡ ብሽክለታታት ብብዝሒ ተሸይጠን። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ቍጠባዊ ቕልውላው ስለ ዘጋጠመ ኸምኡውን ዋጋ ነዳድን ማካይን ንምጽጋን ዚወጽእ ወጻኢታትን ስለ ዝወሰኸ እዩ። ብሽክለታታት ግና፡ ንምጽጋን ብዙሕ ወጻኢ ዘየድልየንን ብቐሊሉ ኽትጥቀመለን እትኽእልን ምሹኣትን እየን።

ኣርመንያ

መንግስቲ ኣርመንያ ንመሰል እቶም ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ሰበ ስልጣን ኰይኖም ሲቭላዊ ኣገልግሎት ኪፍጽሙ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ 17 መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝጠሓሶ፡ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ወሲኑ። መንግስቲ ኣርመንያ ብምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም 17 መንእሰያት ዝወረደ ጕድኣት፡ ካሕሳን ሕጋዊ ኽፍሊትን ኪኸፍል ተሓቲቱ ኣሎ።

ጃፓን

ካብቶም ብሰንኪ ወብ ሳይታት ማሕበራዊ መራኸቢ ግዳይ ገበን ዝዀኑ ቘልዑ፡ እቶም 63 ሚእታዊት፡ ወለዶም ኣቐዲሞም ብዛዕባ እቲ ኼጋጥሞም ዚኽእል ሓደጋታት ኣየጠንቀቕዎምን። ካብቲ ምርምር እተገብረሉ 599 ጕዳያት፡ እቶም 74 ሚእታዊት ዝዀኑ ገበነኛታት፡ ነቲ ወብ ሳይታት ዚጥቀሙሉ ምኽንያት፡ ምስ ንኣሽቱ ቘልዑ ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ከም ዝዀነ ተኣሚኖም እዮም።

ቻይና

ጻዕቂ ማካይን ንምንካይ ኣብ ዚግበር ዘሎ ጻዕሪ፡ ዓበይቲ ኸተማታት ቻይና፡ ንብዝሒ እተን ዚምዝግባአን ሓደስቲ ማካይን ነክየናኦ ኣለዋ። ንኣብነት፡ ቤጂንግ ኣብ ዓመት ክሳዕ 240,000 ንዚዀና ማካይን ጥራይ እያ እትምዝግብ። ኣብ ነሓሰ 2012፡ 19,926 ዚኸውን ሊብረቶ (ሰነድ ዋንነት) ማኪና ተዳለወ፣ ነዚ ብመልክዕ ዕጫ እተዳለወ ሊብረቶ ንምስዓር ድማ፡ ኣስታት 1,050,000 ዚዀኑ ሰባት ተመዝገቡ። እዚ ኸኣ፡ ካብ 53 ሰባት እቲ ሓደ ጥራይ እዩ ተዓዊቱ ማለት እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ