ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 1/14 ገጽ 2-6
  • ፍሉይ ወብ ሳይት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፍሉይ ወብ ሳይት
  • ንቕሑ!—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንሰብ ሓዳር
  • ንወለዲ
  • ንመንእሰያት
  • መጽሓፍ ቅዱስ ኪመሃሩ ንዚደልዩ
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2015
  • ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምርዳኡ ብኸመይ ሓገዝ ትረክብ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ነታ ብዛዕባ ወብ ሳይት እትገልጽ ሓዳስ ትራክት ተጠቐመላ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2016
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2014
g 1/14 ገጽ 2-6
ሓንቲ መንእሰይ ኣብ jw.org ክትርኢ ኸላ

ገበር

ፍሉይ ወብ ሳይት

  • ንመጽሓፍ ቅዱስ ብ50 ዚኸውን ቋንቋታት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንእተመስረተ ኻልእ ሕታማት ከኣ ብልዕሊ 500 ቛንቋታት ኣንብቦ

  • ነቲ 70 ብዚኸውን ቋንቋታት ምልክት እተዳለወ ሕታማት ተዓዘቦ

  • ነቲ ወብ ሳይት ብኣማእታት ቋንቋታት ዳህስሶ

  • ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጠቕሰ ዜደንቕ ፍጻመታት እተመርኰሰ ብድምጺ ጥራይ እተዳለወ ድራማታት ስምዓዮ

  • ነቲ ብዛዕባ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ ብስእልታት እተዳለወ ዛንታታት ርኣዮ

  • ነቲ ኣብ ህይወትካ ዜጋጥመካ ጸገማት ንኽትዋጽኣሉ ዚሕግዘካ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ድራማታትን ቪድዮታትን ተመልከቶ

  • ነቲ ብናጻ ኺርከብ ዚኽእል መጻሕፍትን መጽሔታትን ኣውድዮ ፋይላትን ኣራግፎ

  • ነቲ ብልዕሊ 100 ቛንቋታት እተዳለወ ማእለያ ዘይብሉ ሓበሬታ ዚርከቦ ግምቢ ዘብዐኛ ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ተጠቒምካ፡ ብዛዕባ እተፈላለየ ጕዳያት መርምር

ንሰብ ሓዳር

“ስድራ ቤተይ ሕጕስቲ ኽትከውን እየ ዝደሊ። ኣነን ሰበይተይን፡ ብሕልፊ ቘልዑ ኻብ እንወልድ ንነጀው፡ ርክብና ሓርፊፉ እዩ ዘሎ። ሓገዝ የድልየና እዩ”

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦

“ቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ፡ ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕ።”—ምሳሌ 24:3።

ጠቓሚ መዳያት እቲ ወብ ሳይት

ሰብ ሓዳር ኣብ jw.org ኣብቲ ሰብ ሓዳርን ወለድን ዚብል ክፋል ኪርእዩ ኸለዉ

እቲ “ሰብ ሓዳርን ወለድን” ዚብል ክፋል፡ ነዚ ዚስዕብ ጸገማት ንኽትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ፦

  • ንቐዳመይቲ ዓመት ሓዳር ምስጋር

  • ምስ እንዳ ኣሕሙ ተሳኒኻ ምንባር

  • ንውሉዳት ምግሳጽ

  • ቈየቛ

  • ንጸገማት ገንዘብ ብግቡእ ምሓዝ

(ብእንግሊዝኛ ዚርከብ። ኣብ ትሕቲ BIBLE TEACHINGS > COUPLES & PARENTS ርአ)

መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት፡ ብዛዕባ ብዙሕ ጕዳያት ስድራ ቤት እትገልጽ መጽሓፍ እያ፣ ገና ንጽል ከለኻ ንሓዳር ክትዳሎ እትኽእለሉ መገድታትን ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለዲ እትከናኸነሉ መገድታትን ትሕብር።

(ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ፣ ኣብ ትሕቲ ሕታማት > መጻሕፍትን ብሮሹራትን ርአ)

ንወለዲ

“ካብ ደቀይ ንላዕሊ ዜገድሰኒ ጕዳይ የልቦን። ዓብዮም ኬዅርዑኒ እየ ዝደሊ”

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦

“ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ አረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ።”—ምሳሌ 22:6።

ጠቓሚ መዳያት እቲ ወብ ሳይት

ኣቦን ንእሽቶ ወዱን ኣብ jw.org ኣብቲ ቘልዑ ዚብል ክፋል ኪርእዩ ኸለዉ

እቲ “ቘልዑ” ዚብል ክፋል፡ ብስእሊ እተደገፈ ዛንታታትን ስእላዊ ንጥፈታትን ቪድዮታትን ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስን ዝሓዘ ዀይኑ፡ ንደቅኻ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ጕዳያት ንኽትምህሮም ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ፦

  • እዙዛት ኪዀኑ

  • ለውሃት ኬርእዩ

  • ምስ ካልኦት ኪሳነዩ

  • ‘አመስግነካ” ኺብሉ

(ብእንግሊዝኛ ዚርከብ። ኣብ ትሕቲ BIBLE TEACHINGS > CHILDREN ርአ)

መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታትን ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃርን ዘርእስተን መጻሕፍቲ፡ ምስ ደቅኻ ዄንካ ንኸተንብበን ተባሂለን እተዳለዋ ጽቡቕ ስእልታት ዘለወን መጻሕፍቲ እየን።

(ኣብ www.pr418.com/ti እውን ይርከባ፣ ኣብ ትሕቲ ሕታማት > መጻሕፍትን ብሮሹራትን ርአ)

ንመንእሰያት

“ንቤት ትምህርትን ንወለደይን ንኣዕሩኸይን ንኣንጻር ጾታን ዚምልከት ምኽሪ እንተ ዝረክብ ደስ ምበለኒ። ቈልዓ ስለ ዘይኰንኩ፡ ‘ከምዚ ግበር፡ ከምቲ ኣይትግበር’ ዚብለኒ ኣይደልን እየ”

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦

“ብንእስነትካ ባህ ይበልካ።”—መክብብ 11:9።

ጠቓሚ መዳያት እቲ ወብ ሳይት

ሓደ መንእሰይ ኣብ jw.org ኣብቲ ንመንእሰያት ዚብል ክፋል ኪርኢ ኸሎ

እቲ “መንእሰያት” ዚብል ክፋል፡ ኣብዚ ዚስዕብ ጕዳያት ኪሕግዘካ ዚኽእል ዓንቀጻትን ቪድዮታትን ዜጠቓልል እዩ፦

  • ብጽምዋ እንተ ተበሊዕካ

  • ኣብ ቤት ትምህርቲ ጸገማት እንተ ኣጋጢሙካ

  • ስርዓት ቤትኩም እንተ ኣፍሪስካ

  • እንተ ተደንዲንካ ወይ ብጾታዊ መዳይ እንተ ኣሸጊሮምኻ

(ብእንግሊዝኛ ዚርከብ። ኣብ ትሕቲ BIBLE TEACHINGS > TEENAGERS ርአ)

ቀዳማይን ካልኣይን ጥራዝ እታ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ብተደጋጋሚ ዚሕተት 77 ዚኸውን ኣገዳሲ ሕቶታት ይምልሳ።

(ኣብ www.pr418.com/ti እውን ይርከባ፣ ኣብ ትሕቲ ሕታማት > መጻሕፍትን ብሮሹራትን ርአ)

መጽሓፍ ቅዱስ ኪመሃሩ ንዚደልዩ

“መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድኣኒ እደሊ እየ። ካበይ እየ ግና ክጅምር ዝኽእል፧”

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦

‘ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡ ንትምህርቲ ኸኣ ዚጠቅም እዩ።’—2 ጢሞቴዎስ 3:16።

ጠቓሚ መዳያት እቲ ወብ ሳይት

ትርጕም ሓዳስ ዓለም ልክዕን ንኸተንብቦ ቐሊልን ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።

(ኣብ ትሕቲ ሕታማት > መጽሓፍ ቅዱስ ርአ)

እቲ “መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ” ዚብል ክፋል፡ “ኣምላኽ፡ ኣይሁድ ብጃምላ ንኪቕተሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧” ወይ ከኣ “የሱስ መዓስ እዩ ተወሊዱ፧” ንዚብልን ንኻልእን ሕቶታት ዚኸውን ንጹር መልሲ ይህብ እዩ።

(ብእንግሊዝኛ ዚርከብ። ኣብ ትሕቲ BIBLE TEACHINGS > BIBLE QUESTIONS ANSWEREDርአ)

እቲ “መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ኸተጽንዕ ሕተት” ዚብል ክፋል፡ ካብቲ ብናጻ ዚውሃብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትጥቀም ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

(ኣብቲ ኣብ ቀንዲ ገጽ ዚርከብ “መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ኸተጽንዕ ሕተት” ዚብል ጠውቕ)

“ኪርድኣኒ ስለ ዘይከኣለ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ሓዲገዮ ነይረ። በታ ‘መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧’ እትብል መጽሓፍ ገይረ ምስ ኣጽናዕክዎ ግና፡ ኣዝዩ ቐሊልን ንጹርን ምዃኑ ኣገሪሙኒ እዩ።”—ክሪስቲና።

ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕቶታት ኣሎካዶ፧

እቲ “ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት” ዚብል ክፋል፡ ነቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዚምልከት ዚለዓል፡ “ሃይማኖት ንዘለዎም ሰባት እትሰብኩሎም ስለምንታይ ኢኹም፧” ወይ “ዕዮኹም ብኸመይ እዩ ዚምወል፧” ንዚብል ልሙድ ሕቶታት ይምልሶ እዩ።

(ብእንግሊዝኛ ዚርከብ። ኣብ ትሕቲ ABOUT US > FREQUENTLY ASKED QUESTIONS ርአ)

በብመዓልቱ ኣስታት 700,000 ዚዀኑ ሰባት ኣብ jw.org ይርእዩ። ንስኻኸ ስለምንታይ ዘይትሓብሮም፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ